ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ራእያት ዘካርያስ ብኸመይ ይጸልወካ፧

ራእያት ዘካርያስ ብኸመይ ይጸልወካ፧

“ናባይ ተመለሱ . . . ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ።”—ዘካ. 1:3

መዝሙር፦ 89, 86

1-3. (ሀ) ዘካርያስ ኪንበ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ፡ “ናባይ ተመለሱ” ዝበሎም ስለምንታይ እዩ፧

እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ፡ ኣብ ውሽጢ ኤፋ ዚብሃል መትሓዚ እተዓጽወት ሰበይቲ፡ ከም ኣኽናፍ ራዛ ዝበለ ኣኽናፍ ዘለወን ኣብ ንፋስ ዚበርራ ኽልተ ኣንስቲ—እዚ ኣብ መጽሓፍ ዘካርያስ ዚርከብ መሳጢ ራእያት እዩ። (ዘካ. 5:1, 7-9) የሆዋ ንነብዪኡ ነዚ መሳጢ ራእያት እዚ ዘርኣዮ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእያት ንዓና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

2 ዓመተ 537 ቅ.ክ. ነቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ህዝቢ፡ ዓመት ታሕጓስ እያ ነይራ። ሽዑ፡ ድሕሪ 70 ዓመት ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ነበሩ። ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም፡ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኪሃንጽዋን ኣብኡ ንየሆዋ ኼምልኽዎን ድማ ተሃንጥዮም ነበሩ። ብ536 ቅ.ክ. ከኣ መሰረት እታ ቤተ መቕደስ ተሰረተ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ድማ ካብ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ።” (እዝ. 3:10-13) ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ምጽራር ኣጋጠሞ። እቶም ህዝቢ ድማ በቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ብድሆታትን ጸገማትን ስለ እተሓለሉ፡ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ኣቋሪጾም፡ ዋኒኖም ኪገብሩን ናብ ግራውቶም ኪምለሱን ጀመሩ። ድሕሪ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት እውን እንተ ዀነ፡ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ደው ኢሉ ነበረ። ህዝቢ ኣምላኽ ናብ የሆዋ ኺምለሱን ንብሕታዊ ጕዳያቶም ቀዳምነት ምሃብ ደው ኬብሉን መዘኻኸሪ የድልዮም ነበረ። እወ፡ የሆዋ ናብኡ ኺምለሱ፡ ንዕኡ ድማ ብትብዓትን ብምሉእ ልቦምን ኬምልኽዎ ይደሊ ነበረ።

3 ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ስለምንታይ ሓራ ኸም ዘውጽኦም ምእንቲ ኼዘኻኽሮም፡ ብ520 ቅ.ክ. ንነብዪ ዘካርያስ ለኣኸሎም። እቲ “የሆዋ ዘከረ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ስም ዘካርያስ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ግብርታት ድሕነት ረሲዖምዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ግና ንህዝቡ ይዝክሮም ነይሩ እዩ። (ዘካርያስ 1:3, 4 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺመልሱ ኸም ዚሕግዞም ብፍቕሪ ኣረጋጊጹሎም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብፍርቂ ልቢ ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዘይጻወር እውን ብጽኑዕ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ በቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻድሻይን ሻውዓይን ራእይ ኣቢሉ ንህዝቡ ብኸመይ ንተግባር ከም ዘለዓዓሎም፡ ንሕና እውን ካብኡ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

ስርቂ ዜስዕቦ መለኮታዊ መቕጻዕቲ

4. ዘካርያስ ኣብታ ሻድሽይቲ ራእዩ እንታይ እዩ ርእዩ፧ እታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብኽልቲኡ ሸነኻ እተጻሕፋ ምዃኑኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ 1 ርአ።)

