ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር”

“ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር”

“ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር፣ . . . ብተኣማንነት ድማ ተመላለስ።”—መዝ. 37:3

መዝሙር፦ 150, 124

1. የሆዋ ንደቂ ሰብ እንታይ ዜደንቕ ክእለታት እዩ ሂብዎም፧

የሆዋ ንደቂ ሰብ ዜደንቕ ክእለታት ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ጸገማት ክንፈትሕን ንመጻኢ ኽንውጥንን ዜኽእል ምምዝዛን ሂቡና እዩ። (ምሳ. 2:11) ውጥናትና ኽንፍጽም፡ ናብ ግቡእ ሸቶታትና ድማ ክንበጽሕ ዜኽእለና ሓይሊ ወይ ዓቕሚ እውን ዓዲሉና እዩ። (ፊል. 2:13) ካብ ጌጋ ኽንርሕቕ፡ ክንጋገ ኸለና ኸኣ ጌጋና ኽንእርም ዜኽእለና ቕኑዕን ጌጋን ዚፈሊ ሕልና እውን ሂቡ እዩ ፈጢሩና።—ሮሜ 2:15

2. የሆዋ ንኽእለታትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ እዩ ዚጽበየና

2 የሆዋ ንኽእለታትና ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ እዩ ዚጽበየና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የፍቅረና እዩ፡ ንተውህቦና ኽንጥቀመሉ ኸለና ዕግበት ከም እንረክብ እውን ይፈልጥ እዩ። የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ፡ ክእለታትና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ብተደጋጋሚ ይምዕደና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣” ከምኡ ድማ፡ “ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ፡ ብዅሉ ሓይልኻ ግበሮ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ምሳ. 21:5፣ መክ. 9:10) ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸኣ፡ “ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ . . . ሰናይ ንግበር፣” ከምኡ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ እተቐበሎ ውህበት . . . ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ተባሂሉ ተነጊሩና ኣሎ። (ገላ. 6:10፣ 1 ጴጥ. 4:10) እምበኣር፡ የሆዋ ንርእስናን ንኻልኦትን ንምጥቃም ዚከኣለና ኽንገብር ይደልየና እዩ።

3. ኣብ ምንታይ መዳያት እዮም ደቂ ሰብ ድሩት ዓቕሚ ዘለዎም፧

3 ምስናይዚ፡ ደቂ ሰብ ድሩት ዓቕሚ ኸም ዘለዎም የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ብርእስና ኻብ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንከውን ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኵላትና ነናትና ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘሎና እውን፡ ንኻልኦት ሰባት ክንቈጻጸር ኣይንኽእልን ኢና። (1 ነገ. 8:46) ዘዋህለልናዮ ፍልጠት ወይ ተመክሮ ብዘየገድስ ድማ፡ ምስ ናይ የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ፡ ደረጃና ወትሩ ኸም ናይ ቈልዑ እዩ።—ኢሳ. 55:9

ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ “ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር”

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 እምበኣር፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ኣብ መሪሕነት የሆዋ ኽንውከል ኣሎና፣ ከም ዚድግፈናን ንሕና ዘይንኽእሎ ኸም ዚገብረልናን እምንቶ ኸነሕድር ኣሎና። ምስናይዚ ድማ፡ ጸገማት ንምፍታሕን ንሰባት ንምሕጋዝን ግቡእ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (መዝሙር 37:3 ኣንብብ።) ብሓጺሩ፡ ‘ብየሆዋ ኽንእመን፡ ሰናይ ከኣ ኽንገብር’ ኣሎና፣ እወ፡ ‘ብተኣማንነት ክንመላለስ’ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብቲ እቶም ኣብ የሆዋ እተወከሉ፡ ግቡእ ስጕምቲ ድማ ዝወሰዱ ኖህን ዳዊትን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ንርአ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪገብርዎ ዘይክእሉን ኪገብርዎ ዚኽእሉን ኣለልዮም፡ ነቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ኺገብሩ ነይርዎም።

ብእከይ ክንክበብ ከለና

5. ንኖህ ዘጋጠሞ ዅነታት ግለጽ።

5 ኖህ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምድሪ ‘ብዓመጻን’ ብምንዝርናን መሊኣ ነበረት። (ዘፍ. 6:4, 9-13) ውዒሉ ሓዲሩ፡ የሆዋ ነታ እክይቲ ዓለም ከም ዜጥፍኣ፡ ኖህ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ በቲ ሕማቕ ኵነታት ይጕሂ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር ከም ዘሎ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኪገብሮ ዚኽእል ነገር ከም ዘሎ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ኣብ ስብከት ዜጋጥመና ተቓውሞ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-9 ርአ)

6, 7. (ሀ) ኖህ እንታይ እዩ ኺገብር ዘይክእል ዝነበረ፧ (ለ) ኵነታትና ምስ ናይ ኖህ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

