ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ

የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ

“እምነት . . . ናይቲ ዘይርአ ነገር ዜእምን መርትዖ እያ።” —እብ. 11:1፡ እ.ጽ.።

መዝሙር፦ 54, 43

1. ንክርስያናዊት እምነት ብኸመይ ክንርእያ ኣሎና፧

ክርስትያናዊት እምነት ኣገዳሲት ባህርይ እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን። (2 ተሰ. 3:2) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ “መስፈር እምነት” ሂብዎም እዩ። (ሮሜ 12:3፣ ገላ. 5:22) ኵሎም እቶም እምነት ዘላቶም ሰባት ኣዝዮም ኬመስግኑ ኣለዎም።

2, 3. (ሀ) እምነት ዘለዎ ሰብ እንታይ በረኸት እዩ ዚረክብ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንሰባት ብወዱ ኣቢሉ ኸም ዚስሕቦም ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 6:44, 65) ብየሱስ ዚኣምን ዘበለ ድማ፡ ሕድገት ሓጢኣት ኪረክብ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ዘለኣለማዊ ርክብ ኪምስርት ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ይኽፈተሉ። (ሮሜ 6:23) እዚ ዜደንቕ በረኸት እዚ ኽንረክብ ዝኸኣልና እንታይ ስለ ዝገበርና እዩ፧ ብሰንኪ ሓጢኣትና ሞት ጥራይ እዩ ዚግብኣና ነይሩ። (መዝ. 103:10) የሆዋ ግና ሰናይ ክንገብር ዓቕሚ ኸም ዘሎና ረኣየ። ብጸጋኡ ድማ ብስራት ክንሰምዕ ልብና ኸፊቱልና። በዚ ኸምዚ፡ ብየሱስ ምስ እንኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና።—1 ዮሃንስ 4:9, 10 ኣንብብ።

3 እምነት ግና እንታይ እያ፧ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ምስ ምርዳእ ጥራይ እተተሓሓዘት ድያ፧ እምነትና ኸነርኢ ዘሎና በየናይ መገድታት እዩ፧

‘ብልብኻ እመን’

4. እምነት ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ምርዳእ ማለት ጥራይ ዘይኰነት ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

4 እምነት ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ምርዳእ ማለት ጥራይ ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትዓዪ እተለዓዕል ደራኺት ሓይሊ እውን እያ። ኣብ ግብርታት ድሕነት ኣምላኽ ዘሎካ እምነት፡ ንኻልኦት ብስራት ከተበስር ይድርኸካ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ እውን ይድሕን እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።—ሮሜ 10:9, 10፣ 2 ቈረ. 4:13

5. እምነት ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ከነደልድላ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

5 ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል፡ እምነት ምስ እትህልወናን ምስ እነደልድላን ጥራይ ከም ዝዀነ ንጹር እዩ። እምነት ከም ተኽሊ እያ። ሓንቲ ተኽሊ ምእንቲ ኽትጥጥዕን ክትዓብን ብቐጻሊ ማይ ከነስትያ ኣሎና። እኹል ማይ ዘይነስትያ እንተ ዄንና ግና፡ ትጽምሉን ትሓርርን እያ። ብተመሳሳሊ፡ ንእምነትና እውን ዕሽሽ እንተ ኢልናያ፡ ትጽምሉን ትመውትን እያ። (ሉቃ. 22:32፣ እብ. 3:12) ዚግባእ ኣቓልቦ ንገብረላ እንተ ዄንና ግና፡ ‘ክትዓቢ’ እያ፣ ንሕና ኸኣ፡ ‘ብእምነት ጥዑያት’ ንኸውን።—2 ተሰ. 1:3፣ ቲቶ. 2:2

