ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድለ

ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድለ

“[መንግስቲ ኣምላኽ] ደኣ ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ድማ ይውሰኸልኩም።” —ሉቃ. 12:31

መዝሙር፦ 40, 44

1. ኣብ መንጎ ዜድልየናን እንደልዮን ነገራት እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

ንሰብ ዜድልዮ ነገራት ሒደት እዩ፣ ሰብ ዚደልዮ ነገራት ግና መወዳእታ የብሉን ይብሃል እዩ። ብዙሓት ኣብ መንጎ እቲ ዜድልዮም ነገራትን ዚደልይዎ ነገራትን ዘሎ ፍልልይ ኣይርኣዮምን እዩ። እሞኸ ኣብ መንጎኡ እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ ዜድልየካ ነገራት ኪብሃል ከሎ፡ ብህይወት ንምንባር ናይ ግድን ኪማልኣልካ ዘለዎ ነገራት እዩ። ምግብን ክዳንን መጽለልን ዜድልየካ ነገራት ኪብሃል ይከኣል እዩ። እትደልዮ ነገራት ግና ኪህልወካ እትብህጎ ዀይኑ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ናይ ግድን የድልየካ ማለት ኣይኰነን።

2. ገለ ኻብቲ ሰባት ዚደልይዎ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

2 ሰባት ዚደልይዎ ነገር ከከምቲ ዚነብሩሉ ብዙሕ ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ሞባይል ተሌፎን፡ ሞተር ብሽክለታ፡ ወይ ንእሽቶ መሬት ንምዕዳግ ገንዘብ ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ ኸኣ፡ ብዙሕ ክቡር ክዳውንቲ፡ ዓብዪ ገዛ፡ ወይ ክብርቲ ማኪና ይደልዩ ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ዜድልየና ይኹን ኣይኹን ወይ ንምዕዳጉ ዓቕሚ ይሃልወና ኣይሃልወና ብዘየገድስ፡ መፈንጠራ ፍቕረ ንዋይ፡ ማለት ዝያዳ ነገራት ኪህልወና ምድላይ ኣብ ሓደጋ ኼእትወና ይኽእል እዩ።

ካብ መፈንጠራ ፍቕረ ንዋይ ተጠንቀቕ

3. ፍቕረ ንዋይ እንታይ እዩ፧

3 ፍቕረ ንዋይ እንታይ እዩ፧ ንመንፈሳዊ ሃብቲ ዘይኰነስ፡ ንንዋይ ወይ ንስጋዊ ነገራት እምብዛ ምፍታው ማለት እዩ። ፍቕረ ንዋይ ኣብቲ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዚምነዮን ቀዳምነት ዚህቦን ዜተኵረሉን ነገራት እዩ ሱር ዚሰድድ። ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ኪህልወና ድማ ትምኒት የሕድረልና። ፍቕረ ንዋይ ዘለዎ ሰብ፡ ናይ ግድን ብዙሕ ገንዘብ ይህልዎ ወይ ክቡር ነገራት ይዕድግ ማለት ኣይኰነን። ድኻታት እውን እንተ ዀኑ ግዳያት ፍቕረ ንዋይ ኪዀኑን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ኪሓድጉን ይኽእሉ እዮም።—እብ. 13:5

4. ሰይጣን ን“ትምኒት ኣዒንቲ” ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧

4 ሰይጣን ብናይ ንግዲ ስርዓቱ ገይሩ፡ ኣብ ህይወትና ሓጐስ ንምርካብ፡ ካብቲ ብሓቂ ዜድልየና ንላዕሊ ስጋዊ ነገራት ከነጥሪ ኸም ዜድልየና ኣምሲሉ ኺሓብለና ይፍትን እዩ። ን“ትምኒት ኣዒንቲ” ዚማርኽ ነገር ናይ ምቕራብ ክእለት ኣለዎ። (1 ዮሃ. 2:15-17፣ ዘፍ. 3:6፣ ምሳ. 27:20) ዓለም ዚጠቅምን ዘይጠቅምን በብዓይነቱ ስጋዊ ነገራት እያ እተቕርበልና፣ ገሊኡ ድማ ኣዝዩ ዜህርር እዩ። ብሓቂ ስለ ዜድልየካ ዘይኰነስ፡ ኣብ መወዓውዒ ስለ ዝረኣኻዮ፡ ወይ ኣብ ቤት መሸጣ ውቁብ ኰይኑ ስለ እተራእየካ፡ ኣቕሓ ዓዲግካዶ ትፈልጥ፧ ድሕሪኡ እቲ ኣቕሓ ዚዓብስ ከም ዘይኰነ ኣስተውዒልካዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ግድን ዘየድሊ ነገራት ንህይወትና ይሓላልኾን ጾር ይዀነናን እዩ። መፈንጠራ ኪዀነናን ካብ መንፈሳዊ ልማድና ናብ ካልእ ከም እነስግል ኪገብረናን ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ መጽናዕቲ፡ ንኣኼባና ምድላውን ኣብኡ ምእካብን፡ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ስሩዕ ተሳትፎን ኪተዓናቐፍ ይኽእል። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ዓለም . . . ትሓልፍ እያ ዘላ” ኢሉ ኸም ዘጠንቀቐ ኣይንረስዕ።

