ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብትዕግስቲ ኽትጽበ ፍቓደኛ ዲኻ፧

ብትዕግስቲ ኽትጽበ ፍቓደኛ ዲኻ፧

“ንስኻትኩም እውን ተዓገሱ።”​—ያእ. 5:8

መዝሙር፦ 114, 79

1, 2. (ሀ) “ክሳዕ መዓስ፧” ኢልና ኸም እንሓትት ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ዝሓደግዎ ኣብነት ኬተባብዓና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

“ክሳዕ መዓስ፧” እቶም እሙናት ነብያት ዝነበሩ ኢሳይያስን ኣንባቆምን ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓቲቶም እዮም። (ኢሳ. 6:11፣ ኣን. 1:2) ንጉስ ዳዊት ከኣ፡ ንመዝሙር 13 ኺጽሕፋ ኸሎ፡ ኣርባዕተ ሳዕ፡ “ክሳዕ መዓስ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ። (መዝ. 13:1, 2) ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እውን፡ ብሰንኪ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ዘይኣምኑ ሰባት፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓቲቱ እዩ። (ማቴ. 17:17) ስለዚ፡ ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ ነዛ ሕቶ እዚኣ ምስ እንሓትት፡ ኬገርመና የብሉን።

2 “ክሳዕ መዓስ፧” ኢልና ኸም እንሓትት ኪገብረና ዚኽእል ግና እንታይ እዩ፧ ምናልባት ዘይፍትሓዊ ነገር የጋጥመና ይኸውን። ወይ ከኣ ብሰንኪ እርጋን፡ ሕማም፡ ወይ ብሰንኪ እዚ እንነብረሉ ዘለና “ጽንኩር ግዜ” ብዙሕ ነገራት ንጻወር ንህሉ ንኸውን። (2 ጢሞ. 3:1) ግጉይ ኣተሓሳስባ ሰባት እውን የሐልለና ይህሉ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነታ ንሕና እውን እንሓትታ፡ “ክሳዕ መዓስ፧” እትብል ሕቶ ኸይተሰከፉ ኸም ዝሓተቱ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም ዘይተገንሑ ምፍላጥና የተባብዓና እዩ።

3. ከቢድ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3 ከቢድ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ “ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህሉ፡ ተዓገሱ” ኢሉና ኣሎ። (ያእ. 5:7) እወ፡ ኵላትና ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ ኸነጥሪ ኣሎና። ነዛ ኣምላኽ ዚፈትዋ ባህርይ ምጥራይ ግና እንታይ የጠቓልል፧

ትዕግስቲ እንታይ እያ፧

4, 5. (ሀ) ትዕግስቲ እንታይ ተጠቓልል፧ (ለ) ያእቆብ ሓደ መዳይ ትዕግስቲ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ትዕግስቲ፡ ዓቕሊ ማለት እውን እያ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ዓቕሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እያ። ዘይፍጹማት ሰባት፡ ሓገዝ ኣምላኽ እንተ ዘይረኺቦም፡ ክንድቲ ዚድለ ዓቃላት ወይ ዕጉሳት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። ትዕግስቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽባ ውህበት እያ፣ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ ቐንዲ መገዲ እውን እያ። ብዘይካዚ፡ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ንኻልኦት ዘላትና ፍቕሪ እንገልጸሉ መገዲ እያ። ዓቕሊ ምስ ዘይንገብር ወይ ዕጉሳት ምስ ዘይንኸውን፡ እታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ትዝሕል እያ። (1 ቈረ. 13:4፣ ገላ. 5:22) ትዕግስቲ ወይ ዓቕሊ፡ ካልእ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ባህርያት እውን ተጠቓልል እያ። ንኣብነት፡ ምስታ ንኸቢድ ኵነታት ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኽንክእሎ እትሕግዘና ተጻዋርነት ትተሓሓዝ እያ። (ቈሎ. 1:11፣ ያእ. 1:3, 4) ብዘይካዚ፡ ትዕግስቲ፡ ሕነ ኽትፈዲ ኸይሓሰብካ ምጽዋርን ዝመጸ ይምጻእ ጽኑዕ ኴንካ ምምልላስን ተጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብትዕግስቲ ንምጽባይ ፍቓደኛታት ክንከውን እውን የተባብዓና እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ያእቆብ 5:7, 8 ጐሊሑ ኣሎ። (ኣንብብ።)