6 ኖህ ኪገብሮ ዘይክእል፦ ኖህ ነቲ ኻብ የሆዋ እተላእከ መጠንቀቕታ ብተኣማንነት እኳ እንተ ሰበኸ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ እኩያት ገዲዱ ነቲ መልእኽቲ ኸም ዚቕበልዎ ኺገብር፡ ወይ ማይ ኣይሂ ኻብቲ ምዱብ ግዜኡ ቐልጢፉ ኸም ዚመጽእ ኪገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኣብቲ የሆዋ ንእከይ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ዝኣተዎ ቓል እምንቶ ኼሕድር፡ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኸምኡ ኸም ዚገብር ድማ ኪኣምን ነይርዎ።—ዘፍ. 6:17

7 ንሕና እውን ኣብዛ የሆዋ ኸም ዜጥፍኣ እተዛረበላ እከይ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር። (1 ዮሃ. 2:17) ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ንሰባት ገዲድና ነቲ “ብስራት መንግስቲ” ኸም ዚቕበልዎ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኻብቲ እተመደበሉ ግዜ ቐዲሙ ኸም ዚጅምር እውን ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። (ማቴ. 24:14, 21) ከም ኖህ፡ ድልድልቲ እምነት ተድልየና እያ፣ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ኢዱ ኸም ዜእቱ ድማ እምንቶ ኸነሕድር ኣሎና። (መዝ. 37:10, 11) የሆዋ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኻብቲ ዝዓለሞ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ኽትጸንሕ ከም ዘይፈቕደላ ንኣምን ኢና።—ኣን. 2:3

8. ኖህ ኣብቲ ኺገብሮ ዚኽእል ዝነበረ ነገር ዘተኰረ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ኖህ ኪገብሮ ዚኽእል፦ ኖህ በቲ ኺገብሮ ዘይክእል ነገር ተስፋ ኣብ ክንዲ ዚቘርጽ፡ ኣብቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር እዩ ኣተኲሩ። ነቲ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ብተኣማንነት ብምእዋጅ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። (2 ጴጥ. 2:5) ከምኡ ምግባሩ፡ ንእምነቱ ኸም ዘደልደላ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ስብከት ኣብ ልዕሊ ምስታፉ ኸኣ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ መርከብ ንምስራሕ፡ ጕልበቱን ኣእምሮኡን ተጠቒሙ እዩ።—እብራውያን 11:7 ኣንብብ።

9. ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ኖህ ክንስዕብ እንኽእል፧

9 ንሕና እውን ከም ኖህ፡ “ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” ኺህልወና ኢና እንጽዕር። (1 ቈረ. 15:58) እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ህንጸትን ጽገናን ቦታታት ኣምልኾ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ወለንተኛ ምዃን፡ ወይ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰነ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ምግልጋል የጠቓልል። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዕዮ ስብከት ነቲ ናይ መጻኢ ተስፋና ኸም ዜደልድሎ ፈሊጥና፡ ኣብቲ ዕዮ ትሑዛት ንኸውን ኢና። ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ ሓንቲ እምንቲ ሓብቲ፡ “ንሰባት ብዛዕባ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮም ከለኻ፡ ሰማዕትኻ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኸም ዘይብሎምን ንጸገማቶም ነባሪ ገይሮም ከም ዚርእይዎን ትግንዘብ” ኢላ ገሊጻ ኣላ። እወ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ኣወንታዊ ተስፋን ነቲ ኣብ ጕያ ህይወት ከይንሕለል ዝገበርናዮ ቘራጽነትን የድልድሎ እዩ።—1 ቈረ. 9:24

ክንብድል ከለና

10. ንዳዊት ዘጋጠሞ ዅነታት ግለጽ።

10 የሆዋ ንንጉስ ዳዊት፡ “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ። (ግብ. 13:22) ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ዳዊት እሙን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ እዋን ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ወዲቑ እዩ። ፈለማ፡ ምስ ባትሴባ ዘምዩ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ንሰብኣያ ኡርያ ኣብ ውግእ ከም ዚቕተል ብምግባር ነቲ ሓጢኣት ኪሓብኦ ፈቲኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነታ ንኡርያ እተቕትሎ ደብዳበ፡ ብኢድ ኡርያ እዩ ልኢኽዋ! (2 ሳሙ. 11:1-21) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ሓጢኣት ዳዊት ተጋሂዱ እዩ። (ማር. 4:22) እሞኸ ዳዊት እንታይ ገይሩ፧

ዝሓለፈ ሓጢኣትና (ሕጡብ ጽሑፍ 11-14 ርአ)

11, 12. (ሀ) ዳዊት ድሕሪ ምሕጣኡ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዘይክእል ዝነበረ፧ (ለ) ከቢድ ሓጢኣት ድሕሪ ምግባርና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብረልና ኢና ኽንኣምን ዘሎና፧

