ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጓኖት” ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ኬገልግልዎ’ ንሓግዞም

“ጓኖት” ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ኬገልግልዎ’ ንሓግዞም

“የሆዋ ንጓኖት የዕቍቦም።”—መዝ. 146:9

መዝሙር፦ 17, 109

1, 2. (ሀ) ንገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት እዩ ዚልዓል፧

ሊጀ ዝስሙ ሓው ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወ፦ “ኣብ ቡሩንዲ ውግእ ሓድሕድ ኣብ እተወልዓሉ እዋን፡ ብስድራ ቤት ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ኢና ኔርና። ሰባት ኪጓየዩን ኪትኵሱን ከለዉ ርኢና። ወለደይን 11 ውሉዳትን ብዘይካ እቲ ተኸዲንናዮ ዝነበርና ኻልእ ከይሓዝና ሃዲምና። ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤትና ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ኣብ ማላዊ ናብ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት በጺሖም። ዝተረፍና ድማ ተበታቲንና።”

2 ሕጂ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ውግእ ወይ መስጐጕቲ ኻብ ዓዶም እተመዛበሉ ስደተኛታት ልዕሊ 65,000,000 በጺሖም ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተመዝገበ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ። * ኣብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ብዙሓት ሰቦም ሞይቶምዎም፡ ዳርጋ ዅሉ ጥሪቶም እውን ስኢኖም እዮም። እንታይ ተወሳኺ ጸገማት ግና እዩ ዜጋጥሞም፧ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ኬገልግልዎ’ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (መዝ. 100:2) ነቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ስደተኛታትከ ኸመይ ጌርና ነቲ ብስራት ብግቡእ ከነካፍሎም ንኽእል፧

ህይወት ስደተኛ

3. የሱስን ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱን ተሰዲዶም ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

3 መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንየሱስ ኪቐትሎ ኸም ዝደለየ ምስ ኣጠንቀቖ፡ እቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስን ወለዱን ናብ ግብጺ ተሰዲዶም ነይሮም እዮም። ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኡ ጸኒሖም። (ማቴ. 2:13, 14, 19-21) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሰንኪ መስጐጕቲ፡ ‘ናብ ዞባታት ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ ኢሎም እዮም።’ (ግብ. 8:1) የሱስ ከኣ ሓያሎ ሰዓብቱ ኻብ መንበሪኦም ከም ዚስጐጉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጒጎምኹም፡ ናብ ካልእ ህደሙ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 10:23) ምህዳም ግና ብዙሕ ገልታዕታዕ ኣለዎ።

4, 5. ስደተኛታት፡ (ሀ) ኣብ መገዲ፡ (ለ) ኣብ ሰፈር ስደተኛታት፡ እንታይ ሓደጋታት የጋጥሞም፧

4 ስደተኛታት ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት፡ ሓደጋ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጋድ ዝስሙ ንእሽቶ ሓዉ ንሊጀ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ኣማእታት ሬሳታት እናሰገርና ንሰሙናት ተጓዒዝና ኢና። ሽዑ፡ ወዲ 12 ዓመት እየ ነይረ። ኣእጋረይ ሓቢጡ ስለ ዝነበረ፡ ንስድራ ቤትና ‘ሓዲግኩምኒ ኺዱ’ ኢለዮም ነይረ። ኣቦይ ግና ራሕሪሑኒ ኣደዳ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ክኸውን ስለ ዘይደለየ፡ ተሲኪሙኒ ኸይዱ። ናብ የሆዋ እናጸለናን ኣብኡ እናተወከልናን ኢና ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ንሰግር ኔርና፣ ሓድሓደ ግዜ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ መገዲ ዚበቍል ማንጉስ ካልእ ዚብላዕ ኣይነበረን።”—ፊል. 4:12, 13

