ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ”

“ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ”

ምሸት ኣብ ሓደ ጐደና ብጸልማት ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሃንደበት ሓደ ሰብ ይስዕበካ ኸም ዘሎ ተስተብህል። ደው ክትብል ከለኻ፡ እቲ ሰብ እውን ደው ይብል። ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ኽትስጕም ከለኻ ድማ ንሱ እውን ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለ ይስጕም። ሽዑ እናጐየኻ ኣብ ጥቓኻ ናብ ዘሎ ቤት ፈታዊኻ ኼድካ ትዅሕኵሕ። ፈታዊኻ ማዕጾ ኸፊቱ ምስ ተቐበለካ፡ እፎይታ ይስምዓካ።

ምናልባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣጋጢሙካ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ካልእ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጭንቀት ግና የሻቕለካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ከተወግዶ እትደሊ ሓደ ዓይነት ድኻም ይህልወካ፡ ግናኸ ነቲ ጌጋ እቲ ትደጋግሞ ትኸውን። ወይ ከኣ ንነዊሕ እዋን ብዘይ ስራሕ ትነብር፡ ስራሕ ክትረክብ ድማ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓርካ ኽትረክብ ኣይከኣልካን። ወይ ድማ ብዛዕባ እርጋንን ናይ ጥዕና ጸገማትን ትሓስብ ትኸውን። ወይ እውን ካልእ ነገራት የጨንቐካ ይኸውን።

እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ጭንቀትካ እተካፍሎን ኣብ ዜድልየካ እዋን ዚሕግዘካን ፈታዊ እንተ ትረክብሲ ኣይምተሓጐስካንዶ፧ እሞኸ ኸምዚ ዓይነት ፈታዊ ኣሎካዶ፧ እወ ኣሎካ! ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:8-13 ተሓቢሩ ዘሎ፡ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ንዝነበረ ኣብርሃም ፈታዊኡ ዝነበረ ንዓኻ እውን ፈታዊኻ እዩ። ኣብ ፍቕዲ 10ን 13ን፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ። ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” በሎም።

“ክሕዘካ እየ”

እዘን ቃላት እዚአንሲ ኣየጸናንዓኻንዶ፧ ንርእስኻ ኣብቲ የሆዋ እተጠቐመሉ ስእላዊ ዘረባ እሞ ኣእትዋ። ምስ የሆዋ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ምኻድ ባህ ዜብል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብታ ጥቕሲ ግና እዚ ሓሳብ እዚ ኣይኰነን ተገሊጹ ዘሎ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ኽትከይድ እንተ ዄንካ፡ የማነይቲ ኢዱ ንጸጋመይቲ ኢድካ እያ እትሕዝ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ‘ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢዱ’ ገይሩ፡ “ብየማነይቲ ኢድካ” እዩ ዚሕዘካ፣ እዚ ኸኣ ካብ ዜጨንቕ ኵነታት ህይወት ስሒቡ የውጽኣካ ማለት እዩ። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ “ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ” ብዚብል ቃላት እውን የጽንዓካ እዩ።

እሞኸ፡ ንየሆዋ ኸም ሓደ ኽትጭነቕ ከለኻ ዚድግፈካ ፈቃር ኣቦን ፈታውን ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ የሆዋ ብኣኻ ይግደስ፡ ብዛዕባ ድሕነትካ ይሓስብ፡ ኪሕግዘካ ኸኣ ድሉው እዩ። ኣዝዩ ስለ ዚፈትወካ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ኽትቀስን ይደልየካ እዩ። እወ፡ የሆዋ “ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤት” እዩ።—መዝ. 46:1

ስምዒት በደለኛነት

ገሊኦም ኣብ ዝሓለፈ ብዝፈጸምዎ ተግባር ይሳቐዩ፡ ኣምላኽ ይቕረ ዚብለሎም እንተ ዀይኑ እውን ይጠራጠሩ እዮም። ከምዚ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ፡ ‘ሓጢኣት ንእስነቱ’ ዝዘከረ፡ እሙን ዝነበረ እዮብ ሕሰብ። (እዮ. 13:26) እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ስለ ዝነበሮ፡ ንየሆዋ፡ “ሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክር” ብምባል ለሚንዎ እዩ። (መዝ. 25:7) ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ‘ሓጢእና፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲሉና እዩ።’—ሮሜ 3:23

እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 41 ዘሎ መልእኽቲ፡ ብመጀመርታ ንጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ እዩ ተጻሒፉ። ንሳቶም ኣዝዮም ስለ ዚሓጥኡ፡ የሆዋ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከም ዚውሰዱ ብምግባር ፈረዶም። (ኢሳ. 39:6, 7) ምስናይዚ ግና፡ ነቶም ተነሲሖም ናብኡ ዚምለሱ ዘበሉ ኸም ዜድሕኖም፡ ኣቐዲሙ ሓሲቡሉ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 41:8, 9፣ 49:8) ሎሚ እውን ነቶም ሞገሱ ኺረኽቡ ዚደልዩ ሰባት፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ስምዒት እዩ ዘለዎ።—መዝ. 51:1

