ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ”

“ከም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ”

“ዓርክና ደቂሱ ኣሎ፣ ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ።”—ዮሃ. 11:11

መዝሙር፦ 142, 129

1. ማርታ ብዛዕባ ሓዋ እንታይ ምትእምማን እዩ ነይርዋ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ንየሱስ ናይ ቀረባ ዓርኩን ሓንቲ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱን ዝነበረት ማርታ፡ ሓዘን ኣጋጢምዋ ነበረ። ሓዋ ኣልኣዛር ሞይቱ ነበረ። እሞ ደኣ ሓዘና ኼፋዅሰላ ዚኽእል ነገር ነይሩዶ፧ እወ። የሱስ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ። እዚ ንዅሉ ሓዘና ዚድምስሶ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ማርታ ነቲ የሱስ ዝሃባ መጸናንዒ ተቐቢላቶ እያ። “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” ድማ በለት። (ዮሃ. 11:20-24) ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ርግጸኛ ነበረት። ድሕሪኡ ድማ የሱስ ተኣምር ፈጸመ። በታ ምስ ማርታ እተራኸበላ መዓልቲ፡ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።

2. ከም ናይ ማርታ ዓይነት ምትእምማን ከተጥሪ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

2 ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሱስ ወይ ኣቦኡ ኸምዚ ዓይነት ተኣምር ኪፍጽሙልና ትጽቢት ክንገብር ዜኽእለና መሰረት የብልናን። ግናኸ፡ ከም ማርታ ኣብ መጻኢ ሰብካ ኸም ዚትንስኡ ርግጸኛ ዲኻ፧ መጻምድትኻ፡ ኣዴኻ፡ ኣቦኻ፡ ወይ እትፈትዎም ኣቦሓጎታትካን እኖሓጎታትካን ሞይቶምኻ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ ውሉድካ ስለ ዝሞተካ ትሓዝን ትህሉ ትኸውን። ነቶም ብሞት እተፈለዩኻ እትሓቝፈሉ፡ እተዛርበሉ፡ ወይ ምሳታቶም እትስሕቀሉ ግዜ ብሃንቀውታ ትጽበ ትኸውን። እቲ ዜሐጕስ ከኣ፡ ከም ማርታ፡ ‘ሰበይ ከም ዚትንስእ ርግጸኛ እየ’ ኽትብል እትኽእለሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎካ። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እዚ እምነት እዚ ኼጥሪ እንታይ ከም ዝሓገዞ ምስ ዜስተንትን ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ።

3, 4. እምነት ማርታ በቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝፈጸሞ ተኣምራት ደልዲሉ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

3 ማርታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ትቕመጥ ስለ ዝነበረት፡ የሱስ ኣብ ጥቓ እታ ናይን እትብሃል ከተማ ገሊላ ንወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ኣይረኣየትን ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ ምናልባት ብዛዕባኡ ሰሚዓ ትኸውን። የሱስ ንጓል ያኢሮስ ከም ዘተንስኣ እውን ሰሚዓ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብ ቤት ያኢሮስ ዝነበሩ፡ እታ ጓል ‘ከም ዝሞተት ይፈልጡ ነበሩ።’ የሱስ ግና ነቲ ምዉት ኢዳ ሒዙ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ” በላ። ንሳ ድማ፡ ብኡብኡ ተንስአት። (ሉቃ. 7:11-17፣ 8:41, 42, 49-55) ማርታን ሓብታ ማርያምን፡ የሱስ ንሕሙማት ኬሕዊ ኸም ዚኽእል ይፈልጣ ነይረን እየን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ‘የሱስ ኣብዚ እንተ ዚህሉ፡ ኣልኣዛር ኣይምሞተን ነይሩ’ ኢለን ሓሲበን ኪዀና ይኽእላ እየን። እቲ ፈታው የሱስ ስለ ዝሞተ ግና፡ ማርታ እንታይ ትጽቢት ነበራ፧ ኣልኣዛር ኣብ መጻኢ፡ ማለት “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ” ኸም ዚትንስእ እያ ተዛሪባ። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛ ዝነበረት ግና ስለምንታይ እያ፧ ንስኻኸ ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዚኸውንን እንተላይ እቶም እትፈትዎም ሰባት ከም ዚትንስኡን ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