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት ዚህቦ መግለጺ

6. እብራውያን 11:1 ንእምነት በየናይ ክልተ መገዲ እያ እትገልጻ፧

6 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት ዚህቦ መግለጺ ኣብ እብራውያን 11:1 ይርከብ። (ኣንብብ።) እምነት ንዓና ኣብ ዘይርኣየና ኽልተ ነገራት ዘተኰረት እያ፣ (1) ኣብቲ “ተስፋ ዚግበሮ” ዘተኰረት እያ፣ እዚ ድማ፡ ነቲ ዛጊት ዘይተፈጸመ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተስፋታት የጠቓልል። ንኣብነት፡ እኩያት ከም ዚጠፍኡን ሓዳስ ዓለም ከም እትመጽእን ንተኣማመን ኢና። (2) እምነት “ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ” እያ። እዛ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ግሁድ መርኣያ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዜእምን መርትዖ” እቲ ዘይርአ ነገራት ተመልክት። ንኣብነት፡ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን መላእኽትን ከም ዘለዉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣብ ሰማይ ትነጥፍ ከም ዘላ ንኣምን ኢና። (እብ. 11:3) ተስፋና ኸም ዘይሞተን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተገልጸ ዘይርአ ነገራት ከም እንኣምነሉን ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ብቓልናን ብተግባርናን ኢና፣ ብዘይ ብእኡ ድማ እምነትና ጐደሎ እያ እትኸውን።

7. ካብቲ ኖህ ዝሓደጎ ኣብነት፡ እምነት ምርኣይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንርዳእ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 እብራውያን 11:7 ብዛዕባ እምነት ኖህ ክትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ” ትብል። ኖህ ኣዝያ ዓባይ መርከብ ብምስራሑ እምነት ኣርእዩ እዩ። ጐረባብቱ ነታ ዓባይ መርከብ ስለምንታይ ይሰርሓ ኸም ዘሎ ሓቲቶምዎ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርዱእ እዩ። እሞኸ ኖህ ስቕ ኢሉ ድዩ፧ ወይስ ከም ዘይምልከቶም ድዩ ነጊርዎም፧ ኣይፋሉን! እምነቱ ብትብዓት ኪምስክርን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ፍርዲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ኪነግርን ደሪኻቶ እያ። የሆዋ ንኖህ፡ “ብሰሮም ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ ንዅሉ ስጋ መወዳእታ ኽገብረሉ ወሲነ እየ . . . ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ትንፋስ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኸጥፍእሲ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸምጽእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ እውን ኪጠፍእ እዩ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ኖህ ነቶም ሰባት ነዚ ቓላት እዚ ነጊርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ሰባት ብኸመይ ኪድሕኑ ኸም ዚኽእሉ ኺገልጸሎም ከሎ፡ ነቲ፡ “ናብታ መርከብ እቶ” ተባሂሉ እተነግሮ ትእዛዝ ኣምላኽ ከም ዝነገሮም ርዱእ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ብምዃን ተወሳኺ እምነት ኣርእዩ እዩ።—ዘፍ. 6:13, 17, 18፣ 2 ጴጥ. 2:5

8. ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት እምነት ብድራኸ መንፈስ እንታይ እዩ ገሊጹ፧

8 መልእኽቲ ያእቆብ እተጻሕፈት፡ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት ደድሕሪ ምግላጹ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ያእቆብ እውን ከም ጳውሎስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት እምነት ብግብሪ ኽትርአ ኸም ዘለዋ ገሊጹ እዩ። “እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ እውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ያእ. 2:18) ያእቆብ እንታይነት እምነት ብንጹር ገሊጹ እዩ። ኣጋንንቲ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ይኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ እምነቶም ህላወ ኣምላኽ ካብ ምቕባል ዚሓልፍ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ ኣንጻር ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ እዮም ዚዓይዩ። (ያእ. 2:19, 20) ይኹን እምበር፡ ያእቆብ ብግዜ ጥንቲ ብዛዕባ ዝነበረ ናይ እምነት ሰብ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብርሃም ኣቦና ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩዶ ኣይጸደቐን፧ እምነቱ ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነቱ ድማ ብግብሩ ፍጽምቲ ኸም ዝዀነት፡ ትርኢ ኣለኻ” በለ። እምነት ብግብሪ ኽትርአ ኸም ዘለዋ ንምግላጽ ከኣ፡ “ከምቲ ሰብነት ብዘይ መንፈስ ምዉት ዝዀነ፡ ከምኡ እውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” በለ።—ያእ. 2:21-23, 26

