ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”

“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”

“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም . . . ኪሕልዎ እዩ።”—ፊል. 4:7

መዝሙር፦ 112, 58

1, 2. ንጳውሎስን ንሲላስን ኣብ ፊልጲ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

እዋኑ ኸባቢ ፍርቂ ለይቲ እዩ ነይሩ። ጳውሎስን ሲላስን ዚብሃሉ ኽልተ ሚስዮናውያን ኣብ ከተማ ፊልጲ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ተኣሲሮም ነበሩ። ኣእጋሮም ኣብ ጕንዲ ብጽኑዕ ተኣሲሩ ነበረ፣ ብሰንኪ ማህረምቲ ድማ ኣብ ሕቘኦም ቃንዛ ይስምዖም ነበረ። (ግብ. 16:23, 24) እዚ ዅነታት እዚ፡ ሃንደበት እዩ ኣጋጢምዎም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ብሃወኽ ዝቘመ መጋባእያ ብግዲ ቐሪቦም፡ ክዳውንቶም ተገፊፉ ኸኣ ብሽመል ተዘቢጦም ነይሮም እዮም። (ግብ. 16:16-22) እዚ ዅሉ ዜስካሕክሕ ግፍዒ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ሮማዊ ዜግነት ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ግቡእ መጋባእያ ኪቐርብ እዩ ዚግብኦ ነይሩ። *

2 ጳውሎስ ኣብ ጸልማት ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠሞም ኵነታት ኣስተንተነ። ብዛዕባ ሰብ ፊልጲ እውን ሓሰበ። ኣብተን ጳውሎስ ዝበጽሐን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት ምኵራብ ኣይሁድ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ግና ኣይነበረን። እኳ ደኣስ፡ ኣይሁዳውያን ካብ ከተማ ወጺኦም ኣብ ጥቓ ፈለግ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። (ግብ. 16:13, 14) ከምኡ ዚገብሩ ዝነበሩ፡ ኣብታ ኸተማ ምኵራብ ንምቛም ዜድልዩ እንተ ወሓደ ዓሰርተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት እኳ ስለ ዘይነበሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰብ ፊልጲ ግና እቲ ዝነበሮም ሮማዊ ዜግነት ከፊላዊ ወይ ካልኣይ ደረጃ ዚውሃቦ እኳ እንተ ነበረ፡ ዜጋታት ሮሜ ብምዃኖም ኣዝዮም ይዀርዑ ነበሩ። (ግብ. 16:21) እቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ጳውሎስን ሲላስን ሮማዊ ዜግነት ኪህልዎ ኸም ዘይክእል ዝሓሰቡ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስን ሲላስን ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ነበሩ።

3. ጳውሎስ ምስ ተኣስረ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል፧ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩኸ ነይርዎ፧

3 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ዅነታት እውን ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኤጀያ፡ ማለት ኣብ ንእሽቶ እስያ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከይሰብኽ መንፈስ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኸልከሎ። መንፈስ ቅዱስ ናብ ካልእ ቦታ ኪኸይድ እዩ ዜለዓዕሎ ነይሩ። (ግብ. 16:6, 7) ናበይ እዩ ግና ኪኸይድ ነይርዎ፧ ኣብ ጥሮኣስ ከሎ፡ ምላሽ እዛ ሕቶ እዚኣ ብራእይ ኣቢሉ ረኸበ። “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ” ድማ ተባህለ። ጳውሎስ ድማ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ በዚ ኸምዚ ብንጹር ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ዕድመ ብኡብኡ ተቐበሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:8-10 ኣንብብ።) ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ኣብ መቄዶንያ ምስ በጽሐ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ተኣስረ። የሆዋ፡ ጳውሎስ ኪእሰር ዝፈቐደ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ክሳዕ መዓስከ እዩ ኺእሰር፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ግና እምነቱን ሓጐሱን ኣየጥፍአን። እኳ ደኣስ፡ ንሱን ሲላስን “ይጽልዩን ብመዝሙር ንኣምላኽ ይውድሱን ነበሩ።” (ግብ. 16:25) እወ፡ ሰላም ኣምላኽ ንልቦምን ንኣእምሮኦምን ኣህዲእዎ ነበረ።

