ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጋይዮስ ንኣሕዋቱ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧

ጋይዮስ ንኣሕዋቱ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ጋይዮስን ካልኦት ክርስትያናትን ጸገማት ኣጋጢምዎም ነበረ። ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዜስፋሕፍሑ ዝነበሩ ሰባት፡ ንጉባኤታት ኬዳኽሙን ኪኸፋፍሉን ይፍትኑ ነበሩ። (1 ዮሃ. 2:18, 19፣ 2 ዮሃ. 7) ድዮትሬፌስ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ሃዋርያ ዮሃንስን ካልኦትን “ክፉእ ወረ” የውሪ፡ ገይሾም ንዚመጹ ክርስትያናት ምቕባል ይኣቢ፡ ካልኦት ከምኡ ኪዀኑ እውን ይደፋፍእ ነበረ። (3 ዮሃ. 9, 10) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ዮሃንስ ንጋይዮስ ጸሓፈሉ። እታ ሃዋርያ ዮሃንስ ብ98 ድ.ክ. ኣቢሉ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ትርከብ እያ፣ “ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ” ተባሂላ ድማ ትፍለጥ።

ጋይዮስ ጸገማት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግል ነይሩ እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ ተኣማንነቱ ዘርኣየ፧ ሎሚ ኣብነት ጋይዮስ ክንስዕብ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ እታ ዮሃንስ ዝጸሓፋ ደብዳበ ኸምኡ ኽንገብር ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

ናብ ፍቑር ፈታዊ እተላእከት ደብዳበ

ጸሓፊ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ፡ ንገዛእ ርእሱ፡ “ሽማግለ” ኢሉ እዩ ገሊጽዋ። እቲ ፍቑር መንፈሳዊ ውሉድ ዝዀነ ጋይዮስ፡ በዛ ቓል እዚኣ ጥራይ፡ እታ ደብዳበ ኻብ ሃዋርያ ዮሃንስ ከም ዝመጸቶ ኺፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ “ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ፍቑር ጋይዮስ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ ዮሃንስ፡ ኣካላዊ ጥዕና ጋይዮስ ከም መንፈሳዊ ጥዕናኡ ኪኸውን ዘለዎ ትምኒት ገለጸ። እዝስ ከመይ ዝበለ መግለጺ ትምኒትን ባህ ዜብል ናእዳን ኰን እዩ!—3 ዮሃ. 1, 2, 4

ጋይዮስ ሓላው ጉባኤ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እታ ደብዳበ ግና ከምኡ ኣይትብልን እያ። ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ ንዘይፈልጦም ኣሕዋት ብምእንጋዱ ነኣዶ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ቀደሞም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ስለ ዝዀኑ፡ ዮሃንስ ነቲ ጋይዮስ ዝገበሮ ነገር ከም መርኣያ ተኣማንነት ገይሩ እዩ ቘጺርዎ።—ዘፍ. 18:1-8፣ 1 ጢሞ. 3:2፣ 3 ዮሃ. 5

ዮሃንስ ንጋይዮስ ስለቲ ንኣሕዋት ብምቕባል ዝገበሮ ተግባር ምስጋናኡ ምግላጹ፡ ክርስትያናት ካብቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ቦታ ናብ እተፈላለያ ጉባኤታት ይጐዓዙ ምንባሮም፡ እዞም ገየሽቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ነገራት ንዮሃንስ ከም ዝነገርዎ ዚእምት እዩ። ዮሃንስ ብዛዕባ እተን ጉባኤታት እቲአን ወረ ዝበጽሖ እውን፡ በዚ መገዲ እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ገየሽቲ ክርስትያናት ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ኬዓርፉ ይደልዩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ሽዑ ዝነበረ መዕረፍ ኣጋይሽ ጽቡቕ ኣገልግሎት ዘይርከቦ፡ ምንዝርና ዘስፋሕፍሓሉ ሕማቕ ቦታ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ለባማት ገየሽቲ እንተ ኽኢሎም ምስ ፈተውቶም እዮም ዜዕርፉ ነይሮም፣ ክርስትያናት ገይሽቲ ድማ ምስ ክርስትያናት ብጾቶም እዮም ዜዕርፉ ነይሮም።

“ምእንቲ ስሙ እዮም ዝወጹ”

ሃዋርያ ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ “[ነቶም ገየሽቲ] ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ኣፋንዎም” ኢሉ ስለ ዝሓተቶ፡ መሊሱ ኣጋይሽ ኪቕበል እዩ ኣተባቢዕዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ “ኣፋንዎም” ኪብሎ ኸሎ፡ ናብቲ ዚቕጽል መዕረፊኦም ክሳዕ ዚበጽሑ ዜድልዮም ዘበለ ኣማሊኡ ኼፋንዎም ማለቱ እዩ ነይሩ። እቶም ገየሽቲ ንዮሃንስ ብዛዕባ ፍቕርን እምነትን ጋይዮስ ስለ ዝነገርዎ፡ ኣቐዲሞም ንዝመጹ ኣጋይሽ ከምኡ ገይሩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—3 ዮሃ. 3, 6

