ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትዕረቕን ሰላም ከተስፍንን ዲኻ፧

ክትዕረቕን ሰላም ከተስፍንን ዲኻ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንክርስትያናት ሰላም ኪፈትዉን ሰላም ኣገዳሲ ኽፋል ህይወቶም ኪገብርዎን ተማሕጺንዎም ኣሎ። ሰላማውያን ምስ እንኸውን፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብዙሕ ሰላም ይህሉ። እቶም ባእሲ ዘይፈትዉ ኻልኦት ሰባት ከኣ፡ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ይስሓቡ።

ንኣብነት፡ ኣብ ማዳጋስካር ዚነብር ሓደ ስሙይ ደብተራ፡ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ስኒት ተዓዘበ። ስለዚ፡ ‘ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክኸውን እንተ ደልየ፡ ነዚኣ እየ ዝሓሪ’ ኢሉ ሓሰበ። ጸኒሑ፡ ንመናፍስታዊ ተግባራቱ ሓደጎ፡ ንኣዋርሕ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ነቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይሳነ ዝነበረ ሓዳሩ ኣዐረዮ፡ ነቲ ኣምላኽ ሰላም ዝዀነ የሆዋ እውን ኬምልኾ ጀመረ።

ኣብ ዓዓመት፡ ኣሽሓት ሰባት ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይዀኑን ነቲ ዚሃርፍዎ ዝነበሩ ሰላም ይረኽቡን ኣለዉ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ጉባኤ፡ “መሪር ቅንእን ንግርምናን” እንተ ኣልዩ፡ ምሕዝነት ኪዝረግን ጸገማት ኪፍጠርን ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ያእ. 3:14-16) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ነዚ ጸገማት እዚ ኣወጊድና ኸመይ ጌርና ሰላም ከነስፍን ከም እንኽእል እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ናብዚ ሓሳብ እዚ ንምስግጋር ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ገለ ናይ ሓቂ ተመክሮታት እስከ ንርአ።

ጸገማትን ፍታሑን

“ምስ ሓደ መሳርሕተይ ሓው ምርድዳእ ኣጸጊሙኒ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ንሓድሕድና ኽንቋየቝ ከለና፡ ክልተ ሰባት መጺኦም፡ ነቲ ነዲርና እተዛረብናዮ ዘረባ ሰሚዖምዎ።”—ክሪስ።

“ሓንቲ ብዙሕ ግዜ መገላግልተይ ዝነበረት ሓብቲ፡ ብሃንደበት ንኣገልግሎት ንሕዞ ዝነበርና ቘጸራታት ደው ኣቢላቶ። ድሕሪኡ፡ ምሳይ ምዝርራብ እውን ሓዲጋቶ። እንታይ ከም እተፈጥረ ኣይተረድኣንን።”—ጃኔት።

“ሰለስተ ሰባት ብተሌፎን ኮንፈረንስ ጌርና ኽንዛራረብ ከለና፡ ሓዲኦም ቻው ኢሉና። ኣነ ኸኣ ተሌፎኑ ዝዓጸዋ ስለ ዝመሰለኒ፡ ነቲ ኣብ መስመር ዝጸንሐ ኻልእ ሰብ ብዛዕባኡ ሕማቕ ነገር ተዛሪበዮ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ግና ኣይዓጸዋን ነይሩ።”—ማይክል።

“ኣብ ጉባኤና፡ ኣብ መንጎ ኽልተ ፈለምቲ ጸገማት ተፈጢሩ። ሓንቲ ነታ ሓንቲ ኸቢድ ነገር ተዛሪባታ። ቈየቛአን ድማ ንኻልኦት ኣጕህይዎም።”—ጌሪ።

እዚ ዝጠቐስናዮ ነገራት፡ ንኣሽቱ ይመስለካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብቶም እተተናኸፉ ሰባት ነባሪ ስምዒታውን መንፈሳውን ማህሰይቲ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም ኪዕረቑ ኽኢሎም እዮም። ነየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ኪጥቀሙሉ ኽኢሎም፧