4, 5. (ሀ) ኵነታትና ምስ ናይ ጳውሎስ ኪመሳሰል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ዘጋጠሞ ዅነታት ሃንደበት እተለዋወጠ ብኸመይ እዩ፧

4 ንስኻ እውን፡ ኣብ ህይወትካ ኸም ጳውሎስ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ትመላለስ ከም ዘለኻ ዀይኑ እተሰምዓካ እዋናት ይህሉ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዜጋጥመካ ዅነታት ከምቲ እተጸበኻዮ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ብድሆታት የጋጥመካ፡ ወይ ከኣ ኣብ ህይወትካ ኸቢድ ለውጥታት ክትገብር ዚሓትት ኵነታት የጓንፈካ ይኸውን። (መክ. 9:11) የሆዋ ኸምዚ ዓይነት በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመካ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ድማ ትሓስብ ትኸውን። እሞኸ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣማሚንካ ኽትጻወር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ናብቲ ብዛዕባ ጳውሎስን ሲላስን ዚገልጽ ጸብጻብ እስከ ንመለስ።

5 ጳውሎስን ሲላስን ብመዝሙር ንኣምላኽ ኪውድስዎ ኸለዉ፡ ዘይተጸበይዎ ዅነታት ብተኸታታሊ ኣጋጠሞም። ብሃንደበት ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፍተ። መቓውሕ ኵሎም እሱራት ድማ ተፈትሐ። ድሕሪኡ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓላው እሱራት ርእሱ ኻብ ምቕታል ኣድሓኖ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ሓላው እሱራትን ብምሉኦም ቤተ ሰቡን ተጠምቁ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ እቶም ኣመሓደርቲ ገላዉኦም ልኢኾም ጳውሎስን ሲላስን ኪፍትሑ ኣዘዙ። ንጳውሎስን ንሲላስን ድማ ብሰላም ካብ ከተማኦም ኪወጹ ለመንዎም። ንዜጋታት ሮሜ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ብምእሳሮም ከቢድ ጌጋ ኸም ዝፈጸሙ ምስ ፈለጡ ኸኣ፡ እቶም ኣመሓደርቲ ባዕላቶም ንጳውሎስን ንሲላስን ኣሰንዮም ኬውጽእዎም መጹ። ጳውሎስን ሲላስን ግና፡ ነታ ኻብ እትጥመቕ ነዊሕ ዘይገበረት ልድያ ኺሰናበትዋ ናብ ቤታ ኸዱ። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ድማ ነቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎም። (ግብ. 16:26-40) እወ፡ ኵሉ እቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ሃንደበት እዩ ተለዋዊጡ።

“ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ”

6. ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

6 ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ የሆዋ ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብር ስለ ዚኽእል፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንጭነቕ የብልናን። እዚ ትምህርቲ እዚ ንጳውሎስ ዓብዪ ጦብላሕታ ኸም ዘሕደረሉ ድማ፡ ካብቲ ኣብ ፊልጲ ንዝነበሩ ኣሕዋት ብዛዕባ ጭንቀትን ብዛዕባ ሰላም ኣምላኽን ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ እስከ ንመያየጥ። (ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ዘይተጸበናዮ ነገራት ኪገብር ከም ዚኽእል ዜረጋግጽ ተወሳኺ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ክንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣሚንና ኽንጻወር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

7. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ እንታይ እዩ ኣጕሊሑ፧ ካብቲ ዝጸሓፎ ቓላትከ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንቐስም፧

7 እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ነታ ጳውሎስ ዝለኣኻ መልእኽቲ ምስ ኣንበቡ፡ ንጳውሎስ እንታይ ኣጋጢምዎ ኸም ዝነበረ፡ የሆዋ ኸኣ ብዘይተጸበይዎ መገዲ ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ዘኪሮም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርዱእ እዩ። ጳውሎስ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈሎም ነይሩ፧ ብሓጺሩ፡ ከይጭነቑ እዩ ዚነግሮም ነይሩ። እንተ ጸልዮም፡ ሰላም ኣምላኽ ከም ዚረኽቡ ድማ ገሊጹሎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም” ከም ዝበለ ኣስተብህል። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ገሊኦም ተርጐምቲ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ “ካብ ኵሉ ሕልምታትና ዚበልጽ” ወይ “ካብ ኵሉ ውጥናት ሰብ ዚበልጽ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። እወ፡ ጳውሎስ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ካብ እንሓስቦ ንላዕሊ ዜደንቕ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ስለዚ፡ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ጸገማትና መዋጽኦ ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዓና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብር ይኽእል እዩ።2 ጴጥሮስ 2:9 ኣንብብ።