እቶም ኣጋይሽ ከኣ ሚስዮናውያን፡ ልኡኻት ዮሃንስ፡ ወይ ገየሽቲ ሓለውቲ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምእንቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም እዮም ዚጐዓዙ ነይሮም። ዮሃንስ ብዛዕባኦም፡ “ምእንቲ ስሙ እዮም ዝወጹ” ኢሉ እዩ። (3 ዮሃ. 7) ዮሃንስ ቀቅድሚኡ ንኣምላኽ ጠቒስዎ ስለ ዘሎ (ፍቕዲ 6 ርአ)፡ እተን “ምእንቲ ስሙ” ዚብላ ቓላት፡ ንስም የሆዋ ዜመልክታ ኪዀና ኣለወን። ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋት ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምንባሮም፡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ዚግብኦም እዮም ነይሮም። ስለዚ እዩ ዮሃንስ፡ “በታ ሓቂ መዓይይቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ግዴታ ኣሎና” ኢሉ ዝጸሓፈ።—3 ዮሃ. 8

ኣብ ፈታኒ ዅነታት እተዋህበ ሓገዝ

ዮሃንስ ንጋይዮስ ኬመስግኖ ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን ጽሒፉሉ። ከቢድ ጸገም ኣጋጢሙ ብምንባሩ፡ ኪሕግዞ ኢሉ እውን እዩ ጽሒፉሉ። ኣባል እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ድዮትሬፌስ ነቶም ገየሽቲ ክርስትያናት ኪቕበሎም ፍቓደኛ ኣይነበረን። ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ እውን ኪኽልክሎም ፈቲኑ እዩ።—3 ዮሃ. 9, 10

መሸም፡ እሙናት ክርስትያናት ምስ ድዮትሬፌስ ኬዕርፉ ኣይምደለዩን። ድዮትሬፌስ ኣብ ጉባኤ ኣውራ ኪኸውን ይደሊ ነይሩ እዩ፣ ካብ ዮሃንስ ንሓደ እኳ ብኣኽብሮት ኣይተቐበለን፣ ብዛዕባ ሃዋርያ ዮሃንስን ብዛዕባ ኻልኦትን እውን ክፉእ ወረ የውሪ ነይሩ እዩ። ዮሃንስ ንድዮትሬፌስ ናይ ሓሶት መምህር እኳ እንተ ዘይበሎ፡ ንስልጣን እቲ ሃዋርያ ግና ይጻረር እዩ ነይሩ። ምርኡይ ኪኸውን ይደሊ ስለ ዝነበረን ዘይክርስትያናዊ ጠባይ የርኢ ስለ ዝነበረን፡ ተኣማንነቱ የጠራጥር ነይሩ እዩ። እዚ ተግባር ድዮትሬፌስ ድማ፡ ህርፋን ስልጣን ዘለዎምን ዕቡያትን ሰባት ንጉባኤ ኪኸፋፍሉ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዜርኢ። ስለዚ ኸኣ፡ ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ንነፍሲ ወከፍና፡ “ነቲ እከይሲ ኣይትስዓቦ” ዚብል ምዕዶ ሂቡ ኣሎ።—3 ዮሃ. 11

ሰናይ ንምግባር ዚድርኽ ጽቡቕ ምኽንያት

ድሜጥሮስ ዝስሙ ክርስትያን ግና፡ ከም ድዮትሬፌስ ብዘይምንባሩ፡ ዮሃንስ ከም ጽቡቕ ኣብነት ጠቒስዎ ኣሎ። “ንድሜጥሮስ ጽቡቕ ይምስክሩሉ ኣለዉ፣ . . . ንሕና እውን ንምስክረሉ ኣለና፣ ምስክርና ሓቂ ኸም ዝዀነ ኸኣ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኣሎ። (3 ዮሃ. 12) ድሜጥሮስ ሓገዝ ጋይዮስ የድልዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ ከኣ ሃዋርያ ዮሃንስ ንድሜጥሮስ ምስ ጋይዮስ ንምልላይን ከም ዚተኣማመነሉ ንምግላጽን እያ ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል። ነታ ደብዳበ እውን ድሜጥሮስ ባዕሉ ናብ ጋይዮስ ኣብጺሕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሜጥሮስ ሓደ ኻብ ልኡኻት ዮሃንስ ወይ ገያሺ ሓላዊ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ እዚ ነቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ዜራጕድ እዩ ነይሩ።

