ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቂ፡ “ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ” ተምጽእ

ሓቂ፡ “ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ” ተምጽእ

“ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣ ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ ኸምጽእ እየ መጺአ።”—ማቴ. 10:34

መዝሙር፦ 123, 128

1, 2. (ሀ) ሕጂ እንታይ ዓይነት ሰላም እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧ (ለ) ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ምሉእ ሰላም ዘየሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኵላትና ኻብ ጭንቀት ናጻ ዄንና፡ ብሰላም ክንነብር ኢና እንደሊ። የሆዋ ኻብቲ ንሓሳባትናን ንስምዒታትናን ዚርብሽ ነገራት ኬዕቝበና ዚኽእል “ሰላም ኣምላኽ” ወይ ከኣ ውሽጣዊ ሰላም ዚህበና ምዃኑ ኣዚና ኢና እነማስወሉ። (ፊል. 4:6, 7) ርእስና ንየሆዋ ስለ ዝወፈና ድማ ምስኡ “ሰላም፡” ማለት ጽቡቕ ርክብ ኣሎና።—ሮሜ 5:1

2 ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምሉእ ሰላም ዜስፍነሉ እዋን ገና ኣይመጸን። ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ተባኣስትን ነግራማትን እዮም። (2 ጢሞ. 3:1-4) ከም ክርስትያናት መጠን፡ ምስ ሰይጣንን ምስቲ ዜስፋሕፍሖ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን መንፈሳዊ ውግእ ክንዋጋእ ኣሎና። (2 ቈረ. 10:4, 5) ካብ ዘይኣመንቲ ኣዝማድና ዚመጸና ምጽራር ግና ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። ገሊኦም ኣዝማድና፡ ብእምነትና የላግጹልና፡ ስድራ ቤት ከም እንኸፋፍል ገይሮም ይኸስሱና፡ ወይ ከኣ እምነትና እንተ ዘይክሒድና ኸም ዚጥንጥኑና የጕባዕብዑልና ይዀኑ። ካብ ስድራ ቤትና ንዚመጸና ምጽራር ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ ሰላምና ኽንዕቅብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ካብ ስድራ ቤትና ንዚመጸና ምጽራር ብኸመይ ንርኣዮ፧

3, 4. (ሀ) ትምህርትታት የሱስ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ (ለ) ንየሱስ ምስዓብ ብዝያዳ ኣጸጋሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

3 የሱስ ትምህርትታቱ ንሰባት ከም ዚኸፋፍሎም፡ እቶም ዚስዕብዎ ኸኣ ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ትብዓት ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ምጽራር እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣ ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ ኸምጽእ እየ መጺአ። ከመይሲ፡ ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ ሰበይቲ ወዲ ኻብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ መጺአ። ንሰብ ከኣ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” በለ።—ማቴ. 10:34-36

4 የሱስ፡ “ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” ኪብል ከሎ፡ ገለ ኻብቶም ሰማዕቱ፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ምስዓብ ዘለዎ ሳዕቤን ኪሓስቡ ኸም ዜድልዮም እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። ትምህርትታቱ ንሰባት ኪኸፋፍሎም ይኽእል እዩ። ዕላማ የሱስ፡ ስድራ ቤታት ንምክፍፋል ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንምምሃር ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። (ዮሃ. 18:37) ምስናይዚ ግና፡ ናይ ቀረባ ፈተውትኻ ወይ ኣባላት ስድራ ቤትካ ሓቂ ምስ ዘይቅበሉ፡ ንትምህርትታት ክርስቶስ ጠቢቕካ ምሓዙ ኼጸግመካ ይኽእል እዩ።

5. ሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዮም ኣሕሊፎም፧

5 የሱስ ሓደ ኻብቲ ሰዓብቱ ኺጻወርዎ ዘለዎም ነገራት፡ ካብ ስድራ ቤቶም ዚመጾም ምጽራር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 10:38) ደቀ መዛሙርቱ ንዕኡ ብቑዓት ኰይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ንዚመጾም ላግጽን ምጽራርን ተጻዊሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዝሰኣንዎ ተዓጻጻፊ ዝዀነ ረብሓታት ረኺቦም እዮም።—ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።