5 መብዛሕትኦም ስድራ ሊጀ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዚመሓደር ሰፈር ስደተኛታት ንዓመታት ተዓቚቦም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብኡ እውን ሓደጋታት ነይሩ እዩ። ሕጂ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ሊጀ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ሰባት ስራሕ ኣይነበሮምን። የውርዩን ይሰትዩን ይጣልዑን ይሰርቁን ይምንዝሩን እዮም ነይሮም” ይብል። ኣብቲ ሰፈር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ሕማቕ ጽልዋ ምእንቲ ኸይጽለዉ፡ ብንጥፈታት ጉባኤ ትሑዛት ኪዀኑ ነይርዎም። (እብ. 6:11, 12፣ 10:24, 25) ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዕናኦም ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ንግዜኦም ብጽቡቕ ይጥቀሙሉ ነይሮም፣ ብዙሓት ከኣ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ነይሮም። ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ዘብቅዐ፡ እቲ ኣብቲ ሰፈር ስደተኛታት ዚነብሩሉ እዋን እውን ከም ዜብቅዕ ብምዝካር፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዞም ይመላለሱ ነይሮም።—2 ቈረ. 4:18

ንስደተኛታት ፍቕርና ነርእዮም

6, 7. (ሀ) ክርስትያናት ብ“ፍቕሪ ኣምላኽ” ተደሪኾም ንእተሸገሩ ኣሕዋቶም እንታይ እዮም ዚገብሩሎም፧ (ለ) ኣብነት ጥቀስ።

6 ምናዳ ኣብ ጽንኩር ኵነታት፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ንሓድሕድና ኽንፋቐር ትድርኸና እያ። (1 ዮሃንስ 3:17, 18 ኣንብብ።) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብሰንኪ ጥሜት ምስ ተሸገሩ፡ እታ ጉባኤ ንምሕጋዞም ስጕምቲ ወሲዳ እያ። (ግብ. 11:28, 29) ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ድማ ንክርስትያናት፡ ንሓድሕዶም ብግሽነት ኪቃባባሉ ምዒዶምዎም እዮም። (ሮሜ 12:13፣ 1 ጴጥ. 4:9) ክርስትያናት ነቶም ገይሾም ዝመጹ ኣሕዋት ብግሽነት ዚቕበሉ ኻብ ኰኑ፡ ነቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታዉ እተሰድዱ ወይ ብምኽንያት እምነቶም እተሰጕጉ ኣሕዋቶም ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኪቕበልዎም ዘይግባእ!—ምሳሌ 3:27 ኣንብብ። *

7 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣሽሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብቲ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዘጋጠመ ግጭትን መስጐጕትን ኪሃድሙ ተገዲዶም እዮም። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኣቶም ተቐቲሎም እዮም። ንመብዛሕትኦም ግና ኣብ ዩክረይን ዚነብሩ ኻልኦት ኣሕዋት ተቐቢሎምዎም እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሕዋቶም ተቐቢሎምዎም እዮም። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ፡’ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት እዮም፣ ብቕንኣት ድማ ‘ቃል ብስራት የበስሩ’ ኣለዉ።—ዮሃ. 15:19፣ ግብ. 8:4

ንስደተኛታት እምነቶም ኬደልድሉ ንሓግዞም

8, 9. (ሀ) ስደተኛታት ኣብ ሓድሽ ሃገር እንታይ ጸገማት ኬጋጥሞም ይኽእል፧ (ለ) ክንሕግዞም ከለና ትዕግስቲ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

8 ገሊኦም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኪመዛበሉ ኸለዉ፡ ብዙሓት ግና ናብ ካልእ ሃገር ስለ ዚስደዱ፡ ጠሪሶም ዘይፈልጥዎ ዅነታት እዩ ዜጓንፎም። መንግስትታት፡ ምግብን ክዳንን መጽለልን ይህባኦም ይዀና፣ እቲ ዝለመድዎ ምግቢ ግና ኣይረኽቡን ይዀኑ። ምዉቕ ክሊማ ኻብ ዘለወን ሃገራት እተሰድዱ ስደተኛታት፡ ንፈለማ ግዜ ቘራሪ ክሊማ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ፣ ንዕኡ ዚኸውን ኣከዳድና እውን ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገጠር ዚነብሩ ዝነበሩ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ዘመናዊ ኣነባብራ ኸመይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

