ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና እንድርብዮ ብኸመይ ኢና፧

ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና እንድርብዮ ብኸመይ ኢና፧

‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጥጥዎ።’—ቈሎ. 3:9

መዝሙር፦ 121, 142

1, 2. ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ኣስተብሂሎም፧

ሰባት፡ ህዝቢ የሆዋ ፍሉይ ባህርያት ከም ዘለዎም ይዛረቡ እዮም። ንኣብነት፡ ኣንቶን ጊል ዝስሙ ደራሲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናዚ ጀርመን ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ “ናዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓያል ጽልኢ እዩ ነይርዎም። . . . ብ1939 ኣስታት 6,000 ዚዀኑ ኣብ [መዳጐኒ ደምበታት] ነበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜስካሕክሕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም፡ ከምቲ እቲ ደራሲ ዝበሎ፡ “ትውክልቲ ዚግበሮምን ዓቃላትን” እዮም ነይሮም፣ “ንጽህናኦምን ሓድነቶምን” እውን ሓልዮም እዮም።

2 ኣብዚ ቐረባ እዋናት፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን እውን ህዝቢ ኣምላኽ ባህ ዜብል ባህርያት ከም ዘለዎም ኣስተብሂሎም እዮም። ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ እተፈላለየ ሕብሪ ቘርበት ዘለዎም ኣሕዋት ንሓድሕዶም ብዘይ ስክፍታ ኺቀራረቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ሰንበት 18 ታሕሳስ 2011፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ ጐረባብቲ ሃገራትን እተኣከቡ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ልዕሊ 78,000 ኣሕዋትና፡ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዚርከብ ሓደ ዓብዪ ስታድዩም መንፈሳዊ ኣኼባ ገበሩ። ኣካያዲ ስራሕ እቲ ስታድዩም ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣኼበኛታት ከምዚ በለ፦ “ኣብዚ ስታድዩም እዚ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ስርዓት ዘለዎም ሰባት ርእየ ኣይፈልጥን። ኵላቶም ጽቡቕ ኣከዳድና እዩ ነይርዎም። ነቲ ስታድዩም ድማ ጽቡቕ ጌርኩም ኢኹም ኣጽሪኹምዎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ እተፈላለየ ዓሌት ዝመጻእኩም ኢኹም።”

3. ሕውነትና ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ዝሃብዎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት፡ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ብሓቂ ፍሉይ ከም ዝዀነ እዩ ዜርኢ። (1 ጴጥ. 5:9፡ እ.ጽ.) ካብ ካልኦት ውድባት እንፍለ ስለምንታይ ኢና፧ ብሓገዝ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ኣምላኽን ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ኽንቅንጥጥ’ ኣበርቲዕና ንጽዕር ኢና። ንዕኡ ቐንጢጥና ድማ ‘ሓድሽ ስብእና ንለብስ’ ኢና።—ቈሎ. 3:9, 10

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

4 ነቲ ኣረጊት ስብእና ሓንሳእ ምቕንጣጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ኣረጊት ስብእና መሊስና ኸይንኽደኖ ኽንጥንቀቕ እውን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኣረጊት ስብእና ብኸመይ ቀንጢጥና ኽንድርብዮ ኸም እንኽእል፡ ነዚ ብህጹጽ ክንገብሮ ዘሎና ስለምንታይ ከም ዝዀነ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሕማቕ ልማዳት እተዋሕጡ እውን ከይተረፉ ስለምንታይ ኪቕየሩ ኸም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኣሕዋት ነቲ ቐንጢጦም ዝደርበይዎ ኣረጊት ስብእና መሊሶም ምእንቲ ኸይክደንዎ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኽንምርምር ኢና። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ዜድልየና ግና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ገሊኦም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣሕዋት ናብ ናይ ቀደም መገድታቶም ተመሊሶም እዮም። ስለዚ፡ ኵላትና ነቲ፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ዚብል መጠንቀቕታ ኸነድህበሉ ኣሎና።—1 ቈረ. 10:12

ዘይግቡእ ጾታዊ ትምኒት ኣወግድ

5. (ሀ) ነቲ ኣረጊት ስብእና ብህጹጽ ክንድርብዮ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኣብርህ። (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብመሰረት ቈሎሴ 3:5-9፡ ኣረጊት ስብእና ዚብሃል እንታይ ዓይነት ተግባራት እዩ፧

