ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልብኻ ኣብ መንፈሳዊ መዛግብቲ ግበር

ልብኻ ኣብ መንፈሳዊ መዛግብቲ ግበር

“መዝገብኩም ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ።”—ሉቃ. 12:34

መዝሙር፦ 76, 59

1, 2. (ሀ) የሆዋ ዝሃበና ሰለስተ መንፈሳዊ መዝገብ ጥቐስ። (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝሃብተመ እዩ። (1 ዜና 29:11, 12) ለጋስ ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መንፈሳዊ ሃብቱ ንዅሎም እቶም ዋጋኡ ዚርድኦም ዘበሉ የካፍሎም እዩ። የሆዋ መንፈሳዊ መዛግብቲ ኺህልወና ምፍቃዱ፡ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ገለ ኻብዚ መንፈሳዊ መዛግብቲ፡ (1) መንግስቲ ኣምላኽ፡ (2) ህይወት ዚህብ ኣገልግሎትና፡ (3) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ሓቂ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ነዚ መዛግብቲ እዚ ዘሎና ኣድንቖት ኪሃስስ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ኽንድርብዮ ንኽእል ኢና። ኣጽኒዕና ምእንቲ ኽንሕዞ፡ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉን ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ወትሩ ኸነሐድስን ኣሎና። የሱስ፡ “መዝገብኩም ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ” ኢሉ እዩ።—ሉቃ. 12:34

2 ንመንግስቲ ኣምላኽን ንኣገልግሎትናን ንሓቅን ከመይ ጌርና ፍቕርን ኣድንቖትን ከነማዕብል፡ ነቲ ዘማዕበልናዮ እውን ከመይ ጌርና ኽንዕቅቦ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንመንፈሳዊ መዛግብቲ ዘሎና ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ብብሕትና ኸነዕምቖ ኸም እንኽእል ነስተንትን።

መንግስቲ ኣምላኽ—ከም ክብርቲ ሉል

3. እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ ነጋዳይ ንሓንቲ ኽብርቲ ሉል ንምጥራይ እንታይ ኪኸፍል እዩ ፍቓደኛ ዝዀነ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ማቴዎስ 13:45, 46 ኣንብብ። የሱስ ኣብ ዝመሰላ ሓንቲ ምሳሌ፡ ሉላት ብዛዕባ ዚደሊ ነጋዳይ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ነጋዳይ ብኣማእታት ዚቝጸር ሉላት ዓዲጉን ሸይጡን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ብልጽቲ ሉል ምስ ረኸበ፡ ልቡ ብሓጐስ መልአ። ንዓኣ ንምዕዳግ ግና ዘለዎ ዅሉ ኺሸይጥ ነበሮ። እታ ሉል እቲኣ ኽሳዕ ክንደይ ክብርቲ ኸም ዝዀነት እሞ ገምቶ!

4. ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነታ ሉል ዝፈተዋ፡ ንሕና እውን ከምኡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ፍቕሪ እንተ ኣሎና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧

4 ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ከምታ ኽብርቲ ሉል እያ። ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነታ ሉል ገይሩ ዝፈተዋ፡ ንሕና እውን ከምኡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ፍቕሪ እንተ ኣሎና፡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ዘሎና ዅሉ ንሓድግ ኢና። (ማርቆስ 10:28-30 ኣንብብ።) ከምኡ ዝገበሩ ኽልተ ሰባት እስከ ንርአ።

5. ዘኬዎስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ኣኽብሮት ብኸመይ እዩ ዘርኣየ፧

5 ዘኬዎስ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽ ነበረ፣ ገንዘብ እንዳ እማቱ ዘሪፉ ድማ ሃብተመ። (ሉቃ. 19:1-9) እዚ ሓጥእ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ እታ የሱስ ዚሰብካ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰምዐ ግና፡ እቲ ዝሰምዖ ነገር ብሉጽ ዝዋጋኡ ምዃኑ ፈሊጡ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። እወ፡ “እንሆ፡ ፍርቂ ንብረተይ ንድኻታት እህብ ኣለኹ፣ ዝዘረፍክዎ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በለ። ኵሉ እቲ ብሕማቕ መገዲ ዘጥረዮ ገንዘብ ተሓጒሱ ንኻልኦት ሃቦም፣ ስሱዕ ምዃን እውን ሓደጎ።

6. ሮዝ ተገዛኢት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን እንታይ ለውጢ እያ ዝገበረት፧ ስለምንታይከ እያ ኸምኡ ዝገበረት፧

