ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ”

“ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ”

“መብጽዓኻ ንየሆዋ ሃብ።”—ማቴ. 5:33

መዝሙር፦ 124, 51

1. (ሀ) ንይፍታሕን ንሃናን ዜመሳስሎም ነገር እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት እዩ ምላሽ ኪረክብ፧

ይፍታሕ ተባዕን ጅግናን መራሕን ፈራድን እዩ ነይሩ። ሃና ሰበይቲ ኤልቃና ኸኣ እዝዝትን ትሕትትን እመቤት እያ ነይራ። ክልቲኦም ንሓደ ኣምላኽ ዜምልኹ እዮም ነይሮም። ካልእ ዜመሳስሎም ነገር ግና እንታይ እዩ ነይሩ፧ ክልቲኦም ንኣምላኽ ተመባጺዖሙሉ ነይሮም እዮም፣ መብጽዓኦም ከኣ ብተኣማንነት ፈጺሞም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ንየሆዋ መብጽዓ ንዚኣትዉሉ ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጎም እዮም። ይኹን እምበር፡ መብጽዓ እንታይ እዩ፧ ነቲ ንኣምላኽ እንኣትዎ መብጽዓ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኣርዚንና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ካብ ይፍታሕን ሃናንከ እንታይ ኢና እንምሃር፧

2, 3. (ሀ) መብጽዓ እንታይ እዩ፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምላኽ ብዛዕባ እንመባጽዖ መብጽዓ እንታይ ይብል፧

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብጽዓ ንኣምላኽ ዚእቶ ቓል እዩ ዜመልክት። ሓደ ሰብ፡ ሓደ ነገር ኪገብር፡ ህያብ ኪህብ፡ ኣብ ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት ኪኣቱ፡ ወይ ከኣ ካብ ገለ ነገራት ኪርሕቕ ኪመባጻዕ ይኽእል እዩ። መብጽዓ ብፍታው እዩ ዚግበር። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ዝዀነ ነገር ከም ዚገብር ወይ ከም ዘይገብር ዚኣትዎ መብጽዓ ኸም ማሕላ ስለ ዚቝጸር፡ እቲ ሰብ ዚኣትዎ መብጽዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱስን እተኣስረን እዩ። (ዘፍ. 14:22, 23፣ እብ. 6:16, 17) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ርዝነት እቲ ንኣምላኽ እንኣትዎ መብጽዓ እንታይ ይብል፧

3 ሕጊ ሙሴ፡ “ሰብ ንየሆዋ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡ ወይ . . . ማሕላ እንተ ምሒሉ፡ ቃሉ ኣየፍርስ። ንዅሉ እቲ ኺገብሮ እተመባጽዖ ይግበሮ” ይብል። (ዘሁ. 30:2) ድሕሪ ግዜ ድማ ሰሎሞን፡ “ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ” ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ እዩ። (መክ. 5:4) የሱስ እውን ነቲ እንኣትዎ መብጽዓ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኸም ዘሎና ገሊጹ እዩ፣ “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘መብጽዓኻ ንየሆዋ ሃብ ደኣ እምበር፡ ብኸንቱ ኣይትምሓል’ ከም እተባህሎም እውን ሰሚዕኩም ኣለኹም” ድማ በለ።—ማቴ. 5:33

4. (ሀ) ንኣምላኽ እንመባጽዖ መብጽዓ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኣርዚንና ኽንርእዮ ዘሎና፧ (ለ) ካብ ይፍታሕን ሃናን እንታይ ኢና ኽንምሃር እንደሊ፧

