ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ—ኣገዳሲት ባህርይ

ፍቕሪ—ኣገዳሲት ባህርይ

ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ ውጽኢት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ዝዀና ትሽዓተ ባህርያት ጸሓፈ። (ገላ. 5:22, 23) እዘን ተፈተውቲ ባህርያት ብሓደ ተጠሚረን “ፍረ መንፈስ” ከም ዜቝማ ድማ ገለጸ። * እዚ ፍረ እዚ፡ መለለዪ “ሓድሽ ስብእና” እዩ። (ቈሎ. 3:10) ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ኦም ጽቡቕ ክንክን እንተ ደኣ ረኺባ ፍረ እተፍሪ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ኪውሕዝ ከሎ፡ እቲ ሰብ ፍረ መንፈስ የፍሪ እዩ።—መዝ. 1:1-3

ጳውሎስ ዝጠቐሳ ቐዳመይቲ መዳይ ፍረ መንፈስ፡ እታ ኣገዳሲት ባህርይ ዝዀነት ፍቕሪ እያ። እሞኸ፡ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ እንተ ዘይብሉ፡ “ኸንቱ” ኸም ዚኸውን ተዛሪቡ እዩ። (1 ቈረ. 13:2) ፍቕሪ ግና እንታይ እያ፧ ከነማዕብላን በብመዓልቱ ኸነንጸባርቓን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትግለጽ

ፍቕሪ ብቐሊሉ ብቓላት ክትግለጽ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እትንጸባረቐሉ መገዲ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ፍቕሪ “ዓቃልን ለዋህን እያ” ዚብል ነንብብ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ብሓቂ ትሕጐስ፡” “ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር።” ፍቕሪ፡ ንኻልኦት ኣጸቢቕካ ምፍታውን ካብ ልቢ ምሕላይን ምሳታቶም ጥብቂ ርክብ ምምስራትን ተጠቓልል። ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ቅንእን ትዕቢትን ስድነትን ስስዐን ቂምታን ይቕረ ዘይምባልን ገለ ኻብቲ ፍቕሪ ኸም ዘይብልካ ዜርኢ ምልክታት እዩ። ብኣንጻር እዚ ርሕራሐ ዘይብሉን ከንቱን ባህርያት፡ እታ ኸነማዕብላ እንደሊ ፍቕሪ፡ “ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን” እያ።—1 ቈረ. 13:4-8

የሆዋን የሱስን ዘንጸባረቕዋ ኣብነታዊት ፍቕሪ

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” ብርግጽ፡ የሆዋ ምንጪ ፍቕሪ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) ኵሉ ዕዮኡን ግብሩን ንፍቕሩ ዜርኢ መርትዖ እዩ። ንደቂ ሰብ ዘርኣዮ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ፡ ንየሱስ ምእንታና ኺሳቐን ኪመውትን ምልኣኹ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ። ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ስለ ዘፍቀረናን ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ ስለ ዝሰደደልናን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ” በለ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) ሳላ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ሕድገት ሓጢኣትን ተስፋን ህይወትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

የሱስ ፈትዩ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሩ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። የሱስ፡ “እነኹ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ” ኸም ዝበለ ጳውሎስ ጸሓፈ። “በዚ ‘ፍቓድ’ እዚ፡ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣለና” ድማ በለ። (እብ. 10:9, 10) ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ ኼርኢ ዚኽእል ሰብ የለን። የሱስ፡ “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን” በለ። (ዮሃ. 15:13) ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ነታ የሆዋን የሱስን ንዓና ዘርኣዩና ፍቕሪ ኽንቀድሓ ንኽእልዶ፧ እወ! ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

“ብፍቕሪ ተመላለሱ”

ጳውሎስ፡ “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣ ከምቲ ክርስቶስ እውን ዘፍቀረና፡ ርእሱ ኸኣ . . . ምእንታና ዘሕለፈ፡ ብፍቕሪ ተመላለሱ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (ኤፌ. 5:1, 2) ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ምስ እነንጸባርቓ ኢና ‘ብፍቕሪ እንመላለስ።’ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብቓላት ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ብግብሪ ኢና እነርእያ። ዮሃንስ፡ “ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 3:18) ንኣብነት፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ብዘላትና ፍቕሪ ምስ እንመላለስ፡ ንኻልኦት “ብስራት መንግስቲ” ኸነካፍሎም ክንድረኽ ኢና። (ማቴ. 24:14፣ ሉቃ. 10:27) ዓቃላትን ለውሃትን ይቕረ በሃልትን እንተ ዄንና እውን ብፍቕሪ ኢና እንመላለስ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ” ብምባል ይመኽረና እዩ።—ቈሎ. 3:13