5. ነቶም መብዛሕትኡ ጕልበቶም ስጋዊ ነገራት ኣብ ምድላብ ዜሕልፍዎ ሰባት እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧

5 ሰይጣን ንየሆዋ ዘይኰነስ፡ ንገንዘብ ክንግዛእ እዩ ዚደልየና። (ማቴ. 6:24) መብዛሕትኡ ጕልበቶም ስጋዊ ነገራት ኣብ ምድላብ ዜሕልፍዎ ሰባት፡ ዋላ እኳ እንተ ሰለጦም ንርእሶም ኣብ ምርዋይ ስለ ዜተኵሩ ኣተሓሳስባኦም ዕምቈት ኣይህልዎን እዩ፣ እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ባዶ ይዀኑን ኣደዳ ጓህን ብስጭትን ኰይኖም ይተርፉን እዮም። (1 ጢሞ. 6:9, 10፣ ራእ. 3:17) ከምቲ የሱስ ኣብቲ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ዝገለጾ እዩ ዜጋጥሞም። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ኣብ ኣእሻዅ ምስ ተዘርአ፡ ካልእ ትምኒታት ኣትዩ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ዘይፈሪ ድማ ይኸውን።’—ማር. 4:14, 18, 19

6. ካብ ባሩኽ እንታይ ንምሃር፧

6 ነቲ ጸሓፊ ነብዪ ኤርምያስ ዝነበረ ባሩኽ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰዶ። ኣብ የሩሳሌም ዚመጽእ ጥፍኣት እናቐረበ ምስ ከደ፡ ባሩኽ ንርእሱ “ዓበይቲ ነገራት” ኪደሊ ጀመረ፣ እዚ እውን ነባሪ ዋጋ ዘይብሉ ነገራት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ የሆዋ፡ “ንህይወትካ ኸድሕና እየ” ኢሉ ዝኣተወሉ ቓል ጥራዩ እዩ ተስፋ ኺገብር ዝነበሮ። (ኤር. 45:1-5፡ እ.ጽ.) ኣምላኽ ካብታ እትጠፍእ ከተማ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ስጋዊ ጥሪት ኬድሕን ኣይደለየን። (ኤር. 20:5) ንሕና እውን ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበና ብዝኸድና መጠን፡ ስጋዊ ነገራት ክንድልብ ግዜኡ ኣይኰነን። ጥሪትና ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዘለዎ ዋጋ ብዘየገድስ፡ ምሳና ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺሰግር ክንጽበ የብልናን።—ምሳ. 11:4፣ ማቴ. 24:21, 22፣ ሉቃ. 12:15

7. ቀጺልና እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

7 የሱስ፡ ኣንፈትና ኸይሰሓትና፡ ፍቕረ ንዋይ ከየሕደርና፡ ወይ ብዘየድሊ ኸይተጨነቕና ንህይወት ዜድልየና ነገር ክንረክብ እንኽእለሉ ብሉጽ ምኽሪ ሂቡ እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ጠቒስዎ ነይሩ። (ማቴ. 6:19-21) እምበኣር፡ ኣብ ማቴዎስ 6:25-34 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣንቢብና በብሓደ ንተንትኖ። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንደሊ’ ኸም ዚግባእ ድልዱል እምነት ኪህልወና እዩ።—ሉቃ. 12:31

የሆዋ ብስጋዊ ንዜድልየና ዘበለ የማልኣልና

8, 9. (ሀ) ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት ብዙሕ ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ሰባትን ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራትን እንታይ ይፈልጥ ነይሩ፧