4 ነቲ ንኣምላኽ እንመባጽዖ መብጽዓ ብርዝነት ክንርእዮ ኸም ዘሎና እምበኣር ንጹር እዩ። ንመብጽዓታትና እንሕዘሉ መገዲ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ዳዊት፡ “ናብ ከረን የሆዋ ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምከ መን እዩ፧ . . . ብህይወተይ [ብህይወት የሆዋ] ናይ ሓሶት ማሕላ ዘይመሓለ፡ ብምትላል ድማ ዘይመሓለ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 24:3, 4፣ እ.ጽ.) ይፍታሕን ሃናን እንታይ መብጽዓ እዮም ተመባጺዖም ነይሮም፧ መብጽዓኦም ምፍጻምከ ቐሊል ድዩ ነይሩ፧

ንኣምላኽ እተመባጽዕዎ መብጽዓ ብተኣማንነት ፈጺሞም

5. ይፍታሕ እንታይ እዩ ተመባጺዑ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

5 ይፍታሕ ነቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዜሸብሩ ዝነበሩ ዓሞናውያን ኪዋግኦም ኪኸይድ ከሎ ንየሆዋ ተመባጺዑ ነበረ። መብጽዓኡ ድማ ብተኣማንነት ፈጺሙ እዩ። (መሳ. 10:7-9) ንዓሞናውያን ኪስዕሮም ብርቱዕ ድሌት ስለ ዝነበሮ፡ “ንዓሞናውያን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ፡ ሽዑ ኻብ ዓሞናውያን ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ኣፍ ደገ ቤተይ ዚወጽእ፡ ንየሆዋ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ዓሞናውያን ተሳዕሩ፡ ይፍታሕ ተዓዊቱ ኺምለስ ከሎ ኸኣ እታ ዚፈትዋ ጓሉ ኽትቅበሎ ወጸት። ስለዚ ድማ፡ ንሳ ‘ንየሆዋ ኽትከውን’ ነበራ። (መሳ. 11:30-34) እዚ ንዓኣ እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧

6. (ሀ) እቲ ይፍታሕ ንኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ንሱን ጓሉን ኪፍጽምዎ ቐሊልዎምዶ ነይሩ፧ (ለ) ካብ ዘዳግም 23:21, 23ን መዝሙር 15:4ን ብዛዕባ ንኣምላኽ እትመባጽዖ መብጽዓ እንታይ ተማሂርካ፧

6 ጓል ይፍታሕ ነቲ ኣቦኣ እተመባጽዖ መብጽዓ ምእንቲ ኽትፍጽም፡ ምሉእ ህይወታ ንየሆዋ ኣብ መቕደሱ ኸተገልግሎ የድልያ ነበረ። ግናኸ ይፍታሕ ብታህዋኽ ድዩ ተመባጺዑ ነይሩ፧ ኣይፋልን፣ ተዓዊቱ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ ጓሉ ኽትቅበሎ ኽትወጽእ ከም እትኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዅነታት ነዚ ኣቦን ንጓሉን ናይ ሓቂ መስዋእቲ ኺገብሩ ዚሓትቶም እዩ ነይሩ። ይፍታሕ ንጓሉ ምስ ረኣያ፡ “ክዳውንቱ ቐዲዱ” ልቡ ኸም እተሰብረ ተዛረበ። ጓሉ ድማ፡ ‘ንድንግልናኣ በኸየትላ።’ ስለምንታይ፧ ይፍታሕ ወዲ ዚብሃል ኣይነበሮን፣ ጓሉ ድማ ንኣምላኽ ስለ ዝወፈያ ተመርዕያ ደቂ ደቂ ኸተርእዮ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ሓድጊ ኺሓድግ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ንይፍታሕ ኣዝዩ ዘገደሶ ነገር ግና እዚ ኣይነበረን። ንሱ፡ “ናብ የሆዋ ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክመልሶ ድማ ኣይክእልን እየ” በለ። ጓሉ ድማ፡ “ከምቲ እተመባጻዕካዮ ግበረኒ” በለቶ። (መሳ. 11:35-39) እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም፡ መብጽዓኦም ዜኽፍሎም ዋጋ ብዘየገድስ፡ ነቲ ንልዑል ኣምላኽ እተኣትወ መብጽዓ ኼፍርስዎ ፈጺሞም ኣይሓሰቡን።ዘዳግም 23:21, 23፣ መዝሙር 15:4 ኣንብብ።

