ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንግብራዊ ጥበብ” ትሕልዋ ዲኻ፧

“ንግብራዊ ጥበብ” ትሕልዋ ዲኻ፧

ኣብ ግሉል ቦታ ኣብ እትርከብ ቍሸት ዚነብር ሓደ ድኻ ወዲ ኸም ዝነበረ ብኣፈ ታሪኽ ይንገር። ነበርቲ እታ ቝሸት እቲ ወዲ ዓሻ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ይስሕቅዎ ነበሩ። በጻሕቲ ናብታ ቝሸት ምስ መጹ፡ ገለ ኻብ ደቂ እታ ቝሸት ኣብ ቅድሚ ኣዕሩኽቶም መስሓቕ ይገብርዎ ነበሩ። ሓንቲ ዓባይ ሳንቲም ብሩርን ክልተ ዕጽፊ እታ ሳንቲም ብሩር ዝዋግኣ ሓንቲ ንእሽቶ ሳንቲም ወርቅንን ይሕዙ እሞ፡ “ኣየነይተን ትመርጽ፧” ይብልዎ። እቲ ወዲ ድማ ነታ ሳንቲም ብሩር ሒዙ ይሃድም ነበረ።

ሓደ መዓልቲ፡ ናብታ ቝሸት ክበጽሕ ዝመጸ ሓደ ሰብ ነቲ ወዲ፡ “እታ ሳንቲም ወርቂ ኻብታ ሳንቲም ብሩር ብኽልተ ዕጽፊ ኸም እትኸብርሲ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ንእሽቶ ወዲ ድማ ፍሽኽ ኢሉ፡ “እፈልጥ እባ” በሎ። እቲ በጻሒ ኸኣ፡ “ነታ ሳንቲም ብሩር እትወስድ ደኣ ስለምንታይ ኢኻ፧ ነታ ወርቂ እንተ ትወስድ፡ ክልተ ዕጽፊ ገንዘብ ምሃለወካ ነይሩ” በሎ። እቲ ወዲ ድማ፡ “ነታ ሳንቲም ወርቂ እንተ ወሲደያ ግና፡ ደጊም ነዚ ጸወታ እዚ ኣየጻውቱንን እዮም። ንምዃኑ ኽንደይ ዚኣክል ሳንቲም ብሩር ከም ዝኣከብኩ ትፈልጥዶ፧” ኢሉ መለሰሉ። እዚ ወዲ እዚ፡ ንዓበይቲ እውን ዚጠቅም ባህርይ ኣርእዩ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ ድማ ግብራዊ ጥበብ እያ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን። ሽዑ፡ ብደሓን መገድኻ ኽትከይድ ኢኻ፣ እግርኻ እውን ከቶ ኣይክትዕንቀፍን እያ” ይብለና። (ምሳ. 3:21, 23) ስለዚ፡ “ግብራዊ ጥበብ” እንታይ ምዃናን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ ኸም እንኽእልን ምፍላጥና፡ ብደሓን ክንነብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እወ፡ ‘ብእግርና’ ኣጽኒዕና ኽንረግጽን መንፈሳዊ ዕንቅፋት ከነወግድን ይሕግዘና እዩ።

ግብራዊ ጥበብ እንታይ እያ፧

ግብራዊ ጥበብ ካብ ፍልጠትን ምስትውዓልን እተፈልየት እያ። ፍልጠት ዘለዎ ሰብ፡ ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ዚእክብ። ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ድማ፡ ሓደ ሓበሬታ ምስ ካልእ ዘለዎ ዝምድና ይርዳእ ወይ የስተውዕል እዩ። ጥበብ ዘለዎ ሰብ ግና፡ ንፍልጠትን ምስትውዓልን ብሓንሳእ ጠሚሩ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ይጥቀመሉ እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣንቢቡ ኺርድኣ ይኽእል እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ከሎ ድማ ብልክዕ ኪምልስ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ተኻፊሉ ጽቡቕ ሓሳባት ኪህብ እውን ይኽእል እዩ። እዚ ዅሉ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብር ከም ዘሎ ኺእምት ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጥበብ ከም ዘጥረየ ግና ዜርኢ ድዩ፧ ከይከውን ይኽእል እዩ። በሊሕ ኣእምሮ ስለ ዘለዎ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ፍልጠቱን ምስትውዓሉን ብዚግባእ ተጠቒሙ ነቲ እተምሃሮ ሓቂ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕሎ እዩ ጥበበኛ ዚኸውን። በቲ ኣቐዲሙ ሓሲቡ ዝገበሮ ውሳነታት ጽቡቕ ውጽኢት እንተ ረኺቡ፡ ግብራዊ ጥበብ ከም ዘለዎ ንጹር ይኸውን።