8 ማቴዎስ 6:25 ኣንብብ። የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ብዛዕባ ህይወትኩም . . . ደጊም ኣይትጨነቑ” ኢልዎም እዩ። ኪጭነቕሉ ብዛዕባ ዘይግባእ ነገራት እዮም ዚጭነቑ ነይሮም። ስለዚ፡ የሱስ ደጊም ከይጭነቑ እዩ ነጊርዎም፣ ከምዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ነይርዎ እዩ። ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ፡ ንኣእምሮና ብምክፍፋልን ከም ዜስግል ብምግባርን፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ሸለል ከም እንብሎ ኺገብረና ይኽእል እዩ። የሱስ እውን ነዚ ሓደጋ እዚ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣብ ስብከቱ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ መሊሱ ኣርባዕተ ሳዕ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—ማቴ. 6:27, 28, 31, 34

9 ስለምንታይ እዩ የሱስ ብዛዕባ እንበልዖ ወይ እንሰትዮ ወይ እንኽደኖ ኸይንጭነቕ ዝነገረና፧ እዚ ነገራት እዝስ ኣብ ህይወትና ናይ ግድን ዜድልየና ደይኰነን፧ ከመይ ደኣ፡ የድልየና እምበር! ነዚ ነገራት እዚ ኸነማልኦ እንተ ዘይክኢልና፡ ክንጭነቕ ንቡር ደይኰነን፧ እወ፡ የሱስ እውን ነዚ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ንሰባት መዓልቲ መዓልቲ ዜድልዮም ነገራት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣረ ነቲ እቶም ድሕሪ ዘመናት ኣብቲ “ጽንኩር ግዜ” እተባህለሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ሰዓብቱ ዜጋጥሞም ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ገለ ኻብዚ ድማ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ዝቕባበ፡ ዋሕዲ ምግቢ፡ ክቱር ድኽነት ኪጥቀስ ይከኣል። ይኹን እምበር፡ የሱስ ‘ህይወት ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳን’ ከም ዚበልጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

10. የሱስ ንሰዓብቱ ብኸመይ ከም ዚጽልዩ ኺምህሮም ከሎ፡ ኣብ ህይወቶም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኪኸውን ዘለዎ እንታይ ምዃኑ እዩ እተዛረበ፧

10 የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ስብከቱ፡ ብስጋ ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራት ንሰማያዊ ኣቦኦም፡ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ኢሎም ኪልምኑ ንሰማዕቱ ምሂርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 6:11) ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ “ናይ ዕለት እንጌራና በብመዓልቱ ሃበና” ኺብሉ ነጊርዎም እዩ። (ሉቃ. 11:3) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ክንሓስብ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት፡ ንምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ቐዳምነት ሂቡ። (ማቴ. 6:10፣ ሉቃ. 11:2) ንኣእምሮ ሰማዕቱ ንምቕሳን ድማ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ቐጺሉ ኣጕሊሑ እዩ።

11, 12. ካብቲ የሆዋ ንኣዕዋፍ ሰማይ ዚገብረለን ክንክን እንታይ ንምሃር፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ማቴዎስ 6:26 ኣንብብ። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ” ዚብል ምኽሪ ተዋሂቡና ኣሎ። ኣዕዋፍ ንእሽቱ እኳ እንተ ዀና፡ ብዙሕ ፍረታት፡ ኣዝርእቲ፡ ሓሸራታት፡ ወይ ሓሳኹ ይበልዓ እየን። ምስ ክብደት ሰብነተን ኪነጻጸር ከሎ፡ ካብ ሰባት ንላዕሊ እየን ዚበልዓ። ኰይኑ ግና፡ ዚብላዕ ኪረኽባ ኢለን ኣይሓርሳን ወይ ኣይዘርኣን እየን። ዜድልየን ዘበለ የሆዋ እዩ ዜማልኣለን። (መዝ. 147:9) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ የዀልሰን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ከይደን ዚብላዕ ኪረኽባ ኣለወን፣ ግናኸ፡ ንዓታተን ዚኸውን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኣሎ።