5 ክዳንካ እንተ ረሲሑን ኪጨኑ እንተ ጀሚሩን እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ቀልጢፍካ ኢኻ እተውጽኦ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንዚጸልኦ ልማዳት ብህጹጽ ቐንጢጥና ኽንድርብዮ ንእተዋህበና ማዕዳ ኸነቕልበሉ ኣሎና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣርሕቑ” ኢሉ መኺርዎም ኣሎ። ንሕና እውን ነዚ መምርሒ እዚ ኽንስዕብ ኣሎና። እምበኣር፡ ብዛዕባ ኽልተ ኻብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ሓጥእ ተግባራት፡ ማለት ብዛዕባ ምንዝርናን ርኽሰትን እስከ ንመርምር።ቈሎሴ 3:5-9 ኣንብብ።

6, 7. (ሀ) ቃላት ጳውሎስ፡ ኣረጊት ስብእና ንምውጋድ ሓያል ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሳኩራ እንታይ ዓይነት ህይወት እዩ ነይሩዋ፧ ነዚ ህይወት እዚ ኽትሓድጎ ዝሓገዛኸ እንታይ እዩ፧

6 ምዝንርና። እታ “ምንዝርና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቛንቋ፡ ብሕጋዊ መገዲ ንሓድሕዶም ዘይተመርዓዉ ሰባት ንዚገብርዎ ጾታዊ ርክብን ግብረ ሶዶምን እውን ተጠቓልል እያ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ን“ምንዝርና” ብዚምልከት፡ ‘ኣካላቶም ኪቐትሉ’ ነጊርዎም እዩ። “ቅተሉ” ዚብል ከቢድ መግለጺ ምጥቃሙ ድማ፡ ግጉይ ትምኒታት ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ሓያል ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ከምኡ ምግባር ኪኸብደና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ክንዕወት ግና ንኽእል ኢና።

7 ሳኩራ * እትብሃል ጃፓናዊት እንታይ ከም ዘጋጠማ እሞ ርአ። ብንእስነታ ጽምዋን ባዶነትን ይስምዓ ነበረ። ጓል 15 ዓመት ካብ እትኸውን ኣትሒዛ ድማ፡ ካብ ጽምዋኣ ምእንቲ ኽትገላገል ምስ እተፈላለዩ ሰባት ጾታዊ ርክብ ትገብር ነበረት። ንሳ ብዛዕባ እቲ ዝገበረቶ ነገራት ጣዕሳ እናተሰምዓ፡ “ሰለስተ ሳዕ ጥንሲ ሰዲደ እየ” በለት። ኣብ ፈለማ፡ ምንዝርና ኽትፍጽም ከላ ተደላይትን ተፈታዊትን ከም ዝዀነት ኰይኑ ይስምዓ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና፡ ነዚ ርኹስ ተግባራት እዚ ብዝፈጸመት መጠን፡ ዝያዳ ባዶነት ኪስምዓ ጀመረ። ጓል 23 ዓመት ክሳዕ እትኸውን ድማ ከምዚ ዓይነት ናብራ ትነብር ነበረት። ድሕሪኡ ግና፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ሳኩራ ነቲ እተማህረቶ ፈተወቶ፣ ብሓገዝ የሆዋ ድማ ነቲ ዚስምዓ ዝነበረ ኸቢድ ጸጸትን ሕስረትን ከተሰንፎ፡ ካብ ምንዝርና ኸኣ ክትርሕቕ ክኢላ እያ። ሕጂ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ፡ ጽምዋ ድማ ኣይስምዓን እዩ። እኳ ደኣስ፡ መዓልቲ መዓልቲ ፍቕሪ የሆዋ ስለ እትረክብ ብሓቂ ሕጕስቲ እያ።

ርኹስ ተግባራት ኣሰንፍ

8. ገለ ኻብቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርኹሳት ኪገብረና ዚኽእል ተግባራት እንታይ እዩ፧