ኣብ ማቴዎስ 7:24-27፡ ቤት ብዛዕባ ዝሃነጹ ኽልተ ሰብኡት ዚገልጽ ምሳሌ የሱስ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ሓደ ሰብኣይ “ኣስተውዓሊ” ኸም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። ንሱ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ኣቐዲሙ ብምሕሳብ፡ ንቤቱ ኣብ ከውሒ ሃነጻ። ኣርሒቑ ዚጥምትን ግብራዊ ጥበብ ዝነበሮን እዩ ነይሩ። ንቤቱ ኣብ ሑጻ እንተ ሰሪሕዋ ኸም ዚሓስረሉ ወይ ቀልጢፉ ኺውድኣ ኸም ዚኽእል ገይሩ ኣይኰነን ሓሲቡ። ተግባሩ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣርሒቑ ብምሕሳቡ ጥበብ ኣርእዩ እዩ። ህቦብላ ምስ መጸ ኸኣ፡ ቤቱ ጸኒዓ ቘይማ እያ። እሞኸ ነዛ ግብራዊ ጥበብ ከነጥርያን ክንሕልዋን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ብኸመይ ከጥርያ እኽእል፧

ፈለማ፡ ሚክያስ 6:9፡ “እቶም ግብራዊ ጥበብ ዘለዎም ንስምካ [ንስም ኣምላኽ] ኺፈርሁ እዮም” ከም እትብል ኣስተብህል። ንስም የሆዋ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ምኽባር ማለት እዩ። ነቲ ስሙ ዚውክሎ ነገር፡ እንተላይ ንስርዓታቱ ጥዑይ ፍርሃት ምሕዳር ማለት እዩ። ንሓደ ሰብ ከተኽብሮ ግና፡ ኣተሓሳስባኡ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ድሕሪኡ፡ ክትኣምኖን ካብኡ ኽትምሃርን ንዕኡ ብምምሳል ክትዕወትን ትጅምር። ተግባራትና ድሕሪ ግዜ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ጽልዋ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ኣብ ስርዓታቱ ተመርኲስና ድማ ውሳነታትና ንገብር እንተ ዄንና፡ ግብራዊ ጥበብ ነጥሪ ኢና።

ካልኣይ፡ ምሳሌ 18:1፡ “ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፣ ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ከኣ ይነጽጎ” ትብል። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ካብ የሆዋን ካብ ህዝቡን ክንፍለ ንኽእል ኢና። ነዚ ንምውጋድ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ምስ ዘለዎምን ንስርዓታቱ ምስ ዜኽብሩን ሰባት ግዜ ኸነሕልፍ ኣሎና። ዓቕምና ዚፈቕዶ እንተ ዀይኑ፡ ኣዘውቲርና ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከይድን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈልን ኣሎና። ኣብቲ ኣኼባታት ድማ፡ ነቲ ኣብኡ ዚውሃበና ትምህርቲ ኣእምሮናን ልብናን ከፊትና ኽንሰምዖን ብእኡ ኽንትንከፍን ኣሎና።

ብዘይካዚ፡ ብጸሎት ኣቢልና ልብና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነፍስስ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ኽንቀርቦ ኢና። (ምሳ. 3:5, 6) ልብናን ኣእምሮናን ከፊትና ንመጽሓፍ ቅዱስን ብውድብ የሆዋ ንዚቐርበልና ጽሑፋትን ነንብብ እንተ ዄንና፡ ተግባራትና ዚህልዎ ነባሪ ውጽኢት ብእተወሰነ ደረጃ ፈሊጥና ብቕኑዕ መገዲ ኽንመላለስ ይሕግዘና። ብሱላት ኣሕዋትና ንዚህቡና ምኽሪ እውን ልብና ኸፊትና ኽንሰምዖ ኣሎና። (ምሳ. 19:20) ከምዚ ምስ እንገብር፡ ‘ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ኣይንነጽጎን’ ኢና፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ነማዕብላ ኢና።