6 ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ሓንቲ ኣብዛ ዓንቀጽ ሮዝ ኢልና ዝሰመናያ ጓል ኣንስተይቲ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰምዐት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ግብረ ሶዶማዊ ናብራ ትነብር ነበረት። ብዘይካዚ እውን፡ ፕረዚደንት ሓደ ንመሰላት ግብረ ሶዶማውያን ዚቃለስ ውድብ ነበረት። ሮዝ ንመጽሓፍ ቅዱስ እናኣጽንዓቶ ብዝኸደት መጠን ግና፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ብሉጽ ዋጋ ኣስተውዓለት። ዓብዪ ምትዕርራይ ክትገብር ከም ዘለዋ እውን ተገንዘበት። (1 ቈረ. 6:9, 10) ልባ ድማ ካብቲ ሓላፍነታ ኸተልግስን ነቲ ግብረ ሶዶማዊ ዝምድናኣ ኽትበትኮን ደረኻ። ብ2009 ከኣ ተጠምቀት፣ ንዓመታኡ ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ንየሆዋን ንመንግስቱን ዘለዋ ፍቕሪ፡ ካብ ስጋዊ ትምኒታ ሓዪሉ እዩ።—ማር. 12:29, 30

7. ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ልባዊ ፍቕሪ ብኸመይ ክንዕቅቦ ንኽእል፧

7 ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትና ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ኣብ ህይወትና ዓብዪ ለውጢ ጌርና ኢና። (ሮሜ 12:2) ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ኸነብቅዕ የብልናን። ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ብዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ ብስጋዊ ነገራትን ብብዕሉግ ጾታዊ ትምኒትን ኪዳኸም ከነፍቅድ የብልናን። (ምሳ. 4:23፣ ማቴ. 5:27-29) ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ልባዊ ፍቕሪ ዓቂብና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ የሆዋ ኻልእ ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ሂቡና ኣሎ።

ህይወት ዜድሕን ኣገልግሎትና

8. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ብኸመይ ኣርእዩ፧

8 የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽን ክንምህርን መዚዙና ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) ሃዋርያ ጳውሎስ ዋጋ እቲ ኣገልግሎት እቲ ኽቡር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንኣገልግሎት እቲ ሓድሽ ኪዳን፡ “እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ 1 ጢሞ. 1:12) ዘይፍጹማት ኣቕሓ መሬት እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ግና ንዓናን ንዚሰምዑናን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ነዚ ብምፍላጡ፡ “እዚ ዅሉ ግና ምእንቲ እቲ ብስራት፡ ማለት ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍሎ ኢለ እየ ዝገብሮ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (1 ቈረ. 9:23) እወ፡ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ኣበርቲዑ ኺዓዪ ደሪኽዎ እዩ። (ሮሜ 1:14, 15፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ሓያል ተቓውሞ ኺጻወር ኣኽኢልዎ እዩ። (1 ተሰ. 2:2) እሞኸ ንኣገልግሎትና ኸመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል፧

9. ንኣገልግሎትና ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

9 ሓደ ኻብቲ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ዘለዎ ኣኽብሮት ዘርኣየሉ መገዲ፡ ነቲ ንሰባት ንምዝርራብ ዚረኽቦ ኣጋጣሚታት ዚጥቀም ብምንባሩ እዩ። ከምቲ ሃዋርያትን ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናትን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ብዘይወግዓዊ መገድን ብግህዶን ኣብ በቤትን ንሰብኽ ኢና። (ግብ. 5:42፣ 20:20) ኵነታትና ኸም ዚፈቕደልና ኸኣ፡ ሓጋዚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ መገዲ ነናዲ ኢና። ብዘይካዚ እውን፡ ካልእ ቋንቋ ኽንምሃር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ናብ ካልእ ቦታ ኽንግዕዝ፡ ወይ ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክንግዕዝ ንኽእል ኢና።—ግብ. 16:9, 10

10. ኣይሪን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ተጊሃ ብምግልጋላ፡ እንታይ በረኸት ረኺባ፧

