ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቂ “ጓኖት” ንሓግዞም

ንደቂ “ጓኖት” ንሓግዞም

“ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን።”—3 ዮሃ. 4

መዝሙር፦ 134, 133

1, 2. (ሀ) ደቂ እቶም ኣብ ዓዲ ጓና ዚነብሩ ሰባት እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጥ፧

ጆሹዋ ኸምዚ ኢሉ ተመክሮኡ የዘንቱ፦ “ካብ ሕጻንነተይ ኣትሒዘ፡ ኣብ ገዛናን ኣብ ጉባኤናን ቋንቋ እቶም ኣብ ዓዲ ጓና ዚነብሩ ወለደይ እየ ዝዛረብ ነይረ። ቤት ትምህርቲ ምስ ኣቶኹ ግና፡ ናይዚ ዓዲ ቛንቋ ኽመርጽ ጀሚረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ምሉእ ብምሉእ ቀይረ። ነቲ ኣኼባታት ክርድኦ ኣይከኣልኩን፣ ባህሊ ወለደይ ኪርድኣኒ ኣይከኣለን።” ብዙሓት ሰባት ከም ናይ ጆሹዋ ዝበለ ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም

2 ሎሚ፡ ልዕሊ 240,000,000 ሰባት፡ ካብቲ እተወልዱሉ ዓዲ ወጻኢ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ዓዲ ጓና እትነብር ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ደቅኻ ንየሆዋ ምእንቲ ኼፍቅርዎን ‘በታ ሓቂ ምእንቲ ኺመላለሱን’ ከመይ ጌርካ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኽትከፍተሎም ትኽእል፧ (3 ዮሃ. 4) ካልኦትከ ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

ኣቱም ወለዲ፡ ሰናይ ኣብነት ኩኑ

3, 4. (ሀ) ወለዲ ንውሉዳቶም ሰናይ ኣብነት ኪዀንዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ወለዲ ኻብ ውሉዳቶም እንታይ ኪጽበዩ የብሎምን፧

3 ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብእትመርሕ መገዲ ኺመላለሱ እንተ ዀይኖም፡ ኣብነትኩም ብዙሕ ይሕግዞም እዩ። ደቅኹም ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትደልዩ’ እንተ ርእዮም፡ ዜድልዮም ዘበለ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኸም ዚግባእ ይምሃሩ እዮም። (ማቴ. 6:33, 34) ስለዚ፡ መነባብሮኹም መጠነኛ ይኹን። መንፈሳዊ ረብሓታት ንምርካብ፡ ስጋዊ ነገራት ሰውኡ ደኣ እምበር፡ ምእንቲ ስጋዊ ነገራት ኢልኩም መንፈሳዊ ነገራት ኣይትሰውኡ። ኣብ ዕዳ ኣይትእተዉ። ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ኪህልወኩም’ ጽዓሩ፣ ማለት ሞገስ የሆዋ ኽትረኽቡ ጽዓሩ ደኣ እምበር፡ ደድሕሪ ሃብትን ‘ናይ ሰብ ክብርን’ ኣይትጕየዩ።—ማርቆስ 10:21, 22 ኣንብብ፣ ዮሃ. 12:43

4 ንደቅኹም ግዜ ኽሳዕ እትስእኑ ብስራሕ ትሑዛት ኣይትኹኑ። ደቅኹም ምእንቲ ርእሶም ወይ ምእንታኹም ኢሎም ደድሕሪ ዝና ወይ ሃብቲ ኣብ ክንዲ ዚጐይዩ፡ ንየሆዋ ቐዳማይ ቦታ ኺህብዎ ኸለዉ ብኣታቶም ከም እትሕበኑ ንገርዎም። ወለዲ ጣዕሚ ዝመልኦ ህይወት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ውሉዳት ኪጽዕሩ ኸም ዘለዎም ጌርካ ይእመን እዩ፣ እዚ ኣረኣእያ ግና ቅኑዕ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ “ወለዲ ንውሉዳቶም እምበር፡ ውሉዳት ንወለዶም ገንዘብ ኬዋህልሉሎም ትጽቢት [ኣይግበረሎም እዩ።]”—2 ቈረ. 12:14

