ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

“ኣቱም ኣብ ብሪጣንያ ዘለኹም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንቕሑ!!”

“ኣቱም ኣብ ብሪጣንያ ዘለኹም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንቕሑ!!”

“ኣቱም ኣብ ብሪጣንያ ዘለኹም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንቕሑ!!” ዚብል ንጹር ጻውዒት ቀረበ። (ኢንፎርማንት፡ * ታሕሳስ 1937፡ ሕታም ለንደን) ብዘይካዚ፡ እታ ዓንቀጽ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዚረብሕ ወሰኽ ኣይነበረን” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ሒዛ ነበረት። ኣብ ቅድሚት ገጽ ዝወጸ፡ ካብ 1928 ክሳዕ 1937 ብዛዕባ ዝነበረ ንጥፈታት ዚገልጽ ናይ ዓሰርተ ዓመት ጸብጻብ ኣገልግሎት ነዚ ዚሕብር ነበረ።

ኣመና ብዙሓት ፈለምቲ ድዮም ነይሮም፧

ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ኣገልግሎት ወፍሪ ናህሩ ዝነከየ ስለምንታይ እዩ፧ እተን ጉባኤታት ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብዝለመዳኦ ሓደ ዓይነት ልማድ እየን ዚመላለሳ ነይረን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ጨንፈር፡ ኣብቲ ኽሊ እቲ 200 ፈለምቲ ጥራይ ከም ዜድልዩ፡ ንሳቶም እውን ኣብ ጉባኤታት ዘይኰነስ ኣብ ግሉል ክልታት ኬገልግሉ ኸም ዘለዎም ወሲኑ ነበረ። ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ፈለምቲ ኪዀኑ ዚደልዩ ኣስፋሕቲ እኹል ክሊ ኸም ዘይብሉ ብምሕባር፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኸይዶም ኬገልግሉ ይምሕጸኖም ነበረ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ሓያሎ ፈለምቲ፡ ካልእ ቋንቋ ዘይፈልጡ ኽነሶም፡ ካብ ብሪጣንያ ናብ ፈረንሳን ናብ ካልኦት ሃገራትን ገዓዙ።

“ንተግባር ዜለዓዓል ጻውዒት”

ብ1937 ኣብ ኢንፎርማንት እተሓትመት ዓንቀጽ፡ ኣብ 1938 ሓደ ሚልዮን ሰዓት ንኣገልግሎት ኪወፈ ኸቢድ ሸቶ ኣውጽአት! ኣስፋሕቲ ኣብ ወወርሒ 15 ሰዓት፡ ፈለምቲ ድማ 110 ሰዓት ንኣገልግሎት እንተ ወፍዮም፡ እቲ ሸቶ ኺውቃዕ ይከኣል ነበረ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ኣስፋሕቲ ብጕጅለ ዀይኖም ሓሙሽተ ሰዓት ዜገልግሉሉ መዓልቲ ኺውድቡ፡ ምናዳ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዘሎ ምሸት ድማ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሓት ኬተኵሩ ሓሳብ ቀረበ።

ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎም ፈለምቲ ብቕንኣት ኣብ ኣገልግሎት ኣተኰሩ

እዚ ኣብ ኣገልግሎት እተገብረ ሓድሽ ኣትኵሮ፡ ንብዙሓት ኣሐጐሶም። ሂልዳ ፓጀት፡ “ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝመጸ ሃረር ኢልና እንጽበዮ ዝነበርናን ነዊሕ ከይጸንሐ ዜደንቕ ፍረ ዘፍረየን ንተግባር ዜለዓዓል ጻውዒት እዩ ነይሩ” ኢላ ተዘክሮኣ ገለጸት። * ሓብትና ዋሊስ ከኣ፡ “እቲ ኣብ መዓልቲ ንሓሙሽተ ሰዓት ዚግበር ኣገልግሎት ጽቡቕ ሓሳብ እዩ ነይሩ! ንኣገልግሎት ጐይታ ምሉእ መዓልቲ ኸም ምምዳብ ገይሩ ዜሐጕስ እሞ ኣበይ ኪርከብ ይከኣል፧ . . . ሓድሓደ ግዜ፡ ክንምለስ ከለና ድኻም ይስምዓና እኳ እንተ ነበረ፡ ተሓጒስና ኢና ንምለስ ኔርና ኽብል እኽእል እየ” በለት። ሽዑ መንእሰይ ዝነበረ ስቲቨን ሚለር ድማ ነዚ ህጹጽ ጻውዒት ተቐቢሉ ምላሽ ሃበ። ኣጋጣሚ ኸለዎ፡ ኬገልግል ደለየ። ብብሽክለታ ዚጐዓዙ ብዙሓት ኣሕዋት ምሉእ መዓልቲ ኼገልግሉ፡ ኣብ ሓጋይ ከኣ ምሸት ምሸት እተቐድሐ መደረታት ኪውልዑ ትዝ ይብሎ እዩ። ፖስተራት ጾይሮም ኣብ ምረሻ ሓበሬታ ብቕንኣት ይሳተፉ ነይሮም፡ መጽሔታት እናኣበርከቱ እውን ኣብ ጐደናታት ይምስክሩ ነይሮም።