12 ብዓይኒ የሱስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንኣዕዋፍ ከምዚ ገይሩ ዚምግበን ካብ ኰነ፡ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ከይሓለየ ኺተርፍ ዘይመስል እዩ ነይሩ። [1] (1 ጴጥ. 5:6, 7) የሆዋ ንዓና ዘየዀልሰና እኳ እንተ ዀነ፡ እኽሊ ንምብቋል ወይ ንመዓልታዊ ቐለብና ዚኸውን ገንዘብ ንምርካብ እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ እዩ። ካልኦት ዘለዎም ኬካፍሉና እውን ኪድርኾም ይኽእል እዩ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣዕዋፍ ሰማይ ዚነብራሉ መጽለሊ ኣይጠቐሰን፣ እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንኣዕዋፍ፡ ሰፈረን ኪሰርሓ ዜድልየን ባህረታዊ ኽእለትን ናውትን ከም ዝሃበን ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንስድራ ቤትና ዜድልየና እኹል ቤት ንምርካብ፡ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

13. ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ከም እንበልጽ ዜረጋግጸልና እንታይ እዩ፧

13 የሱስ ንሰማዕቱ፡ “[ካብ ኣዕዋፍ ሰማይሲ] ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧” ኢሉ ሓቲትዎም እዩ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ ከም ዚህብ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምስ ሉቃስ 12:6, 7 ኣረኣኢ።) ክርስቶስ መስዋእቲ ዀይኑ ዝኸፈሎ በጃ፡ ንኻልኦት ህያዋን ፍጡራት ኣይኰነን። ንኣዕዋፍ ሰማይ ኣይሞተለንን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ምእንታና እዩ ሞይቱ።—ማቴ. 20:28

14. ሰብ ተጨኒቑ እንታይ እዩ ኺገብር ዘይክእል፧

14 ማቴዎስ 6:27 ኣንብብ። ስለምንታይ እዩ የሱስ፡ ሰብ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ከም ዘይክእል እተዛረበ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዜድልየና ነገራት ብዘየድሊ ምጭናቕና ንዕምርና ኣየንውሓልናን እዩ። እኳ ደኣስ፡ እምብዛ ጭንቀት ንዕምርና እዩ ዜሕጽሮ።

15, 16. (ሀ) ካብቲ የሆዋ ንዕምባባታት መሮር ዘጌጸሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

15 ማቴዎስ 6:28-30 ኣንብብ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪሳተፍ ከሎ፡ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኪኽደን ዘይደሊ መን ኣሎ፧ ንኣብነት ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ወይ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና ጽቡቕ ክዳውንቲ ኽንክደን ንደሊ ኢና። ይኹን እምበር፡ ‘ብዛዕባ ኽዳን ክንጭነቕዶ’ ይግብኣና እዩ፧ የሱስ መሊሱ ናብ ፍጥረት የሆዋ ኸነተኵር እዩ ምዒዱና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብ ትርኢት “ዕምባባታት መሮር” ብዙሕ ኢና እንምሃር። የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ውቁብ ዝዀነ በብዓይነቱ ዕምባባታት ሹሻን ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዞም ዕምባባታት እዚኦም ኣይፈትሉን ወይ ኣይሰፍዩን ወይ ኣይኣልሙን እዮም። ኪዕምብቡ ኸለዉ ግና ንምርኣዮም ውቁባት እዮም! “ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን”!

16 የሱስ፡ “ኣምላኽ ነቲ . . . ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧” ኢሉ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣይንስሓቶ። ኣምላኽ ብርግጽ ንዓና ኣብሊጹ ይኸድነና እዩ! ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግና እምነት ይጐድሎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 8:26፣ 14:31፣ 16:8፣ 17:20) ኣብ የሆዋ ዝደልደለ እምነትን ትውክልትን ኪህልዎም ነይርዎ። ንሕናኸ የሆዋ ዜድልየና ኸም ዜማልኣልና ኽሳዕ ክንደይ ድልድልቲ እምነት እያ ዘላትና፧

17. ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እንታይ ኬበላሽዎ ይኽእል፧

17 ማቴዎስ 6:31, 32 ኣንብብ። ‘ንኣህዛብ’ ክንመስሎም የብልናን፣ ንሳቶምሲ ኣብቲ ንመንግስቱ ንዜቐድሙ ዚሓልየሎም ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ናይ ሓቂ እምነት የብሎምን። ንዅሉ እቲ ‘ኣህዛብ ኣጸቢቖም ዚደልይዎ’ ነገራት ክንድልብ ምፍታን፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ የበላሽዎ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክንገብሮ ዚግባኣና እንተ ጌርና፡ ማለት ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንተ ሂብና፡ የሆዋ ጽቡቕ ዘበለ ኸም ዘይከልኣና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ‘ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት’ በቲ ዘሎና “ምግብን ክዳንን” ወይ “ቀልብን መጽለልን” ክንዓግብ ይድርኸና።—1 ጢሞ. 6:6-8፡ እ.ጽ.።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ተቐድም ዲኻ፧