ኣቱም ወለዲ፡ ንናይ ቋንቋ ጸገም ክትሰግርዎ ጽዓሩ

5. ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረብዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

5 ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” ዝዀኑ ሰባት ናብ ውድብ የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ። (ዘካ. 8:23) ኰይኑ ግና፡ ንደቅኹም ሓቂ ንምምሃር፡ ናይ ቋንቋ ጸገም ኬጋጥመኩም ይኽእል እዩ። ደቅኹም ካብ ኵሎም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ኼገድሱኹም ዚግባእ ተምሃሮኹም እዮም፣ ንየሆዋ “ምፍላጦም” ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት እዩ። (ዮሃ. 17:3) ውሉዳትኩም ትምህርትታት የሆዋ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ‘ብዛዕባኡ ኽትዛረብዎም’ ኣሎኩም።—ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ።

6. ደቅኻ ቛንቋኻ ምፍላጦም ብኸመይ ኪጠቕሞም ይኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ውሉዳትኩም ኣብቲ እትነብሩሉ ዓዲ ዚዝረብ ቋንቋ ኻብ ቤት ትምህርትን ካብ ከባቢኦምን ይለምድዎ እዮም፣ ንቛንቋኹም ግና ብቐዳምነት በቲ ምሳኻትኩም ብተደጋጋሚ ዚገብርዎ ዚርርብ እዮም ዚምሃርዎ። ደቅኹም ቋንቛኹም ምፍላጦም፡ ናይ ልቦም ኪዛረቡኹም የኽእሎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ካልእ ረብሓታት እውን ኣለዎ። ልዕሊ ሓደ ቛንቋ ምፍላጦም ንኣእምሮኦም የብልሖ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት እውን ንፉዓት ይገብሮም እዩ። ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ናብ ዓዲ ጓና ኻብ እተሰድዱ ወለዲ እተወልደት ካሮሊና፡ “ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ምዃን ባህ ዜብል እዩ። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ምግልጋል እውን ጽቡቕ እዩ” ትብል።

7. ኣብ ስድራ ቤትኩም ናይ ቋንቋ ጸገም እንተሎ፡ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

7 ይኹን እምበር፡ ደቂ ስደተኛታት ምስ ባህልን ቋንቋን እቲ ዚነብሩሉ ዓዲ ይውሃሃዱ እዮም፣ ገሊኣቶም ብቛንቋ ወለዶም ናይ ምዝርራብ ድሌቶምን ክእለቶምን ኬጥፍኡ ይኽእሉ እዮም። ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ከምኡ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዚዝረብ ቋንቋ ኽትለምድዎዶ ትኽእሉ፧ ዝርርቦምን መዘናግዒኦምን ዕዮ ትምህርቶምን ዚርድኣኩም እንተ ዀይኑ፡ ምስ መምህራኖም ድማ ብቐጥታ ኽትዛራረቡ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም፡ ክርስትያን ኰይኖም ምእንቲ ኺዓብዩ ብዝሓሸ ኽትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። ሓድሽ ቋንቋ ምልማድ፡ ግዜን ጻዕርን ትሕትናን ከም ዚሓትት ኣይክሓድን እዩ። ግናኸ፡ ውሉድካ ጸማም እንተ ዚኸውን፡ ምስኡ ንምርድዳእ ቋንቋ ምልክትዶ ኣይምተምሃርካን፧ ብኻልእ ናይ ዘረባ ቛንቋ ንዚራዳዳእ ውሉድከ ብማዕረ ተገዳስነት ኪግበረሉዶ ኣይግባእን፧ *

8. ክእለት ቋንቋኹም ድሩት እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ጌርኩም ንደቅኹም ክትሕግዝዎም ትኽእሉ፧

