ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ኸተገልግል ከለኻ፡ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ሓሉ

ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ኸተገልግል ከለኻ፡ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ሓሉ

“ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቚረዮ።”—መዝ. 119:11

መዝሙር፦ 18, 47

1-3. (ሀ) ኵነታትና ብዘየገድስ፡ እንታይ እዩ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ፧ (ለ) እቶም ሓድሽ ቋንቋ ዚምሃሩ፡ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበግስ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣሽሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ከም ዚብሰር ዚገልጽ ራእይ ኣብ ምፍጻም፡ ብንጥፈት ይሳተፉ ኣለዉ። (ራእ. 14:6) ንስኻኸ ሓደ ኻብቶም ካልእ ቋንቋ እተማህሩ ዲኻ፧ ምናልባት ሚስዮናዊ ዄንካ ተገልግል ወይ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ወጻኢ ሃገር ተገልግል ኣለኻ ዲኻ፧ ወይ ድማ ኣብ ዓድኻ ኣብ ዚርከብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ኽትእከብዶ ጀሚርካ ኣለኻ፧

2 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናናን ንመንፈሳዊ ጥዕና ስድራ ቤትናን ቀዳምነት ክንህብ ኣሎና። (ማቴ. 5:3) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ግዜ ስለ እንስእን፡ ትርጉም ዘለዎ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር ይኸብደና ይኸውን። እቶም ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ዜገልግሉ ኸኣ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ተወሳኺ ብድሆታት ኣለዎም።

3 እቶም ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሓድሽ ቋንቋ ንምፍላጥ ዘለዎም ቃልሲ፡ ኣዘውቲሮም ንልቦም ብዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኺዕንግሉ ኣለዎም። (1 ቈረ. 2:10) ነቲ ኣብ ጉባኤኦም ዚዝረብ ቋንቋ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድእዎ እንተ ዀይኖም ግና፡ ከመይ ገይሮም ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ዘለዉ ክርስትያን ወለዲኸ ቓል ኣምላኽ ንልቢ ደቆም ከም ዚትንኪ ብኸመይ ኬረጋግጹ ይኽእሉ፧

ንመንፈሳዊ ጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ነገር

4. እንታይ ነገር እዩ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

4 ብቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ትምህርቲ ቓል ኣምላኽ ምስ ዘይንርድኦ፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ነህምያ፡ ገሊኦም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ደቂ ኣይሁድ እብራይስጢ ኺዛረቡ ኸም ዘይክእሉ ምስ ፈለጠ፡ እዚ ነገር እዚ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። (ነህምያ 13:23, 24 ኣንብብ።) ከም ሓቂ፡ እቶም ቈልዑ እቲኦም ንትርጉም ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሮም መንነት እዮም ዜጥፍኡ ነይሮም።—ነህ. 8:2, 8

5, 6. ገሊኦም ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ዜገልግሉ ወለዲ እንታይ እዮም ተገንዚቦም፧ ስለምንታይከ፧

5 ገሊኦም ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ዜገልግሉ ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ብዛዕባ ሓቂ ዝነበሮም ተገዳስነት እናቐሃመ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገንዚቦም እዮም። እቶም ውሉዳት ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዚዝረብ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ በቲ ዚቐርብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ልቦም ኣይትንከፍን እዩ። ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ ኣውስትራልያ ዝገዓዘ ፔድሮ፡ [1] “ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኪዝረብ ከሎ፡ ልብን ስምዒትን ኪትንከ ይግብኦ” ይብል።—ሉቃ. 24:32

6 ብቛንቋ ወጻኢ ኸነንብብ ከለና፡ ቋንቋና ስለ ዘይኰነ፡ ልብና ኸይትንከ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብኻልእ ቋንቋ ምርድዳእ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብቛንቋ ወጻኢ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎና ባህጊ እናዓቀብና፡ መንፈሳዊ ጥዕናና ኽንሕሉ ኣሎና።—ማቴ. 4:4