ከምዚኣ ዝዓይነታ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ግና ስምዒታዊት ኣይኰነትን። ንኣብነት፡ ሓደ ስምዒታዊ ወላዲ ንዚበኪ ውሉዱ ንምእባድ፡ ንዅሉ ቓሕታ ውሉዱ ኼርዊ ይጽዕር ይኸውን። ንውሉዱ ብሓቂ ዜፍቅር ወላዲ ግና ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ትርር ይብል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ይኹን ደኣ እምበር፡ ‘ንዜፍቅሮ ይግስጾ እዩ።’ (እብ. 12:6) ብፍቕሪ ኽንመላለስ ከለና፡ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ተግሳጽ እውን ንህብ ኢና። (ምሳ. 3:11, 12) ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንሕና እውን ሓጥኣን ምዃንናን ዘይፍቕራዊ ነገራት ናይ ምግባር ዝንባለ ኸም ዘሎናን ክንዝክር ኣሎና። ስለዚ፡ ኵላትና ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ምምሕያሽ ክንገብረሉ ዜድልየና መዳያት ኣሎ። ከመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል፧ ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ።

ከመይ ጌርካ ፍቕሪ ኸም እተማዕብል

ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ነቲ ፍቕሪ ዜፍሪ መንፈሱ ኺህበካ ለምኖ። የሱስ፡ የሆዋ ‘ንዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም’ ገሊጹ እዩ። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ንጽልን ‘ብመንፈስ ክንመላለስ’ ንጽዕርን እንተ ዄንና፡ ተግባራትና ዝያዳ ተፈታዊ እናዀነ ኪኸይድ እዩ። (ገላ. 5:16) ንኣብነት፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሽማግለ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ንኻልኦት ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብፍቕራዊ መገዲ ኽትህብ ዚሕግዘካ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ወላዲ እንተ ዄንካ ድማ፡ ንደቅኻ ብቝጥዓ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ምእንቲ ኽትግስጾም፡ መንፈስ ኣምላኽ ኪሕግዘካ ኽትልምን ትኽእል ኢኻ።

ካልኣይ፡ የሱስ፡ ሰባት ምስ ኣቘጥዕዎ እውን ከይተረፈ ኸመይ ገይሩ ፍቕሪ ኸም ዘርኣየ ኣስተንትን። (1 ጴጥ. 2:21, 23) ብፍላይ ሰባት ኬጕህዩና ኸለዉ ወይ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ ኣብነት የሱስ ክንሓስብ የድልየና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ‘የሱስ እንተ ዚኸውን እንታይ ምገበረ ነይሩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ጽቡቕ እዩ። ሊ ዝስማ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ምስትንታና፡ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዳ ኽትሓስብ ሓጊዝዋ እዩ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ሓደ እዋን፡ ሓንቲ መሳርሕተይ ብዛዕባይን ብዛዕባ ስርሐይን ሕማቕ ነገር ጽሒፋ ብኢ-መይል ናብ መሳርሕተይ ልኢኻቶ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ እዩ ጐዲኡኒ። ጸኒሐ ግና ንርእሰይ፡ ‘ምስዛ ሰብ ኣብ ዘሎኒ ርክብ ከመይ ገይረ ንየሱስ ክመስሎ እኽእል’ ኢለ ሓቲተያ። የሱስ እንተ ዚኸውን ነይሩ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ምስ ኣስተንተንኩ፡ ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ክብሎን ኣኽቢደ ኸይርእዮን ወሲነ። ድሕሪ ግዜ፡ እታ መሳርሕተይ ከቢድ ጸገም ጥዕናን ብዙሕ ጭንቀትን ከም ዝነበራ ፈሊጠ። ከይሓሰበት ዝጸሓፈቶ ኪኸውን ከም ዚኽእል ከኣ ደምዲመ። የሱስ ንሰባት፡ ኬቘጥዕዎ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኣርእይዎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስትንታነይ ከኣ፡ ኣነ እውን ንመሳርሕተይ ፍቕሪ ኸርእያ ሓጊዙኒ እዩ።” እወ፡ ንየሱስ እንተ መሲልናዮ፡ ወትሩ ፍቕሪ ኸነርኢ ኢና።