8, 9. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ዘይፍትሓዊ ነገር እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ሳላ እቲ ዅነታት እንታይ ጽቡቕ ፍረ እዩ ተረኺቡ፧ (ለ) ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ንቓላት ጳውሎስ ብቝም ነገር ዝረኣይዎ ስለምንታይ እዮም፧

8 እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ የሆዋ ድሕሪ እቲ ዅነታት ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመት እንታይ ከም ዝገበረሎም ብምሕሳብ፡ በታ ጳውሎስ ዝለኣኻ መልእኽቲ ተተባቢዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ሓቂ እዩ ነይሩ። የሆዋ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥሞም እኳ እንተ ፈቐደ፡ እቲ ዅነታት ግና ‘ነቲ ብስራት ኪማጐቱሉን ብሕጊ ኺስርትዎን’ ኣጋጣሚ ኸፊቱ ነይሩ እዩ። (ፊል. 1:7) ድሕሪ እቲ ዅነታት፡ እቶም ኣመሓደርቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ከተማኦም እተመስረተት ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ መስጐጕቲ ኼውርዱ ኸም ዘይደፍሩ ርዱእ እዩ። ጳውሎስን ሲላስን ካብ ፊልጲ ምስ ከዱ ሉቃስ እቲ ሓኪም ኣብታ ኸተማ ኺተርፍ ዝኸኣለ ኸኣ፡ ሳላ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሉቃስ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሓደስቲ ክርስትያናት ኪሕግዞም ክኢሉ እዩ።

9 እወ፡ እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ንመልእኽቲ ጳውሎስ ኬንብብዋ ኸለዉ፡ ጳውሎስ ውልቃዊ ርእይቶኡ ኸም ዘይጸሓፈሎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ከቢድ ጸገማት ኣጋጢምዎ እኳ እንተ ነበረ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ከም ዘለዎ ግና ኣርእዩ እዩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋት መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኸሎ እዩ። ግናኸ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተ ዀነ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ከም ዝነበሮ ኣርእዩ እዩ።—ፊል. 1:12-14፣ 4:7, 11, 22

“ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ”

10, 11. ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኣዚና ምስ እንጭነቕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ እንታይ ዓይነት ትጽቢትከ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

10 ብዛዕባ ገለ እኳ ኸይንጭነቕን “ሰላም ኣምላኽ” ክንረክብን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዘሎ ቓላት፡ ጸሎት ፈውሲ ጭንቀት ምዃኑ ይሕብር እዩ። ስለዚ፡ ክንጭነቕ ከለና፡ ብጸሎት ኣቢልና ጭንቀትና ኽንገልጽ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።) የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን፡ ናብኡ ንጸሊ። እቲ ናብኡ እነቕርቦ ጸሎት፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ብምዝካር፡ “ምስ ምስጋና” ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ “ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል” ምዃኑ ምስ እንዝክር፡ ኣብኡ ዘሎና ምትእምማን ኪድልድል እዩ።—ኤፌ. 3:20

11 ከምቲ የሆዋ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣብ ፊልጲ ዝሓገዞም፡ ንዓና እውን ብውልቂ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መስተንክር ዝዀነ ነገር እኳ እንተ ዘይገበረልና፡ ዜድልየና ዘበለ ሓገዝ ኪህበና ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 10:13) ግናኸ፡ የሆዋ ንጸገማትና ኽሳዕ ዜዐርዮ ወይ ፍታሕ ክሳዕ ዚገብረሉ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኾፍ ንብል ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ምስ ጸሎትና ዚሰማማዕ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ሮሜ 12:11) ከምኡ ምስ እንገብር፡ ጸሎትና ኻብ ልብና ኸም ዝዀነ ኢና እነርኢ፡ የሆዋ ኺባርኸና ድማ መገዲ ንኸፍተሉ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዚገብረልና ነገራት ኣብ ልማኖናን ውጥናትናን ትጽቢትናን ጥራይ ከም ዘይምርኰስ ክንርስዕ የብልናን። ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብረልና ይኽእል እዩ። የሆዋ ምእንታና ኢሉ ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብር ከም ዚኽእል ዘሎና ምትእምማን ዜደልድል ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