6. ንየሆዋ ንምምላኽ ክንጽዕር ከለና፡ ኣዝማድና ምስ ዚጻረሩና እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

6 ንየሆዋ ንምምላኽ ክንጽዕር ከለና፡ ኣዝማድና ዚጻረሩና እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ኣይተቋርጽን እያ። ይኹን እምበር፡ እታ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘላትና ፍቕሪ ብቐዳምነት ከም እትስራዕ ክንርስዕ የብልናን። (ማቴ. 10:37) ሰይጣን ንስድራ ቤትና ዘላትና ፍቕሪ ተጠቒሙ ንጽህናና ኼበላሹ ኸም ዚጽዕር እውን ክንዝክር ኣሎና። ቀጺልና፡ ካብ ስድራ ቤትና እንታይ ምጽራር ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ዜብርህ ገለ ኣብነታት ክንርኢ፡ ነዚ ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ከኣ ክንምርምር ኢና።

ዘይኣማኒ መጻምድቲ

7. ሓደ ክርስትያን፡ መጻምድቱ ዘይኣማኒ ምስ ዚኸውን ንዅነታቱ ብኸመይ ኪርእዮ ይግባእ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ዚምርዓዉ፡ “ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ” ይብል። (1 ቈረ. 7:28) መጻምድትኻ ዘይኣማኒ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ሓዳርካ ኻብ ካልእ ግዜ ብዝያዳ ትጭነቕ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ንዅነታትካ ብኣረኣእያ የሆዋ ኽትርእዮ ኣገዳሲ እዩ። መጻምድትኻ ኣብዚ እዋን እዚ ንክርስቶስ ኪስዕቦ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ፡ ንምፍልላይ ወይ ንምፍታሕ ብቑዕ ምኽንያት ኣይከውንን እዩ። (1 ቈረ. 7:12-16) ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ከም ዘይመርሕ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ክብሪ ኺውሃቦ ይግባእ። ብተመሳሳሊ፡ ንሓንቲ ዘይኣማኒት ሰበይቲ እውን ሰብኣያ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕርን ለውሃትን ኬርእያ ይግባእ።—ኤፌ. 5:22, 23, 28, 29

8. መጻምድትኻ ንኣምልኾኻ እትውፍዮ ግዜ ኺድርቶ ምስ ዚደሊ፡ ንርእስኻ እንታይ ኢልካ ኽትሓትታ ኣሎካ፧

8 መጻምድትኻ ንኣምልኾኻ እትውፍዮ ግዜ ኺድርቶ ምስ ዚደሊኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣብ ሰሙን ውሱን መዓልትታት ጥራይ ኣገልግሎት ክትከይድ ከም ዘለዋ ነጊርዋ እዩ። ንስኻ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ‘መጻምድተይ ንኣምላኽ ምግልጋል ኬቋርጽ ድዩ ዚሓትተኒ ዘሎ፧ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ድሌቱ ኸማልኣሉ እኽእልዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ልዙብ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓዳርካ ዘየድሊ ባእሲ ኸተወግድ ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 4:5

9. ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ንዘይኣማኒ ወላዲኦም ኬኽብሩ ኺምህርዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

9 መጻምድትኻ ዘይኣማኒ እንተ ዀይኑ፡ ብፍላይ ንውሉዳትካ ምስልጣን ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ደቅኻ ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኽትምህሮም የድልየካ እዩ። (ኤፌ. 6:1-3) ይኹን እምበር፡ መጻምድትኻ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕብ ምስ ዚኸውን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ንመጻምድትኻ ኣብ ምኽባር ኣብነት ኩን። ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኣተኵር፡ ሞሳኻ ድማ ግለጸሉ። ኣብ ቅድሚ ደቅኻ ብዛዕባ መጻምድትኻ ኣሉታዊ ነገራት ኣይትዛረብ። የግዳስ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ብሕታዊ ምርጫ ምዃኑ ግለጸሎም። ውሉዳት ጽቡቕ ባህርያት ምስ ዜርእዩ፡ እቲ ዘይኣማኒ ወላዲ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺስሓብ ይኽእል እዩ።

