ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖም

የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖም

“የሆዋ ወትሩ ኺመርሓካ . . . እዩ።”—ኢሳ. 58:11

መዝሙር፦ 3, 4

1, 2. (ሀ) እቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚመርሑ ኻብ መራሕቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

“መራሒኹም መን እዩ፧” ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዙሕ ሳዕ እዛ ሕቶ እዚኣ ይሕተቱ እዮም። እዚ ድማ ዜገርም ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ሓያሎ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣለዉወን። ንሕና ግና፡ ንዚሓትቱና ዘበሉ፡ መራሒና ዘይፍጹም ሰብ ከም ዘይኰነ ብሓበን ንዛረብ ኢና። የግዳስ፡ ንመሪሕነት እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ ኢና እንስዕብ፣ ንሱ ኸኣ፡ ብኣቦኡ የሆዋ እዩ ዚምራሕ።—ማቴ. 23:10

2 ይኹን እምበር፡ ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሕ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚብሃል ጕጅለ ኣሎ። (ማቴ. 24:45) የሆዋ በቲ ዘይርአ ወዱ ኣቢሉ ብሓቂ ይመርሓና ኸም ዘሎ ኽንተኣማመን እንኽእል ደኣ ብኸመይ ኢና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን፡ የሆዋ ንሓያሎ ዘመናት ንገሊኦም ሰባት ንህዝቡ ኺመርሑ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክንምርምር ኢና። ኣብ ክልቲአን ዓንቀጻት፡ የሆዋ ንህዝቡ ዚመርሕ ናይ ሓቂ መራሒ ኸም ዝዀነ ብዜርኢ መገዲ ነዞም ሰባት እዚኦም ከም ዝሓገዞምን ሕጂ እውን ይሕግዞም ከም ዘሎን ዜረጋግጽ ሰሰለስተ መርትዖታት ክንርኢ ኢና።—ኢሳ. 58:11

ብመንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ረኺቦም

3. ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ኪመርሕ ሓይሊ ዝሃቦ እንታይ እዩ፧

3 መንፈስ ቅዱስ ንወኪላት ኣምላኽ ሓይሊ ሂብዎም። ነቲ ንእስራኤላውያን ኪመርሕ እተመዝዘ ሙሴ ኸም ኣብነት ንርአ። ነዚ ኸቢድ መዝነት እዚ ኺፍጽም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ‘ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ውሽጡ ስለ ዘሕደረሉ’ እዩ። (ኢሳይያስ 63:11-14 ኣንብብ።) የሆዋ ንሙሴ መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ንህዝቡ መሪሕዎም እዩ።

4. ሙሴ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነበሮ እስራኤላውያን ብኸመይ ኬስተውዕሉ ይኽእሉ ነይሮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 መንፈስ ቅዱስ ዘይርአ ሓይሊ እዩ። እሞኸ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ሙሴ ይዓዪ ኸም ዝነበረ፡ እስራኤላውያን ብኸመይ ኬስተውዕሉ ይኽእሉ ነይሮም፧ መንፈስ ቅዱስ ንሙሴ፡ ተኣምራት ኪገብርን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ስም የሆዋ ኺእውጅን ሓጊዝዎ እዩ። (ዘጸ. 7:1-3) ከም ፍቕርን ዓቕልን ትዕግስትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኬፍሪ እውን ሓጊዝዎ እዩ። ሙሴ ኻብቶም ጨካናትን ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡን ዝነበሩ መራሕቲ ኻልኦት ሃገራት እተፈልየ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 5:2, 6-9) የሆዋ ንሙሴ፡ መራሒ ህዝቡ ኪኸውን ከም ዝሓረዮ እምበኣር ንጹር እዩ ነይሩ።

5. የሆዋ ንኻልኦት እስራኤላውያን ንህዝቡ ኺመርሑ ብኸመይ ሓይሊ ኸም ዝሃቦም ግለጽ።

5 ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኺመርሑ ዝሸሞም ካልኦት ሰባት እውን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ “ንእያሱ ወዲ ነዌ . . . መንፈስ ጥበብ መልኦ።” (ዘዳ. 34:9) “መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጊዴዎን መጸ።” (መሳ. 6:34) “መንፈስ የሆዋ ንዳዊት ኣኽእሎ ሃቦ።” (1 ሳሙ. 16:13) ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ይውከሉ ነይሮም እዮም። እቲ መንፈስ ከኣ ባዕሎም ኪገብርዎ ዘይክእሉ ግብርታት ኪገብሩ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። (እያ. 11:16, 17፣ መሳ. 7:7, 22፣ 1 ሳሙ. 17:37, 50) እቲ ግብርታት ሓይሊ ኸኣ ንየሆዋ ውዳሰ ኣምጺኡሉ እዩ።