9, 10. ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እምነት ምርኣይ ዘለዎ ኣገዳስነት ክንርዳእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

9 ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ወንጌልን ሰለስተ መልእኽትን ጸሓፈ። እሞኸ፡ ከምቶም ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይነት ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት እምነት ይርዳእ ነይሩ ድዩ፧ እወ፡ እኳ ደኣስ፡ ነታ “ኣመነ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ካብ ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ተጠቒሙላ እዩ።

10 ንኣብነት፡ ዮሃንስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 3:36) ክርስትያናዊት እምነት፡ ንትእዛዛት የሱስ ምእዛዝ ተጠቓልል። ዮሃንስ፡ ብእምነት ምምልላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዚገልጽ ቃላት የሱስ ብተደጋጋሚ ጠቒስዎ እዩ።—ዮሃ. 3:16፡ እ.ጽ.፣ 6:29, 40፣ 11:25, 26፣ 14:1, 12።

11. ሓቂ ብምፍላጥና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ሓቂ ስለ ዝገለጸልናን በቲ ብስራት ክንኣምን ስለ ዝሓገዘናንሲ ኣዚና ኸነማሱ ዚግብኣናዶ ኸይኰነ! (ሉቃስ 10:21 ኣንብብ።) የሆዋ በቲ “ናይ እምነትና ቐንዲ ወኪልን ፍጹም ገባርን” ዝዀነ የሱስ ኣቢሉ ናብኡ ስለ ዝሰሓበና ወትሩ ኸነመስግኖ ኣሎና። (እብ. 12:2) ነዚ ጸጋ እዚ ዘሎና ሞሳ ንምርኣይ ድማ፡ ብጸሎትን ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ንእምነትና ኸነደልድላ ኣሎና።—ኤፌ. 6:18፣ 1 ጴጥ. 2:2

ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ብስራት ብምክፋል እምነትካ ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. እምነትና ኸነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት እዩ፧

12 በቲ የሆዋ ዘተስፈወና ተስፋታት ወትሩ ኽንኣምን ኣሎና። ነዚ ድማ ንኻልኦት ብንጹር ኪርአ ብዚኽእል መገዲ ኢና ኽንገብሮ ዘሎና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኽንካፈልን ኣሎና። ብተወሳኺ፡ “ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር።” (ገላ. 6:10) ብዘይካዚ፡ መንፈሳውነትና ኼዳኽም ካብ ዚኽእል ነገራት ርእስና እናሓሎና፡ ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ኽንቅንጥጦ’ ተጊህና ንጽዓር።—ቈሎ. 3:5, 8-10

ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት፡ ሓደ ኽፋል መሰረትና እያ

13. “እምነት ብኣምላኽ” ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ምስ ምንታይ እዩ ተመሳሲሉ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ” ይብል። (እብ. 11:6) ሓደ ኻብቲ ንሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኪኸውንን ብእኡ ኺመላለስን “መሰረት” ዚዀኖ ነገራት፡ “እምነት ብኣምላኽ” ከም ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። (እብ. 6:1) ኣብቲ መሰረት እቲ ኸኣ፡ ክርስትያናት ‘ንርእሶም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕልውዋ፡’ ኣብ ‘እምነቶም’ ካልእ ኣገዳሲ ባህርያት ኪውስኹ ኣለዎም።2 ጴጥሮስ 1:5-7 ኣንብብ፣ ይሁዳ 20, 21

14, 15. እምነት ምስ ፍቕሪ ኽትነጻጸር ከላ፡ ኣገዳስነታ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧

14 እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እምነት ኣማእታት ግዜ ብምጥቃስ፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና ኣጕሊሖም እዮም። ከም እምነት ገይራ ብዙሕ ሳዕ ተጠቕሰት ባህርይ የላን። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣዝያ ኣገዳሲት ክርስትያናዊት ባህርይሲ እምነት ጥራይ እያ ማለት ድዩ፧