4 ብትንሳኤ ኽትኣምን ዜኽእለካ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎ። ሕጂ ንገለ ኻብዚ ምኽንያታት እዚ ኽንምርምር ከለና ድማ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ሓሲብካሉ ዘይትፈልጥ ነገራት ካብ ቃል ኣምላኽ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ንዝሞቱ ሰብካ መሊስካ ኸም እትርእዮም ዘሎካ እምነት ዝያዳ ኼደልድሎ እዩ።

ተስፋ ዚህበና ፍጻመታት

5. ማርታ፡ ኣልኣዛር ከም ዚትንስእ እተኣማመነት ስለምታይ እያ፧

5 ማርታ፡ ‘ሓወይ ከም ዚትንስእ ተስፋ እገብር’ ኣይኰነትን ኢላ። የግዳስ፡ “ከም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” እያ ኢላ። ከምዚ ዓይነት እምነት ከተሕድር ዝኸኣለት፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ እውን ከይተረፈ እተፈጸመ ተኣምራት ስለ እትፈልጥ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ተኣምራት እዚ፡ ብንእስነታ ኣብ ቤታ ወይ ኣብ ምኵራብ ተማሂራ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እምበኣር፡ ሰለስተ ኻብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸብጻባት እስከ ንመርምር።

6. ማርታ ብዛዕባ እንታይ እያ ትፈልጥ ነይራ ኽትከውን እትኽእል፧

6 እቲ ናይ መጀመርታ ትንሳኤ እተፈጸመ፡ ኣምላኽ ንነብዪ ኤልያስ ተኣምራት ኪፍጽም ሓይሊ ምስ ሃቦ እዩ። ኣብ ሰሜናዊት እስራኤል፡ ኣብታ ሰራጵታ እትብሃል ፊንቄኣዊት ከተማ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ነቲ ነብዪ ብግሽነት ተቐበለቶ። ኣምላኽ ከኣ ብተኣምራዊ መገዲ ነቲ ዝነበራ ሓርጭን ዘይትን ከም ዘይውዳእ ገበረ፣ ንሳን ወዳን ድማ ብህይወት ጸንሑ። (1 ነገ. 17:8-16) ጸኒሑ፡ ወዳ ሓሚሙ ሞተ። ኤልያስ ግና ሓገዛ። ነቲ ሬሳ ኺትንክፎ ኸሎ ድማ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ህይወት እዚ ቘልዓ እዚ ናብኡ ምለሳ” ኢሉ ተማህለለ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ኰነ። ኣምላኽ ንኤልያስ ሰምዖ፡ እቲ ቘልዓ ድማ ተንስአ። እዚ ትንሳኤ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ ናይ መጀመርታ ትንሳኤ እዩ። (1 ነገስት 17:17-24 ኣንብብ።) ማርታ ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ኸም ዝሰምዐት ከኣ ርዱእ እዩ።

7, 8. (ሀ) ኤልሳእ ንሓንቲ ሓዘንተኛ ሰበይቲ እንታይ ከም ዝገበረላ ግለጽ። (ለ) ኤልሳእ ዝፈጸሞ ተኣምራት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ የረጋግጸልና፧

7 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ኻልኣይ ትንሳኤ፡ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ነብዪ ኤልሳእ ዝፈጸሞ እዩ ነይሩ። ኣብ ሹነም እትነብር ዝነበረት ምርእይቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ንኤልሳእ ጽቡቕ ገይራ ብግሽነት ተቐበለቶ። ኣምላኽ ከኣ በቲ ነብዪ ኣቢሉ ነዛ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ እዚኣን ነቲ ኣሪጉ ዝነበረ ሰብኣያን ውሉድ ኪወልዱ ብምሕጋዝ ባረኾም። ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ግና እቲ ቘልዓ ሞተ። እታ ኣደ ኽሳዕ ክንደይ ብሓዘን ከም እተደቝሰት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሽዑ፡ ንሰብኣያ ናብ ኤልሳእ ክትከይድ ከም እትደሊ ነገረቶ። ኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ ድማ፡ ናብቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዝነበረ ኤልሳእ ከደት። እቲ ነብዪ ኸኣ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ ቐዲምዎም ናብ ሹነም ኪኸይድ ለኣኾ። ገሓዚ ግና ነቲ ዝሞተ ቘልዓ ኼተንስኦ ኣይከኣለን። ድሕሪኡ፡ እታ ሓዘንተኛ ሰበይቲ ምስ ኤልሳእ ኰይና ናብ ሹነም ተመልሰት።—2 ነገ. 4:8-31

