ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰረገላታትን ዘውድን ኪሕልዉኻ እዮም

ሰረገላታትን ዘውድን ኪሕልዉኻ እዮም

“ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ብርግጽ እንተ ሰሚዕኩም ከኣ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ዘካ. 6:15

መዝሙር፦ 61, 22

1, 2. ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻውዓይ ራእይ ኪዛዘም ከሎ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ነይሮም፧

ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻውዓይ ራእይ ኪዛዘም ከሎ፡ እቲ ነብዪ ብዙሕ ዚሓስበሉ ነገራት ነይርዎ እዩ። የሆዋ ነቶም ዘይቅኑዓት ሰባት በቲ እኩይ ተግባራቶም ተሓተትቲ ኸም ዚገብሮም ቃል ኣትዩ ነይሩ እዩ። እዚ ቓል እዚ ድማ፡ ንዘካርያስ ኣጸናኒዕዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዋላ ሓንቲ እተለወጠ ነገር ኣይነበረን። ብዙሓት ሰባት፡ እከይን ቅንዕና ዘይብሉ ተግባራትን ይገብሩ ነበሩ። ዳግመ ህንጸት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ድማ ገና ኣቋሪጹ ነበረ። ኣይሁድ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ቐልጢፎም ጠንጢኖምዎ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ናብ ዓዶም እተመልሱ ንጥቕሞም ጥራይ ኢሎም ድዮም ነይሮም፧

2 ዘካርያስ፡ እቶም ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኣይሁድ፡ ሰብ እምነት ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣባይቶምን ስራሖምን ሓዲጎም ናብ ዓዶም ኪምለሱ “ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ” እዮም ነይሮም። (እዝ. 1:2, 3, 5) ነታ ዚፈልጥዋ ምድሪ ሓዲጎም፡ መብዛሕትኦም ርእዮምዋ ናብ ዘይፈልጡ ዓዲ እዮም መጺኦም። ዳግመ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኣገዳሲ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ብኣኽራንን ሓባጥ ጐባጥን ብዝበዝሖ መገድን ኣስታት 1,600 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ከቢድ ጕዕዞ ኣይምተጓዕዙን።

3, 4. እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዎም ነይሩ፧

3 እቲ ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኸመይ እዩ ነይሩ፧ እቶም ኣይሁድ ብሓንሳእ ኪጐዓዙ ኸለዉ፡ ብዛዕባ እታ ሓዳስ መንበሪቶም ብዙሕ ከም ዝሓሰቡ ርዱእ እዩ። ቀደም ከተማ የሩሳሌም ኣዝያ ጽብቕቲ ኸም ዝነበረት ሰሚዖም ነይሮም እዮም። እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ኣረገውቲ ድማ፡ እታ ቤተ መቕደስ ቀደም ዝነበራ ኽብሪ ርእዮም ነይሮም እዮም። (እዝ. 3:12) ምሳታቶም ተጓዒዝካ እንተ ትኸውን፡ ነታ ሓዳስ መንበሪትካ ዝዀነት የሩሳሌም ርእይ ምስ ኣበልካያ ኸመይ ኰን ምተሰምዓካ፧ እቲ ዝዓነወ ህንጻታት ብሳዕረ ማዕሪ ተሸፊኑ ምስ ረኣኻስ ኣይምሓዘንካንዶ፧ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ቀደም ዝነበረ ኣፍ ደገታትን ዘብዐኛታት ደው ዚብሉሉ ግምብታትን ዝነበሮ መካበብያ ምስቲ ኣብ ባቢሎን ሓዲግካዮ ዝመጻእካ ድርብ መካበብያታት መወዳደርካዮዶ፧ እቶም ህዝቢ ግና በዚ ተስፋ ኣይቈረጹን። ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸለዉ የሆዋ ኻብ ሓደገኛ ዅነታት ብኸመይ ከም ዘድሓኖምን ከም ዘዕቈቦምን ርእዮም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ እትው ምስ በሉ፡ ኣብቲ ቐደም ቤተ መቕደስ ዝነበረትሉ ቦታ መሰውኢ ሰርሑ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ የቕርቡሉ ነበሩ። (እዝ. 3:1, 2) ኣብ ፈለማ፡ ነቶም ኣዝዮም ተሓጒሶም ዝነበሩ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኬቝርጾም ዚኽእል ነገር ዝነበረ ኣይመስልን እዩ ነይሩ።