6. ኣምላኽ፡ እስራኤላውያን ንመራሕቶም ኬኽብርዎም ዚደሊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

6 እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ንመራሕቶም ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ሓይሊ ኸም ዝሃቦም ዜርኢ ንጹር መርትዖታት እንታይ ምላሽ ኪህብሉ የድልዮም ነበረ፧ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ መሪሕነት ሙሴ ምስ ኣዕረምረሙ፡ የሆዋ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ዚንዕቀኒ፧” በለ። (ዘሁ. 14:2, 11) እወ፡ ሙሴን እያሱን ጊዴዎንን ዳዊትን ንዕኡ ወኪሎም መራሕቲ ኪዀኑ ዝሓረዮም፡ የሆዋ ባዕሉ እዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ ነዞም መራሕቲ እዚኦም እዙዛት ምዃኖም፡ ንመሪሕነት የሆዋ ኸም እተቐበሉ ዜርኢ እዩ ነይሩ።

መላእኽቲ ሓጊዞምዎም

7. መላእኽቲ ንሙሴ ብኸመይ ሓጊዞምዎ፧

7 መላእኽቲ ንወኪላት ኣምላኽ ሓጊዞምዎም። (እብራውያን 1:7, 14 ኣንብብ።) የሆዋ ብመላእኽቲ ኣቢሉ ንሙሴ ኣዚዝዎን ኣዕጢቕዎን መሪሕዎን እዩ። ብዘይካዚ፡ “ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ፡ ሓለቓን መድሓንን ገይሩ ለኣኾ።” (ግብ. 7:35) ነቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን ዝመሃሮም ሕጊ ድማ፡ ‘ብመላእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉሎም።’ (ገላ. 3:19) የሆዋ ንሙሴ፡ “ነቲ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ” በሎ። (ዘጸ. 32:34) መልኣኽ ብኣካል ወሪዱ እዚ ነገራት እዚ ኺገብር ከሎ እስራኤላውያን ከም ዝረኣይዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝመሃረሉን ዝመርሓሉን መገዲ፡ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ኸም ዝነበሮ ዜርኢ እዩ ነይሩ።

8. መላእኽቲ ንእያሱን ንህዝቅያስን ብኸመይ ሓጊዞምዎም፧

8 እቲ ንሙሴ ተኪኡ መራሒ ዝዀነ እያሱ ንህዝቢ ኣምላኽ መሪሑ ምስ ከነኣናውያን ኪዋጋእ ከሎ፡ “መስፍን ሰራዊት የሆዋ” ኣበራቲዕዎ እዩ። እስራኤላውያን ከኣ ኣብቲ ውግእ ተዓዊቶም እዮም። (እያ. 5:13-15፣ 6:2, 21) ብግዜ ንጉስ ህዝቅያስ ድማ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰራዊት ኣሶር መጺኦም ንየሩሳሌም ከበብዋ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሓንቲ ለይቲ፡ “መልኣኽ የሆዋ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ።”—2 ነገ. 19:35

9. ወኪላት ኣምላኽ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ እስራኤላውያን ንመሪሕነቶም ኪስዕቡ ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዮም፧ ግለጽ።

9 መላእኽቲ ፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም መላእኽቲ ዚሕግዝዎም ሰባት ግና ፍጹማት ከም ዘይኰኑ ርግጽ እዩ። ሓደ እዋን፡ ሙሴ ንስም የሆዋ ኣይቀደሰን። (ዘሁ. 20:12) እያሱ ምስ ጊብዖናውያን ኪዳን ቅድሚ ምእታዉ መምርሒ ኣምላኽ ኣየናደየን። (እያ. 9:14, 15) ህዝቅያስ፡ ንሓጺር እዋን እውን ይኹን፡ “ልቡ ተዓበየ።” (2 ዜና 32:25, 26) ይኹን እምበር፡ እዞም ሰባት እዚኦም ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ እስራኤላውያን ንመሪሕነቶም ኪስዕቡ የድልዮም ነበረ። የሆዋ ነዞም መራሕቲ ብመላእኽቲ ገይሩ ይድግፎም ነይሩ እዩ። እወ፡ የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖም ነይሩ እዩ።