8 ርኽሰት። እታ “ርኽሰት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቛንቋ፡ ጾታዊ ርኽሰት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ነገራት እውን እተጠቓልል ሰፋሕ ቃል እያ። ከም ምትካኽ ሽጋራ ወይ ጽዩፍ ቀልድታት ንዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባራት እውን ተመልክት እያ። (2 ቈረ. 7:1፣ ኤፌ. 5:3, 4) ሓደ ሰብ ንበይኑ ዀይኑ ንዚገብሮ ርኹስ ተግባራት እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ገለ ኻብዚ ድማ፡ ግብረ ሕቡእ ናብ ምፍጻም ኪመርሕ ዚኽእል ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል መጻሕፍቲ ምንባብ ወይ ከኣ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ቈሎ. 3:5 *

9. “ፉሉል ፍትወተ ስጋ” ምምዕባል እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

9 እቶም ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ልማድ ዝገበርዎ ሰባት፡ “ፉሉል ፍትወተ ስጋ” ስለ ዜማዕብሉ፡ ውሉፋት ጾታዊ ርክብ እዮም ዚዀኑ። ብዛዕባ እዚ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ስእለ ጽዩፍ ኪርእዩ ሓያል ድፍኢት ዚስምዖም ሰባት፡ ውሉፋት ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ዝዀኑ ሰባት ዜርእይዎ ምልክታት ወልፊ ኸም ዘለዎም ተኣሚኖም እዮም። ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ፡ ጕድኣት ዘለዎ ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እወ፡ ብሰንኪ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ውርደት ኪስምዓካ፡ ውጽኢት ስራሕካ ኺንኪ፡ ሓጐስ ስድራ ቤትካ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ፣ ናብ ፍትሕን ናብ ርእሰ ቕትለትን እውን ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ካብ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ናጻ ምስ ኰነ፡ ንርእሱ ኬኽብር ከም ዝኸኣለ ገሊጹ እዩ።

10. ሪቤሮ ኻብ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ እተገላገለ ብኸመይ እዩ፧

10 ንብዙሓት ሰባት፡ ስእለ ጽዩፍ ምሕዳግ ከቢድ ቃልሲ ዀይንዎም እዩ። ኣብዚ ቓልሲ እዚ ግና ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። ሪቤሮ ዚብሃል ብራዚላዊ ኸም ኣብነት ርአ። ሪቤሮ ገና ዀተቴ ኸሎ እዩ ኻብ ቤቱ ወጺኡ፣ ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ዘገልገለ ወረቓቕቲ መሊሱ ኣብ ዚሰርሕ ፋብሪካ ወረቐት ኪዓዪ ኸሎ፡ ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ስእልታት ኪረክብ ጀመረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “በብቝሩብ ውሉፍ ኰንኩ። ኣዝየ ውሉፍ ስለ ዝነበርኩ ድማ፡ ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ቪድዮታት ምእንቲ ኽርኢ እታ መናብርተይ ዝነበረት ሰበይቲ ኽሳዕ እትወጸለይ ተሃንጥየ እየ ዝጽበ ነይረ።” ሓደ እዋን ግና፡ ሪቤሮ ኣብ መንጎ እቲ ኺጥሓን ዝመጸ ዘገልገለ ወረቓቕቲ፡ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ረኣየ። ኣልዒሉ ድማ ኣንበባ። እቲ ዘንበቦ ነገር ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ኣለዓዓሎ፣ ነቲ ሕማቕ ልማዱ ኺሓድጎ ግና ብዙሕ እዋን ወሰደሉ። እንታይ ደኣ ሓገዞ፧ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ እቲ እተምሃርክዎ ምስትንታንን ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዘሎኒ ግንዛበ ኸስፍሕ ሓጊዙኒ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕሪ ኻብቲ ንስእለ ጽዩፍ ዘሎኒ ድሌት በሊጹ እዩ።” ሪቤሮ ሳላ ሓገዝ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ነቲ ኣረጊት ስብእናኡ ቐንጢጡ ብምድርባይ ተጠሚቑ እዩ፣ ሕጂ ድማ ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

11. ሓደ ሰብ ካብ ስእለ ጽዩፍ ኪገላገል እንተ ደልዩ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

11 ሪቤሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዑ ጥራይ ካብ ወልፉ ኺገላገል ከም ዘይሓገዞ ኣስተብህል። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልቡ ምእንቲ ኺትንክፎ ግዜ ኺምድብ ኣድልይዎ እዩ። ሳላ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከኣ፡ እታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ነቲ ንስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ድሌት ኬሰንፍ ሓጊዛቶ እያ። እወ፡ ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ምስ እትህልወናን ክፉእ ዘበለ ምስ እንጸልእን፡ ካብ ስእለ ጽዩፍ ክንገላገል ኢና።መዝሙር 97:10 ኣንብብ።