4 እስራኤላውያን፡ ቤተ መቕደስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከተማታቶም እውን ኪሃንጹ የድልዮም ነበረ። ኣባይቶም ኪሃንጹ፡ ግራውቶም ኪሓርሱ፡ ስድራ ቤቶም ኪምግቡ ነበሮም። (እዝ. 2:70) እቲ ዕዮ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ዚመስል ነይሩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ከቢድ ምጽራር ኣጋጠሞም። ኣብ ፈለማ ነቲ ዘጋጠሞም ምጽራር ተቢዖም እኳ እንተ መከትዎ፡ እቲ ን15 ዓመት ዝቐጸለ ምጽራር በብቝሩብ ኣዳኺምዎም ነበረ። (እዝ. 4:1-4) ብ522 ቅ.ክ. ንጉስ ፋርስ ህንጸት የሩሳሌም ደው ኬብሉ ምስ ኣዘዞም ከኣ ካልእ ብድሆ ኣጋጠሞም። እታ ኸተማ ፈጺማ ዘይትህነጽ እዩ ዚመስል ነይሩ።—እዝ. 4:21-24

5. የሆዋ ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ህዝቡ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ፡ ህዝቡ እንታይ ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንኣይሁድ፡ ከም ዜፍቅሮም፡ ነቲ ኽሳዕ ሽዑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮ፡ ናብ ዕዮኡ እንተ ተመሊሶም ከኣ ከም ዜዕቍቦም ኬረጋግጸሎም ኢሉ ንዘካርያስ ናይ መወዳእታ ራእይ ኣርኣዮ። ምስ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ብዚተሓሓዝ ከኣ፡ የሆዋ፡ “ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ብርግጽ እንተ ሰሚዕኩም ከኣ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ቓል ኣተወሎም።—ዘካ. 6:15

ፈረሰኛታት መላእኽቲ

6. (ሀ) እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሻምናይ ራእይ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እቶም ኣፍራስ እተፈላለየ ሕብሪ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

6 ካብቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ሸሞንተ ራእያት እቲ ናይ መወዳእታ ራእይ፡ ካብ ኵሉ ብዝያዳ እምነት ዜደልድል እዩ። (ዘካርያስ 6:1-3 ኣንብብ።) ነቲ ራእይ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፦ “ካብ መንጎ ኽልተ ኸረን . . . ነሓሲ፡” ንውግእ እተዓጥቃ ኪዀና ዚኽእላ ኣርባዕተ ሰረገላ እናገስገሳ መጻ። እቶም ነተን ሰረገላታት ዚስሕብወን ዝነበሩ ኣፍራስ እተፈላለየ ሕብሪ እዩ ነይርዎም። እዚ ድማ ነቶም ተወጣሕቲ ፈሊኻ ኸተለልዮም ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ዘካርያስ፡ “እዚኣቶም እንታይ እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። (ዘካ. 6:4) ንሕና እውን እዚ ራእይ እዚ ብቐጥታ ስለ ዚጸልወና፡ ትርጉሙ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና።

የሆዋ፡ ሎሚ እውን ብመላእኽቱ ኣቢሉ ንህዝቡ የዕቍቦምን የበርትዖምን እዩ

7, 8. (ሀ) እቲ ኽልተ ኣኽራን ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) እቲ ኣኽራን፡ ኣኽራን ነሓሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣኽራን ንመንግስትታት ኬመልክት ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ጸብጻብ ዘካርያስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣኽራን ድማ ምስቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዚርከብ ክልተ ኣኽራን ይመሳሰል እዩ። እቲ ሓደ ኸረን ነቲ ልዑላውን ዘለኣለማውን ግዝኣት የሆዋ እዩ ዜመልክት። እቲ ሓደ ድማ፡ ነታ ኣብ ኢድ የሱስ ዘላ መሲሓዊት መንግስቲ እዩ ዜመልክት። (ዳን. 2:35, 45) የሱስ ኣብ ቀውዒ ናይ 1914 ካብ ዚነግስ ኣትሒዙ፡ ክልቲኡ ኣኽራን ብሓባር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺፍጸም ፍሉይ እጃም የበርክት ኣሎ።

