ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ የማን ንጸጋም ዚንበባ የሆዋ ንዚብል ቅዱስ ስም ኣምላኽ ዚውክላ ቴትራግራማተን ዚብሃላ ፊደላት እብራይስጢ

ካብታ ዝነኣሰት ፊደል እብራይስጢ ዚርከብ ሓያል መረጋገጺ

ካብታ ዝነኣሰት ፊደል እብራይስጢ ዚርከብ ሓያል መረጋገጺ

ኵሉ ተስፋታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ብሓቂዶ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና፧ የሱስ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። ትምህርትታቱ እውን ንሰማዕቱ እምነት ከም ዜሕድሩ ገይርዎም እዩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:18 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እተዛረቦ እስከ ንርአ፦ “ሰማይን ምድርን እኳ እንተ ዚሓልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕጊ ሓንቲ ንእሽቶ ፊደል ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ፊደል እኳ ኣይክትሓልፍን እያ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

እታ ዝነኣሰት ፊደል እብራይስጢ י (ዮድ) እያ። እዛ ፊደል እዚኣ፡ ቀዳመይቲ ፊደል እተን የሆዋ ንዚብል ቅዱስ ስም ኣምላኽ ዚውክላ ቴትራግራማተን እውን እያ። * ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ንዘሎ ቓላትን ፊደላትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነፍሲ ወከፍ “ሕንጻጽ ፊደል” እውን ኣዝያ ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም።

የሱስ እቲ ዝነኣሰ ዝርዝር እቲ ሕጊ ኸይተፈጸመ ኻብ ዚተርፍ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ከም ዚቐልል እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ቓል ብቓሉ ሰማይን ምድርን፡ ንዘለኣለም ከም ዚነብር የረጋግጸልና እዩ። (መዝሙር 78:69) እምበኣር፡ እዚ ማራኺ መግለጺ እዚ፡ እቲ ዝነኣሰ ዝርዝር እቲ ሕጊ እኳ ኸይተፈጸመ ኸም ዘይተርፍ ዚሕብር እዩ ነይሩ።

የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ንኣሽቱ ዝርዝራት ይግደስ ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ ይግደስ እዩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ንርአ፦ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ ኣዕጽምቲ ገንሸል ፋስጋ ሓንቲ እኳ ኸይሰብሩ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 12:46) እዚ ንእሽቶ ዝርዝር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ኣዕጽምቲ ሓንቲ እኳ ኺሰብሩ ዘይነበሮም ስለምንታይ ምዃኑ ተረዲእዎም ነይሩ ድዩ፧ ምናልባት ኣይተረድኦምን ይኸውን። የሆዋ ኣምላኽ ግና እዚ ዝርዝር እዚ፡ እቲ መሲሕ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪቕተል ከሎ ኻብ ኣዕጽምቱ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይትስበር ዚሕብር ትንቢት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—መዝሙር 34:20፣ ዮሃንስ 19:31-33, 36

ቃላት የሱስ እንታይ ይምህረና፧ ንሕና እውን ኵሉ ተስፋታት የሆዋ ኣምላኽ፡ ዋላ እውን እቲ ንኣሽቱ ዝርዝራት ከም ዚፍጸም ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። እዝስ ካብታ ዝነኣሰት ፊደል እብራይስጢ ዚርከብ ከመይ ዝበለ ሓያል መረጋገጺ ዀን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 3 እታ ዝነኣሰት ፊደል ግሪኽኛ ኢዮታ ዀይና፡ ምስታ ናይ እብራይስጢ י (ዮድ) እትመሳሰል እያ። ሕጊ ሙሴ ኣብ ፈለማ ብእብራይስጢ እተጻሕፈን እተመሓላለፈን ከም ምዃኑ መጠን፡ የሱስ ነታ ፊደል እብራይስጢ እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።