“ኣብ መገዲ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓራረቑ።” (ዘፍ. 45:24) እዚ ምዕዶ እዚ፡ ዮሴፍ ነቶም ናብ ኣቦኡ ኺምለሱ ዝነቐሉ ኣሕዋቱ ዝሃቦ እዩ። ጽቡቕ ምዕዶ ድማ እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ስምዒታቱ እንተ ዘይተቘጻጺሩ እሞ ብቐሊሉ እንተ ሓሪቑ፡ ንኻልኦት ኬቘጥዖም ይኽእል እዩ። ክሪስ ብእተወሰነ ደረጃ ትዕቢት ከም ዝነበሮ፡ መምርሒ ምቕባል ድማ ከም ዚኣቢ ተገንዚቡ እዩ። ኪቕየር ስለ ዝደለየ፡ ነቲ ዚከራኸሮ ዝነበረ ሓው ይቕረታ ሓቲቱ፡ ቍጥዓኡ ንምቍጽጻር እውን ኣበርቲዑ ኺሰርሕ ጀሚሩ እዩ። እቲ መሳርሕቱ ኸኣ፡ ክሪስ ኪቕየር ይጽዕር ከም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ምትዕርራያት ገይሩ እዩ። ሕጂ ብሓባር ኰይኖም ንየሆዋ ብታሕጓስ የገልግልዎ ኣለዉ።

“ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል።” (ምሳ. 15:22) ጃኔት ነዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ልባ ኸተሕድሮ ኸም ዘለዋ ተገንዚባ እያ። ስለዚ፡ ምስታ ሓብቲ ‘ኽትማኸር’ ወይ ክትዛራረብ ወሰነት። ኣብቲ ዝርርበን ከኣ፡ ጃኔት ነታ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ቕሬታኣ ኽትነግራ ብሜላ ሓተተታ። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ዝርርበን ውጥረት ሰፊንዎ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ጸገም ብህድኣት ኪዛራረባ ምስ ጀመራ ግና፡ እቲ ሃዋህው እናተመሓየሸ ኸይዱ። እታ ሓብቲ፡ ንጃኔት ብዘይምልከታ ጕዳይ ብጌጋ ተቐይማታ ምንባራ ፈለጠት። ስለዚ፡ ይቕረታ ሓተተታ፣ ንየሆዋ ድማ ብሓባር የገልግላ ኣለዋ።

“እምበኣር፡ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ።” (ማቴ. 5:23, 24) እዚ ምኽሪ እዚ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እዩ ተዛሪብዎ። ማይክል ንሰብ ዚጐድእ ሕማቕ ነገር ከም ዝገበረ ምስ ተረድኦ፡ ሕማቕ ተሰምዖ። ስለዚ፡ ኪዕረቕ ጻዕሪ ንምግባር ቈረጸ። ናብቲ ዝጐድኦ ሓው ከይዱ፡ ብትሕትና ይቕረታ ሓተቶ። እሞኸ እንታይ ፍረ ረኺቡ፧ ማይክል ዝረኸቦ ፍረ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓወይ ካብ ልቡ ይቕረ ኢሉኒ እዩ” ኢሉ ገለጸ። በዚ ኸምዚ፡ ዕርክነቶም ተሓደሰ።

“ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።” (ቈሎ. 3:12-14) ኣብቲ ነተን ክልተ ፈለምቲ ዘጋጠመን ጕዳይ፡ ሓደ ለዋህ ሽማግለ፡ ‘ክልቴና ብሰንኪ ዘይምርድዳኣትና ንኻልኦት ከነጕሂዶ ይግባእ እዩ፧ ንሓድሕድና ተዓጋጊስና ንየሆዋ ብሰላም ዘይነገልግለሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ድዩ፧’ ኢለን ኪሓስባ ሓገዘን። ንሳተን ድማ ነቲ ምኽሪ ተቐቢለን ዓየያሉ። ሕጂ፡ ተሳንየን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብካ ኣለዋ።

ሓደ ሰብ እንተ ጐዲኡካ፡ ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:12-14 ዚርከብ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ትሕትና ዘለዎም ብዙሓት ሰባት፡ ይቕረ ኺብሉን ነቲ እተገብረ ኺርስዕዎን ክኢሎም እዮም። እተወሰነ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባርካ፡ ነቲ በደል ብቐሊሉ ኽትሓልፎ እንተ ዘይክኢልካ፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15 ዚርከብ ስርዓትዶ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል፧ ልክዕ እዩ፡ የሱስ ነቲ ምኽሪ እቲ ኺህብ ከሎ፡ ንሓዉ ኸቢድ በደል ብዛዕባ ዝበደለ ሰብ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ኣሕዋት ዝዀነ ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ እውን፡ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኽትዓይየሉ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ቐሪብካ፡ ነቲ ጸገም ብለውሃትን ብትሕትናን ክትዛራረበሉን ከተደቅሶን ፈትን።

መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ግብራዊ ሓሳባት እውን ይህብ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ሓሳባት ነቲ “ፍረ መንፈስ” ዝዀነ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት” ኣብ ምፍራይ እተመስረተ እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ከምቲ ማሽን ብግቡእ ምእንቲ ኺዓዪ ዘይቲ ዜድልዮ፡ ሰላም ንምስፋን እውን እዚ ኣምላኻዊ ባህርያት እዚ የድልየና እዩ።

በበይኑ ዝዓይነቱ ባህርያት ንጉባኤ የጸብቓ

ንነፍሲ ወከፍና ዘሎና ኻብ ካልእ ፍልይ ዜብለና ባህርያት፡ ንምሕዝነት ምቁር ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ በበይኑ ባህርያት ናብ ግጭት እውን ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ሓደ ምኩር ሽማግለ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ሂቡ እዩ፦ “ሓደ ሓፋር ሰብ ምስ ሓደ ውዑይን ዓውዓው ዚብልን ሰብ ምቅርራብ ይኸብዶ ይኸውን። እቲ ፍልልይ እቲ ዘየገድስ እኳ እንተ መሰለ፡ ናብ ከቢድ ጸገም ኪመርሕ ይኽእል እዩ።” ኰይኑ ግና፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ኪሰማምዑ ዘይክእሉዶ ይመስለካ፧ ንኽልተ ሃዋርያት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ጴጥሮስ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ ዝመጸሉ ዚዛረብን ውዑይን ከም ዝዀነ ጌርካ ትሓስቦ ትኸውን። ዮሃንስከ፧ ፈቃር፡ ኣብ ዘረባኡ ዀነ ኣብ ተግባራቱ ጥንቁቕ ጌርካ ትሓስቦ ትኸውን። መሸም ከምኡ ኢልካ ኽትሓስብ ዝደረኸካ ገለ ምኽንያታት ኣሎካ። ዝዀነ ዀይኑ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ባህርያት ዝነበሮም እዮም ዚመስሉ። ይኹን እምበር፡ ብሓባር ተሳንዮም የገልግሉ ነይሮም እዮም። (ግብ. 8:14፣ ገላ. 2:9) እምበኣር፡ ሎሚ እውን በበይኑ ዝዓይነቱ ባህርያት ዘለዎም ሰባት፡ ተሳንዮም ኪዓይዩ ይኽእሉ እዮም።

ምናልባት ብዘረባኡን ብተግባራቱን ቅጭ ዜምጽኣልካ ሓው ኣብ ጉባኤኻ ይህሉ ይኸውን። ግናኸ፡ ክርስቶስ ነቲ ሰብ እቲ እውን ከም ዝሞተሉ፡ ንስኻ ድማ ከተፍቅሮ ኸም ዘሎካ ትፈልጥ ኢኻ። (ዮሃ. 13:34, 35፣ ሮሜ 5:6-8) ስለዚ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ምሕዝነት ክትምስርት ከም ዘይትኽእል ኣብ ክንዲ እትድምድም፡ ወይ ከኣ ካብኡ ኣብ ክንዲ እትርሕቕ፡ ‘ሓወይ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ጌጋ ምዃኑ ብንጹር እተገልጸ ነገር ይገብርዶ ኣሎ፧ ኰነ ኢሉ ድዩ ኺጐድኣኒ ዚጽዕር ዘሎ ወይስ በበይኑ ባህርያት ጥራይ እዩ ዘሎና፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ‘ካበየናይ ጽቡቕ ባህርያቱ እየ ኽጥቀም ዝኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ እንተ ሓቲትካ ድማ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

እዛ ኣብ መወዳእታ ዘላ ሕቶ ኣገዳሲት እያ። ንስኻ ስቕተኛ፡ እቲ ሰብ ድማ ተዛራቢ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ከመይ ገይሩ ብቐሊሉ ዝርርብ ከም ዚጅምር ኣስተብህለሉ። ምስኡ ኸተገልግል ክትሓትቶ እሞ፡ ካብኡ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ለጋስ እንተ ዀይኑ፡ ንስኻ ድማ ቍሩብ በቃቕ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ንኣረጋውያን፡ ንሕሙማት፡ ወይ ንእተሸገሩ ምሃብ ዜምጽኦ ሓጐስ ስለምንታይ ክትጥዕሞ ዘይትፍትን፧ እቲ ኺምሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ሓውካን ናይ ባህርይ ፍልልይ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ብምትኳር ግና ክትቀራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ ምግባርካ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ኣይገብረኩምን ይኸውን፣ ግናኸ፡ ኬቀራርበኩምን ኣብ መንጎኹም ኰነ ኣብ ጉባኤኹም ሰላም ኬስፍንን ይኽእል እዩ።

