ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንየው ደጋዊ ትርኢት ክትርኢ ትኽእልዶ፧

ክንየው ደጋዊ ትርኢት ክትርኢ ትኽእልዶ፧

ዶን ዝስሙ ኣብ ካናዳ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር፡ ግዳም ሓደር ንዝዀኑ ሰባት ንምዝርራብ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብር እዩ። ብዛዕባ ሓደ ኻብዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ፒተር ዝስሙ ግዳም ሓደር፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ መተሓላልፎ ዝረኽቦም ዝነበርኩ ረሳሓት ሰባት እዩ ነይሩ። ስግንጢርን ግንጢን እዩ ነይሩ። ዋላ እውን ከም ሰብ ክትልውሃሉ ፈተኒካ፡ ዚቕበል ኣይነበረን።” ይኹን እምበር፡ ዶን ን14 ዓመት ሓሓሊፉ ብትዕግስቲ ለውሃት ኬርእዮ ኽኢሉ እዩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ፒተር ንዶን፡ “ስለምንታይ ኢኻ ብኣይ እትግደስ፧ ኵሉ ሰብ ረሲዑኒ እዩ ዘሎ። ስለምንታይ ኢኻ እትሓልየለይ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዶን ከኣ ንልቢ ፒተር ምእንቲ ኺትንክፍ ኢሉ፡ ብሜላ ሰለስተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቕመ። ፈለማ፡ ንፒተር፡ ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎ ይፈልጥ እንተ ዀይኑ ሓተቶ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ገንጺሉ ብቐጥታ ኻብኡ ኼንብቦ ድማ ነገሮ። ቀጺሉ፡ ስለምንታይ ከም ዚሓልየሉ ምእንቲ ኼረድኦ፡ ሮሜ 10:13, 14 ኬንብብ ሃቦ፣ እታ ጥቕሲ ኸኣ ብኸፊል፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ትብል። ኣብ መወዳእታ፡ ዶን ማቴዎስ 9:36 ኣንበበሉ እሞ፡ ንፒተር እውን ባዕሉ ኼንብባ ሓተቶ። እታ ጥቕሲ፡ “[የሱስ] ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም” ትብል። ሽዑ፡ ፒተር ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር እናበለ፡ “ኣነ ሓደ ኻብዘን ኣባጊዕ ድየ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ድሕርዚ፡ ፒተር ለውጥታት ኪገብር ጀመረ። ነብሱ ተሓጽበ፡ ጭሕሙ ቐምቀመ፡ ዶን ዝሃቦ ጽቡቕ ክዳውንቲ እውን ተኸድነ። ድሕሪኡ፡ ፒተር ጽሬቱ ኺሕሉ ጀመረ።

ፒተር ሓሳባቱ ዚጽሕፈላ መዝገበ ዕለት ነይራቶ። ኣብ መጀመርታ ኽፋል እታ መዝገብ ዘሎ ጽሑፍ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ከም እተሰምዖን ተስፋ ቘሪጹ ኸም ዝነበረን ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ ስምዒቱ ኪቕየር ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ዝጸሓፎ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ሎሚ ስም ኣምላኽ ፈሊጠ። ሕጂ ኽጽሊ ኸለኹ፡ ናብ የሆዋ ኽጽሊ እኽእል እየ። ስሙ ምፍላጠይ የሐጒሱኒ እዩ። የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ኵነታትን ወትሩ ኺሰምዓኒ ግዜ ዘለዎ ዓርከይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዶን ነጊሩኒ።”

ፒተር ኣብ መወዳእታ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ንሓዉን ንሓብቱን ኢሉ እዩ ጽሒፍዎ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦

“ሎሚ ጽቡቕ ኣይስምዓንን እዩ ዘሎ። እርጋን ኣርኪቡኒ ይመስለኒ። ሎሚ ናይ መወዳእታ መዓልተይ እንተ ዀይና ግና፡ ንዓርከይ [ንዶን] ኣብ ገነት እንደገና ኸም ዝረኽቦ እፈልጥ እየ። ነዚ ተንብብዎ እንተ ኣሊኹም፡ ብህይወት የሎኹን። ኣብ ቀብረይ ፍልይ ዝበለ ሰብ እንተ ርኢኹም ግና፡ ኣዛራርብዎ፣ ነዛ ሰማያዊት መጽሓፍ ድማ ኣንብብዋ። [እታ መጽሓፍ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እተዋህበቶ “ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ” ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ እያ።] * ንዓርከይ ኣብ ገነት እንደገና ኸም ዝረኽቦ ትገልጽ እያ። ነዚ ብምሉእ ልበይ እኣምነሉ እየ። ዚፈትወኩም ሓውኩም፡ ፒተር።”

ድሕሪ እቲ ቐብሪ፡ ኡሚ ዝስማ ሓብቲ ፒተር፡ “ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ፒተር ረኺቡኒ ነይሩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ሕጉስ ይመስል ነይሩ። ፍሽኽ እውን ኢሉኒ” ኢላ ትዕዝብታ ትገልጽ። ንዶን ድማ፡ “እዛ ንሓወይ ክትሕግዞ ዝኸኣለት ፍልይ ዝበለት ክትከውን ስለ ዘለዋ፡ ነዛ መጽሓፍ ከንብባ እየ” በለቶ። ብዘይካዚ እውን፡ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ገይራ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ከተጽንዕ ፍቓደኛ ዀይና ኣላ።

እምበኣር፡ ንሕና እውን ክንየው ደጋዊ ትርኢት ክንርኢ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽንገልጽ፡ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ከኣ ክንዕገስ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንልቢ እቶም ከም ፒተር ዝኣመሰሉ ንዓይኒ ባህ ዘየብሉ፡ ግናኸ ጥዑይ ልቢ ዘለዎም ሰባት ክንትንኪ ንኽእል ኢና። እቲ ‘ልቢ ዚርኢ’ ኣምላኽ ድማ ንሓቂ ኣብ ልቢ እቶም ቅኑዓት ሰባት ከም ዜብቍሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ሳሙ. 16:7፣ ዮሃ. 6:44

^ ሕ.ጽ. 7 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።