ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧”

“ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧”

“ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧”—ዮሃ. 21:15

መዝሙር፦ 143, 65

1, 2. ጴጥሮስ ዓሳ ንምግፋፍ ኪጽዕር ድሕሪ ምሕዳሩ፡ እንታይ ትምህርቲ እዩ ረኺቡ፧

ሸውዓተ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ምሉእ ለይቲ ዓሳ ኺገፍፉ ፈቲኖም ዋላ ሓንቲ ኸይሓዙ ተረፉ። ኪወግሕ ምስ በለ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ኣብ ገምገም ደው ኢሉ ይዕዘቦም ነበረ። “ንሱ ኸኣ፡ ‘ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም’ በሎም። ሽዑ፡ ንሳቶም ደርበይዎ፣ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ግና፡ ኪስሕብዎ ኣይከኣሉን።”—ዮሃ. 21:1-6

2 የሱስ ቍርሲ ምስ ኣቝረሶም ከኣ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ። ካብ ኣየኖት ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ጴጥሮስ ምግፋፍ ዓሳ ይፈቱ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ብሓቂ ንመን ከም ዚፈቱ ዚሓትቶ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ንየሱስን ንትምህርቱን ካብቶም ዓሳን ካብቲ ስራሕን ኣብሊጹ ይፈትዎ ድዩ፧ ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 21:15) ጴጥሮስ ከምቲ ዝበሎ ዀይኑ እዩ ተመላሊሱ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ትሑዝ ብምዃን፡ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኸኣ ዓንዲ ብምዃን፡ ንክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።

3. ክርስትያናት ካብ ምንታይ ሓደጋ እዮም ኪጥንቀቑ ዘለዎም፧

3 ካብቲ የሱስ ንጴጥሮስ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ኸይትደክም፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ዕሽሽ ከይንብሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። የሱስ ነቲ ጭንቀት እዚ ስርዓት እዚ ዜስዕቦ ጸቕጥታት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኣብታ ንሱ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ዘራኢ፡ ገሊኦም ነቲ “ቓል መንግስቲ” ኸም ዚቕበልዎ፡ ኣብ ፈለማ ድማ ዕቤት ኪገብሩ ኸም ዚጅምሩ፡ ጸኒሑ ግና ‘ጭንቀት እዚ ስርዓትን ምትላል ሃብትን ነቲ ቓል ከም ዚሓንቆ’ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 13:19-22፣ ማር. 4:19) እወ፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜተሓሳስበና ነገራት፡ ንልብና ኼታልሎን ብመንፈሳዊ መዳይ ኬዝሕለናን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ጭንቀት ናብራን ንልብኹም ከይከብዶ . . . ንርእስኹም ተጠንቀቑ” ዝበሎም።—ሉቃ. 21:34

4. ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ሓያል እንተ ዀይና ወይ እንተ ዘይኰይና ኸመይ ጌርና ኽንምርምር ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ንሕና እውን ከም ጴጥሮስ ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ዕዮ ቐዳማይ ቦታ ብምሃብ፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ወትሩ ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ በብግዜኡ፡ ከምዚ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ልዕሊ ዅሉ እንታይ እየ ዝፈቱ፧ መብዛሕትኡ ሓጐሰይ ካብ ዓለማዊ ንጥፈታት ድየ ዝረኽቦ ወይስ ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታት፧’ እምበኣር፡ ሚዛናውያን እንተ ዘይኴንና ንክርስቶስን ንመንፈሳዊ ነገራትን ዘሎና ፍቕሪ ኼዳኽም ዚኽእል ሰለስተ ነገራት፡ ማለት ዓለማዊ ስራሕን መዘናግዕን ፍቕረ ንዋይን እስከ ንመርምር።

ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

5. ርእስታት ስድራ ቤት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

5 ጴጥሮስ ንምግፋፍ ዓሳ ይፈትዎ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ብእኡ እዩ ዚናበር ነይሩ። ርእስታት ስድራ ቤት ንስድራ ቤቶም ብስጋ ዜድልዮም ናይ ምምላእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:8) ነዚ ሓላፍነት እዚ ብግቡእ ምእንቲ ኺስከምዎ ኣበርቲዖም ኪዓይዩ ኣለዎም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ግና፡ ዓለማዊ ዕዮ መብዛሕትኡ ግዜ ዜጨንቕ ይኸውን ኣሎ።

6. ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እንታይ ውጥረት እዩ ዘሎ፧

6 ስራሕ ንምርካብ ብዙሕ ውድድር ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ብዝወሓደ ደሞዝ ነዊሕ ሰዓታት ኪሰርሑ ይግደዱ እዮም። ብዝያዳ ኼፍርዩ ዚወርዶም ቀጻሊ ጸቕጢ ድማ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ውጥረት ይፈጥር እዩ። ንትካሎም ኢሎም ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ኪኸፍሉ ዘይደልዩ ሰራሕተኛታት ከኣ ካብ ስራሖም ኪስጐጉ ይኽእሉ እዮም።

7, 8. (ሀ) ብቐዳምነት ንመን ኢና እሙናት ክንከውን ዘሎና፧ (ለ) ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሓደ ሓው ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዝረኸበ፧

7 ክርስትያናት ስለ ዝዀነና፡ ብቐዳምነት ንየሆዋ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንኣስራሕትና ኣይኰንናን እሙናት ክንከውን ዘሎና። (ሉቃ. 10:27) ዓለማዊ ስራሕ ንእንጌራና ኢልና ኢና እንሰርሖ። ብስጋ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ንምርካብን ንኣገልግሎትና ንምድጋፍን ኢና እንሰርሕ። እንተ ዘይተጠንቂቕና ግና፡ ዓለማዊ ስራሕና ንኣምልኾና ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሓደ ሓው ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ስራሐይ ኮምፕዩተራት ምጽጋን ስለ ዝነበረ ብዙሕ እየ ዝፈትዎ ነይረ፣ ግናኸ፡ ነዊሕ ሰዓታት እዩ ዚወስድ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ዳርጋ ግዜ ኣይተርፈንን እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ክህብ እንተ ዀይነ፡ ስራሐይ ክሓድጎ ኸም ዘሎኒ ተረዲኡኒ።” እሞኸ እዚ ሓው እዚ እንታይ ገይሩ፧

8 ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገር ከምዚ ይብል፦ “ንዓመት ዚኸውን መደብ ድሕሪ ምውጻእ፡ ኣብ ጐደናታት ጀላቶ ኽሸይጥ ወሲነ። ኣብ መጀመርታ፡ ገንዘብ ተሸጊረ ብምንባረይ፡ ተስፋ ቘሪጸ ነይረ። ምስቶም መሳርሕተይ ዝነበሩ ኽራኸብ ከለኹ፡ መዝሓሊት ኣብ ዘለዎ ኽፍሊ ኣራጢጠ ኮምፕዩተር ኣብ ክንዲ ዘዐሪ፡ ስለምንታይ ጀላቶ ምሻጥ ዝሓሸ ገይረ ኸም ዝሓሰብኩ እናሓተቱ ብኣይ ይስሕቁ ነይሮም። ኣነ ድማ ነዚ ኽጻወርን ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዝያዳ ግዜ ንምርካብ ዝገበርክዎ ሸቶ ኽወቅዕን ምእንቲ ኽሕግዘኒ ንየሆዋ ብጸሎት ለሚነዮ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኵነታተይ ኪመሓይሽ ጀሚሩ። ዓማዊለይ ዚፈትውዎ ነገር እናፈለጥኩን ንኣሰራርሓ ጀላቶ እናመለኽክዎን ከይደ። ቍሩብ ጸኒሐ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንዅሉ እቲ ዝሰራሕክዎ ጀላቶ ሸይጠ ኽውድእ ጀሚረ። ከም ሓቂ፡ ካብቲ ኮምፕዩተራት ዝጽግነሉ ዝነበርኩ ንላዕሊ ኣታዊ ኽረክብ ጀሚረ። ኣብቲ ናይ ቀደም ስራሐይ ዝነበረኒ ውጥረትን ጭንቀትን ስለ ዘይብለይ ከኣ፡ ብዝያዳ ሕጉስ ኰይነ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ሕጂ ንየሆዋ ብዝያዳ ዝቐረብክዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ማቴዎስ 5:3, 6 ኣንብብ።

9. ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ኣምላኽ ጻዕረኛታት ክንከውን እዩ ዚደልየና፣ ትግሃት እውን ዓስቢ ኣለዎ። (ምሳ. 12:14) ኰይኑ ግና፡ ከምቲ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓው ዝገበሮ፡ ንዓለማዊ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ [ማለት፡ ብስጋ ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 6:33) ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕን መንፈሳዊ ሓላፍነታትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና ንምፍላጥ፡ ‘ንዓለማዊ ስራሐይ ብዝያዳ ተፈታውን ማራኽን፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታተይ ግና ዘየሀንጥን ዜሰልክን ገይረ ድየ ዝርእዮ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ብዛዕባ ዓለማውን መንፈሳውን ንጥፈታትና ምሕሳብናን ምስትንታንናን፡ ነየናዩ ብሓቂ ኸም እንፈትዎ ኺሕብረና ይኽእል እዩ።

10. የሱስ ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት ክንህቦ ዚግባእ ነገራት እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ሂቡ፧

10 የሱስ ንዓለማዊ ነገራት ምስ መንፈሳዊ ነገራት ከመይ ጌርና ሚዛኑ ሓሊና ኸም እነኺዶ ምሂሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ናብ እንዳ ማርያምን ሓብታ ማርታን ከደ። ማርታ ዚብላዕ ከተዳሉ ሸበድበድ ክትብል ከላ፡ ማርያም ግና ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ትሰምዕ ነበረት። ሽዑ፡ ማርታ፡ ‘ስለምንታይ ማርያም ዘይትሕግዘኒ፧’ ኢላ ምስ ኣማረረት፡ የሱስ፡ “ማርያምሲ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፣ ካብኣ ኸኣ ኣይኪውሰድን እዩ” ኢሉ መለሰላ። (ሉቃ. 10:38-42) የሱስ ንማርታ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ምሂርዋ። ናብ ዓለማዊ ነገራት ምእንቲ ኸይነስግልን ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ምእንቲ ኸነርእን፡ ወትሩ “ጽቡቕ ግደ” ኽንሓሪ፡ ማለት ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብ ኣሎና።

ብዛዕባ መዘናግዒ ኺህልወና ዚግባእ ኣረኣእያ

11. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዕረፍትን መዘናግዕን እንታይ ይብል፧

11 ብስራሕ ትሑዛት ስለ እንኸውን፡ ሓድሓደ ግዜ ኣዕሪፍና እንዘናግዓሉ ግዜ የድልየና እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስን ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን” ይብል። (መክ. 2:24) የሱስ እውን በብእዋኑ ዕረፍቲ ኸም ዜድሊ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን፡ ጽዑቕ ናይ ስብከት ወፈራ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” ኢልዎም እዩ።—ማር. 6:31, 32

12. ምስ መዘናግዒ ብእተተሓሓዘ፡ እንታይ ኢና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና፧ ኣብነት ጥቐስ።