7. (ሀ) ሃና እንታይ መብጽዓ እያ ተመባጺዓ ነይራ፧ ስለምታይ እያ ተመባጺዓ፧ እንታይከ ረኸበት፧ (ለ) መብጽዓ ሃና ንሳሙኤል እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

7 ሃና እውን ነቲ ንየሆዋ ዝኣተወቶ መብጽዓ ብተኣማንነት ፈጺማቶ እያ። መኻን ብምዃናን መቐናቕንታ ትጸርፋ ስለ ዝነበረትን ጕህያን ተጨኒቓን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንኣምላኽ ተመባጺዓ ነበረት። (1 ሳሙ. 1:4-7, 10, 16) ነፍሳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍሲሳ ድማ፡ “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ጸበባ ገረድካ እንተ ርኢኻን እንተ ዘኪርካንን፡ ንገረድካ እውን እንተ ዘይረሲዕካያን ንገረድካ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ሂብካያን፡ ኣነ ኸኣ ብዅለን መዓልትታት ህይወቱ፡ ንየሆዋ ኽህቦ እየ፣ መላጸ እውን ንርእሱ ኣይኪትንክዮን እዩ” ኢላ ተመባጽዐት። * (1 ሳሙ. 1:11) ልመናኣ ስለ እተሰምዐ ኸኣ፡ በዅሪ ወዳ ወለደት። በዚ ኣዝያ ኸም እተሓጐሰት ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ እተመባጽዓቶ መብጽዓ ኣይረስዓቶን። ወዳ ምስ ወለደት፡ “ካብ የሆዋ እየ ለሚነዮ” በለት።—1 ሳሙ. 1:20

8. (ሀ) እቲ ሃና እተመባጽዓቶ መብጽዓ ንምፍጻሙ ቐሊል ድዩ ነይሩ፧ (ለ) እቲ ኣብ መዝሙር 61 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ዳዊት ነቲ ሃና ዝሓደገቶ ሰናይ ኣብነት ዜዘኻኽረካ ብኸመይ እዩ፧

8 ሳሙኤል ወዲ ሰለስተ ዓመት ከሎ ጡብ ምስ ሓደገ፡ ሃና ነቲ ንኣምላኽ እተመባጽዓቶ መብጽዓ ፈጸመቶ። ከምቲ ዝበለቶ ድማ ገበረት። ንሳሙኤል ናብቲ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረ ማሕደር ዜገልግል ሊቀ ኻህናት ኤሊ ወሰደቶ እሞ፡ ንኤሊ፡ “ብዛዕባ እዚ ቘልዓ እዚ እየ ጸልየ፣ የሆዋ ድማ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ኣነ ድማ ንየሆዋ እውፍዮ ኣለኹ። ምሉእ ዕድሚኡ ንየሆዋ ተወፍዩ እዩ” በለቶ። (1 ሳሙ. 1:24-28) ኣብቲ ማሕደር ከኣ፡ “ሳሙኤል እቲ ቘልዓ . . . ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ።” (1 ሳሙ. 2:21) ሃና ዝገበረቶ መስዋእቲ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኸቢድ ነይሩ፧ ነቲ ንእሽቶ ውላዳ ኣዝያ ተፍቅሮ እኳ እንተ ነበረት፡ ኪዓቢ ኸሎ መዓልቲ መዓልቲ ኽትርእዮ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ፈቃራት ኣዴታት ንውላደን ኪሓቝፋን ኬጻውታን ኪከናኸናን ኪዓቢ ኸሎ ኺርእያን ባህ እዩ ዚብለን። ሃና ግና ከም ንቡር፡ እዚ ዅሉ ተዘክሮታት ኪህልዋ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃና ነቲ ንኣምላኽ እተመባጽዓቶ መብጽዓ ኣይተጣዕሰትሉን። ልባ ብየሆዋ ተሓጒሱ ነበረ።—1 ሳሙ. 2:1, 2፣ መዝሙር 61:1, 5, 8 ኣንብብ።

