ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ወጺኦም

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ወጺኦም

“ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ ውጹ።”—ራእ. 18:4

መዝሙር፦ 10, 45

1. ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኸም ዚወጹ ዜተስፉ እንታይ መሰረት እዩ ነይርዎም፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ፡ እሙናት ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ብኸመይ ከም ዝኣተዉ ርኢና ኢና። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ንሓዋሩ ኣብ ባርነት ከም ዘይጸንሑ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ካብ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኬምልጥ ዚኽእል ዋላ ሓደ እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ እቲ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ ውጹ” ዚብል ትእዛዝ ትርጉም ኣልቦ ምዀነ። (ራእይ 18:4 ኣንብብ።) ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ቍጽጽር ባቢሎን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዝወጹሉ ግዜ ኽንፈልጥ ንህንጠ ኢና። ፈለማ ግና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኣሎና፦ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድሚ 1914 ምስ ዓባይ ባቢሎን ብዚተሓሓዝ እንታይ መትከል እዮም ዝሓዙ፧ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ኣሕዋትና ኽሳዕ ክንደይ እዮም ብንጥፈት ዚሰብኩ ነይሮም፧ መአረምታን ተግሳጽን ስለ ዜድልዮም ድዮም ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ከም ዚጸንሑ ተገይሮም፧

“ውድቀት ባቢሎን”

2. እቶም ቀዳሞት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብእተተሓሓዘ እንታይ መትከል እዮም ዝሓዙ፧

2 ቅድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ሓያሎ ዓመታት ይግበር፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ ውድባት ህዝበ ክርስትያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ይምህራ ኸም ዘየለዋ ፈለጡ። ስለዚ ኸኣ፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪሓብሩ ኣይደለዩን። ኣብ ሕዳር 1879 ዝወጸት፡ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መትከሎም፡ “ንክርስቶስ እተመርዓኹ ንጽህቲ ድንግል እየ እትብል፡ ግናኸ ምስ ዓለም (ኣራዊት) ሓድነት ዘለዋ፡ ንዓኣ እውን እትድግፍ ዘበለት ቤተ ክርስትያን፡ ብቛንቋ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣመንዝራ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ኢልና ኢና እንዅንና” ኢላ ብቐጥታ ገሊጻቶ ኣላ፣ እዚ ስያመ እዚ ኸኣ ንዓባይ ባቢሎን ዜመልክት እዩ።—ራእይ 17:1, 2 ኣንብብ።

3. እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘይምዃኖም ንምሕባር እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ፈለጡ። ንናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ውድባት ክሳዕ ዝደገፉ፡ በረኸት ኣምላኽ ከም ዘይረኽቡ ተገንዘቡ። ስለዚ፡ ብዙሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣብያተ ክርስትያኖም ከም ዝወጹ ዚገልጽ ደብዳበ ኣዳለዉ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ነቲ ደብዳበ ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ኣብ ዚግበር ኣኼባ ዓው ኢሎም የንብብዎ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምንባብ ምስ ተኸልከሉ፡ ንዅሎም ምእመናን እታ ቤተ ክርስትያኖም ቅዳሓት ደብዳበኦም ይሰድዱ ነበሩ። ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ደጊም ሕብረት ኪህልዎም ኣይደለዩን። ኣብ ካልእ እዋን እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እዚ ብትብዓት ዝወሰድዎ ስጕምቲ እዚ ሓደገኛ ምዀነ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት ግና፡ መንግስትታት ሓያሎ ሃገራት ከምቲ ኣቐዲሞም ዚገብርዎ ዝነበሩ ገይሮም ኣይኰኑን ንኣብያተ ክርስትያን ዚድግፉ ዝነበሩ። ዜጋታት እተን ሃገራት ድማ መቕጻዕቲ ኸይፈርሁ፡ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ነገራት ብናጻ ኺመያየጡን ምስ ኣብያተ ክርስትያን ከም ዘይሰማምዑ ብግህዶ ኺገልጹን ይኽእሉ ነበሩ።

4. ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮም፧

4 እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚምልከት መትከሎም ንቤተ ሰቦምን ንፈተውቶምን ንምእመናን ኣብያተ ክርስትያኖምን ምንጋር ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ ተረድኡ። ዓባይ ባቢሎን ናይ ሃይማኖት ኣመንዝራ ምዃና ምሉእ ዓለም ኪፈልጥ ደለዩ። ስለዚ ድማ፡ ካብ ታሕሳስ 1917 ክሳዕ መጀመርታ 1918፡ ሒደት ኣሽሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውድቀት ባቢሎን” ዘርእስቱ 10,000,000 ትራክት ብቕንኣት ዓደሉ። እታ ትራክት ንህዝበ ክርስትያን እተቃልዕ እያ ነይራ። ኣቕሽሽቲ በዚ ተቘጥዑ፣ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና በዚ ኸይተዳህሉ ነቲ ኣገዳሲ ዕዮ ቐጸልዎ። “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ” እዮም ኪእዘዙ ቘሪጾም ዝነበሩ። (ግብ. 5:29) እሞኸ ኻብዚ እንታይ ክንድምድም እንኽእል፧ ብግዜ እቲ ውግእ፡ እቶም ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን እቲኦም ኣብ ትሕቲ ባርነት ዓባይ ባቢሎን ይኣትዉ ዘይኰነስ፡ ካብ ጽልዋኣ ናጻ ይወጹን ከምኡ ኺገብሩ ንሰባት ይሕግዙን ምንባሮም ኢና ኽንድምድም እንኽእል።

ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብቕንኣት ዝገበርዎ ንጥፈታት

5. ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣሕዋት ብቕንኣት የገልግሉ ምንባሮም ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

5 ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ብዘይምስታፎም ንየሆዋ ኸም ዘጕሃይዎ ንኣምን ኔርና ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ዓባይ ባቢሎን ንሓጺር እዋን ኣብ ትሕቲ ምርኮኣ ኸተእትዎም የሆዋ ኸም ዘፍቀደ ንድምድም ኔርና። ኰይኑ ግና፡ ካብ 1914-1918 ንኣምላኽ ዜገልግሉ ዝነበሩ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብሓፈሻኡ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምቕጻል ዚከኣሎም ከም ዝገበሩ ገሊጾም እዮም። ነዚ ምስክርነቶም እዚ ዚድግፍ ሓያል መርትዖ እውን ኣሎ። ንቲኦክራስያዊ ታሪኽና ብልክዕ ምርዳእና፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ገሊኡ ፍጻመታት ብንጹር ክንርድኦ ሓጊዙና ኣሎ።

6, 7. (ሀ) እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እንታይ ጸገማት እዮም ኪሰግሩ ዝነበሮም፧ (ለ) ቅንኣት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ።

6 ከም ሓቂ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም (1914-1918) ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዜደንቕ መገዲ እዮም መስኪሮም። ከምኡ ምግባር፡ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ቀሊል ኣይነበረን። ክልተ ኻብዚ ድማ ክንርኢ ኢና። ቀዳማይ፡ እቲ ሽዑ ዚግበር ዝነበረ ቐንዲ ዕዮ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ምዕዳል እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 1918፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነታ ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ኣገድዋ፡ ሓያሎ ኣሕዋት ምስባኽ ተሸጊሮም ነይሮም እዮም። ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ገይሮም ብኸመይ ከም ዚሰበኩ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም፣ እታ ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ “ኽትዛረበሎም” እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። ካልኣይ ረቛሒ ድማ፡ እቲ ብ1918 ዘጋጠመ ኢንፍሉወንዛ ስጳኛ ዚብሃል ለበዳ እዩ ነይሩ። እቲ ሕማም ተላገብ ኣመና ኣስፋሕፊሑ ብምንባሩ፡ ኣስፋሕቲ ኸም ድላዮም ኪንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። እዝን ካልእ ጸገማትን እናሃለዎም ግና፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ ነቲ ዕዮ ንምዕያይ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም።

እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቀናኣት እዮም ነይሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 6, 7 ርአ)

