ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ስብእና ለቢስና እንነብር ብኸመይ ኢና፧

ሓድሽ ስብእና ለቢስና እንነብር ብኸመይ ኢና፧

“ሓድሽ ስብእና ልበሱ።”—ቈሎ. 3:10

መዝሙር፦ 126, 28

1, 2. (ሀ) ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ ክእለት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ቈሎሴ 3:10-14 ኣየናይ መዳያት እቲ ሓድሽ ስብእና እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ፧

“ሓድሽ ስብእና።” እዘን ቃላት እዚአን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ክልተ ሳዕ ተጠቒሰን ይርከባ። (ኤፌ. 4:24፣ ቈሎ. 3:10) ነቲ “ኸም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ” ባህርያት ድማ እየን ዜመልክታ። ነዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ከነማዕብሎ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንሰባት ብመልክዑ ስለ ዝፈጠሮም፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ኣምላኽ ከነንጸባርቖ ንኽእል ኢና።—ዘፍ. 1:26, 27፣ ኤፌ. 5:1

2 ሓቂ እዩ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብቶም ቀዳሞት ወለድና ዝወረስናዮ ሓጢኣት ብሕማቕ ባህግታት ንጽሎ ኢና። ከባቢና እውን ብዙሕ ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ከምቲ ንሱ ኽንኰኖ ዚደልየና ዓይነት ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ነዚ ሸቶ እዚ ምእንቲ ኽንወቅዕ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፎ እተፈላለየ መዳያት እቲ ሓድሽ ስብእና ኽንምርምር ኢና። (ቈሎሴ 3:10-14 ኣንብብ።) ነዚ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ከነንጸባርቖ ኸም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

“ኵላትኩም . . . ሓደ ኢኹም”

3. ሓደ ኻብ ባህርያት እቲ ሓድሽ ስብእና እንታይ እዩ፧

3 ጳውሎስ ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ ድሕሪ ምምዓዱ፡ ኣድልዎ ዘይምግባር ቀንዲ ኽፋል ሓድሽ ስብእና ምዃኑ ገሊጹ እዩ። “ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡ ባርያ፡ ጭዋ የልቦን” ድማ በለ። * ኣብ ጉባኤ ብዓሌት፡ ብዜግነት፡ ወይ ብማሕበራዊ ናብራ ፍልልይ ኪህሉ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ‘ኵሎም ሓደ እዮም።’—ቈሎ. 3:11፣ ገላ. 3:28

4. (ሀ) ኣገልገልቲ የሆዋ ንኻልኦት ብኸመይ ኪሕዝዎም ኣለዎም፧ (ለ) ንክርስትያናዊ ሓድነትና በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ እዩ፧

4 እቶም ሓድሽ ስብእና ዝለበሱ ዘበሉ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ኰነ ንኻልኦት ሰባት፡ ዓሌቶም ወይ ደረጃ ማሕበራዊ ናብራኦም ብዘየገድስ፡ ብኣኽብሮት እዮም ዚሕዝዎም። (ሮሜ 2:11) ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ግና ከምኡ ምግባር ኪኸብድ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቀደም እቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዚነብሩሉ ኸባቢ፡ እንዳ ጸዓዱ፡እንዳ ጸለምቲ፡ ወይ ከኣ እንዳ ሓናፍጽ ተባሂሉ እዩ ዚፈላለ ነይሩ። መብዛሕትኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከቡ ኣሕዋት ከኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ንዓሌቶም ጥራይ እተሓዝአ ኸባቢታት እዮም ዚነብሩ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ጥቅምቲ 2013 እቶም ኣሕዋት ፍቕሮም ምእንቲ ‘ኼግፍሑ፡’ ንሓድሕዶም ዚፋለጡሉ ፍሉይ መሰናድዎ ገበረ። (2 ቈረ. 6:13፡ እ.ጽ.) እዚ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ፧

5, 6. (ሀ) ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ንምድልዳል እንታይ መሰናድዎ እዩ ተገይሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ውጽኢት እዩ ተረኺቡ፧