ንየሆዋ እተመባጻዕካሉ መብጽዓታት ትፍጽምዶ ኣለኻ፧

9. እንታይ ሕቶታት እዩ ምላሽ ኪረክብ ዘለዎ፧

9 ነቲ ንኣምላኽ እንመባጽዖ መብጽዓ ኽሳዕ ክንደይ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኸም ዘሎና ኻብ ተገንዘብና እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንመርምር፦ ሓደ ክርስትያን እንታይ ዓይነት መብጽዓ እዩ ኺመባጻዕ ዚኽእል፧ መብጽዓና ንምፍጻምከ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

ህይወትካ ኽትውፊ ኸለኻ እትኣትዎ መብጽዓ

መብጽዓ ወፈያ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ሓደ ክርስትያን ኪመባጽዖ ዚኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ መብጽዓ እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ክትገብር እዩ ዚሓትት፧

10 ሓደ ክርስትያን ኪመባጽዖ ዚኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ መብጽዓ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ኺውፊ ኸሎ ዚመባጽዖ መብጽዓ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ህይወቱ ንኣምላኽ ንዘለኣለም ንምግልጋል ከም ዚጥቀመሉ ብጸሎት ይመባጻዕ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ርእሱ ዚውፊ ሰብ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ርእሱ ቐቢጹ፡’ ማለት ኵሉ መሰላቱ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ኣብ ህይወቱ ልዕሊ ዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር እዩ ዚመባጻዕ። (ማቴ. 16:24) ካብታ እተመባጽዓላ መዓልቲ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ‘ናይ የሆዋ እዩ።’ (ሮሜ 14:8) ስለዚ፡ ርእሱ ብምውፋይ መብጽዓ ዚኣቱ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ከምቲ “ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቡ፡ ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ” ኢሉ ብዛዕባ መብጽዓታቱ ዝገለጸ ዳዊት፡ ንመብጽዓኡ ብርዝነት ኪርእዮ ኣለዎ።—መዝ. 116:12, 14

11. ክትጥመቕ ከለኻ እንታይ ኢኻ ኣርኢኻ፧

11 ህይወትካ ንየሆዋ ወፊኻ ተጠሚቕካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ዜደንቕ እዩ። ኣብ መዓልቲ ጥምቀትካ፡ ‘ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ እንተ ዄንካ፡ ርእስኻ ምውፋይካን ምጥማቕካን ድማ ምስቲ ብመንፈስ ዚምራሕ ውድብ ኣምላኽ ብምሕባር ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜፍልጠካ ምዃኑ ተረዲኡካ እንተ ዀይኑ’ ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተሓቲትካ ኢኻ። በቲ ዝሃብካዮ ኣወንታዊ ምላሽ ከኣ ርእስኻ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወፈኻን ብኣፍካ ተኣሚንካን እተመዘዘ ኣገልጋሊ የሆዋ ዄንካ ኽትጥመቕ ከም እትበቅዕ ኣርኢኻን ኢኻ። በዚ ኸምዚ ድማ ንየሆዋ ኣዚኻ ኣሐጒስካዮ ኢኻ።

12. (ሀ) ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧ (ለ) ጴጥሮስ እንታይ ባህርያት ከነማዕብል እዩ መኺሩና፧