15 ጳውሎስ ንእምነት ምስ ፍቕሪ ኣነጻጸራ፣ “ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 13:2) የሱስ ነታ “ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧” እትብል ሕቶ ኺምልሳ ኸሎ፡ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ ኣዝያ ኣገዳሲት ምዃና ኣጕሊሑ እዩ። (ማቴ. 22:35-40) ፍቕሪ ንብዙሕ ክርስትያናዊ ባህርያት፡ እንተላይ ንእምነት ትሓቍፍ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ ትኣምን” ይብል። እወ፡ በቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘስፈሮ ቓል ሓቂ ትኣምን እያ።—1 ቈረ. 13:4, 7

16, 17. ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እምነትን ፍቕርን ብሓንሳእ ዝጐልሓ ብኸመይ እየን፧ ኣየነይቲ ግና ትዓቢ፧ ስለምንታይከ፧

16 እምነትን ፍቕርን ኣገደስቲ ባህርያት ስለ ዝዀና፡ እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልቲአን ባህርያት ብሓንሳእ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ወይ ሓረግ ጠቒሶምወን ኣለዉ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣሕዋቱ፡ ‘ድርዒ እምነትን ፍቕርን ኪለብሱ’ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (1 ተሰ. 5:8) ጴጥሮስ፡ “ንዕኡ [ንየሱስ] ኸቶ እኳ እንተ ዘይረኣኹምዎ፡ ተፍቅርዎ ኢኹም። ሕጂ ትርእይዎ እኳ እንተ ዘየለኹም፡ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 1:8) ያእቆብ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ፡ “ኣምላኽሲ ብእምነት ኪህብትሙን ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎ መንግስቲ ኺወርሱን ኢሉ፡ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ደይኰነን ዝሓረዮም፧” ኢሉ ሓቲትዎም እዩ። (ያእ. 2:5) ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ፡ “ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና ድማ፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን፡ ንሓድሕድና እውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ዮሃ. 3:23

17 እምነት ኣገዳሲት እኳ እንተ ዀነት፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምስ ተፈጸመን ክርስትያናዊት ተስፋና ኺፍጸም ምስ ረኣናን ግና፡ ገለ መዳያት እዛ ባህርይ እዚኣ ኣይኬድልየናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽን ንሰብን ዘላትና ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ “ግናኸ ሕጂ፡ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚአን ይነብራ፣ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ” ዝበለ።—1 ቈረ. 13:13

ሓያል መርኣያ እምነት

18, 19. ሎሚ እንታይ ሓያል መርኣያ እምነት ኢና እንርኢ ዘለና፧ በዚ ኺምስገን ዚግብኦኸ መን እዩ፧

18 ኣብዚ ግዜና፡ ህዝቢ የሆዋ ኣብታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዘላቶም እምነት የርእዩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ህዝቢ ዝሓቘፈ መንፈሳዊ ገነት ኪህልዎም ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ገነት እዚ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዓንቢቡ ይርከብ። (ገላ. 5:22, 23) እዝስ ከመይ ዝበለ መርኣያ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት እምነትን ፍቕርን ኰን እዩ!

19 በዚ ነገራት እዚ ኺምስገኑ ዚግብኦም ግና ሰባት ኣይኰኑን። ከመይሲ፡ ብኣምላኽና እተፈጸመ እዩ። እዚ ዜደንቕ ዕዮ እዚ ድማ፡ “ንየሆዋ ስምን ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ምልክትን” የምጽኣሉ ኣሎ። (ኢሳ. 55:13) እወ፡ ‘ብእምነት ክንድሕን’ “ውህበት ኣምላኽ” እዩ። (ኤፌ. 2:8) ምልእቲ ምድሪ ንስም የሆዋ ንዘለኣለም ብዚውድሱ ፍጹማትን ጻድቃንን ሕጉሳትን ሰባት ክሳዕ እትምላእ፡ መንፈሳዊ ገነትና ኺዓብን ኪስስንን እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዘሎና እምነት ነርኢ!