5 እተፈላለየ ቛንቋ ወይ ዓሌት ዘለወን ክልተ ጉባኤታት ኣብ ገሊኡ ቐዳመ ሰናብቲ ብሓንሳእ ግዜ ኼሕልፋ መሰናድዎ ተገብረ። እቶም ካብ ክልተ ጉባኤታት ዝመጹ ኣሕዋት ድማ ብሓንሳእ ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ኣኼባታትን ተኻፈሉ፡ ኣብ ኣባይቶም ድማ ተዓዳደሙ። ብኣማእታት ዚቝጸራ ጉባኤታት ኣብዚ መሰናድዎ እዚ ተኻፈላ። ከም ውጽኢቱ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እዚ መሰናድዎ እዚ ብዙሕ ባህ ዜብል ጸብጻብ ተቐበለ። ንኣብነት፡ ኣገልጋሊ ሓንቲ ሃይማኖት፡ “ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ ዜደንቕ ዕዮ ስብከት ኢኹም ኣካይድኩም፣ ዓሌትኩም እተፈላለየ ኽነሱ ድማ ሓድነት ኣሎኩም” በለ። እቲ መሰናድዎ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርከ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም፧

6 ቋንቋ ቆሳ እትዛረብ ኖማ ዝስማ ሓብቲ፡ ካብ ጉባኤ እንግሊዝኛ ንዝመጹ ኣሕዋት ናብታ ንእሽቶ ቤታ ምዕዳም ዚብልዎ ሓሳብ ኣጨኒቕዋ ነበረ። ምስ ጸዓዱ ኣሕዋት ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ ተኻፈለትን ኣብ ቤቶም ምስ ተዓደመትን ግና፡ “ከማና ተራ ሰባት እባ እዮም!” በለት። ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ እንግሊዝኛ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ምስቶም ኣብ ጉባኤ ቆሳ ዚርከቡ ብሓንሳእ ኪሰብኩ ምስ መጹ፡ ኖማ ካብቶም ኣሕዋት ንገሊኣቶም ናብ ቤታ ዓደመቶም። ሓደ ኻብቶም ኣጋይሻ ዝነበረ ሽማግለ ድማ፡ ፈረንጂ እዩ ነይሩ። ኖማ ብዛዕባኡ፡ “ብፕላስቲክ ኣብ እተሰርሐ ካሴታ ትሕት ኢሉ ኾፍ ኪብል ፍቓደኛ ምዃኑ ገሪሙኒ እዩ” በለት። ሳላ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘሎ መሰናድዎ፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ኬፍርዩ ኽኢሎም እዮም፣ ምሕዝነቶም ኬስፍሑ ድማ ተተባቢዖም እዮም።

“ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት”

7. ርሕራሐ ኸነርኢ ቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክሳዕ እትጠፍእ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና እዩ። ስእነት ስራሕ፡ ከቢድ ሕማም፡ መስጐጕቲ፡ ባህርያዊ ዕንወት፡ ብሰንኪ ገበን ዜጋጥም ንብረት ምስኣን ወይ ከኣ ካልእ ሽግራት የጋጥመና ይኸውን። ኣብ ግዜ ሽግር ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንደጋገፍ፡ ናይ ሓቂ ርሕራሐ ኺህልወና ኣለዎ። ልባዊ ርሕራሐ ድማ ለውሃት ከነርኢ ይድርኸና እዩ። (ኤፌ. 4:32) እዚ ገለ መዳያት ሓድሽ ስብእና ዝዀነ ባህርያት እዚ፡ ንኣምላኽ ክንመስሎን ንኻልኦት ከነጸናንዕን ይሕግዘና እዩ።—2 ቈረ. 1:3, 4

8. ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ዅላቶም ርሕራሐን ለውሃትን ምስ እነርኢ፡ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዚህልዎ፧ ኣብነት ሃብ።