ብቓል ኣምላኽ ተመሪሖም

10. ሙሴ ብሕጊ ኣምላኽ እተመርሐ ብኸመይ እዩ፧

10 ቃል ኣምላኽ ንወኪላቱ መሪሕዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ፡ “ሕጊ ሙሴ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (1 ነገ. 2:3) ኰይኑ ግና፡ እቲ ወሃብ ሕጊ የሆዋ ባዕሉ ኸም ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጸልና እዩ፣ ሙሴ እውን በቲ ሕጊ እዩ ዚምራሕ ነይሩ። (2 ዜና 34:14) የሆዋ ንሙሴ ብኸመይ ማሕደር ከም ዚተክል ነገሮ፣ “ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።”—ዘጸ. 40:1-16

11, 12. (ሀ) እያሱን ነገስታት ህዝቢ ኣምላኽን እንታይ ኪገብሩ እዮም ተኣዚዞም ነይሮም፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ንመራሕቲ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ጽልዋ ገይሩሎም፧

11 እያሱ መራሒ እስራኤላውያን ካብ ዝዀነሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ቃል ኣምላኽ ዝሓዘ ጽሑፍ ነይርዎ እዩ። ‘ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ’ ተባሂሉ ተነጊርዎ ነበረ። (እያ. 1:8) ድሕሪ ግዜ እውን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝገዝኡ ነገስታት ነዚ ምኽሪ እዚ ስዒቦም እዮም። ነቲ ሕጊ በብመዓልቱ ኼንብብዎ፡ ቀዲሖም ኣብ መጽሓፍ ኪጽሕፍዎ፡ ‘ኵሉ ቓላት እቲ ሕግን እቲ ስርዓታትን ድማ ኪገብርዎ’ ተኣዚዞም ነበሩ።ዘዳግም 17:18-20 ኣንብብ።

12 ቃል ኣምላኽ ነቶም መራሕቲ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩሎም፧ ንንጉስ ዮስያስ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ሕጊ ሙሴ ዝሓዘት ሰነድ ምስ ተረኽበት፡ ጸሓፊኡ ኣንበበሉ። * እሞኸ እቲ ንጉስ እንታይ ተሰምዖ፧ “ንጉስ ነቲ ቓላት እታ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።” ካብዚ ንላዕሊ እውን ገይሩ እዩ። ዮስያስ ብቓል ኣምላኽ ተመሪሑ፡ ኣምልኾ ጣኦት ንምጥፋእ ሓያል ወፈራ ኣካየደ፣ መዳርግቲ ዘይብሉ በዓል ፋስጋ ድማ ኣብዓለ። (2 ነገ. 22:11፣ 23:1-23) ዮስያስን ካልኦት እሙናት መራሕትን ብቓል ኣምላኽ ስለ እተመርሑ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ እተዓረየን ንጹርን መምርሒታት ኪህቡ ኺኢሎም እዮም። እዚ ለውጥታት እዚ ድማ፡ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ሓጊዙ እዩ።

13. ኣብ መንጎ መራሕቲ ህዝቢ ኣምላኽን መራሕቲ ኣረማውያን ህዝብታትን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

13 እዞም እሙናት ነገስታት እዚኦም፡ ካብቶም ብሰብኣዊ ጥበብ ዚምርሑን ኣርሒቖም ኪርእዩ ዘይክእሉን መራሕቲ ኣህዛብ ክንደይ ኰን እተፈልዩ እዮም! ከነኣናውያን ዚመርሕዎም ህዝቢ፡ ምስ መቕርባ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ግብረ ሶዶምን ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብን መስዋእቲ ውሉዳትን ኣምልኾ ጣኦትን ካልእ ዜፈንፍን ተግባራትን ይገብሩ ነበሩ። (ዘሌ. 18:6, 21-25) መራሕቲ ባቢሎናውያንን ግብጻውያንን ከኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ብስነ ፍልጠት እተረጋገጸ ስርዓት ንጽህና ኣይስዕቡን እዮም ነይሮም። (ዘሁ. 19:13) ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ግና፡ እቶም መራሕቶም መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ኣካላውን ንጽህና ዜደንፍዑ ኸም ዝነበሩ ኺርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እወ፡ የሆዋ ይመርሖም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ ነይሩ።

