ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕርኻ ኽትዝሕል ኣይትሕደጋ

ፍቕርኻ ኽትዝሕል ኣይትሕደጋ

“ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።”—ማቴ. 24:12

መዝሙር፦ 38, 128

1, 2. (ሀ) እተን ኣብ ማቴዎስ 24:12 ዚርከባ ቓላት የሱስ፡ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ መን እየን ተዘሪበን፧ (ለ) መብዛሕትኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ፍቕሪ የርእዩ ምንባሮም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሓደ ኻብቲ የሱስ ክፋል ምልክት “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ምዃኑ ዝገለጾ መዳያት፡ “ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ዚብል እዩ ነይሩ። (ማቴ. 24:3, 12) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ኢና ዚብሉ ዝነበሩ ኣይሁድ ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኽትዝሕል ሓዲጎምዋ እዮም።

2 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ‘ብዛዕባ ክርስቶስ የበስሩ፡’ ንኣምላኽን ንክርስትያናት ብጾቶምን ንዘይኣመንትን ድማ ፍቕሪ የርእዩ ነይሮም። (ግብ. 2:44-47፣ 5:42) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ፍቕሮም ክትዝሕል ሓዲጎምዋ እዮም።

3. ፍቕሪ ገሊኦም ክርስትያናት ዝዘሓለትሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

3 የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ” ኢልዎም እዩ። (ራእ. 2:4) ከምኡ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብስጋዊ ኣተሓሳስባ ዓለም ስለ እተጸልዉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 2:2, 3) ኤፌሶን ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ከምዘን ሎሚ ዘለዋ ሓያሎ ኸተማታት፡ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ነይርዋ እዩ። ንጣዕሚ ናብራን ንመዘናግዕን ንምሾትን ቀዳምነት ዚህቡ ነበርቲ ዝነበርዋ ኣዝያ ሃብታም ከተማ እያ ነይራ። እቶም ተቐማጦኣ ኣብ ጥቕሚ ርእሶምን ኣብ ባህታኦምን ዜተኵሩን ብምንባሮም፡ እታ ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘይተተኵር ፍቕሪ ቦታ ኣይነበራን። ብተወሳኺ፡ ንውርምናን ምንዝርናን ኣስፋሕፊሑ ነይሩ።

4. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ፍቕሪ ዝሒላ ዘላ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ፍቕርና ኣብ ምንታይ ሰለስተ መዳያት እያ ኽትፍተን እትኽእል፧

4 እቲ የሱስ ፍቕሪ ኸም እትዝሕል እተነበዮ ትንቢት፡ ነዚ ግዜና እውን ይምልከት እዩ። ሎሚ፡ እታ ሰባት ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ትዝሕል ኣላ። ብዙሓት ንኣምላኽ ዝባኖም ሂቦምዎ ኣለዉ፣ ጸገማት ደቂ ሰብ ንምፍታሕ ድማ ናብ ሰብኣዊ ትካላት የተኵሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ፍቕሪ እቶም ንየሆዋ ዘየምልኽዎ ሰባት እናዘሓለት ትኸይድ ኣላ። ከምቲ ብዛዕባ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኤፌሶን ዝረኣናዮ ግና፡ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሸለልተኛታት ኪዀኑን ፍቕሮም ክትዝሕል ኪሓድግዋን ይኽእሉ እዮም። ሕጂ፡ ፍቕርና እትፍተነሉ ዚስዕብ ሰለስተ መዳያት ክንርኢ ኢና፦ (1) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ (2) ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ፡ (3) ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ።

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ

5. ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 የሱስ በታ ፍቕሪ ኸም እትዝሕል ዘጠንቀቐሉ መዓልቲ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ፍቕሪ ኣየነይቲ ምዃና ኺገልጽ ከሎ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” ኢሉ ነይሩ። (ማቴ. 22:37, 38) እወ፡ ንኣምላኽ ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ትእዛዛቱ ኽንሕሉን ክንጻወርን ክፍኣት ክንጸልእን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 97:10 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ሰይጣንን ዓለሙን ነታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኼዳኽምዋ ይጽዕሩ እዮም።