9 ገሊአን መንግስትታት ንስደተኛታት ምስቲ ኸባቢኦም ዜላምድ መደባት ኣለወን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቶም ስደተኛታት ርእሶም ኪኽእሉ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ስለዚ፡ እቲ ለውጢ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ብሓንሳእ፡ ሓድሽ ቋንቋ፡ ሓድሽ ሕግታት፡ ስነ ስርዓት፡ ኣተሓላልዋ ሰዓት፡ ስርዓት ግብሪ፡ ስርዓት ክፍሊት፡ ቤት ትምህርቲ፡ ኣተሓሕዛ ቘልዓ ኽትለምድ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከምዚ ዓይነት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ብትዕግስትን ብኣኽብሮትን ክትሕግዞምዶ ትኽእል፧—ፊል. 2:3, 4

10. ስደተኛታት ምስ መጹ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንእምነቶም ከነደልድላ እንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ብተወሳኺ፡ ገሊኦም ሰበ ስልጣን፡ ስደተኛታት ንዝዀኑ ኣሕዋትና ምስ ጉባኤ ኸይራኸቡ ዕንቅፋታት ገይሮምሎም እዮም። ገሊአን መንግስታዊ ውድባት ንኣሕዋትና፡ ካብ ኣኼባታት ዜብኵሮም ስራሕ እንተ ዘይተቐቢሎም፡ ሓገዝ ከም ዘይግበረሎም ወይ ሕቶ ዕቝባኦም ከም ዚንጸግ ኣፈራሪሀናኦም እየን። ገሊኦም ኣሕዋት ከኣ ስለ ዝፈርሁን ዚገብርዎ ስለ ዝሓርበቶምን፡ በዚ ጸቕጢ እዚ ተሰኒፎም እዮም። ስለዚ፡ ስደተኛታት ንዝዀኑ ኣሕዋትና ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ኽንረኽቦም ኣሎና። ከም እንሓልየሎም ከነርእዮም ኣሎና። ርሕራሐናን ግብራዊ ሓገዝናን ንእምነቶም ኬደልድላ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 12:25፣ 17:17

ንስደተኛታት ብግብሪ ንሓግዞም

11. (ሀ) ስደተኛታት ኣብ ፈለማ እንታይ እዩ ዜድልዮም፧ (ለ) ስደተኛታት ብኸመይ እዮም ምስጋናኦም ኪገልጹ ዘለዎም፧

11 ኣብ ፈለማ፡ ንኣሕዋትና ምግቢ፡ ክዳን፡ ወይ ካልእ መሰረታዊ ነገራት ክንህቦም የድሊ ይኸውን። * ንሓው ክራቫታ ኸም ምሃብ ዝኣመስለ ንእሽቶ ነገር እኳ፡ ዓብዪ ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስደተኛታት እውን ‘እዚ ዘይተገብረለይ’ ኢሎም ዜማርሩ ዘይኰኑስ፡ ነቲ እተገብረሎም ምስጋናኦም ዚገልጹ ምስ ዝዀኑ፡ ነቶም ወሃብቶም የሐጕስዎም እዮም። ልክዕ እዩ፡ ወትሩ ጾር ካልእ ኴንካ ምንባር፡ ነቲ እቶም ስደተኛታት ንርእሶም ዝነበሮም ኣኽብሮት ኬጥፍኦ፡ ነቲ ምስ ካልኦት ኣሕዋቶም ዘለዎም ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። (2 ተሰ. 3:7-10) ይኹን እምበር፡ ግብራዊ ሓገዝ የድልዮም እዩ።