14. የሆዋ ንገሊኦም መራሕቲ ህዝቡ ዝገሰጾም ስለምንታይ እዩ፧

14 ገሊኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚገዝኡ ዝነበሩ ነገስታት፡ መምርሒታት ኣምላኽ ኣይሕልዉን እዮም ነይሮም። እዞም መራሕቲ እዚኦም፡ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን መላእኽቱን ቃሉን ኣይተቐበሉን። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ የሆዋ ነዞም ዘይእዙዛት መራሕቲ ገሲጽዎም ወይ ከኣ ብኻልኦት ተኪእዎም እዩ። (1 ሳሙ. 13:13, 14) በቲ ዝመደቦ ግዜ ድማ፡ ካብቶም ኣቐዲሙ እተጠቕመሎም ኣዝዩ ዚበልጽ መራሒ ሸይሙ እዩ።

የሆዋ ፍጹም መራሒ ሸመ

15. (ሀ) ትንቢታት፡ ፍሉይ መራሒ ኸም ዚመጽእ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መራሒ መን እዩ፧

15 ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት፡ የሆዋ ንህዝቡ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎ መራሒ ኸም ዚሸመሎም ተነብዩ ነይሩ እዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ኸማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትካ ኼተንስኣልካ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” በሎም። (ዘዳ. 18:15) ኢሳይያስ፡ እቲ ዚሽየም፡ “መራሕን ኣዛዝን” ከም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 55:4) ዳንኤል ከኣ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ ብዛዕባ ምምጻእ “እቲ መሲሕ፡ እቲ መራሒ” ጽሒፉ እዩ። (ዳን. 9:25) ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ “መራሒ” ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኑ ኣርኣየ። (ማቴዎስ 23:10 ኣንብብ።) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከኣ ብፍታዎም ሰዓብዎ፣ ሕሩይ የሆዋ ምዃኑ ድማ ኣረጋገጹ። (ዮሃ. 6:68, 69) ግናኸ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኸም ዚመርሖም ዘእመኖም እንታይ እዩ፧

16. መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ሓይሊ ኸም ዝሃቦ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

16 መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ሓይሊ ሃቦ። የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ሰማያት ኪኽፈት፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኣብኡ ኺወርድ ከሎ” ረኣየ። ድሕሪኡ፡ “መንፈስ ናብ በረኻ ኺወጽእ ደረኾ።” (ማር. 1:10-12) ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ የሱስ ድማ፡ መንፈስ ኣምላኽ ተኣምራት ኪገብርን ብመለኮታዊ ስልጣን ኪዛረብን ሓይሊ ሂብዎ እዩ። (ግብ. 10:38) ብዘይካዚ፡ የሱስ ከም ፍቕርን ሓጐስን ጽኑዕ እምነትን ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ኬፍሪ መንፈስ ቅዱስ ሓጊዝዎ እዩ። (ዮሃ. 15:9፣ እብ. 12:2) ከምዚ ዓይነት ዜእምን መርትዖ ዘለዎ መራሒ የልቦን። እወ፡ የሱስ፡ የሆዋ ዝሓረዮ መራሒ እዩ።

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ መላእኽቲ ዝሓገዝዎ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. መላእኽቲ ንየሱስ ብኸመይ ሓጊዞምዎ፧

17 መላእኽቲ ንየሱስ ሓጊዞምዎ። የሱስ ደድሕሪ ምጥማቑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።” (ማቴ. 4:11) ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ድማ፡ “ካብ ሰማይ . . . መልኣኽ ተራእዮ፡ ኣበርትዖ እውን።” (ሉቃ. 22:43) የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ሓገዝ መላእኽቲ ኣብ ዚደልየሉ እዋን፡ የሆዋ መልኣኽ ከም ዚሰድደሉ ይተኣማመን ነይሩ እዩ።—ማቴ. 26:53