ሳልሳይ፡ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትና ዝዀነት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኣማዕብል። (ዮሃ. 13:34, 35) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት “ኣተሓሳስባ” ኸነማዕብል ቅዱሳት ጽሑፋት ይምሕጸነና እዩ። የሱስ ሰማያዊ መንበሪኡ ሓዲጉ፡ “ክሳዕ ሞት” እኳ ምእንታና ኢሉ “ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ” እዩ። (ፊል. 2:5-8) ነታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሩ እንተ ቐዲሕናያ፡ ከም ናቱ ዝበለ ሓሳባትን ስምዒታትን ኪህልወና እዩ። ጥቕሚ ኻልኦት ቅድሚ ጥቕሚ ርእስና ኽንሰርዖ ድማ ክንድረኽ ኢና። ፍቕሪ ምስ እነማዕብል፡ እንታይ ተወሳኺ ጥቕምታት ክንረክብ ንኽእል፧

ፍቕሪ ኻብ ምርኣይ ዚርከብ ጥቕምታት

ፍቕሪ ምስ እነርኢ ብዙሕ ጥቕምታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ፦

ፍቕሪ ብምርኣይ እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧

  • ዓለምለኻዊ ሕውነት፦ ንሓድሕድና ፍቕሪ ስለ ዘላትና፡ ኣብ ዝዀነ ኽፋል ዓለም ናብ እትርከብ ጉባኤ ምስ እንኸይድ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓንጐፋይ ኢሎም ከም ዚቕበሉና ንፈልጥ ኢና። በቶም “ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት” ክንፍቀርሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! (1 ጴጥ. 5:9) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣበይ ክንረኽባ ንኽእል፧

  • ሰላም፦ ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ ምትዕግጋስና፡’ “ማእሰር ሰላም” ከነስተማቕር የኽእለና እዩ። (ኤፌ. 4:2, 3) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ነዚ ሰላም እዚ ብዓይንና ንርእዮ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ መንፈስ ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ብርቂ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ (መዝ. 119:165፣ ኢሳ. 54:13) ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ገበርቲ ሰላም እንተ ዄንና፡ ንዕኦም ዘሎና ልባዊ ፍቕሪ ኢና እነርኢ። እዚ ኸኣ ንሰማያዊ ኣቦና ባህ የብሎ እዩ።—መዝ. 133:1-3፣ ማቴ. 5:9

‘ፍቕሪ ይሃንጽ’

ጳውሎስ፡ ‘ፍቕሪ ይሃንጽ’ ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 8:1) ፍቕሪ እትሃንጽ ብኸመይ እያ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ “መዝሙር ፍቕሪ” ተባሂላ እውን እትጽዋዕ፡ ምዕራፍ 13 እታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትሃንጽ ገሊጹ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም፡ ጥቕሚ ኻልእ እያ እትደሊ። (1 ቈረ. 10:24፣ 13:5) ብዘይካዚ፡ ሓላዪትን ዓቃልን ለዋህን ስለ ዝዀነት፡ ጥቡቕ ምቅርራብ ዘለዎ ስድራ ቤትን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤን እያ እትሃንጽ።—ቈሎ. 3:14

ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ልዕሊ ዅሉ ኽብርትን ሃናጺትን እያ። ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዓሌትን ቋንቋን ዘለዎም ሰባት ንየሆዋ “ብሓድነት”ን ብሓጐስን ኬገልግልዎ ተኽእሎም። (ጸፎ. 3:9) ሃየ እምበኣር፡ ነዛ ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነት ኣገዳሲት ባህርይ በብመዓልቱ ኸነንጸባርቓ ቘራጽነት ንግበር።

^ ሕ.ጽ. 2 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብተን ንነፍሲ ወከፍ ባህርይ ወይ መዳይ ፍረ መንፈስ ዚምርምራ ትሽዓተ ኽፋል ዘለወን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ እታ ቐዳመይቲ እያ።