10 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ኣይሪን እትብሃል ዘይተመርዓወት ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ሩስያኛ ንዚዛረቡ ስደተኛታት ናይ ምስባኽ ብርቱዕ ድሌት ነበራ። ብ1993 ከምኡ ኽትገብር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ እትርከብ ጕጅለ ሩስያኛ 20 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ኣይሪን ንኣስታት 20 ዓመት፡ በቲ ቛንቋ እቲ ብትግሃት ኣገልጊላ እያ። “ክሳዕ ሕጂ ሩስያኛ ምሉእ ብምሉእ ኣይመልኮን እየ” ኢላ እውን ዘለዋ ጸገም ትእመን እያ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ንሳን ካልኦትን ብቕንኣት ዝዓየይዎ ዕዮ ባሪኽዎ ኣሎ። ሎሚ፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሽዱሽተ ጉባኤታት ሩስያኛ ኣለዋ። ካብቶም ኣይሪን መጽናዕቲ ዝመርሓትሎም ድማ፡ 15 ተጠሚቖም ኣለዉ። ገሊኣቶም ቤት-ኤላውያንን ፈለምትን ሽማግለታትን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ሕጂ ኣይሪን፡ “ብዛዕባ እቲ ኽስዕቦ ዝኽእል ዝነበርኩ ኻልእ ሸቶታት ክሓስብ ከለኹ፡ ዝሓሸ ሓጐስ ኬምጽኣለይ ይኽእል ነይሩ ዝብሎ የሎን” ትብል። እወ፡ ንኣገልግሎታ ኸም መዝገብ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ።

ንኣገልግሎትካ ኸም መዝገብ ጌርካ ትርእዮ ዲኻ፧ እዚኸ ኣብ ሰሙናዊ መደብካ ይርአ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 12 ርአ)

11. መስጐጕቲ እናኣጋጠመ ኽነሱ ጸኒዕና እንተ ሰቢኽና፡ እንታይ ኣወንታዊ ፍረ ኢና እንረክብ፧

11 ንሕና እውን ንኣገልግሎትና ኣኽቢርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ መስጐጕቲ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒዕና ኽንሰብኽ ኢና። (ግብ. 14:19-22) ኣብ 1930ታትን ኣብ መጀመርታ 1940ታትን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ኣሕዋትና፡ ከቢድ ተቓውሞ የጋጥሞም ነይሩ እዩ። ከም ጳውሎስ ግና፡ ጸኒዖም ብቐጻሊ ኣገልጊሎም እዮም። ንምግልጋል ዘሎና መሰል ምእንቲ ኺሕለወልና ኢሎም ድማ፡ ሓያሎ ሕጋዊ ቓልስታት ገይሮም እዮም። ብ1943፡ ሓውና ናታን ኖር ብዛዕባ ሓደ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. እተረኽበ ዓወት ሓሳብ ኪህብ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “እቲ ዝረኸብናዮ ዓወታት ሳላ ቓልስኹም እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፊሮም እንተ ዘየገልግሉ ነይሮም፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዚልዓል ጕዳይ ኣይምሃለወን፣ ኣቱም ኣስፋሕቲ፡ ኣቱም ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኣሕዋት፡ መስጐጕቲ ኺስዓር እተኻእለ፡ ከየቋረጽኩም እትቕጽሉ ብምዃንኩም እዩ። ህዝቢ ጐይታ ጸኒዖም ብምቛሞም ዝረኸብዎ ዓወት እዩ ነቲ ብይን ኣምጺእዎ።” ኣብ ካልእ ሃገራት ዚርከቡ ኣሕዋት ጸኒዖም ብምቛሞም እውን ተመሳሳሊ ዓወታት ኪርከብ ተኻኢሉ እዩ። እወ፡ ንኣገልግሎትና ዘሎና ፍቕሪ ንመስጐጕቲ ኺስዕሮ ይኽእል እዩ።

12. ንኣገልግሎትካ ብዚምልከት እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

12 ንኣገልግሎትና ኻብ የሆዋ እተዋህበና ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ሰዓታት ጥራይ ብምቝጻር ኣይንዓግብን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ኣጸቢቕና ንምምስካር’ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና። (ግብ. 20:24፣ 2 ጢሞ. 4:5) ግናኸ፡ ንሰባት እንታይ ኢና እንምሃሮም፧ ኣምላኽ ዝሃበና ኻልእ መዝገብ እስከ ንርአ።

ሓቅታት ዝመልአ መዝገብና

13, 14. የሱስ ኣብ ማቴዎስ 13:52 ዝጠቐሶ “መዝገብ” እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና እንመልኦ፧