8 ገሊኦም ስደተኛታት ወለዲ ነቲ ደቆም ዚዛረብዎ ቛንቋ ምሉእ ብምሉእ ኪመልክዎ ኣይክእሉን እዮም። ብሰንኪ እዚ ናይ ቋንቋ ጸገም ድማ፡ ወለዲ ንደቆም ዓሚቝ ፍልጠት “ቅዱሳት ጽሑፋት” ምክፋል የጸግሞም ይኸውን። (2 ጢሞ. 3:15) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም እኳ እንተ ኣሎኩም፡ ደቅኹም ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። ሻን ዝስሙ ሽማግለ፡ “ብዘይ ኣቦ እተዕብየና ዝነበረት ኣዴና ነቲ ቛንቋና ኣጸቢቓ ኣይትፈልጦን እያ ነይራ፣ ኣነን ኣሓተይን ከኣ ቋንቋኣ ጽቡቕ ጌርና ኣይመለኽናዮን ኔርና። ከተጽንዕ፡ ክትጽሊ፡ ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምምራሕ ዚከኣላ ኽትገብር ብምርኣይና ግና፡ ንየሆዋ ምፍላጡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና” ይብል።

9. ወለዲ ነቶም ብኽልተ ቛንቋ ኼጽንዑ ዜድልዮም ውሉዳት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

9 ገሊኦም ውሉዳት ብዛዕባ የሆዋ ብኽልተ ቛንቋ፡ ማለት በቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ቛንቋኦምን በቲ ናይ ገዛ ቛንቋኦምን ኪምሃሩ የድልዮም ይኸውን። ከምኡ ንምግባር፡ ገሊኦም ወለዲ ብኽልቲኡ ቛንቋ ዚርከብ ጽሑፋትን ቅዳሓት ኣውድዮን ቪድዮን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር፡ ስደተኛታት ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ኪምስርቱ ንምሕጋዝ፡ ዝያዳ ግዜ ኺውፍዩን ዝያዳ ተበግሶ ኺህልዎምን ኣለዎ።

እንታይ ቋንቋ ናብ እትጥቀም ጉባኤ እንተ ኸድኩም ይሓይሽ፧

10. (ሀ) ሓንቲ ስድራ ቤት እንታይ ቋንቋ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ኸም እትኸይድ ኪውስን ዘለዎ መን እዩ፧ (ለ) ውሳነ ቕድሚ ምግባሩኸ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

10 “ጓኖት” ካብቶም ቋንቋኦም ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርሒቖም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ኺእከቡ ኣለዎም። (መዝ. 146:9) ኰይኑ ግና፡ ቋንቋ ኣዴኹም እትጥቀም ጉባኤ ኣብ ከባቢኹም እንተላ፡ ንስድራ ቤትኩም ዝሓሸት ጉባኤ ኣየናይቲ እያ፧ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ነዚ ጕዳይ እዚ ብጸሎት ተጠንቂቑ ድሕሪ ምሕሳቡን ምስ ሰበይቱን ደቁን ድሕሪ ምልዛቡን ኪውስን ኣለዎ። (1 ቈረ. 11:3) እቲ ርእሲ ስድራ ቤት እንታይ ረቛሒታት እዩ ኣብ ግምት ኬእቱ ዘለዎ፧ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ኺጥቀም ዘለዎ፧ ገለ ነጥብታት እስከ ንመርምር።

11, 12. (ሀ) ቋንቋ ኣብቲ ሓደ ውሉድ ካብ ኣኼባታት ዚረኽቦ ትምህርቲ እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧ (ለ) ገሊኦም ውሉዳት ንቛንቋ ወለዶም ምቕባል ዚኣብይዎ ስለምንታይ ኪዀኑ ይኽእሉ፧