7 ብ1914 ጥራይ፡ እቶም ሒደት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ንልዕሊ 9,000,000 ሰባት ኣርእዮምዋ እዮም። እታ ብሓጺሩ ድራማ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ከኣ፡ ምስ ድምጺ እተወሃሃደ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ስእሊ ስላይድን ዘጠቓለለት ኰይና፡ ካብ ግዜ ፍጥረት ክሳዕ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚገልጽ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝሓዘት እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እተደንቕ ዕዮ እያ ነይራ። ሕስብ እሞ ኣብሎ። ብዝሒ እቶም ብ1914 ጥራይ ዝረኣይዋ ህዝቢ፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ቝጽሪ ንጡፋት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይዛይድ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብ1916 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ ኣኼባታት ብድምር 809,393 ከም እተኣከቡ፡ ብ1918 ድማ እቲ ቝጽሪ ናብ 949,444 ክብ ከም ዝበለ ጸብጻባት ይሕብረና እዩ። እምበኣር፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንኣት እዮም ዜገልግሉ ነይሮም።

8. ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ንኣሕዋት ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት እተማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧

8 ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ምግብን መተባብዕን ንምድላው ብርቱዕ ጻዕሪ ይግበር ነይሩ እዩ። ሳላቲ መሰናድዎታት እቲ ኸኣ፡ ኣሕዋት ነቲ ዕዮ ስብከት ንምቕጻል ዜኽእል ብርታዐ ረኺቦም። ኣብቲ ግዜ እቲ ንጡፍ ዝነበረ ሪቻርድ ባርበር ከምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “እቶም ሒደት ገየሽቲ ሓለውቲ ዕዮኦም ከም ዚቕጽሉ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ከየቋረጸት ከም እትቕጽል፡ ናብቲ እተኣገደትሉ ካናዳ ድማ ከም እትልኣኽ ክንገብር ክኢልና ኢና። መጻሕፍቶም ንእተገበቶም ሓያሎ ፈተውተይ፡ ንእሽቶ ዝዓቐኑ ቕዳሓት ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ ኽሰድደሎም ክኢለ እየ። ሓውና ራዘርፎርድ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከባ ገሊአን ከተማታት ዓበይቲ ኣኼባታት ከነዳሉ፡ ንኣሕዋት ብእተኻእለና ንምትብባዕ እውን ተዛረብቲ ኽንልእኽ ሓቲቱና እዩ።”

ብእተወሰነ ኺጸርዩ የድልዮም ነበረ

9. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ ካብ 1914 ክሳዕ 1919 ኣብ ዝነበረ እዋን መአረምታን ተግሳጽን ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ተግሳጽ ዜድልዮም ምዃኑ ግና እንታይ እዩ ዘየመልክት፧

9 እቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 1914 ክሳዕ 1919 ኣብ ዝነበረ እዋን ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት፡ ኵሉ ኣይኰነን ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዚሳነ ዝነበረ። ቅኑዓት እኳ እንተ ነበሩ፡ ንመንግስትታት ዓለም ብዛዕባ ዝነበሮም ተገዛእነት ግቡእ ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። (ሮሜ 13:1) ስለዚ፡ ብደረጃ ጕጅለ፡ ካብቲ ውግእ ገለልተኛታት ኣይነበሩን። ንኣብነት፡ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ 30 ግንቦት 1918 ንሰላም ጸሎት ዚግበረላ መዓልቲ ምዃና ምስ ኣወጀ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ጸሎት ኪሓብሩ ተማሕጺናቶም እያ። ገሊኦም ኣሕዋት ድማ ነቲ ውግእ ብገንዘብ ንምድጋፍ ቦንድ ዓዲጎም እዮም፣ ሒደት እውን ጠበንጃን ሳንጃን ተዓጢቖም ናብ ዕርዲ ወፊሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መአረምታን ተግሳጽን የድልዮም ስለ ዝነበረ፡ ናብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ከም ዝኣተዉ ጌርና ኽድምድም ግቡእ ኣይከውንን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ገዛእ ርእሶም ኪፈልዩ ግዴታ ኸም ዘለዎም ይርድኡ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከኣ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ካብ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይፍለዩ ነይሮም እዮም።—ሉቃስ 12:47, 48 ኣንብብ።

10. እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቕድስና ህይወት እንታይ መትከል እዮም ዝሓዙ፧

10 እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ሎሚ እተረዳእናዮ ገይሮም ንክርስትያናዊ ገለልትነት ይርድእዎ እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ህይወት ሰብ ምቕታል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክልኩል ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣጽዋር ዓጢቖም ናብ ዕርዲ ዝኸዱ ሒደት እውን፡ ሰብ ምቕታል ኣብዮም እዮም። ገሊኦም ምቕታል ዝኣበዩ ድማ፡ ምእንቲ ኪቕተሉ ተባሂሉ ናብ ግምባር ተሰዲዶም እዮም።

11. እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምውጋእ ብምእባዮም፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧

11 ዋላ እኳ እቲ ኣሕዋት ዝወሰድዎ መትከል ጐደሎ እንተ ነበረ፡ ድያብሎስ ግና በዚ ኸም እተቘጥዐ ንጹር ኰነ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ “ብስም ሕጊ ሽግር” መሃዘ። (መዝ. 94:20) ኣብ ሰራዊት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዜገልግል ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ጄምስ ፍራንክሊን ቤል ምስ ጆሴፍ ራዘርፎርድን ቫን ኣምበርግን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ክፍሊ ፍትሒ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ውግእ ኣጽዋር ምልዓል ንዚኣብዩ ናይ ሞት ፍርዲ ዚብይን እማመ ሕጊ ናብ ኮንግረስ ኬቕርብ ከም ዝፈተነ ገለጸሎም። ብዛዕባ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ጀነራል ቤል ንሓውና ራዘርፎርድ ተቘጢዑ ኺዛረቦ ኸሎ፡ “እቲ እማመ ሕጊ፡ [ፕረዚደንት] ዊልሰን ስለ ዝዓገቶ እዩ ዘይጸደቐ፣ ከመይ ጌርና ኸም እንረኽበኩም ግና ንፈልጥ ኢና፣ ክንረኽበኩም ከኣ ኢና!” በሎ።

12, 13. (ሀ) ሓላፍነት ዝነበሮም ሸሞንተ ኣሕዋት ንነዊሕ እዋን ኪእሰሩ እተፈርዶም ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እቲ ማእሰርቲ ነቲ እቶም ኣሕዋት ንየሆዋ ኺእዘዙ ዝነበሮም ቈራጽነት ኣዳኺምዎዶ፧ ግለጽ።

12 እቶም ሰበ ስልጣን ከምቲ ዝፈከርዎ ኻብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓሉን። ሓውና ራዘርፎርድን ሓውና ቫን ኣምበርግን ሽዱሽተ ኻልኦትን፡ ተወከልቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባሮም ተኣስሩ። እቲ ጕዳዮም ዝረኣዮ ዳኛ ብይን ኬመሓላልፍ ከሎ፡ “ሃይማኖታዊ ፕሮፓጋንዳ እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ሓደ ኽፍለ ሰራዊት ጀርመን . . . ንላዕሊ ጐዳኢ እዩ። ነቶም ሓገግቲ እዚ መንግስትን ንቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ሰራዊትናን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ ዅለን ኣብያተ ክርስትያን እውን ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎም እዮም። መቕጻዕቶም ከቢድ ኪኸውን ይግባእ” በለ። (ፈይዝ ኦን ማርች፡ ብኤ. ኤች. ማክሚላን፡ ገጽ 99) እቲ መቕጻዕቲ ድማ ከቢድ እዩ ነይሩ። እቶም ሸሞንተ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ፡ ጆርጅያ ዚርከብ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ነዊሕ እዋን ኪእሰሩ ተፈርዶም። እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ግና፡ ተፈትሑ፡ እቲ ኽስሶም ድማ ተሰረዘ።