ስደተኛታት ንዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

12, 13. (ሀ) ንስደተኛታት ከመይ ጌርና ኢና ብግብሪ ኽንሕግዞም ንኽእል፧ (ለ) ኣብነት ጥቐስ።

12 ንስደተኛታት ብግብሪ ንምሕጋዝ፡ ብቐንዱ ግዜን ሓልዮትን ደኣ እምበር፡ ብዙሕ ገንዘብ ኣየድልን እዩ። ብኸመይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኸም ዚጥቀሙ፡ ንጥዕና ዚሰማማዕ ምግቢ ኸመይ ገይሮም ብርትዓዊ ዋጋ ኸም ዚረኽቡ፡ ወይ ከኣ ኣታዊ ዚረኽቡሉ ኸም ሰፋዪት ማኪና ወይ ዓጻዲት ሳዕሪ ዝኣመሰለ መሳርሒታት ከመይ ገይሮም ከም ዜጥርዩ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስታ ሓዳስ ጉባኤኦም ምሉእ ብምሉእ ኪላመዱ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። እንተ ተኻኢሉ፡ ናብ ኣኼባታት ብማኪናኻ ኽትማልኦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክልኹም ንዘለዉ ሰባት ከመይ ገይሮም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜብጽሑ እውን ግለጸሎም። ስደተኛታት ንዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ኣገልግሎት ውሰዶም።

13 ኣርባዕተ መንእሰያት ስደተኛታት ናብ ሓንቲ ጉባኤ ምስ መጹ፡ ሽማግለታት እታ ጉባኤ ነቶም ስደተኛታት ከመይ ገይሮም ማኪና ኸም ዚዝውሩ፡ ከመይ ገይሮም ታይፕ ከም ዚገብሩ፡ ከመይ ገይሮም ናይ ስራሕ ተመክሮኦም ከም ዚጽሕፉ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ድማ ከመይ ገይሮም መደብ ከም ዜውጽኡ ኣሰልጠንዎም። (ገላ. 6:10) ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣርባዕቲኦም ፈለምቲ ዀኑ። እቲ እተዋህቦም ሓገዝ ምስቲ መንፈሳዊ ሸቶታት ኪስዕቡ ዝነበሮም ጻዕርታት ተደሚሩ፡ ኪነፍዑን ብስርዓት ሰይጣን ከይውሓጡን ሓጊዝዎም እዩ።

14. (ሀ) ስደተኛታት ምስ እንታይ ፈተና እዮም ኪቃለሱ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብነት ጥቐስ።

14 ስደተኛታት ከም ኵሎም ካልኦት ክርስትያናት፡ ንስጋዊ ነገራት ቅድሚ የሆዋ ንምስራዕ ዚቐርበሎም ፈተናን ጸቕጥን ኪጻረሩ ኣለዎም። * እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሊጀን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ነቲ ኺሃድሙ ኸለዉ ኣቦኦም ዝሃቦም ንእምነቶም ዜደልድል ትምህርቲ ኣይርስዕዎን እዮም። ሊጀ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነተን ዝርካበን ተሰኪምናየን ዝነበርና ነገራት፡ በብሓደ ይድርብየን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነታ ጥራያ ሳንጣ እናኣርኣየና ፍሽኽ ኢሉ፡ ‘ርኢኹምዶ፧ ብምልኡ ኣየድልየናን እዩ!’ ኢሉና” ይብል።—1 ጢሞቴዎስ 6:8 ኣንብብ።

ንስደተኛታት ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም ነገር

15, 16. ንስደተኛታት (ሀ) ብመንፈሳዊ መዳይ፡ (ለ) ብስምዒታዊ መዳይ፡ ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧

15 ስደተኛታት ካብ ስጋዊ ሓገዝ ንላዕሊ፡ መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ እዩ ዜድልዮም። (ማቴ. 4:4) ሽማግለታት ነቶም ስደተኛታት ብቛንቋኦም ጽሑፋት ከም ዚመጸሎም ብምግባር፡ ቋንቋኦም ምስ ዚዛረቡ ኣሕዋት ድማ ከም ዚራኸቡ ብምግባር ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ዚቐርብዎም ቤተ ሰቦምን ማሕበረሰቦምን ጉባኤኦምን እዮም ዚፍለዩ። ኣብ መንጎ ክርስትያናት ኣሕዋቶም፡ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ ኺረኽቡ ኣለዎም። እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስቶም ከም ናታቶም ባህሊ ዘለዎም ዘይኣመንቲ ኣዝማዶም ወይ ደቂ ዓዶም ንምቅርራብ ኪግደዱ እዮም። (1 ቈረ. 15:33) ምስ ጉባኤና እንተ ኣላሚድናዮም ግና፡ ነቶም ‘ጓኖት ኣብ ምዕቋብ’ ምስ የሆዋ ሓቢርና ኽንዓዪ ንኽእል ኢና።—መዝ. 146:9

16 የሱስን ወለዱን ክሳዕ እቲ ሰጐጕቶም ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋን ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስደተኛታት እውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኣይክእሉን ይዀኑ። ሊጀ ብዛዕባ እዚ፡ “ኣባላት ቤተ ሰቦም ኪዕመጹን ኪቕተሉን ዝረኣዩ ብዙሓት ወለዲ፡ ንደቆም ናብቲ ዓዲ ኺመልስዎም ኣይክእሉን እዮም” ይብል። እቶም ኣብተን ስደተኛታት ዚቕበላ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋት ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ጸገማት ዘሕለፉ ስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ‘ዚደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላቶም፡ ርሕሩሓት፡ ትሑታት’ ኪዀኑ ኣለዎም። (1 ጴጥ. 3:8) ገሊኦም ስደተኛታት ብሰንኪ እቲ ዝወረዶም መስጐጕቲ ምስ ሰብ ምቅርራብ ይኸብዶም እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ መከራ ኸኣ ብሕልፊ ኣብ ቅድሚ ደቆም ምዝራብ የሕፍሮም እዩ። ስለዚ፡ ‘ኣነ ኣብ ቦታኦም እንተ ዝኸውን፡ እንታይ ኪግበረለይ ምደለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።—ማቴ. 7:12

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ስደተኛታት ንስበኸሎም

17. ስብከትና ንስደተኛታት ዕረፍቲ ዜምጽኣሎም ብኸመይ እዩ፧

17 ብዙሓት ስደተኛታት ካብተን ዕዮ ስብከትና እተቐየደለን ሃገራት እዮም ዚውሕዙ ዘለዉ። ኣብተን ስደተኛታት ዚቕበላ ዘለዋ ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንኣት የገልግሉ ብምህላዎም ከኣ፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ንመጀመርታ ግዜኦም “ቃል መንግስቲ” ይሰምዑ ኣለዉ። (ማቴ. 13:19, 23) ብዙሓት ‘ጾር ዝኸበዶም’ ኣብ ኣኼባታትና ዕረፍቲ ይረኽቡ እሞ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” ኢሎም ይእመኑ ኣለዉ።—ማቴ. 11:28-30፣ 1 ቈረ. 14:25

18, 19. ንስደተኛታት ክንሰብከሎም ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ጥበበኛታት ክንከውን እንኽእል፧

18 እቶም ንስደተኛታት ዚሰብኩሎም፡ ‘ጥንቁቓትን’ ‘ጐራሓትን’ ኪዀኑ ኣለዎም። (ማቴ. 10:16፣ ምሳ. 22:3) ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስቦም ነገር ኪነግሩኻ ኸለዉ ስምዓዮም፣ ግናኸ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይተዛራርቦም። ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ካብ ሰበ ስልጣን መንግስትን ዚውሃብ መምርሒታት ስዓብ፣ ንርእስኻ ዀነ ንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ። ንሃይማኖትን ባህልን እቶም ስደተኛታት ፍለጥን ኣኽብረሎምን። ንኣብነት፡ ካብ ገሊአን ሃገራት ዚመጹ ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ንኣንስቲ ግቡእ ዚብልዎ ኣከዳድና ብጽኑዕ ዚኣምኑሉ ኣረኣእያ ኣለዎም። ስለዚ፡ ኣሓት ነዞም ስደተኛታት እዚኦም ኪሰብካ ኸለዋ፡ ሕማቕ ስምዒት ዚፈጥረሎም ክዳውንቲ እንተ ዘይተኸድና ይምረጽ።