11 ወለዲ ንደቆም ብሓቂ እንታይ ከም ዜድልዮም ኪግምግሙ ኣለዎም። ሓቂ ንውሉዳት ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺርድኦም፡ ካብቲ ኣብ ሰሰሙን ንሒደት ሰዓታት ኣብ ኣኼባታት ዚቐርብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንላዕሊ እዩ ዜድልዮም። ኰይኑ ግና፡ ውሉዳት ኣብቲ ብቐሊሉ ዝርድእዎ ቛንቋ ዚዝረበሉ ኣኼባታት ኪእከቡ ኸለዉ፡ እቲ ትምህርቲ ኻብቲ ወለዶም ዚግምትዎ ንላዕሊ ብቐሊሉ ኺርድኦም ይኽእል እዩ። ነቲ ቛንቛ ኣጸቢቖም ዘይርድእዎ እንተ ዀይኖም ግና፡ ከምኡ ኸይከውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:9, 11 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ሓደ ቘልዓ እተወልደሉ ቛንቋ፡ ሓሳቡን ስምዒቱን ዚገልጸሉ ቛንቋ ዀይኑ ኸይቅጽል ይኽእል እዩ። ገሊኦም ውሉዳት ብቛንቋ ወለዶም ሓሳባት ኪህቡን ክፍልታት ኬቕርቡን እናኸኣሉ ኽነሶም፡ እቲ ቓላት ግና ካብ ልቦም ከይከውን ይኽእል እዩ።

12 ብተወሳኺ፡ ልቢ ቘልዓ ብቛንቋ ጥራይ ኣይኰነን ዚጽሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ጆሹዋ ኸም ኣብነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ሓብቱ ኤስተር፡ “ቈልዑ ንቛንቋን ባህልን ሃይማኖትን ወለዶም ብሓደ ደሚሮም እዮም ዚርእይዎ” ትብል። ውሉዳት ንባህሊ ወለዶም እንተ ዘይተረዲኦምዎ፡ ንቛንቋን ንእምነትን ወለዶም ምቕባል ኪኣብይዎ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ ኣብ ዓዲ ጓና ዘለዉ ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

13, 14. (ሀ) ኣብ ዓዲ ጓና ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ዝገዓዙ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቶም ወለዲ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ኰይኖም ኪቕጽሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ክርስትያን ወለዲ ንመንፈሳዊ ጥዕና ውሉዳቶም ካብ ብሕታዊ ምርጫ ኣቐዲሞም እዮም ዚሰርዕዎ። (1 ቈረ. 10:24) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ እቲ ሳሙኤል ዝስሙ ኣቦ ጆሹዋን ኤስተርን ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ብመንፈሳዊ መዳይ ኣበየናይ ቋንቋ ዕቤት ከም ዚገብሩ ንምርኣይ ተዓዚብናዮም፣ ጥበብ ንምርካብ እውን ጸሊና። እቲ ዝረኸብናዮ ምላሽ ንዓና ብብሕትና ዚጥዕመና ኣይነበረን። ካብቲ ብቛንቋና ዚግበር ኣኼባታት ብዙሕ ከም ዘይጥቀሙ ምስ ረኣና ግና፡ ቋንቋ እዚ ዓዲ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ግዒዝና። ብሓባር ከኣ ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ንእከብን ኣብ ኣገልግሎት ንሳተፍን ኔርና። ደቂ እዚ ዓዲ ንዝዀኑ ፈተውትና እውን ምሳሕ፡ ድራር፡ ወይ ዙረት ንዕድሞም ኔርና። እዚ ዅሉ ድማ፡ ደቅና ንኣሕዋት ኪፈልጥዎም፡ ንየሆዋ እውን ከም ኣምላኾም ጥራይ ዘይኰነስ ከም ኣቦኦምን ፈታዊኦምን ኪፈልጥዎ ሓጊዝዎም እዩ። ካብቲ ቛንቋና ብምምላኾም ዚርከብ ጥቕሚ ንላዕሊ፡ እዚ ንዓና ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።”

14 ሳሙኤል ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንድልድል፡ ብቛንቋና ኣብ ዚግበር ኣኼባታት እውን ንእከብ ኔርና። ህይወት ሃለኽለኽ ዝመልኦን ኣድካምን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንጻዕርታትናን ንመስዋእትታትናን ስለ ዝባረኾ ነመስግኖ ኢና። ሰለስቲኦም ደቅና ንየሆዋ ብምሉእ ግዜኦም የገልግልዎ ኣለዉ።”

መንእሰያት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

15. ክርስቲና ዝስማ ሓብቲ፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ኣብ እትጥቀም ጉባኤ ዝሓሸ ኸተገልግል ከም እትኽእል ኰይኑ እተሰምዓ ስለምንታይ እያ፧