8 ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ኻብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ ሰባት ወይ ስኡናት ሓልዮት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዚኣቶም ክንተዓራረኾምን ከይጋየሹ ኽንቀርቦምን ኣሎና። (1 ቈረ. 12:22, 25) ካብ ፊሊፒንስ ናብ ጃፓን ንዝገዓዘ ዳንካር እንታይ ከም ዘጋጠሞ ርአ። ኣብ ስራሑ፡ ማዕረ እቶም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ኣይረኣይን እዩ ነይሩ። ደሓር ግና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚገብርዎ ኣኼባ ተኣከበ። “ዳርጋ ዅሎም ተኣከብቲ ጃፓናውያን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ከም ዚፈልጡኒ፡ ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ተቐቢሎምኒ” ድማ በለ። እቲ ኣሕዋት ብቐጻሊ ዘርኣይዎ ለውሃት ከኣ መንፈሳዊ ዕቤት ገይሩ ኺጥመቕ ሓጊዝዎ እዩ። ሕጂ ድማ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ካልኦት ሽማግለታት ብጾቱ፡ ንዕኡን ንጀኒፈር ሰበይቱን፡ በረኸት ጉባኤኦም ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። እቶም ሽማግለታት ብዛዕባኦም ከምዚ በሉ፦ “ፈለምቲ ዀይኖም ቀሊል ናብራ እዮም ዚነብሩ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብምድላይ ዝመጸ ድማ ኣብነታውያን እዮም።”—ሉቃ. 12:31

9, 10. ኣብ ኣገልግሎት ርሕራሐ ብምርኣይ ዓስቢ ኸም ዚርከብ ዜረጋግጽ ኣብነት ግለጽ።

9 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ከነካፍል ከለና፡ ‘ንዅሉ ሰናይ ክንገብር’ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። (ገላ. 6:10) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስደተኛታት ርሕራሐ ስለ ዘለዎም ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃሩ ይጽዕሩ እዮም። (1 ቈረ. 9:23) ከምኡ ብምግባሮም ድማ ብዙሕ በረኸት ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ቲፋኒ ዝስማ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ፈላሚት ሓብቲ፡ ኣብ ከተማ ብሪዝበን ንእትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ስዋሂሊ ምእንቲ ኽትሕግዝ ስዋሂሊ ተማህረት። ነቲ ቛንቋ ኽትምሃሮ ኸላ ኸቢድዋ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሕ በረኸት ግና ረኺባ እያ። ቲፋኒ ኸምዚ በለት፦ “ኣገልግሎትካ ኣዝዩ ዜሐጕስ ኪኸውን እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ኸተገልግል ኣሎካ። ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ምግልጋል፡ ካብ ከተማኻ ኸይወጻእካ ናብ ካልእ ዓዲ ዳርጋ ኸም ምጋሽ እዩ። እወ፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ኸተስተማቕሮን ነቲ ዘሎና ሓድነት ብዓይንኻ ኽትርእዮን ኣጋጣሚ ትረክብ ኢኻ።”

ክርስትያናት ኣገልገልቲ ንስደተኛታት ኪሕግዙ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10 ኣብ ጃፓን እትርከብ ሓንቲ ስድራ ቤት እውን ከም ኣብነት ንርአ። ሳኪኮ ዝስማ ሓንቲ ጓሎም ከምዚ በለት፦ “ብ1990ታት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብዙሕ ሳዕ ብራዚላውያን ስደተኛታት ንረክብ ኔርና። ከም ራእይ 21:3, 4 ወይ መዝሙር 37:10, 11, 29 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብፖርቱጋልኛ ኻብ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሶም ከነርእዮም ከለና፡ ብኣቓልቦ ይሰምዑና፡ ገሊኦም ከኣ ይነብዑ ነይሮም።” እታ ስድራ ቤት ድማ ተወሳኺ ርሕራሐ ኣርኣየት። ሳኪኮ፡ “መንፈሳዊ ጥሜት ከም ዘለዎም ምስ ኣስተብሃልና፡ ብምልእታ ስድራ ቤትና ፖርቱጋልኛ ኽትምሃር ጀሚራ” በለት። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ስድራ ቤት፡ ጉባኤ ቛንቋ ፖርቱጋልኛ ኣብ ምምስራት ሓገዘት። ንነዊሕ ዓመታት ከኣ፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ንሓያሎ ስደተኛታት ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ሓጊዞም እዮም። ሳኪኮ፡ “ፖርቱጋልኛ ኽትምሃር ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትትካ እዩ። እቲ እትረኽቦ በረኸት ግና ልዕሊ እቲ እትገብሮ ጻዕሪ እዩ። ንየሆዋ ኣዚና ኢና እነመስግኖ” በለት።ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ።

“ትሕትና . . . ልበሱ”

11, 12. (ሀ) ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ቅኑዕ ድራኸ ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኵሉ ሳዕ ትሑታት ክንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