መንፈሳዊ ጥዕናኦም ሓልዮም

7. ባቢሎናውያን ንዳንኤል፡ ንባህሎም ኬላምድዎ ዝፈተኑ ብኸመይ እዮም፧

7 ዳንኤልን ብጾቱን ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ፡ ባቢሎናውያን ‘ቋንቋ ከለዳውያን’ ብምምሃር ንባህሎም ኬላምድዎም ፈቲኖም እዮም። ብዘይካዚ፡ እቲ ንስልጠናኦም ዚከታተል ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ ስማት ባቢሎናውያን ኣውጺኡሎም እዩ። (ዳን. 1:3-7) እቲ ንዳንኤል እተዋህቦ ስም፡ ቤል ምስ ዚብሃል ቀንዲ ኣምላኽ ባቢሎን ዚተሓሓዝ እዩ ነይሩ። ንጉስ ነቡካድነጻር ንዳንኤል፡ ኣምላኽ ባቢሎናውያን ካብ የሆዋ ኸም ዚበልጽ ገይሩ ኼእምኖ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዳን. 4:8

8. ዳንኤል ኣብ ዓዲ ጓና እናነበረ መንፈሳዊ ጥዕናኡ ኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

8 ዳንኤል ጥዑም ብልዒ ንጉስ እኳ እንተ ቐረበሉ፡ ንሱ ግና “ከይረክስ ብልቡ ቘረጸ።” (ዳን. 1:8) “ቅዱሳት መጻሕፍቲ” ብቛንቋ ኣዲኡ የጽንዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዓዲ ጓና እናነበረ መንፈሳዊ ጥዕናኡ ኺሕሉ ኽኢሉ እዩ። (ዳን. 9:2፡ እ.ጽ.።) ስለዚ፡ ካብቲ ናብ ባቢሎን ዝኸደሉ ድሕሪ 70 ዓመት ኣቢሉ እውን እንተ ዀነ በቲ ናይ እብራይስጢ ስሙ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ።—ዳን. 5:13

9. ኣብ መዝሙር 119 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ጸሓፊ እታ መዝሙር እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

9 ጸሓፊ መዝሙር 119፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ እተፈልየ ኪኸውን ዜኽእሎ ብርታዐ ኻብ ቃል ኣምላኽ ረኺቡ እዩ። ነቲ ኻብ ገሊኦም ኣባላት ቤተ መንግስቲ ዘጋጠሞ ንዕቀት ክኢሉ ኺነብር ነይርዎ እዩ። (መዝ. 119:23, 61) እዚ እናዀነ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ንልቡ ኺትንክዮ ፈቒዱ እዩ።—መዝሙር 119:11, 46 ኣንብብ።

መንፈሳዊ ጥዕናኻ ዓቅብ

10, 11. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና፡ ሸቶና እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ሸቶና ኽንወቅዕ ንኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

10 ብቲኦክራስያውን ብዓለማውን ሓላፍነታት ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና፡ ንብሕታዊ መጽናዕትን ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። (ኤፌ. 5:15, 16) ሸቶና ገሊኡ ገጻት ንምሽፋን ወይ ኣብ ኣኼባታት ንምስታፍ ዜድልየና ሓሳባት ንምድላው ጥራይ ኪኸውን የብሉን። የግዳስ፡ ቃል ኣምላኽ ንልብና ኺትንክዮን ንእምነትና ኼደልድላን ንደሊ ኢና።

11 ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራትን ንዓና ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ነገራትን ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። (ፊል. 1:9, 10) ንኣገልግሎት፡ ንኣኼባታት፡ ወይ ንመደረ ኣብ እንዳለወሉ እዋን እነንብቦ ነገራት፡ ብብሕቲ ኸይዓየናሉ ኽንተረፍ ንኽእል ኢና። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ኸሻኒ ነቲ ዝኸሸኖ ምግቢ ንተመገብቲ ቕድሚ ምቕራቡ ኺጥዕሞ እኳ እንተ ኣለዎ፡ በቲ በብግዜኡ ዚጥዕሞ ምግቢ ጥራይ ዓጊቡ ኺነብር ግና ኣይክእልን እዩ። ጽቡቕ ጥዕና ኺህልዎ እንተ ደልዩ፡ ንርእሱ እውን መዓዛታት ዘለዎ ምግቢ ኼዳሉ ኣለዎ። ንሕና እውን ንልብና በቲ ንዓና ብብሕቲ ዜድልየና መንፈሳዊ ምግቢ ንምዕንጋል ኽንጽዕር ኣሎና።