5 ነቲ የሆዋ ስጕምቲ ዚወስደሉ እዋን ብትዕግስቲ ንምጽባይ ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ያእቆብ ንዅነታትና ምስ ኵነታት ሓደ ሓረስታይ ኣነጻጺርዎ ኣሎ። ሓደ ሓረስታይ ዘርኡ ኺዘርእ ኣበርቲዑ ዚጽዕር እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅነታት ኣየር ወይ ንዕቤት እቲ ዘራእቲ ግና ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ። ነቲ እኽሊ፡ ቅድሚ ግዜኡ ንዓጺድ ከም ዚበጽሕ ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ። የግዳስ፡ እቲ “ኽቡር ፍረ ምድሪ” ኽሳዕ ዚፈሪ ብትዕግስቲ ይጽበ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ተስፋታት ኣምላኽ ኪፍጸም ብትዕግስቲ ኽንጽበ ኸለና፡ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ብዙሕ ነገራት የጋጥመና እዩ። (ማር. 13:32, 33፣ ግብ. 1:7) ስለዚ፡ ከምቲ ሓረስታይ ብትዕግስቲ ኽንጽበ የድልየና እዩ።

6. ነብዪ ሚክያስ ካብ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

6 ኵነታትና ብግዜ ነብዪ ሚክያስ ምስ ዝነበረ ዅነታት ይመሳሰል እዩ። ሚክያስ ብግዜ እቲ እኩይ ንጉስ ዝነበረ ኣሓዝ እዩ ዚነብር ነይሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ኵሉ ዓይነት ብልሽውና ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ሽዑ ዝነበሩ ሰባት፡ “ንኽፉእ ተግባር ክኢላታት” እዮም ነይሮም። (ሚክያስ 7:1-3 ኣንብብ።) ሚክያስ፡ ነቲ ዅነታት ኪልውጦ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ “ኣነ ግና ናብ የሆዋ ኽጥምት፡ ንኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክጽበዮ [“ብትዕግስቲ ኽጽበዮ፡” እ.ጽ.] እየ። ኣምላኸይ ኪሰምዓኒ እዩ” በለ። (ሚክ. 7:7) ንሕና እውን ከም ሚክያስ፡ ‘ብትዕግስቲ ኽንጽበ’ ኣሎና።

7. የሆዋ ተስፋታቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ምጽባይ ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ከም ሚክያስ እምነት እንተ ኣልያትና፡ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ፍቓደኛታት ክንከውን ኢና። ከምቲ ፍርዱ ኽሳዕ ዚፍጸም ዚጽበ ብሞት ኪቕጻዕ እተፈርደ እሱር ኣይኰንና። እቲ እሱር ተገዲዱ እዩ ፍርዱ ኽሳዕ ዚፍጸም ዚጽበ፣ ነቲ እዋን እቲ ድማ ብሃንቀውታ ኣይኰነን ዚጽበዮ። ኵነታትና ግና ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። የሆዋ ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና ዘተስፈዎ ተስፋ ብግዜኡ ኸም ዚፍጽሞ ስለ እንፈልጥ፡ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ፍቓደኛታት ኢና። ስለዚ፡ ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ንጻወር’ ኢና። (ቈሎ. 1:11, 12) የሆዋ ቐልጢፉ ስጕምቲ ኸም ዘይወሰደ ብምሕሳብ ነማርርን ነዕረምርምን እንተ ዄንና ግና፡ ኣምላኽ ባህ ኣይብሎን እዩ።—ቈሎ. 3:12

እሙናት ኣብነታት ትዕግስቲ

8. ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ ዝሓደግዎ ኣብነት ከነስተንትን ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