11 ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ እንደልየሉ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእ ደኣ እምበር፡ ውዳሰ ሰባት ክንረክብ ኢልና ኪኸውን የብሉን። ፍጹም ዝነበረ መንፈሳዊ ፍጡር እኳ ኸይተረፈ ብሰንኪ ዅርዓት ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ዘክር። (ምስ ህዝቅኤል 28:17 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ ንዘይፍጹማት ሰባት፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ምውጋድ ዝያዳ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ትሕትና ኽንለብስ ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር ግና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ኵሉ ሳዕ ትሑታት ምእንቲ ኽንከውን፡ በብመዓልቱ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብናዮ ነገራት እነስተንትነሉ ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። (ዘዳ. 17:18-20) ብፍላይ ከኣ፡ ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስን ብዛዕባ እቲ ብትሕትና ዘገልገሎ ኣገልግሎትን ከነስተንትን ኣሎና። (ማቴ. 20:28) የሱስ፡ እግሪ ሃዋርያቱ እኳ ኸይተረፈ ሓጺቡ እዩ። (ዮሃ. 13:12-17) ካብ ካልኦት ከም እንበልጽ ኰይኑ ንዚስምዓና ስምዒት ክንቃለሶ ዚሕግዘና መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ ድማ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና።—ገላ. 6:3, 4፣ ፊል. 2:3

13. ዓስቢ ትሕትና እንታይ እዩ፧

13 ምሳሌ 22:4 ኣንብብ። ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም፣ እዚ ድማ ብዙሕ ዓስቢ የምጽኣሎም እዩ። ትሑታት ምስ እንኸውን፡ ኣብ ጉባኤና ሰላምን ሓድነትን ከነስፍን ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ትሕትና እንተ ኣማዕቢልና፡ ጸጋ ኣምላኽ ክንቅበል ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ጴጥ. 5:5

“ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ”

14. ብሉጽ ኣብነት ልእመትን ዓቕልን መን እዩ፧

14 ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ልኡማትን ዓቃላትን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ድኹማት ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። እዚ ግና ክሳዕ ክንደይ ኰን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ምንጪ እዘን ጽቡቓት ባህርያት እዚአን፡ እቲ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያል ዝዀነ ኣምላኽ እዩ። እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብሉጽ ኣብነት ልእመትን ትሕትናን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ኣብርሃምን ሎጥን ምስ ሓተትዎ ብመላእኽቱ ኣቢሉ ብኸመይ ከም ዝመለሰሎም እሞ ዘክር። (ዘፍ. 18:22-33፣ 19:18-21) የሆዋ ነቶም ፋሉላት ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል እውን ንልዕሊ 1,500 ዓመት ተዓጊስዎም እዩ።—ህዝ. 33:11

15. የሱስ እንታይ ብሉጽ ኣብነት ልእመትን ዓቕልን እዩ ሓዲጉልና፧

15 የሱስ እውን “ልኡም” እዩ ነይሩ። (ማቴ. 11:29) ሰዓብቱ ድኽመታት እኳ እንተ ነበሮም፡ ብዙሕ ተዓጊስዎም እዩ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ካብ ተጻረርቱ ንዝመጾ ነቐፌታ ተጻዊሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ክሳዕ እታ ብግፍዒ እተቐትለላ ግዜ ልኡምን ዓቃልን እዩ ነይሩ። ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ብርቱዕ ስቓይ ኪሳቐ ኸሎ እውን፡ ኣቦኡ ነቶም ‘ዚገብርዎ ዘይፈልጡ ዝነበሩ’ ፈጸምቲ ፍርዲ ይቕረ ኺብለሎም ለሚኑ እዩ። (ሉቃ. 23:34) ከቢድ ስቓይን ዜጨንቕ ኵነታትን ኣጋጢምዎ ኽነሱ ልኡምን ዓቃልን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።1 ጴጥሮስ 2:21-23 ኣንብብ።

16. ልእመትን ዓቕልን ከነርኢ እንኽእለሉ ግብራዊ መገዲ እንታይ እዩ፧

16 ልኡማትን ዓቃላትን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ሓደ ኻብቲ መገድታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 3:13) ብርግጽ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኽንስዕቦ እንተ ደሊና፡ ልኡማትን ዓቃላትን ክንከውን የድልየና እዩ። ይኹን እምበር፡ ይቕረ በሃልቲ ምስ እንኸውን፡ ኣብ ጉባኤና ሰላምን ሓድነትን ኢና እነስፍን።