4 ዘካርያስ ምዕራፍ 5፡ ሓደ ፍሉይ ራእይ ብምግላጽ እያ እትጅምር። (ዘካርያስ 5:1, 2 ኣንብብ።) ዘካርያስ፡ 9 ሜተር ዝንውሓታን 4.5 ሜተር ዝግፍሓን ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትነፍር ከላ ረኣየ። ክትንበብ ድማ ተዘርጊሓ ነበረት። ብኽልቲኡ ሸነኻ ኸኣ መልእኽቲ ፍርዲ ተጻሒፍዋ ነበረ። (ዘካ. 5:3) መብዛሕትኡ እዋን፡ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ብሓደ ሸነኹ ጥራይ እዩ ዚጽሓፎ ነይሩ። ስለዚ፡ እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ብኽልቲኡ ሸነኻ እተጻሕፋ ምዃኑ፡ ከቢድን ኣዝዩ ኣገዳስን መልእኽቲ ኸም ዝሓዘት ዜመልክት እዩ።

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስርቂ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ተቐባልነት የብሉን (ሕጡብ ጽሑፍ 5-7 ርአ)

5, 6. የሆዋ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስርቂ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧

5 ዘካርያስ 5:3, 4 ኣንብብ። ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ብስሙ ዚጽውዑ ህዝቡ ግና ዝያዳ ተሓታትነት ኣለዎም። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ዘበሉ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስርቂ ‘ንስም ኣምላኾም ከም ዜሕስሮ’ ይፈልጡ እዮም። (ምሳ. 30:8, 9) ገሊኦም ሰባት፡ እኹል ምኽንያት እንተ ኣልዩካ፡ ስርቂ ጌጋ ኸም ዘይኰነ ይሓስቡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ኪሰርቕ ዚድርኾ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ዚሰርቕ ሰብ ብስስዐ ተደሪኹ ንስጋዊ ጥሪት ካብ ኣምላኽ ኣብሊጹ እዩ ዚርእዮ። ንሕጊ ኣምላኽ ይንዕቆ፡ ንየሆዋን ንስሙን ከኣ ዋላ ሓንቲ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገይሩ ይቘጽሮ እዩ።

6 ዘካርያስ 5:3, 4፡ ‘መርገም ናብ ቤት እቲ ሰራቒ ኸም ዚኣቱ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ከም ዚጸንሕ፡ ነታ ቤት ድማ ከም ዚበልዓ’ ይገልጽ። እወ፡ እቲ ኸቢድ ፍርዲ የሆዋ፡ ማዕጾኻ ብመሸጐር ዓጺኻ እተምልጦ ኣይኰነን። ናብ ዝዀነ ይኹን መሕብኢ ኣትዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዚግበር ሕማቕ ግብሪ ኼቃልዖ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰራቒ ነቲ ተግባሩ ኻብ ሰበ ስልጣንን ኣስራሕቱን ሽማግለታትን ወለዱን ኪሓብኦ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ንዅሉ ስርቂ ዜግህዶ ኣምላኽ ግና ኪሓብኦ ኣይክእልን እዩ። (እብ. 4:13) ምስቶም “ኣብ ኵሉ” ቕኑዓት ኪዀኑ ዚጽዕሩ ህዝቢ ምሕባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ።—እብ. 13:18

7. ካብ መርገም እታ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከነምልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ስርቂ ይጸልኦ እዩ። ስለዚ፡ ብኣካይዳና ንስም ኣምላኽ ምእንቲ ኸይነጽርፎ፡ ነዚ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓት የሆዋ ሓሊና ኽንነብር ኢና እንደሊ። በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኰነ ኢሎም ሕግታቱ ዚጥሕሱ ሰባት ዜምጽኦ ፍርዲ ኸነምልጥ ንኽእል ኢና።

“መዓልቲ መዓልቲ” ቓልና ንሓሉ

8-10. (ሀ) ማሕላ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንጉስ ጼዴቅያስ ነየናይ ማሕላ እዩ ዘፍረሰ፧

8 ኣብታ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ቀጺሉ ነቶም ‘ብስም ኣምላኽ ብሓሶት ዚምሕሉ’ መጠንቀቕታ ይህብ። (ዘካ. 5:4) ማሕላ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዚዝረብ ቃል፡ ወይ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ከም ዚገብር ወይ ከም ዘይገብር ዚኣትዎ መብጽዓ እዩ።