13 ሳልሳይ መንፈሳዊ መዝገብ ድማ ሓቅታት እዩ። የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ እዩ። (2 ሳሙ. 7:28፣ መዝ. 31:5) ለጋስ ኣቦ ብምዃኑ፡ ንዚፈርህዎ ሰባት መለኮታዊ ሓቅታት የካፍሎም እዩ። ካብቲ ንፈለማ ግዜ ሓቂ ዝሰማዕናሉ እዋን ኣትሕዚና፡ ካብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ካብ ዓበይቲ ዀነ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ሓቅታት ክንእክብ ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ብሉይን ሓድሽን ሓቅታት ኣብ “መዝገብ” ንእክብ ኢና። (ማቴዎስ 13:52 ኣንብብ።) ነዚ ሓቅታት እዚ ኸም ንሕቡእ መዛግብቲ ጌርና እንተ ደሊናዮ፡ የሆዋ ናብ “መዝገብና” ሓድሽ ሓቅታት ክንእከብ ይሕግዘና እዩ። (ምሳሌ 2:4-7 ኣንብብ።) ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

14 ጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኸነጥሪ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ጽሑፋትናን ድማ ጽቡቕ ምርምር ክንገብር ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣቐዲምና ዘይንፈልጦ ዝነበረ “ሓድሽ” ሓቅታት ክንረክብ የኽእለና። (እያ. 1:8, 9፣ መዝ. 1:2, 3) ሓምለ 1879 እተሓተመት ቀዳመይቲ ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ኸምዚ ኢላ ነይራ፦ “ሓቂ ኸምቲ ኣብ ናይ ህይወት በረኻ ዘላ ንእሽቶ ዕምባባ፡ በቲ ጥዒምዎ ጐላዕላዕ ዝበለ ናይ ስሕተት ጻህያይ ተኸቢባን ዳርጋ ተዋሒጣን እያ። እንተ ረኺብካያ፡ ወትሩ እትደልያ ዝነበርካ ኽትከውን ኣሎካ። . . . ከተጥርያ እንተ ደሊኻ፡ ክትረኽባ ለጠቕ ክትብል ኬድልየካ እዩ። ሓንቲ ዕምባባ ሓቂ ምስ ረኸብካ ኣይትዕገብ። . . . ኵሉ ግዜ ኣክብ፡ ካልእ ክትረክብ ድለ።” እወ፡ ዘዋህለልናዮ መዝገብ መለኮታዊ ሓቅታት ከነኻዕብቶ ንደሊ ኢና።

15. ንገሊኡ ሓቅታት “ብሉይ” እንብሎ ስለምንታይ ኢና፧ ብብሕትኻ ኣኽቢርካ እትርእዮኸ ነየናዩ ኢኻ፧

15 ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክንሓብር ክንጅምር ከለና፡ ብዋጋ ዘይሽነን ሓቅታት ተማሂርና ኢና። እዚ ሓቅታት እዚ ኣብ መጀመርታ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ዝፈለጥናዮ ብምዃኑ፡ “ብሉይ” ኪብሃል ይከኣል እዩ። ገለ ኻብዚ ሓቅታት እዚ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ የሆዋ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ምዃኑ፡ ንደቂ ሰብ ከኣ ዕላማ ኸም ዘለዎ ፈሊጥና ኢና። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፡ ኣምላኽ ንወዱ መስዋእታዊ በጃ ኪኸውን ከም ዝሃበና እውን ተማሂርና ኢና። መንግስቱ ንዅሉ መከራ መወዳእታ ኸም እትገብረሉን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብሰላምን ብሓጐስን ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ኸም ዘሎናን እውን ፈሊጥና ኢና።—ዮሃ. 3:16፣ ራእ. 4:11፣ 21:3, 4