ንስድራ ቤተይ ብኸመይ ክትጠቕማ ትኽእል፧

ግብራዊ ጥበብ ንስድራ ቤታት ክትሕልወን ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰበይቲ ንሰብኣያ “ብዙሕ ተኽብሮ” ኢሉ ይምሕጸን። (ኤፌ. 5:33) ሰብኣይ ብዙሕ ኣኽብሮት ኪረክብ ዚኽእል ግና ብኸመይ እዩ፧ ብሓይሊ ወይ ብጭካነ ነዚ ኣኽብሮት እዚ ኺረክብ ዚጽዕር እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዚረኽቦ ኣኽብሮት ንሓጺር እዋን እዩ ዚጸንሕ። ሰበይቱ ምእንቲ ሰላም ኢላ ንሱ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ብመጠኑ ተኽብሮ ትኸውን። ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ግና ከተኽብሮ ትኽእልዶ፧ ከም ዘይተኽብሮ ርጉጽ እዩ። ነባሪ ውጽኢት ኬምጽእ ዚኽእል እንታይ ምዃኑ ኺሓስብ ኣለዎ። ከም ፍቕርን ሕያውነትን ዝኣመሰለ መዳያት ፍረ መንፈስ ዜንጸባርቕ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ሰበይቱ ብዙሕ ኣኽብሮት ኪረክብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣይ ኪኽበር ዚግብኦ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸተኽብሮ ኣለዋ።—ገላ. 5:22, 23

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኼፍቅራ ኸም ዚግባእ እውን ይገልጽ እዩ። (ኤፌ. 5:28, 33) ሓንቲ ሰበይቲ ፍቕሪ ሰብኣያ ምእንቲ ኸይትስእን ኢላ ነቲ ሰብኣያ ኺፈልጦ ዚግባእ ባህ ዘየብል ነገራት ክትሓብኦ ትፍትን ትኸውን። ከምኡ ብምግባራ ግና ግብራዊ ጥበብ ተንጸባርቕ ድያ ዘላ፧ ድሕሪ ግዜ፡ ሰብኣያ ነቲ ዘይነገረቶ ነገር ምስ ፈለጠ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧ ዝያዳ ድዩ ዜፍቅራ፧ ከምኡ ምግባር ኪኸብዶ ይኽእል እዩ። የግዳስ፡ ግቡእ ግዜ መሪጻ ነቲ ባህ ዘየብል ነገር ብህድኣት ምስ እትነግሮ፡ ቅንዕቲ ብምዃና የማስዋ እዩ፣ ዝያዳ ድማ ይፈትዋ።

እቲ ሕጂ ንውሉዳትካ እትግስጸሉ መገዲ፡ ንሓዋሩ ኣብ ዚህልወኩም ርክብ ጽልዋ ኣለዎ

ውሉዳት እውን ንወለዶም ኪእዘዙን ብመገዲ የሆዋ ኺግሰጹን ኣለዎም። (ኤፌ. 6:1, 4) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ወለዲ ውሉዶም ኪገብሮ ዚግባእን ዘይግባእን ነገራት ዚገልጽ ዝርዝር መምርሒ ኼውጽኡ ኣለዎም ማለት ድዩ፧ ሕጊ ስድራ ቤቶም ወይ ዘይተኣዛዝነት ዜስዕበሎም መቕጻዕቲ ምፍላጦም ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ግብራዊት ጥበብ ዘለዎ ወላዲ ንውሉዱ፡ ስለምንታይ ኪእዘዝ ከም ዘለዎ ኺርዳእ ይሕግዞ እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ውሉድ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ብንዕቀት ተዛሪብዎም ንበል። ብቝጥዐ ምስ ዚዛረብዎ ወይ ብሕርቃን ብኡብኡ ምስ ዚቐጽዕዎ፡ እቲ ውሉድ ሓፊሩ ስቕ ኪብል ይኽእል እዩ። ብልቡ ግና ቂም ኪሕዝን ካብ ወለዱ ኺርሕቕን ይኽእል እዩ።