12, 13. ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ዜገልግሉ ሓያሎ ክርስትያናት፡ ኣዘውቲሮም ብቛንቋ ኣዲኦም ምጽናዕ ዚጠቕሞም ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ዜገልግሉ ሓያሎ ክርስትያናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲሮም ‘በቲ እተወለዱሉ ቛንቋ’ ምጽናዕ ይጠቕሞም እዩ። (ግብ. 2:8) ሚስዮናውያን እውን እንተ ዀኑ ኣብ ምድቦም ደልዲሎም ንምግልጋል፡ ኣብቲ ኣብ ኣኼባታት ዚርድኦም መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ኪምርኰሱ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም።

13 ንኣስታት ሸሞንተ ዓመት ቋንቋ ፋርስ እተማህረ ኣላን ከምዚ ይብል፦ “ብፋርስኛ ንኣኼባታት ክዳሎ ኸለኹ፡ ኣብቲ ቛንቋ እየ ዘተኵር። ኣእምሮይ ናብ መጽናዕቲ እቲ ቛንቋ ስለ ዜቕልብ፡ ልበይ በቲ ዜንብቦ መንፈሳዊ ሓሳባት ከይተተንከየ ኺተርፍ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እየ ኣዘውቲረ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ጽሑፋትን ብቛንቋ ኣደይ ዘጽንዕ።”

ልቢ ደቅኻ ተንኪ

14. ወለዲ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

14 ክርስትያን ወለዲ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣእምሮን ንልብን ደቆም ከም ዚትንኪ ኺገብሩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሰርዥን ሰበይቱ ምዩሪየልን ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋሎም፡ ወዲ 17 ዓመት ወዶም ብቲኦክራስያዊ ንጥፈታቱ ሕጉስ ዘይምዃኑ ኣስተብሂሎም። ብዛዕባ እዚ ምዩሪየል፡ “ቀደም ብቛንቋኡ ፈረንሳይኛ ምስባኽ ይፈቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኻልእ ቋንቋ ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ኬሕርቖ ጀሚሩ” ትብል። ሰርዥ ድማ፡ “እዚ ዅነታት እዚ ንወድና መንፈሳዊ ዕቤት ከይገብር ዕንቅፋት ከም ዝዀኖ ምስ ፈለጥና፡ ናብ ናይ ቀደም ጉባኤና ኽንምለስ ወሲንና” ኢሉ ይገልጽ።.

ሓቂ ንልቢ ደቅኻ ኸም ዚትንኪ ግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

15. (ሀ) ወለዲ ብቛንቋ ውሉዳቶም ናብ እትጥቀም ጉባኤ ንምግዓዝ፡ እንታይ ረቛሒታት ኪጸልዎም ይኽእል፧ (ለ) ዘዳግም 6:5-7 ንወለዲ እንታይ ምኽሪ ትህቦም፧

15 ወለዲ፡ ውሉዳቶም ብዝሓሸ ዚርድኦም ቋንቋ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ኪቕይሩ የድልዮም ይኸውን። ከምኡ ንምግባር እንታይ ረቛሒታት ኪድርኾም ይኽእል፧ ቀዳማይ፡ ንደቆም ቋንቋ ወጻኢ እናመሃሩ፡ ኣብ ልቦም ፍቕሪ የሆዋ ንምስራጽ እኹል ግዜን ዓቕምን እንተ ኣልይዎም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። ካልኣይ፡ ደቆም ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ወይ ንቛንቋ ወጻኢ ተገዳስነት ከም ዘይብሎም የስተብህሉ ይዀኑ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ውሉዳት ኣብ ሓቂ ጸኒዖም ክሳዕ ዜትክሉ፡ ክርስትያን ወለዲ ብቛንቋ ውሉዳቶም ናብ እትጥቀም ጉባኤ ኺግዕዙ ይኽእሉ እዮም።—ዘዳግም 6:5-7 ኣንብብ።

16, 17. ገሊኦም ወለዲ ኣብ ቋንቋ ወጻኢ እናኣገልገሉ ኸመይ ገይሮም እዮም ንደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ዜሰልጥንዎም ዘለዉ፧

16 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ገሊኦም ወለዲ ኣብ ቋንቋ ወጻኢ እትጥቀም ጉባኤ ወይ ጕጅለ እናተኣከቡ፡ ንደቆም ብእተወልዱሉ ቛንቋ ኺምህርዎም ክኢሎም እዮም። ካብ 9 ኽሳዕ 13 ዓመት ዝዕድሚአን ሰለስተ ኣዋልድ ዘለዋኦ ቻርለስ፡ ቋንቋ ሊንጋላ ኣብ እትጥቀም ጕጅለ እዩ ዚእከብ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ምስ ደቅና እንገብሮ መጽናዕትን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ብእተወለድናሉ ቛንቋ ኽንገብሮ ኢና ወሲንና። ጽቡቕ ግዜ እናሓለፍና ንቛንቋ ሊንጋላ ምእንቲ ኽንምሃሮ ኸኣ፡ በቲ ቛንቛ ልምምዳትን ጸወታታትን ንገብር ኢና።”.