ንደቅኻ ብእተኻእለካ መጠን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምሃሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ዘለዎ ክርስትያን ንደቁ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኺምህሮም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይኣማኒ መጻምድቲ፡ ውሉዳቱ ኣረማዊ በዓላት ኬብዕሉ ወይ ድማ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪምሃሩ ይደሊ ይኸውን። ሰበይቱ ንደቆም መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሮም እውን ኣይደልን ይኸውን። ምስናይዚ ግና፡ ሰበይቱ ንደቃ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽትምህሮም ዚከኣላ ኽትገብር ትኽእል እያ። (ግብ. 16:1፣ 2 ጢሞ. 3:14, 15) ንኣብነት፡ ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ንሰበይቱ ነቶም ንኣሽቱ ደቆም ብወግዓዊ መገዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎም ወይ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትወስዶም ኣይፈቕደላን ይኸውን። ንውሳነኡ ተኽብረሉ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ከላ ንደቃ ብዛዕባ እምነታ ብምግላጽ ብስነ ምግባራዊ መገዲ ኸተሰልጥኖምን ብዛዕባ የሆዋ ኽትምህሮምን ትኽእል እያ። (ግብ. 4:19, 20) ልክዕ እዩ፡ ደቃ ነየነይቲ ሃይማኖት ኪመርጹ ኸም ዘለዎም ዚውስኑ ባዕላቶም እዮም።—ዘዳ. 30:19, 20 *

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጻረሩ ኣዝማድ

11. ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘይኣመንቲ ኣዝማድካን ጸገም ኪፈጥር ዚኽእል እንታይ እዩ፧

11 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከም ዝጀመርና፡ ንስድራ ቤትና ኣይነገርናዮምን ንኸውን። እምነትና እናደልደለት ምስ ከደት ግና፡ ብዛዕባኡ ኽንነግሮም ኣድላዪ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። (ማር. 8:38) ብትብዓት ዝወሰድካዮ መትከል፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድካን ጸገም እንተ ፈጢሩ፡ ንጽህናኻ ኸየበላሸኻ፡ ባእሲ ብኸመይ ክትንኪ ኸም እትኽእል ዚሕግዘካ ስጕምትታት ንርአ።

12. ዘይኣመንቲ ኣዝማድና ዚጻረሩና ስለምንታይ እዮም፧ ስምዒታቶም ከም እንርድኣሎም ግና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 ንዘይኣመንቲ ኣዝማድካ ተረድኣሎም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ፈለጥና ኣዚና ንሕጐስ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣዝማድና ግና ብዘይፍላጥ ከም እተታለልና ወይ ከኣ መናፍቕ ከም ዝዀንና ይስምዖም ይኸውን። ኣብ በዓላቶም ስለ ዘይንሓብሮም፡ ከም ዝጸላእናዮም ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወትና እውን የተሓሳስቦም ይኸውን። ኣብ ቦታኦም ኴንና ብምሕሳብ ክንርድኣሎም፡ ብሓቂ ዜተሓሳስቦም እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽንፈልጥ ድማ ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ይግባእ። (ምሳ. 20:5) ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅሎም ዓይነት ሰባት” ብስራት ምእንቲ ኼካፍሎም፡ ስምዒታቶም ኪርድኣሎም ይጽዕር ነበረ። ንሕና እውን ንኣባላት ስድራ ቤትና ስምዒታቶም ንርድኣሎም እንተ ዄንና፡ ሓቂ ኺፈልጡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 9:19-23

13. ንዘይኣመንቲ ኣዝማድና ብኸመይ ክንዛረቦም ኣሎና፧

13 ብልእመት ተዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዘረባኹም . . . ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ይብል። (ቈሎ. 4:6) ምስ ኣዝማድና ኽንዛረብ ከለና ፍረ መንፈስ ምእንቲ ኸነርኢ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪህበና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብ ሓሶት እተመስረተ እምነቶም ክንካታዕ የብልናን። ብዘረባኦም ወይ ብግብሮም እንተ ሃስዮምና፡ ኣብነት ሃዋርያት ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እናጸረፉና ንምርቕ፣ እናሰጐጉና ብትዕግስቲ ንጻወር፣ እናኣካፍኡና ብልኡም ንምልስ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረ. 4:12, 13