18, 19. ቃል ኣምላኽ ንህይወትን ንትምህርትታትን የሱስ ዝመርሖ ብኸመይ እዩ፧

18 ቃል ኣምላኽ ንየሱስ መሪሕዎ። የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኻብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኪምራሕ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:4) ንቓል ኣምላኽ ዚእዘዝ ብምንባሩ ድማ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪመውት እውን ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ኣብተን ቀቅድሚ ሙማቱ እተዛረበን ቃላት ከኣ፡ ካብ መሲሓዊ ትንቢታት ጠቒሱ እዩ። (ማቴ. 27:46፣ ሉቃ. 23:46) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምስቲ ዚስዕብዎ ልማዳት ንዚጻባእ ቃል ኣምላኽ ይነጽግዎ ነበሩ። የሱስ ነቲ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባኦም እተዛረቦ ቓላት ብምጥቃስ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ” በለ። (ማቴ. 15:7-9) የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም ንህዝቡ ኺመርሕዎ ኣይመረጾምን።

19 የሱስ፡ ቃል ኣምላኽ ንተግባራቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንትምህርትታቱ እውን ኪመርሖ ፈቒዱ እዩ። ሃይማኖታዊ ምጽራር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ኣብቲ ብዙሕ ጥበቡ ወይ ኣብቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ተመክሮኡ ኣይተወከለን። የግዳስ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። (ማቴ. 22:33-40) ንሰማዕቱ ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ዝነበሮ ህይወት ወይ ብዛዕባ ፍጥረት ዩኒቨርስ ብምንጋር ኬስደምሞም ኣይጸዓረን፣ የግዳስ፡ “ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ኣጸቢቑ ኸፈተሎም።” (ሉቃ. 24:32, 45) የሱስ ንቓል ኣምላኽ የፍቅርን ንኻልኦት ኬካፍሎም ይህንጠን ነበረ።

20. (ሀ) የሱስ ንኣምላኽ ከም ዚእዘዝ ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ መንጎ የሱስን ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይን ዝነበረ ፍልልይ፡ ብዛዕባ እንታይነት እቲ የሆዋ ዚሓርዮ መራሒ እንታይ ይምህረና፧

20 የሱስ ንሰማዕቱ በቲ ዚዛረቦ “ጥዑም ዘረባ” የገርሞም እኳ እንተ ነበረ፡ መምህሩ የሆዋ ኸም ዝዀነ ኣፍልጦ ይህብ ነበረ። (ሉቃ. 4:22) ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ንየሱስ፡ “ሕያዋይ መምህር” ኢሉ ብምጽዋዕ ኬኽብሮ ምስ ደለየ፡ የሱስ ብትሕትና፡ “ስለምንታይ ሕያዋይ እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። (ማር. 10:17, 18) ምስቲ ኣስታት ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ ንጉስ ወይ መራሒ ይሁዳ ዝዀነ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ ኪነጻጸር ከሎስ፡ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ትሑት ኰን እዩ ነይሩ! ሓደ ግዜ ሄሮድስ ምስቲ ህዝቢ ኺራኸብ ከሎ፡ “ልብሰ መንግስቲ” ለበሰ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ወደስዎ። ሄሮድስ ድማ በቲ ዝረኸቦ ውዳሰ ዅርዓት ተሰምዖ። ቀጺሉኸ እንታይ ኣጋጠመ፧ “ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ።” (ግብ. 12:21-23) የሆዋ ንሄሮድስ መራሒ ኪኸውን ከም ዘይመረጾ ንጹር እዩ ነይሩ። የሱስ ግና የሆዋ ኸም ዝሸሞ ኣርእዩ እዩ፣ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መራሒ ህዝቢ ኣምላኽ፡ የሆዋ ባዕሉ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ ብተደጋጋሚ ወዲስዎ እዩ።

21. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

21 የሱስ ንሒደት ዓመታት ጥራይ ኣይኰነን መራሒ ዀይኑ። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። . . . እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” በለ። (ማቴ. 28:18-20) ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ዚነብር የሱስ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ኰይኖም ንህዝቡ ኺመርሑ ዚጥቀመሎም ዘሎ ኣየኖት እዮም፧ ክርስትያናት ነዞም ወኪላት እዚኦም ኬለልይዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 12 እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ሙሴ ባዕሉ ዝጸሓፎ ሰነድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።