መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺህሉ ደዀን ይኸውን፧
እንታይ ምበልካ፧
እወ
ኣይፋል
ምናልባት
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“የሆዋ ንትሑታት ከም ዚጣበቐሎም፡ ንድኻታት ድማ ፍትሒ ኸም ዚህቦም እፈልጥ እየ።” (መዝሙር 140:12) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኸተምጽእ እያ።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧
ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ይርእዮ እዩ፣ ኬዐርዮ ድማ እዩ።—መክብብ 5:8።
ፍትሒ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላምን ደሓንን ኬምጽእ እዩ።—ኢሳይያስ 32:16-18።
ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ይርእዮም ድዩ፧
ገሊኦም ሰባት . . . ኣምላኽ ንእተወሰኑ ሰባት ከም ዝባረኸ ወይ ከም ዝረገመ ኺኣምኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ብማዕረ ኸም ዚርእዮም ይኣምኑ። እንታይ ይመስለካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ እዮም።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ዚኸውን “ብስራት” ሒዙ ኣሎ።—ራእይ 14:6።