12 ይኹን እምበር፡ መብጽዓና ኣብ ጥምቀት ጥራይ ኣየብቅዕን እዩ። ስለዚ፡ ምስቲ ንኣምላኽ እሙናት ኴንና ኸነገልግሎ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። ንርእስና ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ካብ ዝጥመቕ ኣትሒዘ መንፈሳዊ ዕቤት ገይረ ድየ፧ ንየሆዋ ብምሉእ ልበይ አገልግሎዶ ኣለኹ፧’ (ቈሎ. 3:23) ክጽልን ቃል ኣምላኽ ከንብብን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽእከብን ኣብ ኣገልግሎት ክካፈልን ዝከኣለኒ ዘበለ እገብር ድየ፡ ወይስ በዚ መዳያት እዚ ዝገብሮ መንፈሳዊ ንጥፈታት ተዳኺሙ እዩ ዘሎ፧’ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንዳኸም፡ ኣብ ልዕሊ እምነትና ፍልጠትን ተጻዋርነትን ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነትን ክንውስኽ ከም ዘሎና ገሊጹ እዩ።2 ጴጥሮስ 1:5-8 ኣንብብ።

13. ሓደ ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀ ክርስትያን እንታይ እዩ ኺግንዘብ ዘለዎ፧

13 ነቲ ርእስና ኽንውፊ ኸለና ንኣምላኽ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ኽንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ሰብ ንየሆዋ ምግልጋል ወይ ክርስትያናዊ ህይወት ምንባር ምስ ሰልከዮ፡ እቲ ንየሆዋ ዝገበሮ ወፈያ ናይ ሓቂ ኸም ዘይነበረ፡ ጥምቀቱ ድማ ተቐባልነት ዘይብሉ ኸም ዝነበረ ይገልጽ ይኸውን። * ኰይኑ ግና፡ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ሰሪሑ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ጉባኤን ተሓታቲ ይኸውን እዩ። (ሮሜ 14:12) የሱስ ብዛዕባና፡ “ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ተጻዋርነትካን፡ እቲ ግብርኻ እውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ እፈልጥ እየ” ኺብል ኢና እንደሊ እምበር፡ “ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ” ኺብለና ኣይንደልን ኢና። (ራእ. 2:4, 19) ሃየ እምበኣር፡ ምስ መብጽዓ ወፈያና ተሰማሚዕና ብምንባር ንየሆዋ ነሐጕሶ።

ክትምርዖ ኸለኻ እትኣትዎ ቓል ኪዳን

ቃል ኪዳን መውስቦ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ሓደ ሰብ ኪመባጽዖ ዚኽእል ካልኣይ ኣገዳስነት ዘለዎ መብጽዓ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

14 ሓደ ሰብ ኪመባጽዖ ዚኽእል ካልኣይ ኣገዳስነት ዘለዎ መብጽዓ፡ ኪምርዖ ኸሎ ዚኣትዎ ቓል ኪዳን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መውስቦ ቕዱስ እዩ። መርዓውን መርዓትን ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም ቃል ኪዳን መውስቦ ዚኣትዉ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ‘ክልቲኦም ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ ብመሰረት እቲ ናይ ኣምላኽ ስርዓት መርዓ’ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ሓደ ነቲ ሓደ ኺሕብሕቦን ይመባጽዑ እዮም። ካልኦት ከኣ ነዘን ቃላት እዚአን ብምድጋም ዘይተመባጽዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ቃል ኪዳን ኣሲሮም እዮም። ካብ ሽዑ ንደሓር ሰብኣይን ሰበይትን እዮም ዚዀኑ። መውስቦኦም ድማ ነባሪ ጥምረት እዩ ዚፈጥረሎም። (ዘፍ. 2:24፣ 1 ቈረ. 7:39) እምበኣር፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ [ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ካልእ ሰብ] ኣይፍለዮ።” ስለዚ፡ ዚምርዓዉ ሰባት ንፍትሕ ከም ኣማራጺ ገይሮም ኪርእይዎ የብሎምን።—ማር. 10:9