8 የሆዋ ተስፋታቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ብትዕግስቲ ንእተጸበዩ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ዘኪርናዮም፡ ንሕና እውን ብትዕግስቲ ኽንጽበ ዝያዳ ፍቓደኛታት ክንከውን ኢና። (ሮሜ 15:4) ብዛዕባ እቲ ዝሓደግዎ ኣብነት ከነስተንትን ከለና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተጸበዩን ኪጽበዩ ስለምንታይ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑን ብትዕግስቶም እንታይ ውጽኢት ከም እተረኽበን ክንዝክር ኣሎና።

ኣብርሃም እቶም ደቂ ደቁ ዝዀኑ ኤሳውን ያእቆብን ክሳዕ ዚውለዱ ንነዊሕ ዓመታት ተጸብዩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9, 10 ርአ)

9, 10. ኣብርሃምን ሳራን ንኽንደይ ዚኣክል እዋን እዮም ንየሆዋ ተጸብዮምዎ፧

9 ኣብርሃምን ሳራን ዝሓደግዎ ኣብነት እሞ ሕሰብ። ንሳቶም ገለ ኻብቶም “ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ” እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ‘ኣብርሃም ምስ ተዓገሰ፡’ ነቲ የሆዋ ኸም ዚባርኾን ዘርኡ ኸም ዜብዝሖን ዝኣተወሉ ተስፋ ኸም ዝረኸቦ ይነግረና እዩ። (እብ. 6:12, 15) ኣብርሃም ኪዕገስ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ምፍጻም እቲ ተስፋ ግዜ ዚወስድ ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ኪዓዪ ዝጀመረ፡ ብ14 ኒሳን 1943 ቅ.ክ. ንሱን ሳራን ኵሎም ስድራ ቤቶምን ፈለግ ኤፍራጥስ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ እዩ። ኣብርሃም ከኣ፡ ብ1918 ቅ.ክ. ወዱ ይስሃቅ ክሳዕ ዚውለድ ን25 ዓመት ኪጽበ ኣድልይዎ ነበረ፣ ብድሕሪኡ እውን፡ ብ1858 ቅ.ክ. እቶም ደቂ ደቁ ዝዀኑ ኤሳውን ያእቆብን ክሳዕ ዚውለዱ ን60 ዓመት ተጸብዩ እዩ።—እብ. 11:9

10 ኣብርሃም እተረስተዮ ምድሪ ኽንደይ ዚኣክል እዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብኣ ድማ [የሆዋ ንኣብርሃም] መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፣ ግናኸ፡ ውሉድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ እታ ምድሪ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ንዘርኡ ኸም ዜረስትዮ፡ ኣተስፈዎ” ይብለና። (ግብ. 7:5) ዘርኢ ኣብርሃም፡ ሓደ እተወደበ ህዝቢ ዀይኖም ነታ ምድሪ እተረስተይዋ፡ ኣብርሃም ፈለግ ኤፍራጥስ ድሕሪ ምስጋሩ 430 ዓመት ጸኒሑ እዩ።—ዘጸ. 12:40-42፣ ገላ. 3:17

11. ኣብርሃም ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኺጽበዮ ፍቓደኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምዕጋሱኸ እንታይ በረኸት እዩ ኺርኢ፧

11 ኣብርሃም ኣብ የሆዋ እምነት ስለ ዝነበረቶ እዩ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኽኢሉ። (እብራውያን 11:8-12 ኣንብብ።) እቲ እተዋህቦ ተስፋ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም ከሎ እኳ እንተ ዘይረኣየ፡ ብትዕግስቲ ኺጽበ ሕጉስ እዩ ነይሩ። ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ትንሳኤ ምስ ረኸበ ዚስምዖ ሓጐስ ግና ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ታሪኹን ታሪኽ ዘርኡን ከም እተጻሕፈ ምስ ረኣየ ብዙሕ ኪግረም እዩ። * ነቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ዚምልከት ዕላማ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ እጃም ከም ዝነበሮ ምስ ተገንዘበ ብዙሕ ከም ዚሕጐስ ርዱእ እዩ። ብትዕግስቲ ብምጽባዩ ኸም እተኻሕሰ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

12, 13. ዮሴፍ እተዓገሰ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ጽቡቕ ኣረኣእያ እዩኸ ነይርዎ፧