14. ሰናይ ኣካይዳ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

14 ሰናይ ኣካይዳ ይሃልኻ። ምስ ዘይኣመንቲ ኣዝማድና ኣብ እንገብሮ ርክብ ልኡም ዘረባ ሓጋዚ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰናይ ኣካይዳና ግና ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2, 16 ኣንብብ።) ንኣዝማድካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜሐጕስ ሓዳር ከም ዘለዎም፡ ንደቆም ከም ዚኣልዩ፡ ንጹህን ስነ ምግባራውን ዜዕግብን ህይወት ድማ ከም ዚመርሑ ብኣብነትካ ኣርእዮም። ኣዝማድና ሓቂ እኳ እንተ ዘይተቐበሉ፡ ተኣማንነትና ንየሆዋ ባህ ኸም ዜብሎ ምፍላጥና ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።

15. ናብ ባእሲ ዚመርሕ ኵነታት ንምውጋድ፡ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

15 ናብ ባእሲ ዚመርሕ ኵነታት ንምውጋድ፡ ተዳሎ። ናብ ባእሲ እንታይ ኪመርሕ ከም ዚኽእል ሕሰብ እሞ፡ ብኸመይ ከም እትፈትሖ ወስን። (ምሳ. 12:16, 23) ሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ሓሞይ ንሓቂ ኣበርቲዑ ይጻረር ነበረ። ኣነን ሰብኣየይን ቅድሚ ምድዋልና፡ ሓሪቑ ኺዛረብ ከሎ ኸም ዘረባኡ ምእንቲ ኸይንምልሰሉ፡ ናብ የሆዋ ንጽሊ ነበርና። ጽቡቕ ዕላል ምእንቲ ኸነዕልል፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እንዘራረብ ንዳሎ ነበርና። ናብ ሃይማኖታዊ ኽትዕ ዚመርሕ ነዊሕ ምይይጥ ምእንቲ ኸይፍጠር ድማ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ከም እነዕልል ኣቐዲምና ንምድብ ነበርና።”

16. ኣዝማድካ ብምጕሃዮም በደለኛ ኸም ዝዀንካ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

16 ምስ ዘይኣመንቲ ኣዝማድካ ኼጋጥም ንዚኽእል ዘይምርድዳእ ምሉእ ብምሉእ ከተወግዶ ኸም ዘይትኽእል ፍሉጥ እዩ። ንኣዝማድካ ኣጸቢቕካ ስለ እተፍቅሮም፡ ወትሩ ኸተሐጕሶም ድማ ስለ እትደሊ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምርድዳእ ኬጋጥም ከሎ በደለኛ ኸም ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብቲ ንስድራ ቤትካ ዘሎካ ፍቕሪ፡ እቲ ንየሆዋ እተርእዮ ተኣማንነት ዝያዳ ኺዓዝዝ ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ። ከምዚ ዓይነት መትከል ምስ እትሕዝ፡ ኣዝማድካ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምልላስ ናይ ህይወትን ሞትን ጉዳይ ምዃኑ ኺግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዀይኑ እቲ፡ ንሰባት ሓቂ ኪቕበሉ ኸተገድዶም ኣይትኽእልን ኢኻ። የግዳስ፡ ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ ረብሓ ኸም ዘለዎ ብተግባርካ ኣርእዮም። እቲ ፈቃር ኣምላኽና፡ ዚስዕብዎ መገዲ ባዕሎም ኪመርጹ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።—ኢሳ. 48:17, 18

ኣባል ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ

17, 18. ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ፡ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧

17 ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ምስ ዚውገድ ወይ ከኣ ካብ ጉባኤ ርእሱ ምስ ዜግልል፡ ኣዝዩ ኺመርረካ ይኽእል እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧

18 መንፈሳዊ ልማዳትካ ኣይተቋርጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ብምንባብ፡ ተዳሊኻ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምክፋል፡ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ብምስታፍ፡ ንምጽዋር ሓይሊ ኺውሃበካ ብምጽላይ ንርእስኻ ህነጻ። (ይሁ. 20, 21) እዚ ዅሉ እናገበርካ ኽነስኻ፡ ንስምዒትካ ኽትቈጻጸሮ እንተ ዘይክኢልካኸ፧ ኣይትተሓለል! ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እንተ ዘየቋሪጽካዮ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንሓሳባትካን ንስምዒትካን ክትቈጻጸሮ ኺሕግዘካ እዩ። ተመክሮ ጸሓፍ መዝሙር 73 መርምር። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ብዛዕባ ግጉይ ነገራት ኣብ ዝሓስበሉ ዝነበረ እዋናት፡ ኣዝዩ ተሸጊሩ ነበረ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምስ ኣተወ ግና፡ ኣተሓሳስባኡ ኺእርም ከኣለ። (መዝ. 73:16, 17) ንስኻ እውን፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልካዮ፡ ኣተሓሳስባኻ ኽትእርም ትኽእል ኢኻ።

19. ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ውገዳ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

19 ተግሳጽ የሆዋ ኣኽብር። ተግሳጽ የሆዋ ንግዜኡ መሪር እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅሉ፡ እንተላይ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ነባሪ ረብሓ እዩ ዘለዎ። (እብራውያን 12:11 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ የሆዋ ምስ ሓደ እተወገደ ሰብ ‘ከይንጽምበር’ መምርሒ ሂቡና እዩ። (1 ቈረ. 5:11-13) ነዚ ምትግባሩ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ምስ ሓደ እተወገደ ኣባል ስድራ ቤትና፡ ብተሌፎን ብምዝርራብ፡ ብሞባይልን ብደብዳበን ብኢ-መይልን መልእኽቲ ብምጽሕሓፍ፡ ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብምቅርራብ ዘየድሊ ርክብ ክንገብር የብልናን።

20. ብዛዕባ እንታይ ኢና ተስፋ ኽንገብር ዘሎና፧

20 ተስፋ ኣይትቝረጽ። ፍቕሪ፡ “ኵሉ ተስፋ ትገብር” እያ። እዚ ኸኣ ነቶም ንየሆዋ ዝሓደግዎ ሰባት ናብኡ ኺምለሱ ተስፋ ምግባር እውን ዚሓቍፍ እዩ። (1 ቈረ. 13:7) ሓደ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራ ቤትካ ኸም እተነስሐ ዚሕብር መርትዖ እንተ ርኢኻ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓይሊ ረኺቡ፡ ነቲ “ናባይ ተመለስ” ዚብል ጻውዒት የሆዋ ምላሽ ኪህበሉ ኽትጽልየሉ ትኽእል ኢኻ።—ኢሳ. 44:22

21. ንየሱስ ብምስዓብካ፡ ካብ ስድራ ቤትካ ምጽራር እንተ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

21 የሱስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ካብኡ ኣብሊጽና ምስ እነፍቅሮ፡ ንዕኡ ኸም ዘይንበቅዕ ገሊጹ እዩ። ይኹን እምበር፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ስድራ ቤቶም ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ተኣማንነቶም ከም ዚሕልዉ እምንቶ ነይርዎ እዩ። ንየሱስ ምስዓብካ፡ ኣብ ስድራ ቤትካ “ሰይፊ” እኳ እንተ ኣምጸኣልካ፡ ነቲ ጸገም ክትጻወሮ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል። (ኢሳ. 41:10, 13) የሆዋን የሱስን ከም ዚሕጐሱልካ፡ ተኣማንነትካ ሓሊኻ እንተ ቐጺልካ ኸኣ ዓስቢ ኸም ዚህቡኻ ብምፍላጥካ ባህ ይበልካ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ንዚነብሩ ቘልዑ ብኸመይ ከተሰልጥኖም ከም እትኽእል ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።