15. ክርስትያናት ነቲ ዓለም ብዛዕባ መውስቦ ዘለዋ ተራ ኣረኣእያ ኸይቀድሑ ኺጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ብርግጽ፡ ፍጹም ዚብሃል መውስቦ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ኵሉ መውስቦ ብኽልተ ዘይፍጹማት ሰባት ዝቘመ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተመርዓዉ ሰባት “ጸበባ” ኺህልዎም ከም ዚኽእል ዚገልጽ። (1 ቈረ. 7:28) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ውልቀ ሰባት ንመውስቦ ኸም ተራ ነገር ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። ሓዳሮም ኣብ መዋጥር ኪኣቱ ኸሎ፡ ብሓዳሮም ተስፋ ቘሪጾም ንመጻምድቶም ጠንጢኖም ይኸዱ እዮም። እዚ ግና ክርስትያናት ኪስዕብዎ ዘለዎም መገዲ ኣይኰነን። ቃል ኪዳን መውስቦኻ ምስ እተፍርስ፡ ንኣምላኽ ትሕስዎ ኣለኻ ማለት እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ሓሰውቲ ይጸልእ እዩ። (ዘሌ. 19:12፣ ምሳ. 6:16-19) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምስ ሰበይቲ ተጸሚድካ ዲኻ፧ ደጊም ክትፍለ ኣይትድለ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:27) ጳውሎስ ከምኡ ዝበለ፡ ንመጻምድትኻ ጠሊምካ ምፍታሕ ኣምላኽ ከም ዚጸልእ ስለ ዚፈልጥ እዩ።—ሚል. 2:13-16

16. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕን ምፍልላይን እንታይ ይብል፧

16 ቃል ኪዳን መውስቦ ኺፈርስ ዚኽእለሉ እንኮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት፡ ሓደ ንጹህ መጻምድቲ ነቲ ዝሙት ዝፈጸመ መጻምድቱ ይቕረ ኺብለሉ ምስ ዘይውስን ጥራይ ምዃኑ የሱስ ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 19:9፣ እብ. 13:4) ካብ መጻምድትኻ ኽትፈላለኸ ትኽእል ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እውን ብንጹር ይገልጸልና እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓዳርካ ኽትፍለ እትኽእለሉ ዝርዝር ምኽንያታት ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ክርስትያናት ሰብ ሓዳር፡ ሕሱም ወይ ከሓዲ ዝዀነ መጻምድቶም ንህይወቶም ወይ ንመንፈሳውነቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምስ ዜእትዎ ኺፈላለዩ ይመርጹ ይዀኑ። *

17. ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንመውስቦኦም ነባሪ ጥመረት ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ሽማግለታት ኣብ ሓዳሮም ጸገም ንዘጋጠሞም ውልቀ ሰባት ኬዘራርብዎም ከለዉ፡ ነታ ዋት ኢዝ ትሩ ላቭ (ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧) ዘርእስታ ሓዳስ ቪድዮ ኺርእይዋን ነታ ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ ዘርእስታ ብሮሹር ኬጽንዕዋን ኪመኽርዎም ጽቡቕ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዘን ናውቲ እዚአን፡ ንሓያሎ ሰባት ሓዳሮም ኬደልድሉ ዝሓገዞም ስርዓታት ኣምላኽ ሒዘን ኣለዋ። ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር፡ “ነታ ብሮሹር ካብ ዘጽናዕናሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ሓዳርና ዜሐጕስ ኰይኑ እዩ” በሉ። ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ን22 ዓመት ዝጸንሐ ሓዳራ ናብ ምፍራስ ገጹ ይኸይድ ከም ዝነበረ ገለጸት፣ “ክልቴና እተጠመቕና እኳ እንተ ነበርና፡ ብስምዒታዊ መዳይ ግና ብዙሕ እተፈላለና ኢና ኔርና። እታ ቪድዮ ኣብ ጽቡቕ ግዜ እያ ወጺኣትልና። ሕጂ ኽልቴና ብሓንሳእ ብዙሕ ተመሓይሽና ኢና” ድማ በለት። ንስኻኸ እተመርዓኻ ዲኻ፧ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ሓዳርካ ግብራዊ ኽትገብሮ ዝከኣለካ ዘበለ ግበር። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ቃል ኪዳን መውስቦኻ ኽትሕሉን ሕጉስ ክትከውንን ኢኻ።

ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚኣትውዎ መብጽዓ

18, 19. (ሀ) ሓያሎ ክርስትያናት ወለዲ እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ለ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ግለጽ።

18 ይፍታሕን ሃናን ዜመሳስሎም ካልእ ነገር እንታይ እዩ፧ እቲ እተመባጽዕዎ መብጽዓ፡ ጓል ይፍታሕን ወዲ ሃናን ኣብ ማሕደር ፍሉይን ቅዱስን ኣገልግሎት ኬገልግሉ ኸም ዚውፈዩ ገይርዎም እዩ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ባህ ዜብል ህይወት ኪነብሩ ኣኽኢልዎም እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ክርስትያናት ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣትዉን ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከም እተተኵር ኪገብሩን የተባብዕዎም እዮም። እቶም ከምኡ ዚገብሩ፡ ኪንኣዱ ይግብኦም።—መሳ. 11:40፣ መዝ. 110:3

ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19 ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኣስታት 67,000 ኣገልገልቲ ዓለምለኻዊ ስርዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ቤት-ኤል ዚዓይዩ እዮም። ኣብ ዕዮ ህንጸት ወይ ኣብ ዕዮ ወረዳ ዜገልግሉ፡ መምህራንን ፍሉያት ፈለምትን ሚስዮናውያንን ኰይኖም ዜገልግሉ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ወይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዓይዩ ኣገልገልቲ እውን ኣለዉ። ኵላቶም ከኣ፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፍሕፋሕ ንዚውሃቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኺዓይዩ፡ ቀሊል ናብራ ኺነብሩ፡ ብዘይ ፍቓድ ዓለማዊ ስራሕ ከይሰርሑ ብምስምማዕ፡ “መብጽዓ ተኣዛዝነትን ድኽነትን” ተመባጺዖም እዮም። ንሰባት ዘይኰነስ፡ ንዕዮኦም እዮም ከም ፍሉይ ገይሮም ዚርእይዎ። ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሳዕ ዘለዉ ድማ፡ ምስቲ ዝኣተውዎ መብጽዓ ተሰማሚዖም ብትሕትና ኺነብሩ ይጽዕሩ እዮም።

20. “መዓልቲ መዓልቲ” እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 ካብቲ እተመያየጥናሉ መብጽዓታት ንስኻ ብውልቅኻ ንኣምላኽ እተመባጻዕካሉ ኽንደይ ይኸውን፧ ሓደ፡ ክልተ ወይስ ሰለስተ፧ ነቲ እተመባጻዕካዮ መብጽዓታት ኣቕሊልካ ኽትርእዮ ኸም ዘይብልካ ተረዲእካ ኢኻ። (ምሳ. 20:25) ንየሆዋ ዝኣቶኻዮ ቓል ዘይምሕላውን መብጽዓኻ ዘይምፍጻምን ከቢድ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። (መክ. 5:6) ሃየ እምበኣር፡ ‘መዓልቲ መዓልቲ መብጽዓታትና ኽንፍጽም ከለና፡ ንስም የሆዋ ንዘለኣለም ውዳሰ ንዘምረሉ።’—መዝ. 61:8

^ ሕ.ጽ. 7 ሃና እቲ እትወልዶ ሕጻን ምሉእ ዕድሚኡ ናዝራዊ፡ ማለት ንቕዱስ ኣገልግሎት የሆዋ እተፈልየን እተወፈየን ከም ዚኸውን እያ ተመባጺዓ።—ዘሁ. 6:2, 5, 8

^ ሕ.ጽ. 13 ሽማግለታት ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ብቑዕ እንተ ዀይኑ ንምውሳን እተፈላለየ ስጕምትታት ስለ ዚወስዱ፡ ጥምቀት ሓደ ሰብ ዘይቅቡል ዚኸውን ሳሕቲ ጥራይ እዩ።