9 ብስም የሆዋ እትምሕሎ ማሕላ፡ ኣርዚንካ እዩ ኺርአ ዘለዎ። ብዛዕባ እዚ ኻብቲ ኣብ ዝፋን የሩሳሌም ዝነገሰ ናይ መወዳእታ ንጉስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ጼዴቅያስ ንንጉስ ባቢሎን እሙን ጊልያ ኸም ዚዀኖ ብስም የሆዋ ምሒሉ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ቃሉ ኣይሓለወን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሆዋ ፈረዶ፡ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ . . . [ጼዴቅያስ] ኣብ ባቢሎን፡ እቲ ዘንገሶ፡ እቲ ማሕላኡ ዝነዓቖን ኪዳኑ ዘፍረሶን ንጉስ ኣብ ዚነብረላ ቦታ ኺመውት እዩ።”—ህዝ. 17:16

10 ንጉስ ጼዴቅያስ ብስም ኣምላኽ ምሒሉ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ቓሉ ኺሕሉ ትጽቢት ይገብረሉ ነይሩ እዩ። (2 ዜና 36:13) ጼዴቅያስ ግና፡ ካብ ኣርዑት ባቢሎን ሓራ ንምውጻእ ሓገዝ ግብጺ ኺረክብ ፈቲኑ እዩ። ግናኸ፡ ኣይሰለጦን።—ህዝ. 17:11-15, 17, 18

11, 12. (ሀ) ካብ ኵሉ መብጽዓታት ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣየናይ እዩ፧ (ለ) እቲ ህይወትና ኽንውፊ ኸለና ዝኣቶናዮ መብጽዓ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኺጸልወና ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ነቲ እንኣትዎ ቓል እውን ይሰምዖ እዩ። ንመብጽዓታትና ኣርዚኑ ስለ ዚርእዮ ድማ፡ ሞገሱ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ መብጽዓታትና ኽንሕሉ ኣሎና። (መዝ. 76:11) ካብ ኵሉ ብዝያዳ ኸኣ፡ እቲ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና ዝኣቶናዮ ቓል ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ። ወፈያ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ቅድመ ዅነት ንየሆዋ ኸነገልግሎ እንኣትዎ መብጽዓ እዩ።

12 ነቲ ህይወትና ኽንውፊ ኸለና ዝኣቶናዮ መብጽዓ ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንእሽቶ ዀነ ብርቱዕ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ በቲ ነዚ ፈተናታት እዚ እንህቦ ምላሽ፡ ነቲ “መዓልቲ መዓልቲ” ንየሆዋ ኽንውድሶ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ኸም እነኽብሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (መዝ. 61:8) ንኣብነት፡ ኣብ ስራሕና ወይ ኣብ ቤት ትምህርትና ሓደ ሰብ ምሳና ኺኳሸም ኪጽዕር ከሎ፡ ነቲ ፈተና ብምቅዋም ‘ብመገድታት የሆዋ ባህ ከም ዚብለና’ ነርኢ ዲና፧ (ምሳ. 23:26) ወይ እውን ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ንነብር እንተ ዄንና፡ እቶም ምሳና ዚነብሩ ክርስትያናዊ ባህርያት ዘየርእዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ነዚ ባህርያት እዚ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ ሓገዝ የሆዋ ንልምን ዲና፧ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ስለ ዚመርሓናን ስለ ዜፍቀረናን መዓልቲ መዓልቲ ብጸሎት ነመስግኖ ዲና፧ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብከ ግዜ ንምድብ ዲና፧ ንምዃኑ፡ ነዚ ዅሉ ኽንገብር ደይኰንናን ቃል ኣቲና፧ ከምኡ ምግባርና፡ ተኣዛዝነትና እነርእየሉ መገዲ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ንኣምልኾና ውፉያት ምዃንና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ብሓቂ ንዕኡ ኸም እተወፈናን እዩ ዜርኢ። ኣምልኾና ንማለቱ ዚግበር ዘይኰነስ፡ ክፍሊ ህይወትና እዩ። ቃልና ምሕላውና ንጥቕምና እዩ፣ ከመይሲ፡ እሙናት ምስ እንኸውን ዜተኣማምን መጻኢ እዩ ዚህልወና።—ዘዳ. 10:12, 13

13. ካብቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻድሻይ ራእይ እንታይ ኢና እንምሃር፧

13 እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻድሻይ ራእይ፡ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ኪሰርቁ ወይ ብሓሶት ኪምሕሉ ኸም ዘይግብኦም ክንርዳእ እዩ ዚሕግዘና። እስራኤላውያን ይሓጥኡ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ጸላእቶም ጸቕጢ ይገብሩሎም ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቃሉ ብምሕላው ድማ ሰናይ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። ቃልና ኽንሕሉ እውን ኪሕግዘና እዩ። ሓደ ኻብቲ ንዓና ዚሕግዘሉ መገዲ ድማ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅሉ እከይ ካብ ምልእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦ ተስፋ ምሃቡ እዩ። እቲ ዘካርያስ ቀጺሉ ዝረኣዮ ራእይ፡ ነዚ ብሩህ ተስፋ እዚ እዩ ዜረጋግጸልና።

እከይ ‘ኣብ ግቡእ ቦታኣ ተነብረት’

14, 15. (ሀ) ዘካርያስ ኣብቲ ሻውዓይ ራእይ እንታይ እዩ ርእዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ 2 ርአ።) (ለ) ኣብ ውሽጢ እቲ ኤፋ ዝነበረት ሰበይቲ እንታይ እያ እተመልክት፧ ኣብኡ እተዓጽወትከ ስለምንታይ እያ፧

14 ዘካርያስ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ሓደ መልኣኽ፡ “ኣዒንትኻ ኣልዒልካ . . . ርአ” በሎ። እሞኸ ኣብቲ ሻውዓይ ራእይ እንታይ እዩ ርእዩ፧ ኤፋ ዚብሃል መስፈር ኪወጽእ ከሎ እዩ ርእዩ። (ዘካርያስ 5:5-8 ኣንብብ።) እቲ ኤፋ፡ “ካብ ዓረር እተገብረ ኸቢብ መኽደኒ” ነበሮ። እቲ መኽደኒ ምስ ተላዕለ፡ ዘካርያስ ‘ኣብ ውሽጢ እታ ኤፋ ሰበይቲ ተቐሚጣ’ ረኣየ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኣብቲ ኤፋ ዚብሃል መስፈሪ ዝነበረት ሰበይቲ፡ “እከይ” ምዃና ገለጸሉ። እታ ሰበይቲ ኻብቲ ተዓጽያትሉ ዝነበረት ቦታ ሰላሕ ኢላ ኽትወጽእ ክትፍትን ከላ፡ ዘካርያስ እተሰምዖ ስምባድ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እቲ መልኣኽ ግና ቀልጢፉ ናብቲ ኤፋ ደርበያ፡ ብኸቢድ ዓረር ገይሩ ድማ ነቲ ኤፋ ዓጸዎ። እዚ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

15 እዚ ራእይ እዚ፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝቡ ንዚግበር ዝዀነ ይኹን እከይ ከም ዘይጻወሮ እዩ ዜመልክት። እከይ ኪርኢ ኸሎ፡ ምእንቲ ኸየስፋሕፍሕ ይዓግቶን ብቕልጡፍ የወግዶን እዩ። (1 ቈረ. 5:13) እቲ መልኣኽ ነቲ ኤፋ በቲ ዓረር ገይሩ ምዕጻዉ፡ ነዚ መረጋገጺ ይዀነና እዩ።

የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዜጽርዮ ኣተስፍዩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-18 ርአ)

16. (ሀ) ዘካርያስ እታ ኤፋ እንታይ ክትከውን ከላ እዩ ርእዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ 3 ርአ።) (ለ) እተን ኣኽናፍ ዝነበረን ኣንስቲ ነታ ኤፋ ናበይ እየን ወሲደናኣ፧

