ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሆዋ “ኻብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 10:13) እሞኸ፡ የሆዋ ኣቐዲሙ ዓቕምና ብምግምጋም ክንጾሮ እንኽእል ፈተናታት ጥራይ ክንፍተን ይውስን ድዩ፧

እዚ ዓይነት ኣረኣእያ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ እስከ ንርአ። ወዱ ርእሰ ቕትለት ዝፈጸመ ሓደ ሓው፡ ‘የሆዋ ኣነን ሰበይተይን ንሞት ወድና ኽንጾሮ ኸም እንኽእል ኣቐዲሙ ስለ ዝገምገመ ድዩ ወድና ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም ፈቒዱ፧ ኣምላኽ ነቲ ዜጋጥመና ዅነታት ከም እንጾሮ ስለ ዝወሰነ ድዩ እዚ ኣጋጢሙና፧’ ኢሉ ሓተተ። የሆዋ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዅነታት በዚ ኸምዚ ኸም ዚቈጻጸሮ ምእማን ቅኑዕ ድዩ፧

ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ዘሎ ቓላት ጳውሎስ ዝያዳ ምርምር ምስ ገበርናሉ፡ ናብዚ ዚስዕብ መደምደምታ በጺሕና ኣለና፦ የሆዋ ኣቐዲሙ ዓቕምና ገምጊሙ፡ ብመሰረት እቲ ዝገበሮ ገምጋም፡ ክንጾሮ እንኽእል ፈተናታት ጥራይ ክንፍተን ከም ዚውስን ዚገልጽ ቅዱሳት ጽሑፋዊ መርትዖ የልቦን። ናብዚ መደምደምታ እዚ ዝበጻሕናሉ ኣርባዕተ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ቀዳማይ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። መገዲ ህይወትና ባዕልና ኽንመርጽ እዩ ዚደልየና። (ዘዳ. 30:19, 20፣ እያ. 24:15) ቅኑዕ መገዲ እንተ መሪጽና፡ የሆዋ ንስጕምትታትና ኺመርሖ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 16:9) ጌጋ መገዲ እንተ መሪጽና ግና፡ ሳዕቤኑ ኽንዓጽድ ኢና። (ገላ. 6:7) የሆዋ ነቲ ዚበጽሓና ፈተናታት ዚመርጸልና እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ዜነኣእስዶ ኣይምዀነን፧

ካልኣይ፡ የሆዋ “ግዜን ኣጋጣምን” ካብ ዜምጽኦ ነገራት ኣየዕቍበናን እዩ። (መክ. 9:11) ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሕና፡ ሕማቕ ሳዕቤን ዜምጽኣልና ኸቢድ ሓደጋ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። የሱስ፡ ግምቢ ወዲቕዎም ብዛዕባ ዝሞቱ 18 ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ እቶም ሰባት ኪሞቱ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 13:1-5) ኣምላኽ ሃንደበት ኣብ ዜጋጥም ኵነታት መን ከም ዚመውት ኣቐዲሙ ኸም ዚውስን ምሕሳብሲ ጌጋዶ ኸይኰነ፧

ሳልሳይ፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ንንጽህና ዚምልከት ጕዳይ ብብሕቲ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና። ሰይጣን፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ እሙናት ከም ዘይንኸውን ብምግላጽ፡ ንንጽህና ዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ሕቶ ኸም ዘእተዎ ኣይትረስዕ። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4፣ ራእ. 12:10) የሆዋ ገሊኡ ፈተናታት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኸም ዝዀነ ብምሕሳብ ከይንፍተን ዚከላኸለልና እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ንኣምላኽ እነገልግሎ ንጥቕምና ኢልና ጥራይ ከም ዝዀነ ሰይጣን ዘበገሶ ኽሲ ዚድግፍዶ ኣይምዀነን፧

ራብዓይ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዜጋጥመና ነገራት ኣቐዲሙ ኺፈልጦ ኣየድልዮን እዩ። እቲ ኣምላኽ ንዜጋጥመና ፈተናታት ኣቐዲሙ ኸም ዚመርጸልና ዚገልጽ ሓሳብ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዜጋጥመና ዅሉ ነገራት ከም ዚፈልጥ እዩ ዜመልክት። ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ግና ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን። ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ከም ዚኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ኢሳ. 46:10) ይኹን እምበር፡ ኣብ መጻኢ ኻብ ዚፍጸም ፍጻመታት ነቲ ዝደለዮ ጥራይ መሪጹ ኸም ዚርኢ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (ዘፍ. 18:20, 21፣ 22:12) ስለዚ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና የኽብር እዩ። (ዘፍ. 18:20, 21፣ 22:12) ነቲ ንናጽነትና ኣኽቢሩ ዚርእዮን ንባህርያቱ ወትሩ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ዚጥቀመሉን ኣምላኽ ከምኡ ኺገብር ደይኰንናን ትጽቢት እንገብረሉ፧—ዘዳ. 32:4፣ 2 ቈረ. 3:17