የሆዋ ዘይተጸበናዮ ነገር ከም ዚገብር ዜርኢ ኣብነታት

12. (ሀ) ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ምስ ኣፈራርሆ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ካብቲ የሆዋ ነቲ ጸገም ዚፈትሓሉ መገዲ እንታይ ኢና እንምሃር፧

12 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብር ከም ዚኽእል ዜርኢ ብዙሕ ኣብነታት ንረክብ ኢና። ህዝቅያስ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ንይሁዳ ወሪርዋ ነበረ፡ ብዘይካ ንየሩሳሌም ከኣ ንዅለን እተዓርዳ ኸተማታት ተቘጻጺሩ ነበረ። (2 ነገ. 18:1-3, 13) ድሕሪኡ፡ ሰናክሪብ ገጹ ናብ የሩሳሌም መለሰ። ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ኸቢድ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ ደኣ እንታይ ገበረ፧ ናብ የሆዋ ጸለየ፡ ካብቲ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ኢሳይያስ ድማ ምኽሪ ሓተተ። (2 ነገ. 19:5, 15-20) ብዘይካዚ፡ ነቲ ሰናክሪብ ዝሰልዓሉ መቕጻዕቲ ብምኽፋል ምስትውዓል ኣርኣየ። (2 ነገ. 18:14, 15) እታ ኸተማ ነቲ ዜጋጥማ ነዊሕ ከበባ ኽትጻወሮ ዜኽእላ ምድላዋት እውን ገበረ። (2 ዜና 32:2-4) እቲ ጸገም ፍታሕ ዝረኸበ ግና ብኸመይ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ሓደ መልኣኽ ልኢኹ፡ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ወተሃደራት ሰናክሪብ ቀተለ። እዚ፡ ህዝቅያስ እውን ዘይተጸበዮ ዓወት እዩ ነይሩ።—2 ነገ. 19:35

ካብቲ ንዮሴፍ ዘጋጠሞ ነገራት እንታይ ኢና እንምሃር፧ —ዘፍ. 41:42 (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. (ሀ) ካብቲ ንዮሴፍ ዘጋጠሞ ዅነታት እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም እንታይ ዘይተጸበየቶ ነገር እያ ረኺባ፧

13 ብዛዕባ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ እውን እሞ ሕሰብ። ኣብ ጕድጓድ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ኸሎ፡ ኣብታ ሃገር ካልኣይ ደረጃ ዘለዎ ስልጣን ከም ዚረክብ ወይ ከኣ ንስድራ ቤቱ ኻብ ጥሜት ኬድሕን የሆዋ ኸም ዚጥቀመሉ ይፈልጥዶ ነይሩ፧ (ዘፍ. 40:15፡ እ.ጽ.፣ 41:39-4350:20) የሆዋ ኻብቲ ዮሴፍ እተጸበዮ ንላዕሊ ኸም ዝገበረ ርዱእ እዩ። ብዛዕባ እታ ንዮሴፍ ኣደ ኣቦሓጎኡ ዝዀነት ሳራ እውን እሞ ሕሰብ። እታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ሳራ፡ ነቲ ኻብ ገረዳ እተወልደ ወዲ ኸም ውሉዳ ገይራ ኽትቀበሎ እምበር፡ ንሳ ባዕላ ወዲ ኽትወልድ የሆዋ ኸም ዚሕግዛ ኣይሓሰበትን ነይራ። እወ፡ ይስሃቅ ምስ ተወልደ፡ ሳራ ኻብ እተጸበየቶ ንላዕሊ ኸም ዝረኸበት ርዱእ እዩ።—ዘፍ. 21:1-3, 6, 7