16 ቀጺሉ ኣብቲ ራእይ፡ ከም ኣኽናፍ ራዛ ዝበለ ብርቱዕ ኣኽናፍ ዘለወን ክልተ ኣንስቲ ተራእያ። (ዘካርያስ 5:9-11 ኣንብብ።) እዘን ኣንስቲ እዚአን ካብታ ኣብቲ ኤፋ ዝነበረት ሰበይቲ ኣዝየን እተፈልያ እየን ነይረን። በቲ ብርቱዕ ኣኽናፈን ገይረን ከኣ ነታ “እከይ” ዝሓዘት ኤፋ ኣልዓላኣ። ናበይ ደኣ እየን ኪወስዳኣ፧ ናብ “ምድሪ ሲንኣር፡” ወይ ናብ ባቢሎን እየን ወሲደናኣ። ናብኡ ዝወሰዳኣ ግና ስለምንታይ እየን፧

17, 18. (ሀ) ሲንኣር፡ “እከይ” ክትንበረሉ ዘለዋ “ግቡእ ቦታ” ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ብዛዕባ እከይ እንታይ ዓይነት ቈራጽነት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

17 ነቶም ብግዜ ዘካርያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ እከይ ናብ ምድሪ ሲንኣር እተወስደትሉ ምኽንያት ኪርድኦም ይኽእል ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ዘካርያስን ካልኦት ኣይሁድን፡ እታ ብግዜኦም ዝነበረት ከተማ ባቢሎን ስፍራ እከይ ከም ዝነበረት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣብታ ብርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ዝመልአት ከተማ ኺዓብዩ ኸለዉ፡ መዓልቲ መዓልቲ እታ ኣረማዊት ከተማ ንእትገብረሎም ጽልዋ ኣበርቲዖም ኪጻረርዎ የድልዮም ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ራእይ፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዜጽርዮ ዜረጋግጽ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ራእይ እፎይታ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ።

18 እቲ ራእይ ግና፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንጽህና ኣምልኾኦም ኪሕልዉ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ኣዘኻኺርዎም እዩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ፡ እከይ ሰላሕ ኢሉ ኺኣቱን ኣብኡ ኪቕመጥን ፈጺምካ ኺፍቀደሉ የብሉን። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ናብታ ንጽህቲ ውድቡ ስሒቡ፡ ዕቝባን ፍቕርን ክንረክብ ካብ ገበረና፡ ንጽህና እታ ውድብ ክንሕሉ ሓላፍነት ኣሎና። እዝስ ንጽህና ‘ቤትና’ ኽንሕሉ ኼለዓዕለናዶ ኣይግባእን፧ እወ፡ ኣብ መንፈሳዊ ገነትና፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት እከይ ቦታ የብሉን።

ንጹሃት ህዝቢ ንየሆዋ የኽብርዎ

19. እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ መሳጢ ራእያት ንዓና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

19 እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻድሻይን ሻውዓይን ራእይ፡ ነቶም እከይ እናገበሩ ዚነብሩ ኸቢድ መጠንቀቕታ እዩ ዚዀኖም። የሆዋ፡ እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ከም ዘይፈቅድ ድማ እዩ ዜዘኻኽረና። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸኣ፡ ንእከይ ካብ ልቦም ኪጸልእዎ ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእያት፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝሃበና ፍቕራዊ መረጋገጺ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ከመይሲ፡ ሞገስን ዕቝባን ኣምላኽ ክንረክብ ኣበርቲዕና ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ሞት ዜስዕብ መርገም ኣይኪበጽሓናን እዩ። እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ብሓጐስ ኪባርኸና እዩ። ኣብዛ ብእከይ ዝመልአት ዓለም ንጽህናና ንምሕላው እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ ዀይኑ ኣይተርፍን እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ኸም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጸኒዑ ኸም ዚቕጽል ግና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኪቐርብ ከሎ፡ የሆዋ ንውድቡ ኸም ዜዕቍባ ዜተኣማምነና እንታይ እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ክንምርምር ኢና።