ተመክሮ ታኩያ * እሞ ንርአ። ንሱ ነቲ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይን ግብረ ሕቡእ ናይ ምፍጻምን ርኹስ ልማድ ኬሰንፎ ይቃለስ እኳ እንተ ነበረ፡ ብተደጋጋሚ ይደግሶ ነበረ። እንታይከ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧ “ፈጺመ ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ፣ የሆዋ ይቕረ ኺብለለይ ብጸሎት ኪልምኖ ኸለኹ ግና፡ ካብቲ ዝወደቕክዎ የተንስኣኒ ነይሩ” በለ። የሆዋ ንታኩያ ብኸመይ እዩ ዘተንስኦ ነይሩ፧ እቶም ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ልማዱ ኺደግሶ ኸሎ ኺጽውዖም ነገርዎ። ታኩያ ኣስዒቡ፡ “ንሽማግለታት ክጽውዖም ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኪጽውዖም ከለኹ ግና ብርታዐ እረክብ ነይረ” በለ። እቶም ሽማግለታት ከኣ ሓላው ወረዳ ንታኩያ ኸም ዚበጽሖ ገበሩ። እቲ ሓላው ወረዳ ንታኩያ፡ “ኣብዚ ዘለኹ ብኣጋጣሚ ኣይኰንኩን። ኣብዚ ዘለኹ ሽማግለታት ኣብዚ ኺህሉ ስለ ዝደለዩኒ እዩ። ንሳቶም ነዚ ጕስነታዊ ምብጻሕ ኪግበረልካ ሓርዮምኻ እዮም” በሎ። ታኩያ፡ “ሓጢኣት እኳ እፍጽም እንተ ነበርኩ፡ የሆዋ ብሽማግለታት ኣቢሉ ሓጊዙኒ እዩ” በለ። ዕቤት ገይሩ ስሩዕ ፈላሚ ዀነ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር የገልግል ኣሎ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ነዚ ሓው እዚ ምስ ወደቐ ዘተንስኦ፡ ንዓኻ እውን እንተ ወዲቕካ፡ ኬተንስኣካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ስራሕ ምጭናቕ

ገሊኦም ካብ ስራሕ ምስ ወጹ፡ ካልእ ስራሕ ኪረኽቡ ስለ ዘይክእሉ ይጭነቑ እዮም። ዝሓተትካዮ ኣስራሒ ኺነጽገካ ኸሎ እንታይ ከም ዚስምዓካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ገሊኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም እዮም። የሆዋ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ ብኡብኡ ስራሕ ከም እትረክብ ኣይገብርን ይኸውን፣ ግናኸ ነቲ ንጉስ ዳዊት፡ “ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከም እትዝክሮ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። (መዝ. 37:25) እወ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ፡ ብቐጻሊ ምእንቲ ኸተገልግሎ ድማ ‘ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢዱ’ ገይሩ ዜድልየካ ዘበለ ኸም እትረክብ ኪገብር ይኽእል እዩ።

ካብ ስራሕ ክትወጽእ ከለኻ፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

ኣብ ኮሎምቢያ እትነብር ሳራ፡ ንድሕነት የሆዋ ተመኪራቶ እያ። ኣብ ሓደ ዓብይን ውሩይን ኩባንያ ምሉእ መዓልቲ እናሰርሐት ብዙሕ ደሞዝ ትረክብ ነበረት። ግናኸ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸተገልግሎ ስለ ዝደለየት፡ ስራሓ ኣቋሪጻ ፈላሚት ኰነት። ይኹን እምበር፡ ዜድልያ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ብቐሊሉ ኣይረኸበትን። ንእሽቶ ድኳን ከፊታ ጀላቶ ኽትሸይጥ ጀሚራ እኳ እንተ ነበረት፡ ቍሩብ ጸኒሑ ገንዘብ ስለ ዝሓጸራ፡ ነቲ ድኳን ዓጸወቶ። “ሰለስተ ዓመት ዚኣክል እኳ እንተ ሓለፈ፡ የሆዋ ይመስገን፡ ክጻወር ክኢለ እየ” ድማ በለት። ኣብ መንጎ ምሾትን መሰረታዊ ነገራትን ዘሎ ፍልልይ ከተለልን ብዛዕባ ጽባሕ ክትጭነቕ ከም ዘይብላ ኽትግንዘብን ክኢላ እያ። (ማቴ. 6:33, 34) ጸኒሑ፡ እቲ ናይ ቅድም ኣስራሒኣ ጸዊዑ ናብቲ ናይ ቀደም ስራሓ ኽትምለስ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕን ንመንፈሳዊ ንጥፈታታ ዚኸውን ግዜን እንተ ተዋሂብዋ ጥራይ ከም እትሰርሕ ነገረቶ። ሽሕ እኳ ሳራ ኸም ቀደማ ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብ እንተ ዘይከኣለት፡ ፈላሚት ኰይና ኽትቅጽል ክኢላ እያ። ኣብዚ ኣጸጋሚ ዅነታት እዚ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ብኢዱ ኸም ዝደገፋ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ።