ቋንቋ እታ እትኸዳ ጉባኤ ንምፍላጥን ኣብ ኣኼባታት ንምስታፍን ጻዕሪ ግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

17 ደቂ ሓሙሽተን ሸሞንተን ዝዀና ኽልተ ኣዋልድ ዘለዋኦ ኬቨን ድማ ነቲ ብቛንቋ ወጻኢ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ዜምልጦ ነገር ንምትካእ ከምዚ ዚስዕብ ይገብር እዩ፦ “ኣነን ሰበይተን ምስ ክልቲአን ኣዋልድና ብቛንቋ ኣዴና፡ ብፈረንሳይኛ ነጽንዕ ኢና። ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ኸኣ፡ ብፈረንሳይኛ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ናይ ምእካብ ሸቶ ኣሎና፣ ኣብ ዕረፍትና ድማ ብእተወለድናሉ ቛንቋ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ዞባ ንእከብ ኢና።”

18. (ሀ) ንደቅኹም ዝሓይሽ ውሳነ ንምግባር፡ ኣብ ሮሜ 15:1, 2 ዚርከብ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ኺሕግዘኩም ዚኽእል፧ (ለ) ካልኦት ወለዲ እንታይ ሓሳባት እዮም ሂቦም፧ (ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ ርአ።)

18 ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ንመንፈሳዊ ጥዕና ውሉዳት ዝሓሸ ዝበለቶ ውሳነ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣለዋ። [2] (ገላ. 6:5) ኣቐዲማ እተጠቕሰት ምዩሪየል፡ ንሳን ሰብኣያን ንመንፈሳዊ ጥቕሚ ወዶም ኢሎም ምርጫኦም ኪሓድጉ ኸም ዝነበሮም ገሊጻ እያ። (ሮሜ 15:1, 2 ኣንብብ።) ሰርዥ ነዚ ምልስ ኢሉ ኺሓስበሉ ኸሎ፡ ቅኑዕ ውሳነ ዝገበሩ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ናብ ጉባኤ ፈረንሳይኛ ኻብ እንግዕዝ ንነጀው፡ ወድና ብመንፈሳዊ ዓብዩን ተጠሚቑን እዩ። ሕጂ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ናብ ጉጅለ ቛንቋ ወጻኢ ኺምለስ እውን ይሓስብ ኣሎ።”

ቃል ኣምላኽ ንልብኻ ይተንክዮ

19, 20. ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

19 ‘ኵሉ ዓይነት ሰብ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ምእንቲ ኺመጽእ፡’ የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ፡ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣማእታት ቋንቋታት ከም ዚርከብ ገይሩልና ኣሎ። (1 ጢሞ. 2:4) ሰባት ንሓሳባቱ በቲ ንልቦም ዚትንኪ ቛንቋ እንተ ኣንቢቦምዎ፡ መንፈሳዊ ህርፋኖም ከም ዚዓግብ ይፈልጥ እዩ።

20 ኵነታትና እዚ ይኹን እቲ፡ ንልብና ብዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኽንዕንግሎ ቘራጽነት ክንገብር ኣሎና። በቲ ንልብና ዚትንክየና ቓላት ኣዘውቲርና ቕዱሳት ጽሑፋት ምስ እነጽንዕ፡ መንፈሳዊ ጥዕናናን ጥዕና ስድራ ቤትናን ንዕቅብ፡ ንቓል የሆዋ ኣብ ልብና ኸም ዝዓቘርናዮ ድማ ነርኢ ኢና።—መዝ. 119:11

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 5) ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 18) ንስድራ ቤትካ ኺሕግዝ ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታት ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ወጻኢ ሃገር ቈልዑ ምዕባይ ዘለዎ ብድሆን ዓስብን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።