8 እቲ ኣኽራን፡ ኣኽራን ነሓሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነሓሲ ኸም ወርቂ ኣኽቢርካ ዚርአ ዓይነት ብረት እዩ። የሆዋ ንህዝቡ፡ ነዚ ዜንጸባርቕ ብረት እዚ ኣብ ዕዮ ህንጸት ማሕደር፡ ደሓር ድማ ኣብ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኪጥቀሙሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 27:1-3፣ 1 ነገ. 7:13-16) ስለዚ፡ እቲ ኽልተ ምሳልያዊ ኣኽራን ካብ ነሓሲ እተገብረ ምዃኑ፡ ብሉጽነት ልዑላውነት የሆዋን እታ ንዅሎም ደቂ ሰብ ርግኣትን በረኸትን እተምጽእ መሲሓዊት መንግስትን እዩ ዜዘኻኽረና።

9. ተወጣሕቲ እተን ሰረገላታት መን እዮም፧ ዕዮኦምከ እንታይ እዩ፧

9 ሕጂ ድማ ብዛዕባ እተን ኣርባዕተ ሰረገላ እስከ ንሕሰብ። እተን ሰረገላታትን እቶም ተወጣሕተንን እንታይ እዮም ዜመልክቱ፧ እቶም ተወጣሕቲ ሰረገላታት፡ መላእኽቲ እዮም፣ ምናልባት ከኣ፡ በብጕጅለ እተወደቡ መላእኽቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘካርያስ 6:5-8 ኣንብብ።) ፍሉይ ተልእኾ ሒዞም ከኣ፡ ካብ “ቅድሚ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ” ወጹ። እንታይ ዕዮ እዩ ተዋሂብዎም፧ እተን ሰረገላታትን ተወጣሕተንን ናብ ሓደ ቦታ እዮም ተላኢኾም። እቲ እተዋህቦም ሓላፍነት ከኣ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ “ምድሪ ሰሜን፡” ማለት ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ኼዕቍቡ እዩ ነይሩ። የሆዋ በዚ ራእይ እዚ ኣቢሉ፡ ህዝቡ ኸም ብሓድሽ ባሮት ባቢሎን ከም ዘይኰኑ ኣረጋጊጹ እዩ። እዝስ ነቶም ብግዜ ዘካርያስ ንቤተ መቕደስ ዚሃንጽዋ ዝነበሩ ህዝቢ ኸመይ ዝበለ መጸናንዒ ዀን እዩ ነይሩ! ጸላእቶም ዕንቅፋት ከይኰንዎም ኪፈርሁ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ።

10. ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ብዛዕባ ሰረገላን ተወጣሕተንን ዚገልጽ ትንቢት መጸናንዒ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

10 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምቲ ብግዜ ዘካርያስ ዝገበሮ፡ ሎሚ እውን ብመላእኽቱ ኣቢሉ ንህዝቡ የዕቍቦምን የበርትዖምን እዩ። (ሚል. 3:6፣ እብ. 1:7, 14) ብ1919 መንፈሳውያን እስራኤል ካብ ምሳልያዊ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኻብ ዚወጹ ኣትሒዞም፡ ዘየቋርጽ ምጽራር ኣጋጢምዎም እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ንዝርጋሐ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ማንም ኪዓግቶ ኣይከኣለን። (ራእ. 18:4) ዕቝባ መላእኽቲ ስለ ዘሎና፡ ውድብ የሆዋ መሊሳ ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ጭቈና ኽትኣቱ እያ ኢልና ኣይንሰግእን ኢና። (መዝ. 34:7) የግዳስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ እናበልጸጉ ኸም ዚኸዱ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ ክንሓስብ ከለና፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ኽልተ ኣኽራን ዕቑባ ኸም ዝረኸብና ንተኣማመን ኢና።

11. ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚመጽእ መጥቃዕቲ ኽንፈርሆ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

11 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥፍኡ ኢሎም ጥምረት ኪፈጥሩ እዮም። (ህዝ. 38:2, 10-12፣ ዳን. 11:40, 44, 45፣ ራእ. 19:19) እዞም ሓይልታት እዚኦም፡ ከም ደበናታት ነታ ምድሪ ኸም ዚኸድንዋ፡ ኣብ ኣፍራስ ተወጢሖም ከኣ ብቝጥዓ ኸም ዚመጹ ትንቢት ህዝቅኤል ይገልጽ እዩ። (ህዝ. 38:15, 16) * እሞኸ ኽንፈርህ ይግባኣና ድዩ፧ ኣይፋልን። ከመይሲ፡ ኣብ ጐድንና ዝዀኑ ፈረሰኛታት ኣለዉና። እቲ ብርቱዕ ጸባብ ኣብ ወሳኒ ህሞት ምስ በጽሐ፡ እቶም ሰራዊት የሆዋ ዝዀኑ መላእኽቲ ሓቢሮም ንህዝቢ ኣምላኽ ኬዕቍብዎም፡ ነቶም ንልዑላውነቱ ዚጻረሩ ድማ ኬጥፍእዎም እዮም። (2 ተሰ. 1:7, 8) እታ መዓልቲ እቲኣስ ኣየ ኸመይ ዝበለት ዓባይ መዓልቲ ዀን ክትከውን እያ! ነቲ ሰማያዊ ሰራዊት የሆዋ ዝመርሖ ግና መን እዩ፧