14. ኣብ የሆዋ እንታይ ዓይነት እምንቶ ኢና ኸነሕድር ዘሎና፧

14 እታ የሆዋ ዘተስፈወና ሓዳስ ዓለም ቅድሚ ምምጽኣ፡ የሆዋ ንዅሉ ጸገማትና ብተኣምራዊ መገዲ ኼወግዶ ኣይንጽበን ኢና፣ ኣብ ህይወትና መስተንክር ዝዀነ ነገራት ኪገብረልና እውን ኣይንሓትቶን ኢና። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንኣገልገልቱ ብዜደንቕ መገድታት ዝሓገዘ ኣምላኽ፡ ኣምላኽና የሆዋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ኢሳይያስ 43:10-13 ኣንብብ።) እዚ ምፍላጥና ድማ እምንቶና ኣብ የሆዋ ኽንገብር ይሕግዘና እዩ። ኣምላኽ፡ ፍቓዱ ኽንገብር ዜድሊ ዘበለ ሓይሊ ኸም ዚህበና ንፈልጥ ኢና። (2 ቈረ. 4:7-9) ካብዚ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ኣብ ህዝቅያስን ዮሴፍን ሳራን ከም እተራእየ፡ ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ዘይስነፍ ዚመስል ከቢድ ጸገማት ከነሰንፍ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ዘይስነፍ ዚመስል ከቢድ ጸገማት ከነሰንፍ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ

15. ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ኪህልወና ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ እዚ ኺህልወና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

15 ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ኪህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ምስ የሆዋ ኣምላኽና ጽቡቕ ርክብ ብምምስራት እዩ። ከምዚ ዓይነት ርክብ ክንምስርት እንኽእል፡ በቲ ህይወቱ በጃ ዝሃበ “ክርስቶስ የሱስ” ኣቢልና ጥራይ ኢና። መሰናድዎ በጃ ድማ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ምእንታና ዝገበሮ ዜደንቕ ተግባራት እዩ። የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ ንሓጢኣትና ስለ ዝሸፈኖ፡ ንጹህ ሕልና ኺህልወና ኽኢሉ፡ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ድማ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና እዩ።—ዮሃ. 14:6፣ ያእ. 4:8፣ 1 ጴጥ. 3:21

ንልብናን ንኣእምሮናን ኪሕልዎ እዩ

16. “ሰላም ኣምላኽ” ምስ ዚህልወና እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧ ግለጽ።

16 “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ምስ ዚህልወና፡ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧ እታ ጥቕሲ፡ “ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ትብል። (ፊል. 4:7) እታ “ኺሕልዎ” ተባሂላ እትትርጐም ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ዘላ ቓል ድማ፡ ኣብ ዓውዲ ውትህድርና እትዝውተር ቃል እያ። ብግዜ ጥንቲ ንሓንቲ እተዓርደት ከተማ ኺሕልዉ ንዚምደቡ ጕጅለ ወተሃደራት ድማ ተመልክት። ፊልጲ እውን እተዓርደት ከተማ እያ ነይራ። ሰብ ፊልጲ ኣፍ ደገ ኸተማኦም ብወተሃደራት ከም ዚሕሎ ስለ ዚፈልጡ፡ ለይቲ ቐሲኖም ይድቅሱ ነበሩ። ብተመሳሳሊ፡ “ሰላም ኣምላኽ” እንተ ኣልዩና፡ ልብናን ኣእምሮናን ይቐስን እዩ። የሆዋ ኸም ዚሓልየልናን ኪሰልጠና ኸም ዚደልን ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥ. 5:10) እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ፡ ብጭንቀት ወይ ብተስፋ ምቝራጽ ከይንወሓጥ ይሕልወና እዩ።

17. ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽንእመን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

17 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣብ ምድሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። (ማቴ. 24:21, 22) እዚ ብብሕትና ብኸመይ ከም ዚትንክፈና ብዝርዝር ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እዚ ብጭንቀት ክንወሓጥ የብልናን። ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ነገራት ብዝርዝር ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣምላኽና ግና ንፈልጦ ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ ነገራት ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ወትሩ ዕላማኡ ይፍጽም እዩ። ብዘይተጸበናዮ መገዲ እውን ዕላማኡ ኺፍጽም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ምእንታና ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ነቲ “ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” እነስተማቕረሉ ሓድሽ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልና ርግጸኛታት ንኹን።

^ ሕ.ጽ. 1 ሲላስ እውን ሮማዊ ዜግነት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 16:37