15 ውሉዳት ምስ ዓበዩ፡ ብዝያዳ ዚርድእዎ ቛንቋ ኣብ እትጥቀም ጉባኤ ንየሆዋ እንተ ኣገልገልዎ ኸም ዚሓይሽ ኪግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ወለዲ ኸም ዘይተፈትዉ ዀይኑ ኺስምዖም የብሉን። ንኣብነት፡ ክሪስቲና ኸምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ብዛዕባ ቛንቋ ወለደይ መሰረታዊ ፍልጠት ነይሩኒ እዩ፣ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዚዝረብ ቋንቋ ግና ይኸብደኒ ነይሩ። ጓል 12 ምስ ኰንኩ፡ ብናይ ቤት ትምህርቲ ቛንቋይ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኣኪበ። ንመጀመርታ ግዜ ድማ፡ እቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ሓቂ ምዃኑ ተረዲኡኒ! ካልእ ዓብዪ ለውጢ ዝረኣኹሉ ድማ፡ ብናይ ቤት ትምህርቲ ቛንቋ ኽጽሊ ምስ ጀመርኩ እዩ። ኣብ ልበይ ዘሎ ንየሆዋ ኽዛረቦ ኽኢለ!” (ግብ. 2:11, 41) ክሪስቲና ምስ ዓበየት፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ወለዳ ድሕሪ ምምይያጣ፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ገዓዘት። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ክትገልጽ ከላ ድማ፡ “ብዛዕባ የሆዋ ብናይ ቤት ትምህርቲ ቛንቋይ ክምሃር ምኽኣለይ፡ ንተግባር ኣለዓዒሉኒ” ትብል። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ሕጕስቲ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተግልግል ጀመረት።

16. ናድያ ዝስማ ሓብቲ ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ምጽናሓ ዘሐጐሳ ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣቱም መንእሰያት፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ኣብ እትጥቀም ጉባኤ ኽትኰኑ ዲኹም እትመርጹ፧ መልስኹም ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እትመርጹ ንርእስኹም ሕተቱ። ናብ ከምዚ ዝበለት ጉባኤ ምግዓዝ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ የቕርበኩም ድዩ፧ (ያእ. 4:8) ወይስ ቍጽጽር ኪንክየልኩምን ስራሕ ከይበዝሓኩምን ኢልኩም ዲኹም ክትግዕዙ እትደልዩ ዘለኹም፧ ሕጂ ኣብ ቤት-ኤል እተገልግል ናድያ፡ “ኣነን ሓወይን ኣሓተይን ምስ ጐበዝና፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ኽንግዝዕ ደሊና” ትብል። ወለዳ ግና እዚ ንደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዘይጠቕሞም ተገንዘቡ። ናድያ ኸምዚ ትብል፦ “ወለድና ቛንቋኦም ኪምህሩናን ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ኼጽንሑናን ብዙሕ ምጽዓሮም፡ ሕጂ የሐጕሰና እዩ። ህይወትና ዝሓሸ ዀይኑ፡ ካልኦት ንየሆዋ ኺፈልጡ ንምሕጋዝ ዘሎና ኣጋጣሚ እውን ኣስፊሑልና እዩ።”

ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

17. (ሀ) የሆዋ ንውሉዳት ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ንመን እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ወለዲ ንደቆም ኣብ ምምሃር ከመይ ገይሮም ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

17 ውሉዳት ብመገዲ ሓቂ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት፡ የሆዋ ንወለዲ ደኣ እምበር፡ ንኣቦሓጎታት፡ ንእኖሓጎታት፡ ወይ ንኻልእ ኣይሃበን። (ምሳሌ 1:8፣ 31:10, 27, 28 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ቋንቋ እቲ ዚነብሩሉ ዓዲ ዘይፈልጡ ወለዲ ንልቢ ውሉዳቶም ንምትንካይ ሓገዝ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ወለዲ ሓገዝ እንተ ሓቲቶም፡ ንመንፈሳዊ ሓላፍነቶም ይድርብዩ ኸም ዘለዉ ጌርካ ኺርኣዩ የብሎምን። የግዳስ፡ ክፍሊ እቲ ንውሉዳቶም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ንምዕባይ ዚገብርዎ ጻዕሪ ጌርካ ኺርአ ኣለዎ። (ኤፌ. 6:4) ንኣብነት፡ ወለዲ ከመይ ገይሮም ኣምልኾ ስድራ ቤት ከም ዚመርሑን ከመይ ገይሮም ንደቆም ጥዑያት ፈተውቲ ኸም ዚረኽቡን ንሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ኪሓትትዎም ይኽእሉ እዮም።