12 እቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝወለዶ ዮሴፍ እውን ብትዕግስቲ ኺጽበ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ዮሴፍ ብዙሕ ግፍዒ ወሪድዎ እዩ። መጀመርታ፡ ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ኸሎ፡ ኣሕዋቱ ንባርነት ሸጥዎ። ድሕሪኡ፡ ንሰበይቲ ጐይታኡ ኺዕምጽ ከም ዝፈተነ ተኸስሰ፡ ብመቝሕ ሓጺን ተኣሲሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወረደ። (ዘፍ. 39:11-20፣ መዝ. 105:17, 18) ቅኑዕ ተግባራት እዩ ዚገብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዚቕጻዕ ዘሎ እምበር፡ ዚባረኽ ዘሎ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። ድሕሪ 13 ዓመት ግና፡ ኵነታቱ ቐልጢፉ ተለወጠ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሐ፡ ኣብ ግብጺ ድማ ብዕቤት ስልጣኑ ኻልኣይ ደረጃ ዘለዎ ዀነ።—ዘፍ. 41:14, 37-43፣ ግብ. 7:9, 10

13 ዮሴፍ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ ግፍዒ ተመሪሩ ድዩ፧ ኣብ ኣምላኹ የሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነትከ ኣጥፊኡ ድዩ፧ ኣይፋልን። ንዮሴፍ ብትዕግስቲ ኺጽበ ዝሓገዞ ደኣ እንታይ እዩ፧ እታ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ እምነት እያ። የሆዋ ኣብቲ ዅነታት ጣልቃ ኸም ዝኣተወ እውን ፈሊጡ እዩ። ንኣሕዋቱ፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ቦታ ኣምላኽ እየ፧ ንስኻትኩም ክትጐድኡኒ እኳ እንተ ሓሰብኩም፡ ኣምላኽ ግና ከምዚ ሎሚ ዚገብሮ ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ንጽቡቕ እዩ ሓሲብዎ” ኢሉ ምዝራቡ ነዚ ዜረጋግጽ እዩ። (ዘፍ. 50:19, 20) እወ፡ ብትዕግስቲ ምጽባይ ከም ዚኽሕስ ተገንዚቡ እዩ።

14, 15. (ሀ) ዳዊት ዘርኣዮ ትዕግስቲ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንዳዊት ብትዕግስቲ ኺጽበ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

14 ንጉስ ዳዊት እውን ብዙሕ ግፍዒ ወሪድዎ እዩ። ዳዊት ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ተቐቢኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ነገዱ ኽሳዕ ዚነግስ ግና ንኣስታት 15 ዓመት ተጸብዩ እዩ። (2 ሳሙ. 2:3, 4) ኣብቲ እዋን እቲ ድማ፡ እቲ ዘይእሙን ንጉስ ዝነበረ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ደልዩ የሳጕጎ ነበረ። * በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ካብ ዓዱ ሃዲሙ ሓንሳእ ኣብ ዓዲ ጓና ኻልእ እዋን ከኣ ኣብ በዓቲ እናተሓብአ ይነብር ነበረ። ሳኦል ኣብ ውግእ ምስ ተቐትለ እውን፡ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ክሳዕ ዚነግስ ንሸውዓተ ዓመት ዚኸውን ተጸብዩ እዩ።—2 ሳሙ. 5:4, 5

15 ዳዊት ብትዕግስቲ ኺጽበ ፍቓደኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብታ “ኽሳዕ መዓስ፧” ዚብል ሕቶ ዝጸሓፈላ መዝሙር ምላሽ ሂቡና ኣሎ። ኣብኡ ድማ፡ “ኣነስ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ እእመን ኣለኹ፣ ልበይ ብግብርታት ድሕነትካ ኽትሕጐስ እያ። የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ሂቡኒ እዩ እሞ፡ ክዝምረሉ እየ” በለ። (መዝ. 13:5, 6) ዳዊት በቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ተኣማሚኑ ነበረ። ንድሕነቱ ብሃንቀውታ ተጸበየ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዚረኽቦ ዓስቢ ድማ ኣስተንተነ። እወ፡ ዳዊት፡ ብትዕግስቲ ምጽባይ ከም ዚኽሕስ ተገንዚቡ እዩ።