የሆዋ ንንጉሱን ንኻህኑን የንግሶ

12, 13. (ሀ) ዘካርያስ እንታይ ኪገብር እዩ ተነጊርዎ፧ (ለ) እቲ ብቋል እተባህለ ሰብኣይ ብትንቢታዊ መገዲ ንየሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

12 ነቲ ሸሞንተ ራእያት ዝረኣዮ፡ ዘካርያስ ጥራይ እዩ ነይሩ። ቀጺሉ ድማ፡ ነቶም ኣብ ዳግመ ህንጸት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዚካፈሉ ሰባት ዜተባብዕ ትንቢታዊ ነገር ገበረ። (ዘካርያስ 6:9-12 ኣንብብ።) በቲ እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ሔልዳይን ጦብያን የዳዕያን ዚብሃሉ ሰለስተ ሰባት ካብ ወፈያ እቲ ህዝቢ ዜምጽእዎ ብሩርን ወርቅን ገይሩ፡ “ዓብዪ ዘውዲ” ኺሰርሕ ተነግሮ። (ዘካ. 6:11፡ እ.ጽ.) እሞኸ ዘካርያስ ነቲ ዝሰርሖ ዘውዲ ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳን ካብ ዘርኢ ዳዊትን ዝነበረ ሹም ዘሩባቤል ኪገብሮ ድዩ ተነጊርዎ፧ ኣይፋልን። ነቲ ዘውዲ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱ እዩ ኣንቢርዎ። እዚ ድማ ነቶም ዚርእይዎ ዝነበሩ ሰባት ኣገሪምዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

13 እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ርእሱ ዘውዲ ስለ እተደፍኣሉ ንጉስ ኰይኑ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን፣ እያሱ ኻብ ሓረግ መንግስቲ ዳዊት ስለ ዘይነበረ፡ ንጉስ ኪኸውን ኣይበቅዕን እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሱ ዘውዲ እተደፍኣሉ፡ ብትንቢታዊ መገዲ ነቲ ናይ መጻኢ ዘለኣለማዊ ንጉስን ካህንን ንምምልካት እዩ። እቲ ዝነገሰ ሊቀ ኻህናት፡ ብቋል ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እቲ ብቋል፡ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይሕብር እዩ።—ኢሳ. 11:1፣ ማቴ. 2:23፡ እ.ጽ.።

14. የሱስ ከም ንጉስን ሊቀ ኻህናትን መጠን እንታይ ዕዮ እዩ ዚዓዪ፧

14 እቲ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ፡ መራሒ እቲ ሰማያዊ ሰራዊት የሆዋ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብዛ ብዓመጻ ዝመልአት ዓለም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓፈሻ፡ ብደሓን ኪነብሩ ኣበርቲዑ ይዓዪ ኣሎ። (ኤር. 23:5, 6) ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ፡ ክርስቶስ መሪሕነት ወሲዱ ንልዑላውነት ኣምላኽን ንህዝቢ የሆዋን ብምድጋፍ ንዅሎም ኣህዛብ ኪስዕሮም እዩ። (ራእ. 17:12-14፣ 19:11, 14, 15) እቲ ብቋል፡ ፍርዲ ቕድሚ ምፍጻሙ ግና ካልእ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣለዎ።

ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ እዩ

15, 16. (ሀ) ኣብዚ ግዜና እተኻየደ ናይ ምምላስን ምጽራይን ዕዮ እንታይ እዩ፧ መንከ እዩ ኣካይድዎ፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

15 የሱስ፡ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን ተሸይሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺሃንጽ’ እውን ሓላፍነት ተዋሂብዎ እዩ። (ዘካርያስ 6:13 ኣንብብ።) ብ1919 ድማ፡ የሱስ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ብምውጻእን ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምምላስን ነዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ኣካይዱ እዩ። ነቲ ኣብ ምድራዊ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዚካየድ ዕዮ ህንጸት ዚመርሕ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ድማ ሸይሙ እዩ። (ማቴ. 24:45) ብዘይካዚ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጽርይዎምን ንጹህ ኣምልኾ ኬቕርቡ ሓጊዝዎምን እዩ።—ሚል. 3:1-3