18. የሆዋ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና እንታይ እዩ ዚፈልጥ፧ እንታይከ እዩ ዚገብረልና፧

18 ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ። ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ወትሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ኬቐድሙ ኣለዎም። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ‘እዚ ዅሉ ይውሰኸልና’ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢሉ፧ ኣብታ ቕድሚኣ ዘላ ፍቕዲ፡ “እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዜድልየና ምግብን ክዳንን መጽለልን፡ ልዕሌና ኺፈልጦ ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:19) ኣየናይ ክዳንና ኸም ዚበሊ ይፈልጥ እዩ። እንታይ ምግቢ ኸም ዜድልየናን ንስድራ ቤትና እንታይ መጽለሊ እኹል ምዃኑን ይፈልጥ እዩ። ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚማልኣልና ድማ ይገብር እዩ።

19. ኣብ መጻኢ ኪኸውን ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

19 ማቴዎስ 6:34 ኣንብብ። የሱስ ደጋጊሙ “ኣይትጨነቑ” ኸም ዝበለ ነስተብህል። የግዳስ፡ ኣብ ሓገዝ የሆዋ ብምትእምማን፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜተሓሳስበና ነገር በብመዓልቱ ኽንፈትሖ እዩ ደልዩና። ሓደ ሰብ ኣብ መጻኢ ኪኸውን ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት እምብዛ እንተ ተጨኒቑ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነስ ኣብ ርእሱ ኺጽጋዕ ይፍትን እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ብሕማቕ ይጸልዎ እዩ።—ምሳ. 3:5, 6፣ ፊል. 4:6, 7

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ፡ የሆዋ ድማ ዝተረፈ ይውስኸልኩም

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ንምትኳር፡ ንናብራኻ ኸተቕልሎ ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንታይ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል፧ (ለ) ናብራኻ ንምቕላል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

20 ኣብ ፍቕረ ንዋይ ዘተኰረ ኣነባብራ ኺህልወና ኢልና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምስዋእ ከንቱ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ክንስዕብ ኣሎና። ንኣብነት፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩላ ጉባኤ ኽትግዕዝ ትኽእልዶ፧ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ፈላሚ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ከተመልክት ሓሲብካዶ፧ ኣብ ቤት-ኤል ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ንምሕጋዝ ብኸፊል ግዜኻ እናተመላለስካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ብኸፊል ግዜኻ ኣብ ፕሮጀክትታት ኣዳራሽ መንግስቲ ንምሕጋዝ ወለንተኛ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትሳተፍ፡ ኣነባብራኻ ንምቕላል እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። ነታ፡ “ ንናብራኻ ብኸመይ ከም እተቕልሎ” ዘርእስታ ሳጹን ብጸሎት ሕሰበላ እሞ ሸቶኻ ንምውቃዕ ስጕምትታት ክትወስድ ጀምር።

21. ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

21 የሱስ፡ ንስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ዝመሃረሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ብዛዕባ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ኣይንጭነቕን ኢና። የግዳስ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካል ናብኡ ብዝያዳ ንቐርብ፡ ዋላ እውን ዓቕሚ እናሃለወና ድማ ቃሕ ዝበለና ወይ ዓለም እተቕርቦ ዘበለ ኸነጥሪ ኣይንፍትንን። ሕጂ ንናብራና ምቕላልና፡ ነታ እትመጽእ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ኽንሕዛ’ ኺሕግዘና እዩ።—1 ጢሞ. 6:19

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 12) ሓድሓደ ግዜ፡ ክርስትያናት እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም። የሆዋ ነዚ ዚፈቕደሉ ምኽንያት ንምርዳእ፡ ኣብ ናይ 15 መስከረም 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 22 ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ሕ.ጽ. 58 ኣብ ናይ ሓምለ 2010 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 8 ዝወጸት፡ “ከመይ ጌርካ ባጀት ከም እትገብር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።