ጋይዮስ ድሮ ተቐባል ጋሻ ኽነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ዮሃንስ ኣጋይሽ ኪቕበል እተማሕጸኖ፧ ምናልባትዶ ንጋይዮስ ተወሳኺ ምትብባዕ ኣድልይዎ ይኸውን፧ ድዮትሬፌስ ነቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ካብ ጉባኤ የውጽኦም ብምንባሩ፡ ጋይዮስ ከየማትእ ኢሉ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ “እቲ ሰናይ ዚገብር፡ ካብ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ኣተባብዖ። (3 ዮሃ. 11) እዚ ኸኣ ወትሩ ሰናይ ንምግባር ዚድርኽ ጽቡቕ ምኽንያት እዩ።

እሞኸ እታ ዮሃንስ ዝጸሓፋ ደብዳበ ንጋይዮስ ተቐባል ጋሻ ኪኸውን ሓጊዛቶዶ፧ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂባ ምህላዋ፡ ካልኦት ‘ሰናይ ኪስዕቡ’ ድማ እተተባብዕ ምዃና፡ ንጋይዮስ ከም ዝሓገዘቶ እዩ ዚእምት።

ካብ ሳልሳይ ዮሃንስ ዚርከብ ትምህርቲ

ብዛዕባ እቲ ጥንቲ ዝነበረ ፍቑር ሓውና ጋይዮስ፡ ካብዚ ንላዕሊ እንፈልጦ ነገር የሎን። ኰይኑ ግና፡ ካብዚ ብዛዕባኡ እንፈልጦ ሒደት ነጥብታት፡ እተወሰነ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ከመይ ጌርና ኢና ‘ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን’ እንኽእል፧

ቀዳማይ፡ መብዛሕትና ሓቂ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና፡ ብእተወሰነ ደረጃ ሳላ እቶም ሓቂ ኼፍልጡ ኢሎም ዚጕዓዙ እሙናት ክርስትያናት እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ዅሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይኰኑን ምእንቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ነዊሕ ርሕቀት ዚጕዓዙ። ይኹን እምበር፡ ንኸም ሓላዊ ወረዳን ሰበይቱን ዝኣመሰሉ ተጓዓዝቲ ኽንድግፎምን ከነተባብዖምን ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ኢሎም ኣብ ውሽጢ ዓዶም ወይ ናብ ወጻኢ ዓዲ ንዝገዓዙ ኣሕዋትን ኣሓትን ግብራዊ ደገፍ ክንህቦም ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ‘ተቐበልቲ ጋሻ ንኹን።’—ሮሜ 12:13፣ 1 ጢሞ. 5:9, 10

ካልኣይ፡ ሳሕቲ ንስልጣን ዘየኽብሩ ሰባት ኣብ ጉባኤ እንተ ተላዒሎም፡ ኬሰምብደና የብሉን። ንዮሃንስን ንሃዋርያ ጳውሎስን ከምኡ ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 10:7-12፣ 12:11-13) ኣብ ጉባኤ ተመሳሳሊ ጸገማት እንተ ኣጋጢሙ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም፡ ንምስትምሃር ብቑዕ፡ ኪብደል ከሎ ርእሱ ዚገትእ ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ፣ ነቶም ተጻረርቲ እውን ብልእመት ኪምህሮም ይግባእ” ኢሉ እዩ ምዒድዎ። ዜሕርቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ልኡማት እንተ ዄንና፡ ገሊኦም ነቐፍቲ ውልቀ ሰባት ኣረኣእያኦም ኪቕይሩ ይድረኹ ይዀኑ። የሆዋ ድማ “ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ዚመርሕ ንስሓ ይህቦም” ይኸውን።—2 ጢሞ. 2:24, 25

ሳልሳይ፡ እቶም ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ክርስትያናት፡ ስለቲ ተኣማንነቶም ኪምስገኑን ኪንኣዱን ይግባእ። ሃዋርያ ዮሃንስ ንጋይዮስ ኣተባቢዕዎን ቅኑዕ ይገብር ምህላዉ ኣረጋጊጹሉን እዩ። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ‘ከይሕለሉ’ ብምትብባዕ፡ ኣብነት ዮሃንስ ኪስዕቡ ኣለዎም።—ኢሳ. 40:31፣ 1 ተሰ. 5:11

እዛ ብግሪኽኛ 219 ቃላት ጥራይ ዘለዋ ሃዋርያ ዮሃንስ ናብ ጋይዮስ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ኻብ ኵሉ ዝሓጸረት መጽሓፍ እያ። ግናኸ፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ብሓቂ ብዙሕ ትጠቕሞም እያ።