8 ኣብ ሹነም ከኣ፡ ኤልሳእ ኣብ ጥቓ እቲ ምዉት ቈልዓ ዀይኑ ጸለየ። እቲ ዝሞተ ቘልዓ ድማ ብተኣምራዊ መገዲ ህያው ኰነ፣ ኣዲኡ ምስ ረኣየቶ ድማ ኣዝያ ተሓጐሰት። (2 ነገስት 4:32-37 ኣንብብ።) እታ ኣደ ብዛዕባ እታ መኻን ዝነበረት ሃና ዝጸለየቶ ጸሎት ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሃና ነቲ ብተኣምራዊ መገዲ ዝወለደቶ ሳሙኤል ኣብ ማሕደር ኬገልግል ምስ ወሰደቶ፡ “የሆዋ . . . ናብ መቓብር የውርድ፡ የተንስእ ከኣ” ኢላ ጸልያ ነበረት። (1 ሳሙ. 2:6) እወ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሹነም ዝሞተ ቘልዓ ቓል ብቓሉ ኣተንሲእዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሰባት ኬተንስእ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ።

9. ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሳልሳይ ትንሳኤ ግለጽ።

9 ኤልሳእ ምስ ሞተ እውን ካልእ ዜደንቕ ነገር ተፈጺሙ እዩ። ነብዪ ዀይኑ ንልዕሊ 50 ዓመት ምስ ኣገልገለ፡ ‘ሓሚሙ ሞተ።’ ድሕሪ ግዜ፡ ሬሳ ኤልሳእ ኣዕጽምቲ ጥራይ ምስ ተረፎ፡ ጭፍራ ጸላእቲ ናብታ ምድሪ መጹ። ገሊኦም እስራኤላውያን ከኣ ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብርዎ ይኸዱ ነበሩ። ካብቶም ጸላእቶም ኪሃድሙ ኢሎም ድማ ነቲ ዝሞተ ሰብኣይ ናብቲ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ዝነበረሉ መቓብር ደርበይዎ። “እቲ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ ድማ፡ ህያው ኰይኑ ብእግሩ ደው በለ።” (2 ነገ. 13:14, 20, 21) እዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጸብጻባት፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሞት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኽትኣምን ንማርታ ኸም ዝሓገዛ ርግጽ እዩ። ንስኻ እውን ብዛዕባኡ ኽትሓስብ ኣሎካ። ሓይሊ ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕን ደረት ዘይብሉን ከም ዝዀነ ኼእምነካ ኣለዎ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዘጋጠመ ፍጻመታት

10. ጴጥሮስ ንሓንቲ ዝሞተት ክርስትያን ሓብቲ እንታይ እዩ ገይሩላ፧

10 ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እውን፡ ወኪላት ኣምላኽ ዝፈጸምዎ ትንሳኤታት ንረክብ ኢና። የሱስ ኣብ ጥቓ ኸተማ ናይን ከምኡ እውን ኣብ ቤት ያኢሮስ ዝፈጸሞ ትንሳኤታት ርኢና ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ዶርቃስ (ጣቢታ) ዝስማ ክርስትያን ሰበይቲ ኣተንሲኡ እዩ። ጴጥሮስ ናብቲ ሬሳኣ ተነቢሩሉ ዝነበረ ቤት ኣትዩ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ዀይኑ ጸለየ። ድሕሪኡ ድማ፡ “ጣቢታ፡ ተንስኢ!” በላ። ንሳ ኸኣ ሽዑሽዑ ተንስአት። ድሕሪኡ ጴጥሮስ፡ ናብቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ብጾቱ፡ ‘ህያው ገይሩ ኣቕረባ።’ እዚ ፍጻመ እዚ ዜእምን መርትዖ እዩ ነይሩ፡ “ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ።” እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ብስራት ኪነግሩን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ዘለዎ ኽእለት ኪምስክሩን ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—ግብ. 9:36-42

11. እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ንሓደ ጐበዝ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እዩ ጸብጺቡ፧ እዚ ፍጻመ እዚኸ ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