ግብራዊ ጥበብ ዘማዕበሉ ወለዲ፡ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ዚግስጽሉ መገድን እቲ ተግሳጽ ኣብ መጻኢ ውሉዳቶም ኪህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ጽልዋን ይሓስቡ እዮም። ውሉዶም ኣብ ሓደ ህሞት ዜሕፍሮም ነገር ስለ ዝገበረ ጥራይ ቀልጢፎም ስጕምቲ ኺወስዱ የብሎምን። ነቲ ውሉድ ንበይኑ ገይሮም፡ የሆዋ ንወለዱ ኺእዘዞም ከም ዚደልዮ፡ እዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ኸም ዜምጽኣሉ፡ ብህድኣትን ብፍቕርን ኪገልጽሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ውሉድ እዚ እንተ ተረዲእዎ፡ ንወለዱ ኬኽብር ከሎ ንየሆዋ ኸም ዜኽብር ኪግንዘብ እዩ። (ኤፌ. 6:2, 3) እዚ ለውሃት ዜንጸባርቕ ኣቀራርባ እዚ፡ ንልቢ ውሉድ ኪትንክፍ ይኽእል እዩ። ወለዱ ብሓቂ ኸም ዚሓልይሉ ኺርዳእ፡ ንዓታቶም ዘለዎ ኣኽብሮት ድማ ኪውስኽ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ውሉድ ካልእ ግዜ ኣገዳሲ ጕዳያት ኬጋጥሞ ኸሎ ሓገዝ ወለዱ ኺሓትት ይቐልሎ።

ገሊኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ከይሃስይዎም ስለ ዚፈርሁ፡ ኣይቀጽዕዎምን እዮም። እቲ ውሉድ ምስ ዓበየ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ንየሆዋ ዚፈርህን ስርዓታት ኣምላኽ ምሕላው ጥበባዊ ምዃኑ ዚርዳእን ሰብ ድዩ ዚኸውን፧ ልቡን ኣእምሮኡን ከፊቱ ንየሆዋ ዚሰምዕ ድዩ ዚኸውን ወይስ ብመንፈሳዊ መዳይ ርእሱ ዚፈሊ፧—ምሳ. 13:1፣ 29:21

ሓደ ንፉዕ ቀራጺ፡ እንታይ ዓይነት ቅርጺ ኺሰርሕ ከም ዝደለየ ኣቐዲሙ እዩ ዚሓስብ። ጽቡቕ ቅርጺ ኸም ዚወጸሉ ተስፋ ብምግባር ጥራይ ኣይጸርብን እዩ። ግብራዊ ጥበብ ዘለዎም ወለዲ እውን ግዜ መዲቦም ስርዓታት የሆዋ ይምሃሩን ኣብ ግብሪ የውዕልዎን እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንስሙ ይፈርሁ። ንርእሶም ካብ የሆዋን ካብ ውድቡን ከይፈለዩ፡ ግብራዊ ጥበብ ይምሃሩን በዚ ጥበብ እዚ ንስድራ ቤቶም ይሃንጹን እዮም።

ንዚመጽእ ዓመታት ህይወትና ኺትክንፍ ዚኽእል ውሳነታት በብመዓልቱ የጋጥመና እዩ። እሞኸ፡ ብህጹጽ ኣብ ክንዲ እንውስን ስለምንታይ ህድእ ኢልና ዘይንሓስበሉ፧ ንሓዋሩ እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ንሕሰብ። መምርሒ የሆዋ ንድለ፡ ነቲ መለኮታዊ ጥበቡ ድማ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። በዚ ኸምዚ፡ ንግብራዊ ጥበብ ክንሕልዋ ኢና፣ ንሳ ድማ ህይወት ክትህበና እያ።—ምሳ. 3:21, 22