11 ዳዊት ኪገብሮ ዘይክእል፦ ዳዊት ነቲ ዝገበሮ ኺመልሶ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ካብ ሳዕቤናት ጌጋታቱ እውን ኬምልጥ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። አረ ገለ ኻብቲ ሳዕቤናትሲ ንምሉእ ህይወቱ እዩ ዚጸሉ ነይሩ። (2 ሳሙ. 12:10-12, 14) ስለዚ፡ እምነት ተድልዮ ነይራ። ብሓቂ ምስ ተነስሐ፡ የሆዋ በደሉ ኸም ዚሓድገሉ፡ ንሳዕቤናት ተግባራቱ ኺጾሮ ድማ ከም ዚሕግዞ እምንቶ ኼሕድር ኣድልይዎ እዩ።

12 ንሕና እውን ዘይፍጹማት ብምዃንና፡ ኵላትና ንሓጥእ ኢና። ገሊኡ ሓጢኣት ካብ ካልእ ዝኸበደ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ጌጋታትና ኽንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ንዚመጸና ሳዕቤናት ጾይርና ጥራይ ኢና ኽንመላለስ ዘሎና። (ገላ. 6:7) ግናኸ፡ እንተ ተነሲሕና፡ ኣምላኽ ቃሉ ኸም ዚሕሉ ኽንኣምን ኣሎና፣ እወ፡ የሆዋ ነቲ ባዕልና ዘምጻእናዮ ጸገማት እኳ ኸይተረፈ ኽንጾሮ ኸም ዚሕግዘና እምንቶ ኸነሕድር ኣሎና።—ኢሳይያስ 1:18, 19፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

13. ዳዊት ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ሕማሙ ዝጠዓየ ብኸመይ እዩ፧

13 ዳዊት ኪገብሮ ዚኽእል፦ ዳዊት ካብ የሆዋ መንፈሳዊ ሓገዝ ተቐቢሉ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝገበረሉ መገዲ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ተላኢኹ ዝመጸ ነብዪ ናታን ዝሃቦ መአረምታ ምቕባሉ እዩ። (2 ሳሙ. 12:13) ብዘይካዚ፡ ናብ የሆዋ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ሓጢኣቱ ተናዚዙን ሞገስ የሆዋ ኺረክብ ልባዊ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹን እዩ። (መዝ. 51:1-17) በቲ እተሰምዖ ጸጸት ተደቚሱ ኣብ ክንዲ ዚተርፍ፡ ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ እዩ። ነቲ ኸቢድ ሓጢኣቱ እውን ጠሪሱ ኣይደገሞን። ድሕርዚ፡ ዓመታት ጸኒሑ ብተኣማንነት እዩ ሞይቱ። እቲ ንጽህናኡ ብምሕላው ዘጥረዮ ጽቡቕ ስም ከኣ ኣብ ተዘክሮ የሆዋ ተቐሪጹ ኣሎ።—እብ. 11:32-34

14. ካብ ኣብነት ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

14 ካብ ኣብነት ዳዊት እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ወዲቕና፡ ካብ ልቢ ኽንንሳሕን ካብ የሆዋ ሕድገት ክንደልን ኣሎና። ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ኣሎና። (1 ዮሃ. 1:9) ናብቶም መንፈሳዊ ሓገዝ ዚህቡና ሽማግለታት እውን ክንቀርብ ኣሎና። (ያእቆብ 5:14-16 ኣንብብ።) ካብቲ የሆዋ ዝሰርዖ መሰናድዎ ምስ እንጥቀም፡ ኣብቲ ኼሕውየናን ሓጢኣትና ኺሓድገልናን ዝኣተዎ ቓል ዘሎና እምንቶ ኸነርኢ ንኽእል። ድሕሪኡ፡ ካብ ጌጋታትና ተማሂርናን ብዛዕባ መጻኢና ምሉእ እምንቶ ሓዲሩናን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንግስግስ ኣሎና።—እብ. 12:12, 13

ኣብ ካልእ ኵነታት

ጸገማት ጥዕና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ካብ ኣብነት ሃና እንታይ ንምሃር፧

15 ብየሆዋ ተኣሚኖም ግቡእ ስጕምቲ ዝወሰዱ ኻልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኸም ዘለዉ መሸም ትፈልጥ ኢኻ። ንኣብነት፡ ሃና ነቲ መኻን ምዃና ዘምጽኣላ ሽግር፡ ባዕላ ኽትፈትሖ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። የሆዋ ኸም ዜጸናንዓ እምንቶ ስለ ዘሕደረት ግና፡ ኣብ ማሕደሩ ኸይዳ ኣምልኾኣ ኣቕሪባን ልባ ብጸሎት ኣፍሲሳን እያ። (1 ሳሙ. 1:9-11) እዝስ ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ደይኰነን ዚዀነና፧ ጸገማት ጥዕና ወይ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ስለ እንኣምን፡ ጭንቀትና ናብኡ ኢና እንድርብዮ። (1 ጴጥ. 5:6, 7) ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ካብ ካልእ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ንምጥቃም ድማ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና።—እብ. 10:24, 25