ብዛዕባ እርጋን ምጭናቕ

ካልእ ዜተሓሳስብ ዓብዪ ጸገም ከኣ እርጋን እዩ። ሓያሎ ሰባት ጡረታ ዚወጹሉ ዕድመ ምስ ኣኸለ፡ ኣብቲ ዚቕጽል ህይወቶም ብምሾት ኪነብሩ ዜኽእሎም ገንዘብ ኪረኽቡ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም የተሓሳስቦም እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ ኼጋጥሞም ዚኽእል ጸገማት ጥዕና እውን የጨንቖም እዩ። “ብግዜ እርጋነይ ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ምስ ጠለመኒ ኸኣ ኣይትሕደገኒ” ኢሉ ንየሆዋ ዝለመኖ፡ ዳዊት ከይኰነ ኣይተፍርን እዩ።—መዝ. 71:9, 18

ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ግዜ እርጋኖም ቅሳነት ኪስምዖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ከም ዚህቦም ብምትእምማን ነታ ኣብኡ ዘላቶም እምነት ብቐጻሊ ኼደልድልዋ የድልዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምሾት ዚነብሩ እንተ ነይሮም፡ ቀሊል ናብራ ብምንባር፡ ብሒደት ዓጊቦም ኪነብሩ የድልዮም ይኸውን። “ካብ ስቡሕ ብዕራይ” እናበልዑ ምንባር፡ “ጻሕሊ ሓምሊ” ምብላዕ ዜሐጕስን ምናልባት እውን ንጥዕናኦም ዝሓሸን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:17) ንየሆዋ ኸተሐጕስ ትጽዕር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ግዜ እርጋንካ እውን ከይተረፈ ዜድልየካ ኺህበካ እዩ።

ሆሴን ሮዝን ምስ ቶኒን ወንዲን

ብዛዕባ ሆሴን ሮዝን እሞ ንርአ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ንልዕሊ 65 ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን ንየሆዋ ኣገልጊሎምዎ እዮም። ኣብቲ ዓመታት እቲ ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፎም እዮም። ነቲ መዓልትን ለይትን ክንክን ዜድልዮ ኣቦ ሮዝ ኪኣልዩ ኣድልይዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ሆሴ መንሽሮ ስለ ዝሓመመት መጥባሕትን ኬሞተራፒ ዚብሃል ዓይነት ሕክምናን ኪግበረላ ኣድልዩ እዩ። እሞኸ የሆዋ ነዞም እሙናት ሰብኣይን ሰበይትን ብየማነይቲ ኢዱ ደጊፍዎም ድዩ፧ እወ ደጊፍዎም እዩ፣ ግናኸ ብኸመይ፧ በቶም ኣባላት ጉባኤኦም ዝዀኑ ቶኒን ወንዲን ዝስሞም ሰብ ሓዳር ኣቢሉ እዩ። ንሳቶም ነቲ ዝነበሮም ገዛ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንዘለዉ ፈለምቲ ኺህብዎም ደልዮም ስለ ዝነበሩ፡ ንሆሴን ንሮዝን ከይከፈሉ ኺነብሩሉ ሃብዎም። ቶኒ ተምሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሆሴን ሮዝን ኣዘውቲሮም ኣገልግሎት ኪኸዱ ኸለዉ ብመስኮት ቤት ትምህርቱ ኣማዕድዩ ይርእዮም ከም ዝነበረ ይዝክር። በቲ ዝነበሮም ቅንኣት ይፈትዎም ነበረ፣ ኣብነቶም ድማ ዓብዪ ጦብላሕታ ኣሕደረሉ። ቶኒን ወንዲን እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምሉእ ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ስለ እተገንዘቡ፡ ኣብ ቤቶም ኪቕበልዎም ተደረኹ። ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመት ከኣ ነቶም ሕጂ ኣብ መፋርቕ 80ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሆሴን ሮዝን ሓጊዞምዎም እዮም። ሆሴን ሮዝን ንቶኒን ንወንዲን ውህበት የሆዋ ኸም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም።

ኣምላኽ ንዓኻ እውን፡ “ክረድኣካ፡ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ” ብምባል ኣተስፍዩካ ኣሎ። እሞኸ፡ ኢድካ ኽትህቦ ዲኻ፧

^ ሕ.ጽ. 11 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።