ቍጥዓ፡ ጸርፊ፡ ሓሶት ኣርሕቕ

12. ንስቴፈን ቍጥዓን ጸርፍን ኬርሕቕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

12 ቍጡዓት ሰባት ብዙሕ ሳዕ ሕርቕርቖቶም ብጸርፊ እዮም ዜውጽእዎ። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ሕጉስቲ ስድራ ቤት ክትህልወካ ኸም ዘይሕግዝ ርዱእ እዩ። ስቴፈን ዝስሙ ኣውስትራልያዊ ኣቦ፡ “ብዙሕ እጻረፍን ብጢጥ ቅሚጥ እቝጣዕን ነይረ። ኣነን ሰበይተይን ሰለስተ ሳዕ ተፈላሊና ኔርና፡ ክንፋታሕ ከኣ ንሓስብ ኔርና” በለ። ድሕሪኡ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስኡን ምስ ሰበይቱን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ጀመሩ። እሞ ደኣ ስቴፈን ነቲ እተማህሮ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕብ ምስ ጀመረ እንታይ ለውጢ እዩ ገይሩ፧ ስቴፈን፡ “ናብራ ስድራ ቤትና ብዜደንቕ መገዲ ተለዊጡ። ቅድሚ ሕጂ፡ ከምቲ ብሰዓት ዚምላእ ነታጒ ኺነቱግ ድሉው ዝዀነ፡ ኣነ እውን ብቐሊል ነገር ክምረርን ክቝጣዕን ድሉው እየ ነይረ” በለ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ስቴፈን ኣገልጋሊ ጉባኤ እዩ፣ ሰበይቱ ኸኣ ንነዊሕ ዓመታት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ኣብታ ስቴፈን ዚእከበላ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ብዛዕባኡ ኸምዚ በሉ፦ “ስቴፈን ህዱእን ጻዕራምን ሓው እዩ፣ ትሑት እውን እዩ።” ኪቝጣዕ ድማ ርእዮምዎ ኣይፈልጡን። እሞኸ ስቴፈን ነዚ ኽእለት እዚ ባዕሉ ኸም ዘጥረዮ ድዩ ዚሓስብ፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ፡ ከምዚ በለ፦ “ነቲ የሆዋ ንባህርያተይ ምሉእ ብምሉእ ኪልውጦ ዘቕረበለይ ሓገዝ እንተ ዘይቅበሎ ነይረ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ህይወተይ ረኺበዮ ዘለኹ ባህ ዜብል በረኸት ኣይምሃለወንን።”

13. ቍጥዓ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚህበና፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጥዓን ጸርፍን ታዕታዕን ከነርሕቕ ከም ዘሎና የጠንቅቐና እዩ። (ኤፌ. 4:31) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምዚ ዓይነት ባህርያት ናብ ባእሲ እዩ ዚመርሕ። ዓለም ንቝጥዓ ኸም ንቡር ገይራ ትርእዮ እኳ እንተ ዀነት፡ እዚ ባህርይ እዚ ግና ንፈጣሪና ዜኽብር ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ሓድሽ ስብእና ቕድሚ ምልባሶም ነዚ ጐዳኢ ባህርያት እዚ ቐንጢጦም ደርብዮምዎ እዮም።መዝሙር 37:8-11 ኣንብብ።