ፋሉል ዝኸዱ ውሉዳት (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ወለዲ ኻብቲ ሸምጊሉ ዝነበረ ሳሙኤል እንታይ ይምሃሩ፧

16 ደቆም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ እሙናት ወለዲኸ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ እቲ ሸምጊሉ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ነቶም በጽሕታት ደቁ ንስርዓታት ጽድቂ ብተኣማንነት ኪሕልዉ ኺግድዶም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 8:1-3) ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኺሓድጎ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ሳሙኤል ንጽህናኡ ኺሕሉን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ኼሐጕሶን ይኽእል ነይሩ እዩ። (ምሳ. 27:11) ሎሚ፡ ንብዙሓት ክርስትያናት ወለዲ ተመሳሳሊ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። የሆዋ ኸምቲ ኣብ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ ዘሎ ኣቦ ብምዃኑ፡ ንዚንስሑ ሓጥኣን ኪቕበሎም ወትሩ ተሃንጥዩ ኸም ዚጽበ ይኣምኑ እዮም። (ሉቃ. 15:20) ምስናይዚ፡ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ይቕጽሉ፡ እዚ ኣብነቶም እዚ ኸኣ ንደቆም ናብተን መጓሰ ኺምለሱ ኣብነት ከም ዚዀኖም ተስፋ ይገብሩ እዮም።

ሕጽረት ገንዘብ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ኣብነት እታ ድኻ መበለት ዜተባብዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ብዛዕባ እታ ብግዜ የሱስ ዝነበረት ድኻ መበለት እስከ ንሕሰብ። (ሉቃስ 21:1-4 ኣንብብ።) ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ብልሽውና ንምዕራዩ ኽትገብሮ እትኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረን። (ማቴ. 21:12, 13) ድኽነታ ንምስናፍ እውን ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣይነበረን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ “ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም” ብፍታው ወፍያ እያ። እታ እምንቲ ሰበይቲ እቲኣ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት እንተ ሂባ፡ የሆዋ ነቲ ብስጋ ዜድልያ ኸም ዜማልኣላ እምንቶ ብምሕዳር፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልባ ኸም እትኣምኖ ኣርእያ እያ። በቲ እምንቶኣ ተደሪኻ ኸኣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ መሰናድዎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደጊፋ። ንሕና እውን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደሊና፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና እምንቶ ኣሎና።—ማቴ. 6:33

18. ግቡእ ኣረኣእያ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝሓደጎ ኣብነት ጥቐስ።

18 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት ብጾትና እውን ብየሆዋ ኸም ዚእመኑ ኣርእዮም፡ ግቡእ ስጕምቲ ድማ ወሲዶም እዮም። ክሳዕ እቲ ብ2015 ዝሞተሉ እዋን ብተኣማንነት ዝጸንዐ ማልከም ዝስሙ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ንየሆዋ ኣብ ዘገልገሉሉ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዙሕ ዓቐበ ቍልቁል ሰጊሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ ማልከም፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ህይወት ዘይተጸበኻዮን ሃንደበታውን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከቢድ ነገራት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ . . . ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት እዩ ዚባርኾም” ዚብል ሓሳብ ሂቡ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ውጽኢታውን ንጡፍን ምእንቲ ኽትከውን፡ ጸሊ። ኣብቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ኣተኵር” ዚብል ምዕዶ ሂቡ ኣሎ። *

19. (ሀ) ጥቕሲ ዓመት 2017 ንግዜና እትኸውን እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንጥቕሲ ዓመት 2017 ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ክትዓይየላ ኢኻ፧

19 እዚ ስርዓት እዚ “ናብ ዝገደደ” ኪኸይድ ከሎ፡ ዝበኣሰ ጸገማት ኬጋጥመና ኢና እንጽበ። (2 ጢሞ. 3:1, 13) ስለዚ፡ በቲ ጸገማት ክንለምስ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ የሆዋ ድልዱል እምንቶ ኸነሕድር፡ ግቡእ ስጕምቲ ድማ ክንወስድ ይግብኣና። እምበኣር፡ ነዚ ግዜና እትኸውን ጥቕሲ ዓመት እያ ተሓርያ፣ ጥቕሲ ዓመት 2017 ከምዚ ትብል፦ “ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር።”—መዝ. 37:3

ጥቕሲ ዓመት 2017፦ “ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር ።”መዝሙር 37:3