16. ኣብ ሓቂ ምትዕርራይ ኪገብር ከሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 በብግዜኡ ኣብቲ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብዛዕባ ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ግንዛበ ምትዕርራይ ንገብር ኢና። ሓድሽ ግንዛበ ኽንረክብ ከለና፡ ግዜ ወሲድና ነቲ ሓበሬታ ኣጸቢቕና ኸነጽንዖን ከነስተንትነሉን ኣሎና። (ግብ. 17:11፣ 1 ጢሞ. 4:15) ነቲ ዓበይቲ ምትዕርራያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኻብ ዝቐደመ ግንዛበና እተገብረ ንኣሽቱ ለውጥታትን ነቲ ሓድሽ ትምህርትን ክንርድኦ ንጽዕር ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ሓድሽ ሓቂ ኣብ መዝገብና ኸም ዘንበርናዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17, 18. መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 መንፈስ ኣምላኽ ነቲ እተምሃርናዮ ናብ ኣእምሮና ኼምጽኣልና ኸም ዚኽእል የሱስ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:25, 26) እሞኸ ኸም መምህራን ብስራት ኣምላኽ መጠን፡ እዚ ኸመይ ገይሩ ኺሕግዘና ይኽእል፧ ፒተር ዝስሙ ሓው ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ብ1970 ወዲ 19 ዓመት ከሎ፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ኬገልግል ጀመረ። ኣብ በቤት እናኸደ ኼገልግል ከሎ፡ ምስ ሓደ ጨሓም ሰብኣይ ተራኸበ። ፒተር ከኣ ነቲ ሰብኣይ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርዳእ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ ብስምባድ፡ እቲ ፒተር ዝዃሕኵሖ ቤት፡ ቤት ረቢታት ኣይሁድ ምዃኑ ነገሮ። ንፒተር ኪፍትኖ ኢሉ ድማ፡ “በል እስከ ዝወደይ፡ መጽሓፍ ዳንኤል ብምንታይ ቋንቋ እያ ተጻሒፋ፧” ኢሉ ሓተቶ። ፒተር ከኣ፡ “ገሊኡ ኽፋሉ ብኣራማይስጢ እዩ ተጻሕፉ” ኢሉ መለሰሉ። ፒተር ቀጺሉ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ ረቢ መልሲ ሕቶኡ ብምፍላጠይ ደንጽይዎ ነይሩ፣ ንዓይ ግና ብዝያዳ እዩ ደንጽዩኒ! ከመይ ገይረ እየ ነቲ መልሲ ኽፈልጦ ኽኢለ፧ ናብ ገዛ ኸይደ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ምስ ረኣኹ፡ ዳንኤል ብኣራማይስጢ ኸም እተጻሕፈት እትሕብር ዓንቀጽ ክረክብ ክኢለ” በለ። (ዳን. 2:4፡ እ.ጽ.) እወ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ነገራት ኬዘክረናን ኣብ መዝገብና ኼንብሮን ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 12:11, 12፣ 21:13-15

18 ነቲ የሆዋ ዝሃበና ጥበብ ኣኽቢርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ንመዝገብና ብሓድሽን ብብሉይን ሓቅታት ክንመልኦ ልብና ኺድርኸና እዩ። ንጥበብ የሆዋ ዘሎና ፍቕርን ኣድንቖትን እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ድማ፡ መምህራን ንምዃን ኣጸቢቕና እተዳሎና ኽንከውን ኢና።

ንመዛግብትና ንሓልዎ

19. ንመንፈሳዊ መዛግብትና ኽንሕልዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ሰይጣንን ዓለሙን ወግሐ ጸብሐ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ ዝረኣናዮ መንፈሳዊ መዛግብትና ዘሎና ኣድንቖት ኬዳኽምዎ ወይ ኬጥፍእዎ ይጽዕሩ እዮም። እዚ ስልትታቶም እዚ ድማ ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ብዙሕ ደሞዝ ብዚኽፈሎ ስራሕ፡ ጣዕሚ ብዘለዎ ናብራ፡ ወይ ስጋዊ ጥሪትና ርኣዩለይ እናበልና ኽንነብር እነሕድሮ ትምኒት፡ ብቐሊሉ ኼስድዓና ይኽእል እዩ። እዛ ዓለም ምስ ትምኒታ ሓላፊት ምዃና፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ገሊጹልና ኣሎ። (1 ዮሃ. 2:15-17) እምበኣር፡ ንመንፈሳዊ ሃብቲ ዘሎና ፍቕርን ኣድንቖትን ከይሃስስ ንምሕላው ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና።

20. ንመንፈሳዊ ሃብትኻ ንምሕላው እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኼዳኽም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንምሕዳግ ቈራጽነት ግበር። ብቕንኣት ስበኽ፣ ነቲ ህይወት ዚህብ ኣገልግሎትና ዘሎካ ኣኽብሮት ኣይተጥፍኣዮ። መለኮታዊ ሓቅታት ንምርካብ ወትሩ ተጊህካ ድለ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ‘ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ መዝገብ ኣብ ሰማያት ክትገብር ኢኻ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ።’—ሉቃ. 12:33, 34