6. ሰባት ንኣምላኽ ዝነበሮም ፍቕሪ ምስ ዜጥፍኡ እንታይ እዩ ዜስዕበሎም፧

6 ዓለም ብዛዕባ ፍቕሪ ቔናን ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ። ሰባት ንፈጣሪና ኣብ ክንዲ ዜፍቅርዎ፡ “ፈተውቲ ርእሶም” ኰይኖም ኣለዉ። (2 ጢሞ. 3:2) እዛ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ዓለም፡ ኣብ “ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን መነባብሮኻ ርኣዩለይ [ኣብ] ምባልን” ከም እተተኵር እያ እትገብር። (1 ዮሃ. 2:16) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ንስጋ ባህ ዜብል ብዛዕባ ምግባር ኬጠንቅቖም ከሎ፡ “ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ፣ . . . ምኽንያቱ፡ ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ . . . ጽልኢ ምስ ኣምላኽ እዩ” ኢልዎም ነይሩ። (ሮሜ 8:6, 7) እወ፡ እቶም ስጋዊ ነገራት ኣብ ምጥራይ ወይ ጾታዊ ትምኒቶም ኣብ ምርዋይ ዜተኵሩ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ይጕህዩ እዮም።—1 ቈረ. 6:18፣ 1 ጢሞ. 6:9, 10

7. ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ሓደጋ እዩ ዘለዎም፧

7 ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑን ብፍልቀት ዚኣምኑን ሰባት፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎና እምነት ዜዳኽም ሓሳባት እውን የስፋሕፍሑ እዮም። ኣብ ፈጣሪ ዚኣምን ሰብ የዋህ ወይ ዘየስተውዕል ከም ዝዀነ ገይሮም ንብዙሓት ኣእሚኖምዎም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ንፈጣሪኦም ብዝያዳ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት የኽብርዎም ኣለዉ። (ሮሜ 1:25) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታት እዝንና እንተ ሂብና፡ ካብ የሆዋ ኽንርሕቕ ንኽእል ኢና፡ ፍቕርና እውን ክትዝሕል ትኽእል እያ።—እብ. 3:12

8. (ሀ) ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ እንታይ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ኣብ መዝሙር 136 እንታይ ዜተባብዕ ቃላት ኢና እንረክብ፧

8 ተስፋ ምስ እንቘርጽ እውን እምነትና ኽትደክምን ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዝሕልን ትኽእል እያ። ኣብዚ ሰይጣን ዚቈጻጸሮ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ንዅላትና ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት የጋጥመና እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) እርጋን፡ ጸገም ጥዕና፡ ወይ ቍጠባዊ ጸቕጢ ዜስዕቦ ጸገማት የጋጥመና እዩ። ወይ ከኣ ሓድሓደ ግዜ ዘይንረብሕ ኰይኑ ይስምዓና ወይ ትጽቢታትና ኸይተፈጸመ ይተርፍ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ወይ ስምዒታት፡ የሆዋ ኸም ዝሓደገና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሆዋ ንዓና ዘላቶ ዘይትቕህም ፍቕሩ ዝገለጸሉ ቓላት ነስተንትነሉ። ንኣብነት፡ መዝሙር 136:23፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ተዋሪድና ኸለና ዘከረና” ትብል። እወ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብተኣማንነት ዜርእዮም ፍቕሩ ኣየቋርጽን እዩ። ስለዚ፡ ‘ልማኖና’ ሰሚዑ ኸም ዚምልሰልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 116:1፣ 136:24-26

9. ጳውሎስ ነታ ንኣምላኽ ዝነበረቶ ፍቕሪ ንምዕቃብ ካበይ ብርታዐ ረኺቡ፧

9 ጳውሎስ እውን ከምቲ ዘማሪ ብዛዕባ እቲ ቐጻሊ ደገፍ የሆዋ ብምስትንታን ብርታዐ ረኺቡ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 13:6) እቲ ኣብ ሓልዮት የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኸኣ፡ ምስቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞ ጸገማት ኪቃለስ ሓጊዝዎ እዩ። ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ድማ ሕልናኡ ኣየዕረበን። እኳ ደኣስ፡ እሱር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዜተባብዕ ደብዳበታት ጽሒፉ እዩ። (ኤፌ. 4:1፣ ፊል. 1:7፣ ፊሞ. 1) እወ፡ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ኣየጥፍአን። ከምኡ ንምግባር ግና ካበይ እዩ ብርታዐ ረኺቡ፧ ናብቲ ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ዜጸናንዓና ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ እዩ ዚጽጋዕ ነይሩ። (2 ቈረ. 1:3, 4) ንሕናኸ ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ ከመይ ጌርና ኢና ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኽንዕቅባ እንኽእል፧