ነቲ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ . . . ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ቅድሚ ፈተናና ዘይኰነስ፡ ክንፍተን ከለና፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ዚገልጽ ዘሎ። ቃላት እቲ ሃዋርያ፡ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና ንሱ ኸም ዚድግፈና እዩ ዜረጋግጸልና። (መዝ. 55:22) እዚ ዜጸናንዕ ቃላት ጳውሎስ፡ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ሓቅታት እተመስረተ እዩ።

ቀዳማይ፡ “ንሰብ ዘይበጽሖ” ፈተናታት ኣይበጽሓናን እዩ። ስለዚ፡ ኵሉ እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ንኻልኦት እውን ኬጋጥሞም ዚኽእል እዩ። ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪልና፡ እዚ ፈተናታት እዚ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይኰነናን እዩ። (1 ጴጥ. 5:8, 9) ኣብ ከባቢ 1 ቈረንቶስ 10:13 ኣብ ዘሎ ሓሳባት፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ዘጋጠሞም ፈተናታት ይጠቅስ እዩ። (1 ቈረ. 10:6-11) እቲ እስራኤላውያን ዘጋጠሞም ፈተናታት፡ ካብ ዓቕሚ ሰብ ንላዕሊ ወይ እቶም እሙናት እስራኤላውያን ኪጾርዎ ዘይክእሉ ኣይነበረን። ጳውሎስ፡ ኣርባዕተ ሳዕ፡ “ገሊኣቶም” ከም ዘይተኣዘዙ ገሊጹ ኣሎ። ገሊኦም እስራኤላውያን ኣብ ኣምላኽ ስለ ዘይተወከሉ፡ ብሕማቕ ትምኒታቶም ተሰኒፎም እዮም።

ካልኣይ፡ “ኣምላኽ እሙን እዩ።” እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ “ነቶም ዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን” ብተኣማንነት ከም ዜፍቅሮም የርኢ እዩ። (ዘዳ. 7:9) እቲ ጸብጻብ፡ ኣምላኽ ወትሩ ቓሉ ኸም ዚሕሉ እውን የረጋግጽ እዩ። (እያ. 23:14) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ዘበሉ ነዚ ዚስዕብ ንፈተናታት ዚምልከት ቓል ዝኣተዎ ኽልተ ነገራት ከም ዚሕሉ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፦ (1) ዝዀነ ይኹን ፈተና ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዀይኑ ምጽዋሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ኺፍተኑ ኣይፈቅድን እዩ፣ (2) ካብ ፈተናታት “መዋጽኦ” ይገብረሎም እዩ።

የሆዋ “ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ”

የሆዋ ነቶም ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ ኣብኡ ዚውከሉ መዋጽኦ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧ ፍቓዱ እንተ ዀይኑ፡ ንፈተናና ኼወግዶ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ “[የሆዋ] ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” ኸም ዝበለ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ “መዋጽኦ” ዚገብረልና፡ ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ክንጻወሮ ብምድጋፍ እዩ። ገለ ኻብቲ መዋጽኦ ዚገብረልና መገድታት እስከ ንርአ፦

  • “ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።” (2 ቈረ. 1:3, 4) የሆዋ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን በቲ ኻብቲ እሙን ባርያ እንረኽቦ መንፈሳዊ ምግብን ኣቢሉ ንኣእምሮናን ንልብናን ንስምዒትናን የቕስኖ እዩ።—ማቴ. 24:45፣ ዮሃ. 14:16፣ ሮሜ 15:4

  • ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኺመርሓና ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 14:26) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባትን ስርዓታትን ብምዝካር ቅኑዕ ስጕምቲ ኽንወስድ መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

  • ምእንታና ንመላእኽቱ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።—እብ. 1:14

  • ብኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣቢሉ ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ብቓላቶምን ብተግባራቶምን፡ “ዜበራትዕ ደገፍ” ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም።—ቈሎ. 4:11፡ እ.ጽ.።

እሞኸ ብዛዕባ ትርጉም እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ዘሎ ቓላት ጳውሎስ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል፧ የሆዋ እንፍተኖ ፈተናታት ኣይመርጸልናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ህይወትና ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነዚ ዚስዕብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣሚንና፡ ፈተናታትና ሰብ ኪጾሮ ኻብ ዚኽእል ንላዕሊ ኪኸውን ኣይፈቅድን እዩ። ምጽዋሩ ምእንቲ ኽንክእል ከኣ፡ ወትሩ መዋጽኦ ኺገብረልና እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!