11 ገሊኦም ከኣ ካልእ ትንሳኤ ርእዮም እዮም። ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቱርኪ እትርከብ ጥሮኣስ ከሎ፡ ኣብ ሓንቲ ደርቢ ኣኼባ ይገብር ነበረ። ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ድማ ተዛረበ። ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ከኣ፡ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ ይሰምዕ ነበረ። ድቃስ ስዒርዎ ድማ ካብ ካልኣይ ደርቢ ወደቐ። ናብ ኣውጢኮስ ወሪዱ መጀመርታ ዝመርመሮ እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣውጢኮስ ቈሲሉ ወይ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዘይኰነስ፡ ሞይቱ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ከኣ ካብቲ ደርቢ ወሪዱ ነቲ ሬሳ ሓቘፎ፡ “ህያው እዩ ዘሎ” ብምባል ድማ ንዅሎም ዘገረሞም ዘረባ ተዛረበ። እዚ ተኣምር እዚ፡ ነቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ክሳዕ ክንደይ ኰን ጽልዋ ኣሕዲሩሎም ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ጐበዝ ሞይቱ ኸም ዝነበረን ከም ዝተንስአን ምፍላጦም፡ ‘ኣዝዩ ኣጸናኒዕዎም’ እዩ።—ግብ. 20:7-12

ዜተኣማምን ተስፋ

12, 13. ምስቲ ኽንመያየጠሉ ዝጸናሕና ትንሳኤታት ብዚተሓሓዝ እንታይ ሕቶታት እዩ ዚልዓል፧

12 እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸብጻባት፡ ከም ናይ ማርታ ዝዓይነቱ ምትእምማን ኬሕድረልካ ኣለዎ። እወ፡ ኣምላኽናን ወሃብ ህይወትናን ዝዀነ የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ከም ዚኽእል ክንተኣማመን ኣሎና። የሆዋ ተኣምር ኪፍጽም ከሎ፡ ከም እኒ ኤልያስን የሱስን ጴጥሮስን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ፍጻመ ርእዮምዎ እዮም። ብዛዕባ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ኣብ ዘይተፈጸመሉ ዘመናት ዝሞቱ ምዉታትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ እዞም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ብግዜኦም ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦም ከሎ እኳ እንተ ዘይረኣዩ፡ ኣብ መጻኢ ንምዉታት ከም ዜተንስእ ኪተኣማመኑ ይኽእሉዶ፧ ከምታ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” ዝበለት ማርታ ኺስምዖም ይኽእልዶ፧ ማርታ ኸምዚ ዓይነት እምነት ዘሕደረት ስለምንታይ እያ፧ ንስኻኸ ኸምኡ ኺስምዓካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ይፈልጡ ምንባሮም ዚሕብር ብዙሕ ጸብጻባት ኣሎ። ንገለ ኻብዚ እስከ ንርአ።

14. ካብቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ንመሃር፧

14 ኣምላኽ ንኣብርሃም ነቲ ሃረር ኢሉ ዝረኸቦ ወራሲ ዝዀነ ወዱ ይስሃቅ እንታይ ኪገብሮ ኸም ዝነገሮ እሞ ዘክር። የሆዋ ንኣብርሃም፡ “በጃኻ ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ . . . ዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ” በሎ። (ዘፍ. 22:2) እዚ ትእዛዝ እዚ እንታይ ዓይነት ስምዒት ኪፈጥር ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። የሆዋ ብዘርኢ ኣብርሃም ኣቢሉ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዚባርኾም ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 13:14-16፣ 18:18፣ ሮሜ 4:17, 18) እቲ በረኸት “ብይስሃቅ” ኣቢሉ ኸም ዚርከብ እውን ተዛሪቡ ነበረ። (ዘፍ. 21:12) ኰይኑ ግና፡ ኣብርሃም ንይስሃቅ መስዋእቲ እንተ ገይርዎ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ኺፍጸም ይኽእል፧ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸም ዝገለጾ፡ ኣምላኽ ንይስሃቅ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ኣብርሃም ይኣምን ነይሩ እዩ። (እብራውያን 11:17-19 ኣንብብ።) ኣብርሃም ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዙ ወዱ ይስሃቅ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት፡ መዓልትታት ወይ ሰሙናት ከም ዚትንስእ ሓሲቡ እንተ ነይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ወዱ መዓስ ኪትንስእ ከም ዚኽእል ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንይስሃቅ ከም ዜተንስኦ ይኣምን ነይሩ እዩ።

15. እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ እንታይ ተስፋ ኸም ዘለዎ እዩ ገሊጹ፧