ንየሆዋ ፍቕርኻ ኣርእዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኽንዕቅባ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ሓደ ኻብቲ ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንምዕቃብ ዚሕግዘና ኣገዳሲ መገዲ፡ ጳውሎስ ጠቒሱ ኣሎ። ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። ጸኒሑ ድማ፡ “ብጸሎት ጽንዑ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (1 ተሰ. 5:17፣ ሮሜ 12:12) ብጸሎት ኣቢልና ሓሳብና ንገልጽ እንተ ዄንና፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ነማዕብል ኢና። (መዝ. 86:3) እኹል ግዜ መዲብና ንየሆዋ ውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒታናን እንተ ገሊጽናሉ፡ ነቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና። (መዝ. 65:2) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚምልሰልና ምስ እነስተውዕል፡ ፍቕርና ትዓቢ እያ። ‘የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ቐረባኦም’ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። (መዝ. 145:18) እዚ ኣብ ፍቕራዊ ደገፍ የሆዋ እነሕድሮ እምንቶ ድማ ተወሳኺ ፈተናታት እምነት ክንጻወር የኽእለና።

ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ

11, 12. ከመይ ጌርና ኢና ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ኸነሕድር እንኽእል፧

11 ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ሓቂ ንፈቱን ንቕበልን ኢና። ቃል ኣምላኽ ቀንዲ ምንጪ ሓቂ እዩ። የሱስ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸልዮ ጸሎት፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 17:17) ስለዚ፡ ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ከነጥሪ ምስ ጀመርና ኢና ፍቕሪ ሓቂ ኺህልወና ዚኽእል። (ቈሎ. 1:10) ኰይኑ ግና፡ ፍልጠት ንበይኑ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምፍታው እንታይ ከም ዜጠቓልል ንምርዳእ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ ንመዝሙር 119 ዝጸሓፋ ሰብ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። (መዝሙር 119:97-100 ኣንብብ።) ግዜ መዲብና ብዛዕባ ገለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕና ንሓስብን ነስተንትንን ዲና፧ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ኸለና እንታይ ጥቕሚ ኸም እንረክብ እንተ ኣስተንቲንና፡ ንዕኡ ዘሎና ኣድንቖት ይዓቢ እዩ።

12 እቲ ዘማሪ ቐጺሉ፡ “ቃላትካ ንትንሓገይ ክንደይ ኰን ይጥዕም! ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር!” ኢሉ እዩ። (መዝ. 119:103) ንሕና እውን ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ እንረኽቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥዑም መንፈሳዊ ምግቢ ኸነስተማዕቕሮ ንኽእል ኢና። ነቲ “ደስ ዜብል ቃላት” ሓቂ ምእንቲ ኽንዝክሮን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ምእንቲ ኽንጥቀመሉን፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መቐረቱ ኣብ ትንሓግና ኸም ዚጸንሕ ክንገብር ንኽእል ኢና።—መክ. 12:10

13. ኤርምያስ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኺፈቱ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ ጸልይዎ፧

13 ነብዪ ኤርምያስ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ይፈቱ ነይሩ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብኡ ዝነበሮ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ቃላትካ ተረኺቡ፡ ኣነ እውን በሊዐዮ፣ ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ብስምካ ተጸዊዐ እየ እሞ፡ ቃልካ ፍስሃን ሓጐስ ልበይን ኰይኑኒ” ኢሉ እዩ። (ኤር. 15:16) ኤርምያስ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ኽቡር ቃል ኣምላኽ በሊዕዎን ኣሕቂቕዎን እዩ፣ ማለት ኣስተንቲኑሉ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብስም የሆዋ ኺጽዋዕ ምኽኣሉ ዓብዪ ኽብሪ ገይሩ ርእይዎ እዩ። ንዓናኸ እቲ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ ነቲ ብስም ኣምላኽ ክንጽዋዕን ብዛዕባ መንግስቱ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኽንነግርን ዘሎና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮዶ ደሪኹና፧

ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍቕሪ ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ኸነሐይል ንኽእል፧

14 ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ ንምዕባይ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ካብ ምንባብ ወጻኢ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲርና ብምእካብ፡ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣቢሉ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትምህርቲ እንረኽበሉ ቐንዲ መገዲ እዩ። ነቲ ኣብኡ ዚጽናዕ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ኣብ ሰሰሙን ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣጸቢቕና ኽንዳሎ ኣሎና። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ፡ ንዅሉ እቲ ኣብኡ እተሓበረ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብሓያሎ ቛንቋታት ካብ ወብ ሳይት jw.org ኪራገፍ ወይ ኣብ JW Library ኣፕሊኬሽን ኪርከብ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ኤለክትሮኒካዊ ፎርማት ነቲ እተሓበረ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኸነንብቦ የኽእለና እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብናን ብዛዕባኡ ምስትንታንናን ነቲ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ የሐይሎ እዩ።—መዝሙር 1:2 ኣንብብ።

ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ

15, 16. (ሀ) ብመሰረት ዮሃንስ 13:34, 35፡ እንታይ ግዴታ እዩ ዘሎና፧ (ለ) እታ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ምስታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕርን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕርን እትተተኣሳሰር ብኸመይ እያ፧

15 የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢልዎም እዩ።—ዮሃ. 13:34, 35

16 እታ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ምስታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ትተኣሳሰር እያ። እኳ ደኣስ፡ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዘይነጻጸላ እየን። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ። (1 ዮሃ. 4:20) ብዘይካዚ፡ ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ዘሎና ፍቕሪ ምስቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ ይተኣሳሰር እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ ነቲ ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ከነፍቅሮም እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዛት ካብ ልቢ ኽንእዘዝ ይድርኸና እዩ።—1 ጴጥ. 1:22፣ 1 ዮሃ. 4:21

ንኣሕዋትን ንኣሓትን ፍቕርኻ ኣርእዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ገለ ኻብቲ ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

17 ቀዳማይ ተሰሎንቄ 4:9, 10 ኣንብብ። ገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤና ፍቕሪ እነርእየሉ ግብራዊ መገድታት እንታይ እዩ፧ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ወይ ሓብቲ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዜመላልሶም መጓዓዝያ ይደልዩ ይዀኑ። ሓንቲ መበለት ድማ ኣብ ቤታ ኺጽገነላ እትደልዮ ነገራት ይህልዋ ይኸውን። (ያእ. 1:27) ተስፋ ዜቝርጽ ወይ ዜጨንቕ ነገራት ዘጋጠሞም፡ ወይ ከኣ ጸገማት ዘጓነፎም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ቈላሕታን መተባብዕን መጸናንዕን የድልዮም እዩ። (ምሳ. 12:25፣ ቈሎ. 4:11) ንኣሕዋትና ብሓቂ ኸም እነፍቅሮም፡ ነቶም “ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ” ድማ ከም እንሓልየሎም፡ ብቓልናን ብግብርናን ኢና እነርኢ።—ገላ. 6:10

18. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዚፍጠር ንኣሽቱ ዘይምርድዳኣት ከነደቅስ እትሕግዘና እንታይ እያ፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩን ስሱዓትን ከም ዚዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ከም ክርስትያናት መጠን፡ ንኣምላኽን ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስን ንሓድሕድናን ዘሎና ፍቕሪ ኸነዕቢ ኣሎና። ልክዕ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ኣሕዋትና ንኣሽቱ ዘይምርድዳኣት ይፍጠር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ፍልልያትና ኸነደቅስ ከለና፡ እዚ ንጉባኤና በረኸት እዩ ዚኸውን። (ኤፌ. 4:32፣ ቈሎ. 3:14) እምበኣር፡ ፍቕርና ኽትዝሕል ከቶ ኣይንሕደጋ! የግዳስ፡ ንየሆዋን ንቓሉን ንኣሕዋትናን ሓያል ፍቕሪ ትሃልወና።