ኢንፎርማንት፡ “1,000 ሰራዊት ፈለምቲ የድልዩ ኣለዉ” ዚብል ሓድሽ ጻውዒት እውን ኣቕረበት። ሓድሽ ኣሰራርሓ ኽሊ ብምውጻኡ ድማ፡ ፈለምቲ ኻብ ጉባኤታት ተፈልዮም በይኖም ዘይኰነስ፡ ምስ ጉባኤታት ሓቢሮም እናደገፍወንን እናሃነጽወንን ክልታት ኪሽፍኑ ጀመሩ። ጆይስ ኢሊስ፡ “ብዙሓት ኣሕዋት፡ ፈለምቲ ኪዀኑ ኸም ዜድልዮም ኪነቕሑ ጀሚሮም” ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሽዑ ጓል 13 ጥራይ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ከምኡ ኽገብር እየ ዝደሊ ነይረ፣ ፈላሚት ክኸውን እደሊ ነይረ” ትብል። ኣብ ሓምለ 1940 ድማ፡ ጓል 15 ምስ ኰነት ሸቶኣ ወቕዐት። ጸኒሑ፡ ንጆይስ እተመርዓዋ ፒተር ከኣ፡ ነቲ “ንቕሑ” ዚብል ጻውዒት ሰሚዑ፡ ብኡብኡ ፈላሚ ብዛዕባ ምዃን ኪሓስብ ጀመረ። ኣብ ሰነ 1940 ድማ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኡ፡ ናብቲ ሓድሽ ፈላሚ ዀይኑ እተመደበላ 105 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ስካርብሮ ብብሽክለታ ኸደ።

ሲሪል ጆንሰንን ኪቲ ጆንሰንን ከኣ ጥቕሚ ርእሶም ዝሰውኡ ሓደስቲ ፈለምቲ እዮም ነይሮም። ንሳቶም ድማ ቤቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሳትፉ ወሰኑ። ሲሪል ስራሑ ደው ኣበለ፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ድማ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “ነዚ ብምሉእ እምንቶ ኢና ጌርናዮ። ብፍታውና ተሓጒስና ኢና ጌርናዮ” ኢሉ ትዝ ዝበሎ ገሊጹ ኣሎ።

ኣባይቲ ፈለምቲ ተኸፍተ

ቍጽሪ ፈለምቲ ኣመና ስለ ዝወሰኸ፡ እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት፡ ነዚ እናበዝሐ ዝኸይድ ዝነበረ ሰራዊት ዚሕግዙሉ ግብራዊ መገድታት ኬናድዮ ጀመሩ። ብ1938 ኣገልጋሊ ዞባ (ሕጂ ሓላው ወረዳ ተባሂሉ ዘሎ) ኰይኑ ዚዓዪ ዝነበረ ጂም ካር፡ ነቲ ኣብ ከተማታት ኣባይቲ ፈለምቲ ኪኽፈት ዝቐረበ ሓሳብ ተግባራዊ ገበሮ። ጕጅለታት ፈለምቲ፡ ወጻኢታት ምእንቲ ኺንክዩ ብሓባር ኪነብሩን ኬገልግሉን እዮም ዚተባብዑ ነይሮም። ስለዚ፡ ኣብ ከተማ ሸፊልድ፡ ሓደ ሓላፍነት እተዋህቦ ሓው ዚኣልዮ ዓብዪ ቤት ተኻረዩ። እታ ኣብታ ኸተማ ዝነበረት ጉባኤ ድማ ገንዘብን ኣቕሑን ኣዋጽአት። ጂም ብዛዕባ እዚ፡ “ነዚ ንምዕዋት፡ ኵሉ ጽዒሩ እዩ” ኢሉ ተዘክሮኡ ገሊጹ ኣሎ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ዝነበሮም ዓሰርተ ትጉሃት ፈለምቲ ድማ ኣብታ ቤት ይነብሩ ነበሩ። “ንግሆ ንግሆ፡ ኣብ እዋን ቍርሲ፡ ጥቕሲ [ዕለት] ምይይጥ ይግበረሉ ነይሩ፣” ድሕሪኡ፡ “እቶም ፈለምቲ መዓልቲ መዓልቲ ናብቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ እተፈላለየ ኽሎም ይኸዱ ነይሮም።”

ሓደስቲ ፈለምቲ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዚርከብ ክልታት ወሓዙ

ኣስፋሕትን ፈለምትን ነቲ ጻውዒት ምላሽ ብምሃቦም፡ እቲ ብ1938 ሓደ ሚልዮን ሰዓት ንምብጻሕ ዝወጸ ሸቶ ተወቕዐ። ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ድማ ወሰኽ ተረኽበ። ኣብ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብዝሒ ኣስፋሕቲ ብሪጣንያ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሰኸ። እቲ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ እተገብረ ኣትኵሮ፡ ንህዝቢ የሆዋ ነቲ ዚመጾም ዝነበረ ፈታኒ እዋን ውግእ ኣዳልይዎም እዩ።

ሎሚ፡ እቲ ውግእ ኣምላኽ ዝዀነ ኣርማጌዶን እናuቐረበ ኣብ ዚመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዝሒ እቶም ኣብ ብሪጣንያ ዚርከቡ ፈለምቲ ይውስኽ ኣሎ። ቍጽሪ ፈለምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ በጺሑ እዩ፣ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ጥቅምቲ 2015 እተመዝገበ ዝለዓለ ቝጽሪ፡ 13,224 እዩ። እዞም ፈለምቲ እዚኦም፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓደ ኻብቲ ንህይወቶም ዚመርሑሉ ብሉጽ መገዲ ምዃኑ ኣጸቢቖም ነቒሖምሉ ኣለዉ።

^ ሕ.ጽ. 3 ደሓር ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተባህለት።

^ ሕ.ጽ. 8 ታሪኽ ህይወት ሓብትና ፓጀት ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 19-24 ይርከብ።