13 እቶም ሸሞንተ ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እኳ፡ ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝነበሮም ግንዛበ ንቕዱሳት ጽሑፋት ጸኒዖም ሓልዮም እዮም። ምሕረት ኪግበረሎም ኢሎም ናብ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝጸሓፍዋ ደብዳበ ኸምዚ በሉ፦ “ፍቓድ ጐይታ ኸምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ‘ኣይትቕተል’ ተባሂሉ እተገልጸ እዩ፣ ስለዚ፡ ርእሱ ንጐይታ ዝወፈየ ዝዀነ ኣባል ማሕበር [ኣህጉራውያን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ] ነቲ ኺዳን ወፈያኡ ብፍታዉ ምስ ዚጥሕስ፡ ሞገስ ኣምላኽ እዩ ዚስእን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ጠሪሱ ይጠፍእ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣባላት ብፍታዎምን ብጽሩይ ሕልናን ህይወት ሰብ ኬጥፍኡ ኣይክእሉን እዮም።” ኣየ ትብዓት! እቶም ኣሕዋት እቲኦም ካብ መትከሎም ፈልከት ዚብሉ ኣይነበሩን!

ኣብ መወዳእታ፡ ናጽነት!

14. ካብ 1914 ክሳዕ 1919 እንታይ ከም ዝዀነ ብቕዱስ ጽሑፍ ጌርካ ግለጽ።

14 ሚልክያስ 3:1-3 ብዛዕባ እቲ ቕቡኣት “ደቂ ሌዊ” ዚጸርዩሉ እዋን፡—ማለት ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 ዝነበረ እዋን፡—ትገልጽ እያ። (ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ “ናይ ሓቂ ጐይታ” እተባህለ የሆዋ ኣምላኽ ምስቲ “ልኡኽ እቲ ኺዳን” እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ናብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ መጺኡ፡ ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ኸም ዚምርምሮም ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ዜድሊ ተግሳጽ ድሕሪ ምሃቡ ኸኣ፡ ነቶም ብዝያዳ ኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ህዝቢ ኣጽረዮም። ብ1919 ድማ፡ ነቶም ናይ እምነት ቤተ ሰብ መንፈሳዊ ምግቢ ንምሃብ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ተሸመ። (ማቴ. 24:45) ሽዑ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጽልዋ ዓባይ ባቢሎን ናጻ ዀኑ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠትን ንሰማያዊ ኣቦኦም ዘለዎም ፍቕርን ሳላ ጸጋ የሆዋ ብቐጻሊ ይዓቢ ኣሎ። እዚ በረኸቱ እዚ ድማ ብዙሕ የሐጕሶም እዩ። [1]

15. ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ምውጻእና ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧

15 ካብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ምውጻእሲ፡ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ሰይጣን ንናይ ሓቂ ክርስትና ኻብ ምድሪ ንምጥፋእ ዝገበሮ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ እዩ ፈሺሉ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ናጽነት ዝሃበሉ ዕላማ ኣይንስሓቶ። (2 ቈረ. 6:1) ኣእላፋት ቅኑዓት ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ምርኮ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዮም ዘለዉ። ሓራ ዚወጹሉ መገዲ ዜርእዮም ይደልዩ እዮም። ንሕና ኽንመርሖም ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብእተኻእለና መጠን፡ ኣብነት እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ብምስዓብ፡ ሓራ ንምውጻኦም ዚከኣለና ንግበር።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 14) ኣብ መንጎ እቲ ኣይሁድ ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝጸንሑሉ እዋንን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ክርስትና ኽሕደት ድሕሪ ምትንሳኡ ዝነበረ እዋንን ብዙሕ ምስስል ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ምርኮ ኣይሁድ ጽላሎት እቲ ንክርስትያናት ዘጋጠሞም ነገር እዩ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ዘይንብለሉ ሓደ ምኽንያት፡ ንውሓት እቲ ምርኮ እተፈላለየ ምዃኑ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣይሁድ ኣብ ምርኮ ዝነበሩሉ እዋን ኣብቶም ቅድሚ 1919 ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ተፈጻምነት ዘለዎ ትንቢታዊ ትርጉም ከም ዝዀነ ጌርና ብዝርዝር ክንምርምር የብልናን።