12 እወ፡ መዘናግዒ ኣገዳሲ እዩ። ምዝንጋዕ ቀንዲ ኣትኵሮ ህይወትና እንተ ዀይኑ ግና ሓደገኛ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብዙሓት ሰባት፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ይብሉ ነይሮም እዮም። (1 ቈረ. 15:32) ሎሚ እውን ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም ተመሳሳሊ መንፈስ እዩ ሰፊኑ ዘሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራባዊ ኤውሮጳ ዚነብር ሓደ መንእሰይ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከብ ነበረ። መዘናግዒ ኣመና ይፈቱ ብምንባሩ ግና ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝነበሮ ሕብረት ኣቋረጸ። ጸኒሑ ግና እቲ ኣብ መዘናግዒ ዝነበሮ ኣትኵሮ ናብ ጸገምን ጓህን ከም ዝመርሖ ተገንዘበ። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ጀመረ፡ ኣስፋሒ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እውን በቕዐ። ድሕሪ ጥምቀቱ፡ “ሓደ ዜጣዕስኒ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ካብቲ ዓለም እተቕርቦ መዘናግዒ ኣዝዩ ዚበልጽ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ቅድሚ ምስትውዓለይ ነዊሕ ግዜ ምሕላፉ ጥራይ እዩ” በለ።

13. (ሀ) መዘናግዒ ዘለዎ ሓደጋ ብምሳሌ ግለጽ። (ለ) ብዛዕባ መዘናግዒ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

13 እንዘናግዓሉ ዕላማ፡ መንፈስናን ሓይልናን ንምሕዳስ እዩ። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዜድልየና፧ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ መብዛሕትና ሓሓሊፍና ምቁር ምግቢ ምብላዕ ንፈቱ ኢና፣ ወትሩ ዶልሺን ካራሜላን ምብላዕ ግና ንጥዕናና ጐዳኢ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መዓዛታት ዘለዎ ምግቢ ኢና እንምገብ። ብተመሳሳሊ፡ ብዙሕ መዘናግዒ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ። መንፈሳውነትና ምእንቲ ኸይዳኸም፡ ኣዘውቲርና ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ንሳተፍ ኢና። ብዛዕባ መዘናግዒ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘሎና ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ኣብ ሰሙን ክንደይ ዚኣክል ሰዓት ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ብብሕቲ ወይ ብስድራ ቤት ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ከም እነሕልፍ ክንምዝግብ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣሃዝ እቲ ምስቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ከም ስፖርት፡ ተለቪዥን፡ ወይ ጸወታ ቪድዮ ዝኣመሰለ መዘናግዒ እነሕልፎ ሰዓታት ነነጻጽሮ። እቲ ንጽጽር እንታይ እዩ ዚነግረና፧ ለውጢ ኽንገብር የድልየና ደዀን ይኸውን፧—ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።

14. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ብምንታይ ኢና ኽንምራሕ ዘሎና፧

14 ውልቀ ሰባትን ርእስታት ስድራ ቤትን ምስቲ የሆዋ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ ዚሰማማዕ ክሳዕ ዝዀነ፡ ዝደለይዎ መዘናግዒ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዎም። * ጥዑይ መዘናግዒ “ውህበት ኣምላኽ” እዩ። (መክ. 3:12, 13) ናይ መዘናግዒ ምርጫ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኪፈላለ ይኽእል እዩ። (ገላ. 6:4, 5) ኰይኑ ግና፡ እቲ እንመርጾ መዘናግዒ እዚ ይኹን እቲ፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ንደሊ ኢና። የሱስ፡ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 6:21) ስለዚ፡ ንየሱስ ዘሎና ልባዊ ፍቕሪ፡ ሓሳባትናን ዘረባናን ተግባራትናን ብቐዳምነት ኣብ መዓልታዊ ጕዳያት ህይወትና ዘይኰነስ፡ ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜተኵር ንምግባር ይድርኸና እዩ።—ፊል. 1:9, 10

ምስ ፍቕረ ንዋይ እንገብሮ ቓልሲ

15, 16. (ሀ) ፍቕረ ንዋይ ንሓደ ክርስትያን መፈንጠራ ኪዀኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧

15 ብዙሓት ሰባት ሓድሽ ቕዲ ኽዳውንትን ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ኣብ ምጥራይ እዮም ኣተኲሮም ዘለዉ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ትምኒቱ ንምምርማር በብግዜኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ፦ ‘ስጋዊ ነገራት ንዓይ እምብዛ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ንምድላው ካብ ዘሕልፎ ግዜ፡ ብዛዕባ ሓደስቲ ማካይን ወይ ቅዲ ኽዳውንቲ ኽሓስብ ዘሕልፎ ግዜዶ ይነውሕ እዩ፧ ብመዓልታዊ ዋኒን ህይወተይ እምብዛ ስለ እተውሓጥኩ፡ ንጸሎት ወይ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ግዜ ነክዩዶ ኣሎ፧’ ፍቕረ ንዋይ ነታ ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ የዳኽማ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተውዒልና፡ ነቲ የሱስ፡ “ካብ ኵሉ ስስዐ . . . ተሓለዉ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ንሕሰበሉ። (ሉቃ. 12:15) የሱስ ከምዚ ኢሉ ኸቢድ መጠንቀቕታ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን” ኢሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዘይከኣል፧ ምኽንያቱ፡ ክልቲኦም “ጐይተት” ንበይኖም ተወፋይነት ኪውሃቦም እዮም ዚደልዩ። ‘ወይ ነቲ ሓደ ጸሊእና፡ ነቲ ሓደ ንፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊብና፡ ነቲ ሓደ ንንዕቕ።’ (ማቴ. 6:24) ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ምስ “ትምኒት ስጋና፡” እንተላይ ምስ ፍቕረ ንዋይ ክንቃለስ ኣሎና።—ኤፌ. 2:3

17. (ሀ) ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ምስ ፍቕረ ንዋያዊ ትምኒት ንምቅላስ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መንፈሳዊ ቐልቦም ደንዚዙ እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:14 ኣንብብ።) ልቦናኦም ሓንሳእ ምስ ጸልመተ፡ ቅኑዕን ጌጋን ምፍላይ የጸግሞም እዩ። (እብ. 5:11-14) ስለዚ፡ ገሊኦም ንስጋዊ ነገራት ኪሃርፉ ይጅምሩ፣ እዚ ህርፋን እዚ ድማ ኪዓግብ ዚኽእል ኣይኰነን። (መክ. 5:10) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ንፍቕረ ንዋይ ዚኸውን ፈውሲ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ስሩዕ ንባብ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (1 ጴጥ. 2:2) ከምቲ የሱስ ብዛዕባ መለኮታዊ ሓቂ ብምስትንታኑ ንዝቐረበሉ ፈተና ኺነጽጎ ዝኸኣለ፡ ንሕና እውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልና፡ ምስ ፍቕረ ንዋያዊ ትምኒታት ክንቃለስ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 4:8-10) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሱስ ካብ ስጋዊ ነገራት ኣብሊጽና ኸም እነፍቅሮ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና።

ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እትህቦ እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ኪህብ እዩ ዜዘኻኽሮ ነይሩ። እቲ ትርጉም ስሙ “ኸውሒ” ዝዀነ ጴጥሮስ፡ ከም ከውሒ ዝበለ ባህርያት ስለ ዝነበሮ፡ ከም ስሙ ዀይኑ እዩ ተመላሊሱ። (ግብ. 4:5-20) ንሕና እውን ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕን መዘናግዕን ስጋዊ ነገራትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ፡ ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ወትሩ ኸነጐሃህራ ቘሪጽና ኢና። ኣብ ህይወትና እንገብሮ ምርጫታት፡ ምስቲ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ ዝመለሰሉ ቓላት ከም እንሰማማዕ ዜርኢ ይኹን።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2011 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 9-12፡ ሕ.ጽ. 6-15 ዝወጸ ሓሳባት ርአ።