15 እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ እውን ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ትንሳኤ ብሃንቀውታ ይጽበ ነይሩ እዩ። ኦም እንተ ተቘሪጹ፡ መሊሱ ኸም ዚጥጥዕን ከም ሓድሽ ተኽሊ ኸም ዚኸውንን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሰብ ግና ከምኡ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (እዮ. 14:7-12፣ 19:25-27) ሰብ እንተ ሞይቱ፡ ባዕሉ ኻብ መቓብር ኪትንስእን ዳግም ህያው ኪኸውንን ኣይክእልን እዩ። (2 ሳሙ. 12:23፣ መዝ. 89:48) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ኬተንስኦ ኣይክእልን ማለት ኣይኰነን። አረ እዮብሲ፡ የሆዋ ንዕኡ ዚዝክረሉ ምዱብ ግዜ ኸም ዘለዎ ይኣምን ነይሩ እዩ። (እዮብ 14:13-15 ኣንብብ።) እዮብ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ መዓስ ከም ዚዝክሮ ኺፈልጥ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ህይወት ደቂ ሰብ ባዕሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ኪዝክሮን ኬተንስኦን ክእለትን ድሌትን ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ።

16. ሓደ መልኣኽ ንነብዪ ዳንኤል እንታይ መተባብዒ እዩ ሂብዎ፧

16 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሱ ዚርከብ ካልእ እሙን ሰብኣይ ከኣ ዳንኤል እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ደጊፍዎ እዩ። ሓደ እዋን፡ ሓደ መልኣኽ ነቲ ‘ኣዝዩ ዚፍቶ’ ዝነበረ ዳንኤል፡ “ሰላም ንዓኻ ይኹን። በርትዕ” ኢሉ ኣተባብዖ።—ዳን. 9:22, 23፣ 10:11, 18, 19

17, 18. ዳንኤል ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ተስፋ እዩ ተዋሂብዎ፧

17 ዳንኤል ዳርጋ 100 ዓመት ገይሩ ኣብ ኣጋ ሞቱ ምስ በጽሐ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳንኤል ትንሳኤ ኺረክብ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ዳንኤል፡ “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኺድ። ክትዓርፍ ኢኻ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂብዎ እዩ። (ዳን. 12:13) እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዳንኤል ምዉታት ኣብ ዕረፍቲ ኸም ዘለዉ፡ ‘ኣብቲ ዝኸዶ መቓብር ድማ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ’ ከም ዘየሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መክ. 9:10) ኰይኑ ግና፡ ተስፋ መጻኢ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ።

18 መልኣኽ የሆዋ ንነብዪ ዳንኤል፡ “ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ግና ንዕጫኻ ኽትትንስእ ኢኻ” ኢሉ እውን ነጊርዎ ነበረ። ይኹን እምበር፡ እዚ መዓስ ከም ዚኸውን ብልክዕ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ሞይቱ ኸም ዚዓርፍ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ። “ንዕጫኻ ኽትትንስእ ኢኻ” ዚብል ተስፋ ምስ ሰምዐ ግና፡ ምስ ሞተ ድሕሪ ነዊሕ እዋናት፡ ማለት “ኣብ መወዳእታ መዓልትታት” ከም ዚትንስእ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ከም ማርታ፡ ብትንሳኤ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 19, 20 ርአ)

19, 20. (ሀ) እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተመያየጥናዮ ምስቲ ማርታ ንየሱስ እተዛረበቶ ሓሳብ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ ዜድልየና፧

19 ማርታ እቲ እሙን ዝነበረ ሓዋ ኣልኣዛር፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእ” ክትተኣማመን ዝሓገዛ ምኽንያት ነይርዋ እዩ። ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን እቲ ንዳንኤል እተዋህቦ ተስፋን እቲ ማርታ ዝነበራ ጽኑዕ እምነትን ብተስፋ ትንሳኤ ኽንተኣማመን ኪሕግዘና ይግባእ። እወ፡ ትንሳኤ ኪኸውን እዩ።

20 ክሳዕ ሕጂ፡ ጥንቲ ብዛዕባ እተፈጸመ ትንሳኤታት ርኢና ኢና። እዚ ድማ ምዉታት ከም ዚትንስኡ የረጋግጸልና እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዜገልግሉ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ይተኣማመኑ ኸም ዝነበሩ ርኢና ኢና። ኰይኑ ግና፡ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ተስፋ ኻብ ዚውሃብ ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ ኽነሱ፡ እዚ ተስፋ እዚ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ክንተኣማመን ዚሕግዘና መርትዖ ኣሎናዶ፧ እዚ መርትዖ እዚ ምርካብና፡ ከም ማርታ ንትንሳኤ ብዓብዪ ሃንቀውታ ኽንጽበዮ ኺሕግዘና እዩ። እሞ ደኣ ትንሳኤ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንመያየጥ ኢና።