19 ከምቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ዘሎ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ንዅሎም እተሸገሩ ሰባት ክንሕግዝ ንደሊ ኢና። (ሉቃ. 10:33-37) ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር እዩ። ንብዙሓት ስደተኛታት ዝሓገዘ ሓደ ሽማግለ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና፡ ቀንዲ ተልእኾና ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ደኣ እምበር፡ ብስጋዊ መዳይ ክንሕግዞም ከም ዘይኰነ ኻብ መጀመርታ ኸነነጽረሎም ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ገሊኦም ምእንቲ ብሕታዊ ጥቕሞም ኢሎም ጥራይ ኪቐርቡና ይኽእሉ እዮም” ይብል።

ዜሐጕስ ፍረ

20, 21. (ሀ) ንስደተኛታት ክርስትያናዊ ፍቕሪ ምስ እነርእዮም፡ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

20 “ንጓኖት” ክርስትያናዊ ፍቕሪ ምስ እነርእዮም፡ ጽቡቕ ፍረ ንረክብ ኢና። ሓንቲ ሓብቲ ስድራ ቤታ ኣብ ኤርትራ ኻብ ዘጋጠማ መስጐጕቲ ኸም ዝሃደመት ተዘንቱ። ኣርባዕተ ደቃ ኣብ ምድረ በዳ ንሸሞንተ መዓልቲ ኣድካሚ ጕዕዞ ድሕሪ ምግባሮም ድማ፡ ናብ ሱዳን ኣተዉ። ብዛዕባ ተመክሮኦም ከተዘንቱ ኸላ፡ “ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ምግብን ክዳንን መጽለልን ንመጓዓዝያ ዜድልን ብምሃብ፡ ከም ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ገይሮም እዮም ሒዞምዎም። ሓደ ዝኣምላኾም ብምዃኖም ንዘይፈልጥዎ ሰብ ኣብ ገዛኦም ዚቕበሉ መን ኣለዉ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም!” በለት።—ዮሃንስ 13:35 ኣንብብ።

21 ነቶም ምስ ወለዶም ዚስደዱ ብዙሓት ቈልዑኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ንሳቶም ንየሆዋ ብሓጐስ ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ከመይ ጌርና ክንሕግዞም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ስደተኛታት” ክንብል ከለና፡ ነቶም ብሰንኪ ዂናት፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኰነ ናብ ካልእ ሃገር እተመዛበሉ ሰባት ኢና እነመልክት ዘለና። ብመሰረት እቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር.) ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም “1 ኻብ 113 ሰባት” “ብግዲ እተመዛበለ” እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 8-12 ዝወጸት፡ “ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ሓደ ስደተኛ ምስ መጸ፡ ሽማግለታት ብቕልጡፍ ነቲ ኣብ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ፡ ገጽ 88፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዚርከብ መምርሒ ኺስዕብዎ ኣለዎም። ሽማግለታት ብjw.org ኣቢሎም ናብ ጨንፈሮም ደብዳበ ብምስዳድ፡ ናብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ጉባኤኡ ኺጽሕፉ ኣለዎም። ምላሽ ክሳዕ ዚመጾም፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታት እቲ ስደተኛ ንምፍላጥ፡ ብሜላ ብዛዕባ ጉባኤኡን ኣገልግሎቱን ኪሓትትዎ ይኽእሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2014 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 17-26 ዝወጻ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን፡” “ኣጆኻ! የሆዋ ረዳኢኻ እዩ” ዘርእስተን ዓንቀጻት ርአ።