14. ቍጡዕ ዝነበረ ሰብ ዓቃል ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧

14 ኣብ ኦስትርያ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ሃንስ ዘሕለፎ ተመክሮ ኸም ኣብነት ንርአ። ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት እታ ሃንስ ዚእከበላ ጉባኤ ብዛዕባኡ፡ “ክትፋለጦ እትደሊ ኣዝዩ ዓቃል ሰብ እዩ” በለ። ሃንስ ግና ካብ ቀደሙ ኣይኰነን ዓቃል ነይሩ። ገና ዀተቴ ኸሎ፡ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ስለ ዝጀመረ፡ ቍጡዕ ኰነ። ሓደ እዋን ሰኺሩ ኸሎ፡ ተቘጢዑ ንዓርኩ ስለ ዝቐተላ ድማ፡ 20 ዓመት ኪእሰር ተፈርዶ። ቤት ማእሰርቲ ኣብ ፈለማ ነቲ ዝነበሮ ባህሪ ኣይቀየሮን። ጸኒሑ ግና፡ ኣዲኡ ምስ ሓደ ሽማግለ ኪራኸብ መሰናድዎ ገበረትሉ እሞ፡ ሃንስ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ነቲ ኣረጊት ስብእናይ ምቕንጣጥ ከቢዱኒ ነይሩ እዩ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 55:7 ዚርከብ ‘ክፉእ ሓሳቡ ይሕደግ’ ዚብል ጥቕሲ ኸምኡ ድማ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:11 ዚርከብ ብዛዕባ እቶም ሓጥእ መገድታቶም ዝሓደጉ ሰባት ዚገልጽ ‘ገሌኻትኩም ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም’ ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተባቢዑኒ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ሓድሽ ስብእና ኽለብስ ብትዕግስቲ ሓጊዙኒ እዩ።” ሃንስ ን17 ዓመትን መንፈቕን ምስ ተኣስረ፡ እተጠምቀ ክርስትያን ኰይኑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ። “የሆዋ ኣብዚሑ ምሕረት ስለ ዝገበረለይን ይቕረ ስለ ዝበለለይን ኣዝየ እየ ዘመስግኖ” ድማ በለ።

15. ኣየናይ ባህርይ እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

15 ሓሶት እውን ካልእ ባህርይ ኣረጊት ስብእና እዩ። ንኣብነት፡ ሰባት ግብሪ ንምኽፋል ኣታዊኦም ኬፍልጡ ኸለዉ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይህቡ ወይ ከኣ ነቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ኣብ ክንዲ ዚእመኑሉ ይሕስዉ እዮም፣ እዚ ድማ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ባህርይ እዩ። የሆዋ ግና፡ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። (መዝ. 31:5) ስለዚ፡ ንዕኡ ዜምልኽ “ነፍሲ ወከፍ” ሰብ “ምስ ብጻዩ ሓቂ” ኺዛረብን ‘ከይሕሱን’ እዩ ዚደልዮ። (ኤፌ. 4:25፣ ቈሎ. 3:9) እምበኣር፡ ዜሕፍረና ወይ ዘይንርብሓሉ እውን እኳ እንተ ዀነ፡ ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና።—ምሳ. 6:16-19

ብኸመይ እዮም ተዓዊቶም፧

16. ንኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና ምእንቲ ኽንድርብዮ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

16 ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ ንኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና ኽንድርብዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ሳኩራን ሪቤሮን ስቴፈንን ሃንስን፡ ነቲ ሕማቕ ልማዳቶም ቀንጢጦም ንምድርባይ ብዙሕ ኪቃለሱ ኣድልይዎም እዩ። ልቦምን ኣእምሮኦምን ከፊቶም ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዚርከብ ሓይሊ ስለ እተቐበሉ ግና ኪዕወቱ ኽኢሎም እዮም። (ሉቃ. 11:13፣ እብ. 4:12) ንሕና እውን ካብዚ ሓይሊ እዚ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኸነንብቦ፡ ብዛዕባኡ ኸነስተንትን፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕል ዚሕግዘና ጥበብን ብርታዐን ምእንቲ ኽንረክብ ከየቋረጽና ኽንጽሊ ኣሎና። (እያ. 1:8፣ መዝ. 119:97፣ 1 ተሰ. 5:17) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ተዳሊና ምስ እንእከብ እውን ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ መንፈስ ቅዱስን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (እብ. 10:24, 25) ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምግቢ ዚረኽቡሉ እተፈላለየ መገድታት ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና።—ሉቃ. 12:42

ንኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና እንድርብዮ ብኸመይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

17. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

17 ክርስትያናት ቀንጢጦም ኪድርብይዎ ዘለዎም እተፈላለየ ሕማቕ ልማዳት ርኢና ኢና። ግናኸ፡ ነዚ ብምግባርና ጥራይ ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ዲና፧ ኣይፋልን። ከመይሲ፡ ሓድሽ ስብእና እውን ክንለብስ ኣሎና። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ለቢስናዮ ኽንነብር ዘሎና እተፈላለየ መዳያት ሓድሽ ስብእና ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 26 ርአ።