ብምዕጋስ ዝመጸ፡ የሆዋ ንሱ ባዕሉ ኺገብሮ ፍቓደኛ ዘይኰነ ነገር ክንገብር ኣይኰነን ዚደልየና

16, 17. የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብትዕግስቲ ብምጽባይ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧

16 ብምዕጋስ ዝመጸ፡ የሆዋ ንሱ ባዕሉ ኺገብሮ ፍቓደኛ ዘይኰነ ነገር ክንገብር ኣይኰነን ዚደልየና። ምኽንያቱ ንሱ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዕጉስ እዩ፣ ስለዚ፡ በዚ መዳይ እዚ እቲ ዝበለጸ ኣብነት እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣምላኽ ፍትሓዊ ኸም ዘይኰነ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዘልዓሎ ኽሲ ዘየማትእ ምላሽ ክሳዕ ዚረክብ፡ የሆዋ ንኣሽሓት ዓመታት ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ። እወ፡ ስሙ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚቕደስ “ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ።” እዚ ድማ ነቶም “ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ” ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።—ኢሳ. 30:18፣ እ.ጽ.።

17 የሱስ እውን ብትዕግስቲ ተጸብዩ እዩ። ኣብ ምድሪ ነቲ ንንጽህና ዚምልከት ፈተና ሓሊፉ፡ ብ33 ድ.ክ. ዋጋ እቲ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ብ1914 ግዝኣቱ ኽሳዕ ዚጅምር ተጸብዩ እዩ። (ግብ. 2:33-35፣ እብ. 10:12, 13) ኵሎም ጸላእቱ ኸኣ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ምሉእ ብምሉእ ኣይኪጠፍኡን እዮም። (1 ቈረ. 15:25) እዚ ነዊሕ እዋን ዚወስድ እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ብትዕግስቲ ምጽባዩ ግና ዚኽሕስ እዩ።

እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18, 19. ብትዕግስቲ ንምጽባይ ፍቓደኛታት ክንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ስለዚ፡ ኵላትና ብትዕግስቲ ንምጽባይ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ግናኸ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ መንፈስ ኣምላኽ ኪውሃበና ንጸሊ። ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይንረስዕ። (ኤፌ. 3:16፣ 6:18፣ 1 ተሰ. 5:17-19) ስለዚ፡ ብትዕግስቲ ኽትጻወር ምእንቲ ኺሕግዘካ ንየሆዋ ለምኖ።

19 ኣብርሃምን ዮሴፍን ዳዊትን ንፍጻመ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብትዕግስቲ ኺጽበዩ እንታይ ከም ዝሓገዞም እውን ዘክር። እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነትን ትውክልትን እዩ ሓጊዝዎም። ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ብሕታዊ ረብሓኦምን ኣየተኰሩን። ኵሎም ብኸመይ ከም እተኻሕሱ ምስ እነስተንትን፡ ንሕና እውን ብትዕግስቲ ኽንጽበ ዚሕግዘና መተባብዒ ኽንረክብ ኢና።

20. ብብሕትና እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

20 ስለዚ፡ እተፈላለየ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ‘ብትዕግስቲ ንምጽባይ’ ቈሪጽና ኢና። እወ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” ንብል ንኸውን። (ኢሳ. 6:11) ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ግና፡ ከምቲ ኤርምያስ ዝበሎ፡ “የሆዋ ግደይ እዩ፣ ስለዚ እየ ንዕኡ ዝጽበዮ” ኽንብል ቈሪጽና ኢና።—ድጕ. 3:21, 24

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዚርከብ ኣስታት 15 ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኣብርሃም ዚገልጽ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። ጸሓፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እውን ልዕሊ 70 ግዜ ንኣብርሃም ጠቒሶምዎ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 14 የሆዋ ንሳኦል ኣብ ካልኣይ ዓመት ንግስናኡ እኳ እንተ ነጸጎ፡ ክሳዕ ዚመውት ን38 ዓመት ኪገዝእ ግና ፈቒዱሉ ነይሩ እዩ።—1 ሳሙ. 13:1፣ ግብ. 13:21