ውሉዳትን ወለድን በቲ ምስ ኣባላት ጉባኤኦም ዘለዎም ምቅርራብ ይጥቀሙ (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

18, 19. (ሀ) መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ንመንእሰያት ኪጠቕምዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ወለዲ እንታይ ካብ ምግባር እዮም ኬቋርጹ ዘይብሎም፧

18 ንኣብነት፡ ወለዲ ንኻልኦት ስድራ ቤታት ሓሓሊፎም ናብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪዕድምዎም ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት መንእሰያት መንፈሳዊ እተሓሳስባ ምስ ዘለዎም ክርስትያናት ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱን ኣብ ጥዑይ መዘናግዒ ኺሳተፉን ከለዉ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ይጥቀሙ እዮም። (ምሳ. 27:17) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሻን፡ “ነቶም ዚከናኸኑኒ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣጸቢቐ እየ ዝዝክሮም። ኣብ ኣኼባ ንእተዋህበኒ ኽፍሊ ኼዳልዉኒ ኸለዉ፡ ወትሩ ትምህርቲ እረክብ ነይረ። እቲ ብሓባር እንዘናግዖ ዝነበርና የሐጕሰኒ ነይሩ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ።

19 እቶም ንውሉዳት ኪሕግዙ ዚሕረዩ፡ ብዛዕባ እቶም ወለዲ ኣወንታዊ ነገራት ብምዝራብ ነቶም ውሉዳት ንወለዶም ኬኽብሩ ኼተባብዕዎም ኣለዎም ደኣ እምበር፡ ሓላፍነት ወለዲ ኺምንዝዑ ኣይግባእን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ወይ ካብ ጉባኤ ወጻኢ ብዘለዉ ሰባት ብስነ ምግባር ዜተሓታትት ነገር ካብ ምግባር ኪቝጠቡ ኣለዎም። (1 ጴጥ. 2:12) ወለዲ ንደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ምስልጣን ሓገዝ ኪሓትቱ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ሓላፍነት ግና ናብ ካልእ ኪድርብይዎ የብሎምን። ነቲ ብፈተውቶም ዚውሃብ ሓገዝ ኪከታተልዎን ወትሩ ንደቆም ኪምህርዎምን ኣለዎም።

20. ወለዲ ንደቆም፡ ንፉዓት ኣገልገልቲ የሆዋ ምእንቲ ኪዀኑ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

20 ኣቱም ወለዲ፡ የሆዋ ኺሕግዘኩም ጸልዩ፡ ዚከኣለኩም ዘበለ ድማ ጽዓሩ። (2 ዜና መዋእል 15:7 ኣንብብ።) ውሉድኩም ምስ የሆዋ ዚምስርቶ ዕርክነት፡ ካብ ናይ ውልቅኹም ድሌት ንላዕሊ ስርዕዎ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቢ ውሉድኩም ምእንቲ ኺትከል፡ ዚከኣለኩም ዘበለ ግበሩ። ውሉድኩም ንፉዕ ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል ወትሩ እመኑ። ውሉዳትኩም ንቓል ኣምላኽን ንሰናይ ኣብነትኩምን ምስ ዚስዕቡ፡ ከምቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ደቁ፡ “ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ እተዛረበ ሃዋርያ ዮሃንስ ኪስምዓኩም እዩ።—3 ዮሃ. 4

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ናይ መጋቢት 2007 ንቕሑ!፡ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 10-12 ዝወጸት፡ “ካልእ ቋንቋ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።