17. ልእመትን ዓቕልን ኣገደስቲ ዝዀና ስለምንታይ እየን፧

17 ንሓደ ክርስትያን፡ ልእመትን ዓቕልን ምልባስ ከም ኣማራጺ ዚርአ ጕዳይ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ድሕነት ንምርካብ ከነማልኦ ዘሎና ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። (ማቴ. 5:5፣ ያእ. 1:21) ብዘይካዚ፡ እዚ ባህርያት እዚ እንተ ኣልዩና፡ ንየሆዋ ኸነኽብሮ፡ ንኻልኦት ድማ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕቡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ገላ. 6:1፣ 2 ጢሞ. 2:24, 25

‘ፍቕሪ ልበሱ’

18. ኣብ መንጎ ፍቕርን ኣድልዎ ዘይምግባርን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧

18 ኵሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ባህርያት ምስ ፍቕሪ ኣጸቢቑ ይተሓሓዝ እዩ። ንኣብነት፡ ወደ መዝሙር ያእቆብ ንክርስትያናት ኣሕዋቱ፡ ንሃብታማት ካብ ድኻታት ኣብሊጾም ስለ ዝረኣዩ መኺርዎም እዩ። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ነቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ንጉሳዊ ሕጊ ዚጥሕስ ከም ዝዀነ ድማ ገለጸሎም። ወሲኹ ኸኣ፡ “ኣድልዎ እንተ ጌርኩም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። (ያእ. 2:8, 9) ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ብዓሌት ወይ ብማሕበራዊ ናብራ ኣድልዎ ኸይንገብር ትሕግዘና እያ። ብርግጽ፡ ዘይተዳሉ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንርኣዩለይ ዚግበር ኪኸውን የብሉን። የግዳስ፡ ናይ ሓቂ ኽፋል ስብእናና ኪኸውን ኣለዎ።

19. ንፍቕሪ ኽንለብሳ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ፍቕሪ፡ “ዓቃልን ለዋህን እያ።” “ኣይትንፋሕን” ከኣ እያ። (1 ቈረ. 13:4) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብቐጻሊ ምእንቲ ኽንነግሮም ድማ፡ ናይ ሓቂ ዓቕልን ለውሃትን ትሕትናን ከነማዕብል የድልየና እዩ። (ማቴ. 28:19) እዚ ባህርያት እዚ፡ ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና እውን ይሕግዘና እዩ። ፍቕሪ ምስ ዚህልወና እንታይ ዓስቢ ኢና እንረክብ፧ ፍቕሪ ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽኣን ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሓደስቲ ሰባት ዚማርኻን ሓድነት ዘለወን ጉባኤታት ክንፈጥር ትሕግዘና እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ እቲ ብዛዕባ ሓድሽ ስብእና ዜብርህ መግለጺ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መደምደምታ፡ “ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ” ዚብል።—ቈሎ. 3:14

“ብቐጻሊ ተሓደሱ”

20. (ሀ) ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ነየናይ ግዜ ኢና ብሃንቀውታ እንጽበዮ፧

20 እምበኣር ኵላትና፡ ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጠ ምእንቲ ኽድርብዮ፡ ሕጂ እውን ክገብሮ ዝኽእል ለውጥታት እንታይ እዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ሓገዝ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ ኣበርቲዕና ኽንጽሊ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከይንወርስ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል ኣረኣእያ ወይ ልማድ ንምስናፍ ከኣ ክንጽዕር ኣሎና። (ገላ. 5:19-21) ብዘይካዚ፡ ‘ብኣተሓሳስባይ ብቐጻሊ እሕደስዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። (ኤፌ. 4:23, 24) ኵሎም ክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ስብእና ኽሳዕ ዚለብሱ ቐጻሊ ጻዕሪ ኺገብሩ የድልዮም እዩ። ኵሉ ሰብ ሓድሽ ስብእና ለቢሱ ፍጹም ምስ ኰነ ዚህሉ ህይወት ግና ክሳዕ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል ኪኸውን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 3 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ስኪት ከም ዘይሰልጠኑ ህዝቢ ጌርካ ይርኣዩ ስለ ዝነበሩ፡ ይንዓቑ እዮም ነይሮም።