ኤዎድያን ስንጥኬን እተፈላለየ ባህርያት ዝነበረን ኪዀና ኣለወን። እንተዀነ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓሳበን ብጐይታ ሓደ ኪኸውን” ኣተባቢዕወን እዩ። (ፊል. 4:2) እሞኸ ንስኻ እውን ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕን ሰላም ከም ዚሰፍን ንምግባርን ክትጽዕር ዲኻ፧

እተፈጥረ ግጭት ከይተፈትሐ ኺጸንሕ ኣይተፍቅድ

ብዛዕባ ኻልኦት እነሕድሮ ኣሉታዊ ስምዒታት ካብ ሱሩ ኽንምሕዎ እንተ ዘይጽዒርና፡ ከም ጻህያይ እናኣስፋሕፍሐ እዩ ዚኸይድ። ሓንሳእ ምረት ንልብና እንተ መሊእዎ ኸኣ፡ ንመንፈስ እታ ጉባኤ እኳ ኺጸሉ ይኽእል እዩ። ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ብሕታዊ ፍልልያትና ንሰላም ህዝቢ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይዘርግ ዚከኣለና ንገብር ኢና።

ርእስኻ እንተ ኣትሒትካን ሰላም ከተስፍን እንተ ጽዒርካን፡ ጽቡቕ ፍረ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ

ክንዕረቕ ወይ ሰላም ከነስፍን ምስ እንጽዕር፡ ዘይተጸበናዮ ጽቡቕ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘጋጠማ ተመክሮ ኸምዚ ኢላ ትገልጽ፦ “ሓንቲ ሓብቲ ኸም ቈልዓ ገይራ ኸም እትርእየኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ናይ ብሓቂ እዩ ረቢሹኒ። እናተባሳጨኹ ምስ ከድኩ፡ ገርጨውጨው ክብለላ ጀሚረ። ‘ዘይተኽብረኒ እንተ ዀይና፡ ኣየኽብራን እየ’ ኢለ ሓሲበ።”

ሽዑ፡ እታ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንተግባራታ ኽትሓስበሉ ጀሚራ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ባህርያተይ ጸገም ከም ዘሎኒ ኽርኢ ጀሚረ፣ ብርእሰይ እውን ብዙሕ ጕህየ። ኣተሓሳስባይ ከዐሪ ኸም ዘሎኒ ተገንዚበ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላየይ፡ ነታ ሓብቲ ንእሽቶ ህያብ ዓዲገላ፡ ስለቲ ሕማቕ ጠባየይ ይቕረታ ኣብ ካርድ ጽሒፈ ድማ ሰዲደላ። ድሕሪኡ፡ ተሓቛቚፍና፡ ነቲ ጕዳይ ከነደቅሶ ድማ ተሰማሚዕና። ካብኡ ንነጀው ኣብ መንጎና ጸገም ዚብሃል ኣየጓነፈን።”

ሰላም ዘይደሊ ሰብ መሸም የሎን። ግናኸ፡ ብዙሓት ሰባት ክብሪ ዘይተዋህቦም ኰይኑ ምስ ተሰምዖም ወይ ብትዕቢት ተላዓዒሎም ሰላም ይዘርጉ እዮም። ብዙሓት ንየሆዋ ዘየምልኽዎ ሰባት ከምኡ እዮም ዚገብሩ፣ ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ግና ሰላምን ሓድነትን ኪሰፍን ይግባእ። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ “ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ፣ ብዅሉ ትሕትናን ብልእመትን ብዓቕልን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩምን፡ ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” ኢሉ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፈ። (ኤፌ. 4:1-3) እታ “ማእሰር ሰላም” ብዋጋ እትሽነን ኣይኰነትን። እምበኣር፡ ነታ ሰላም እቲኣ ነደልድላ፣ ኣብ መንጎና ዚፍጠር ዝዀነ ይኹን ፍልልያት እውን ንፍታሕ።