16 ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ከኣ፡ የሱስን እቶም መጋዝእቱ ዝዀኑ 144,000 ነገስታትን ካህናትን ንእሙናት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኼብጽሕዎም እዮም። እዚ ዕዮ እዚ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ ዚተርፉ እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ጥራይ ኪዀኑ እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ መሊሱ ኪቐውም እዩ።

ኣብ ዕዮ ህንጸት እጃምካ ኣበርክት

17. የሆዋ ቐጺሉ ንኣይሁድ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧ እቲ መልእኽቲኸ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም፧

17 መልእኽቲ ዘካርያስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ኣብ ዕዮኦም ደገፉን ዕቝባኡን ከም ዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም እዩ። እቲ ቤተ መቕደስ ከም እትህነጽ ዚገልጽ መረጋገጺ ድማ፡ ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ህዝቢ ተስፋ ሂብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ዕዮ ኺፍጽምዎ ዚኽእሉ ግና ብኸመይ እዮም፧ እቲ ዘካርያስ ቀጺሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ነቲ ዝነበሮም ሒደት ጥርጣረ እውን እንተ ዀነ ኼወግድዎ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኸም ብዓል ሔልዳይን ጦብያን የዳዕያን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ዚገብሩሎም ዝነበሩ ደገፍ፡ ካልኦት ‘መጺኦም ኣብ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም ዚሳተፉ፡’ ኣምላኽ ተዛሪቡ እዩ። (ዘካርያስ 6:15 ኣንብብ።) ኣይሁድ ድማ መለኮታዊ ደገፍ ከም ዚህልዎም ስለ እተኣማመኑ፡ እቲ ዕዮ ህንጸት ተኣጊዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ቀልጢፎም ነቲ ዕዮ እንደገና ጀመርዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ኸም ከረን ዘይብዳህ ዚመስል ዝነበረ መንግስታዊ እገዳ ኣልዓሎ፣ ብ515 ቅ.ክ. ድማ እታ ቤተ መቕደስ ተሃኒጻ ተወድአት። (እዝ. 6:22፣ ዘካ. 4:6, 7) ይኹን እምበር፡ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ነዚ ግዜና እውን ዚምልከት እዩ።

የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዘርኣናዮ ፍቕሪ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

18. ዘካርያስ 6:15 ኣብዚ ግዜና እትፍጸም ዘላ ብኸመይ እያ፧

18 ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይሓብሩ ኣለዉ፣ ካብ ልቦም ተለዓዒሎም ከም ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ዝኣመሰለ ‘ጥሪቶም’ ብምውፋይ ከኣ፡ ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ይድግፍዋ ኣለዉ። (ምሳ. 3:9) የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እንህቦ ደገፍ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብዛዕባ እቶም ነቲ ዘካርያስ ዝሰርሖ ዘውዲ ዚኸውን ነገራት ዜምጽኡ ሔልዳይን ጦብያን የዳዕያን እሞ ሕሰብ። እቲ ዘውዲ፡ “መዘከርታ” እቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝገበርዎ ወፈያ ዀይኑሎም እዩ። (ዘካ. 6:14) ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዕዮናን ነቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። (እብ. 6:10) እወ፡ ንዘለኣለም ኪዝክሮ እዩ።

19. ራእያት ዘካርያስ ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

19 ኵሉ እቲ ኣብዚ ዳሕሮት መዓልትታት ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተዓምመ ነገራት፡ ደገፍ የሆዋን መሪሕነት ክርስቶስን ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣባላት እታ ርግእትን ውሕስትን ዘለኣለማዊትን ውድብ ኢና። እቲ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዚገልጽ ዕላማ የሆዋ ድማ፡ “ኪኸውን” ወይ ኪፍጸም እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ እተበርክቶ እጃም ኣኽቢርካ ርኣዮ፣ ‘ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብርግጽ ስማዕ።’ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ንጉስናን ሊቀ ኻህናትናን ኰነ እቶም ሰማያውያን ተወጣሕቲ እተን ሰረገላታት ኬዕቍቡኻ እዮም። እምበኣር፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትድግፎ ዝከኣለካ ግበር። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ስርዓት ዓለም ኰነ ንዘለኣለም፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪሕልወካን ኬዕቍበካን እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-30 ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብትና” ርአ።