ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ‘ንድሕነት ኪልብሙ’ ሓግዝዎም

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ‘ንድሕነት ኪልብሙ’ ሓግዝዎም

“ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ . . . ንድሕነት ዜለብመካ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።”—2 ጢሞ. 3:15

መዝሙር፦ 141, 134

1, 2. ገሊኦም ወለዲ፡ ውሉዳቶም ህይወቶም ኪውፍዩን ኪጥመቑን ምስ ዚደልዩ፡ እንታይ እዩ ዜሻቕሎም፧

በብዓመቱ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ይጥመቑ እዮም። ብዙሓት ካባታቶም ከኣ፡ ኣብ ሓቂ ዝዓበዩን በቲ ብሉጽ መገዲ ህይወት ኪመላለሱ ዝሓረዩን መንእሰያት ይርከብዎም። (መዝ. 1:1-3) ክርስትያን ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ነታ ወድኻ ወይ ጓልካ ዚጥመቑላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኸም እትጽበያ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ምስ 3 ዮሃንስ 4 ኣረኣኢ።

2 ይኹን እምበር፡ ዜሻቕለካ ነገራት ይህሉ ይኸውን። ድሕሪ ምጥማቖም፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ኺጠራጠሩ ዝጀመሩ መንእሰያት ትፈልጥ ትኸውን። ብዙሓት ከኣ ብመገዲ ሓቂ ምምልላስ ሓዲጎምዎ እዮም። ስለዚ፡ ውሉድካ እውን ንየሆዋ ኼገልግል ምስ ጀመረ፡ ድሕሪ ግዜ ነታ ኣብ ፈለማ ንሓቂ ዝነበረቶ ፍቕሪ ኸየጥፍኣ ትሻቐል ትኸውን። ውሉዳትካ ኸምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከይኰኑ ትሰግእ ትኸውን። ከመይሲ፡ የሱስ ንዓታቶም፡ “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ” ኢልዎም እዩ። (ራእ. 2:4) እሞ ደኣ ውሉዳትካ ኸምኡ ኸይኰኑን ‘ንድሕነት ኪዓብዩን’ ክትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1 ጴጥ. 2:2) ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ንዅነታት ጢሞቴዎስ ከም ኣብነት ንርአ።

“ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ”

3. (ሀ) ጢሞቴዎስ ክርስትያን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ትምህርትታት ክርስትና ምስ ተማህረኸ እንታይ ገበረ፧ (ለ) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኣየናይ ሰለስተ መዳያት ትምህርቲ እዩ ምዒድዎ፧

3 ብ47 ድ.ክ. ሃዋርያ ጳውሎስ ንልስጥራ በጽሓ። ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ክርስትና እተማህረ ድማ፡ ሽዑ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ዀተቴ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ እተማህሮ ብዚግባእ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ነበረ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ከኣ፡ መጋይሽቲ ጳውሎስ ኰይኑ ምስኡ ኼገልግል ጀመረ። ድሕሪ ኣስታት 16 ዓመት ግና፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ። ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ ቕዱሳት ጽሑፋት [እብራይስጢ] ትፈልጦ ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞ. 3:14, 15) ጳውሎስ ብዛዕባ፡ (1) ቅዱሳት ጽሑፋት ምፍላጥ፡ (2) በቲ እተመሃርካዮ ምእማን፡ (3) ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ምልባም ከም ዝጠቐሰ ኣስተብህል።

4. ንንኣሽቱ ውሉዳትካ ኽትምህር ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ናውቲ እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ከም ወላዲ መጠን፡ ውሉድካ ነቲ ሎሚ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ዜጠቓልል መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጦ ትደሊ ኢኻ። ቈልዑ፡ እንተላይ ሕጻናት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተጠቕሱ ሰባትን ፍጻመታትን፡ ከከም ዓቕሞም መሰረታዊ ትምህርቲ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ውድብ የሆዋ ድማ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ኪምህርዎም ዚሕግዞም ብዙሕ ናውቲ ኣዳልያ እያ። ገለ ኻብቲ ብቛንቋኻ እተዳለወ ናውቲ ትዝክርዶ፧ ውሉድካ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኪምስርት ዚኽእል፡ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ዚረክብ ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ።

‘በቲ እተመሃርካዮ እመን’

5. (ሀ) ጢሞቴዎስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ‘ኣሚኑ’ ነይሩ፧ (ለ) ጢሞቴዎስ በቲ ብዛዕባ የሱስ ዝፈለጦ ብስራት ኣሚኑ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ ንውሉዳት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተጠቕሱ ሰባትን ፍጻመታትን ጥራይ ብምምሃር፡ እኹል መንፈሳዊ ትምህርቲ ኽንምህሮም ኣይንኽእልን ኢና። ጢሞቴዎስ ‘በቲ እተማህሮ ኣሚኑ’ ነይሩ እዩ። እታ “ዝኣመንካሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል በቲ በዅሪ ቛንቋ፡ “ብዛዕባ ሓቅነት ሓደ ነገር ምእማንን ርግጸኛ ምዃንን” ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ። ጢሞቴዎስ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ የሱስ እቲ መሲሕ ከም ዝዀነ ብሓያል መርትዖ ኣሚኑ እዩ። በዚ ብስራት እዚ ሓያል እምነት ስለ ዘሕደረ ኸኣ፡ ተጠሚቑ ወደ መዝሙር ኰይኑን ምስ ጳውሎስ ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ኣገልጊሉን እዩ።

6. ውሉዳትካ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተማህርዎ ምእንቲ ኺኣምኑሉ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

6 ውሉዳትካ ኸም ጢሞቴዎስ ጽኑዕ እምነት ኬማዕብሉ ኽትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ቀዳማይ ነገር፡ ዓቕሊ ክትገብር ኣሎካ። እምነት ብሃንደበት ዚርከብ ነገር ወይ ከኣ ንውሉዳትካ ብውርሲ እተውርሶም ነገር ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ውሉድ፡ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽኑዕ እምነት ኬማዕብል ዚኽእል፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ “ኣእምሮ” ምስ ዚጥቀመሉ እዩ። (ሮሜ 12:1 ኣንብብ።) ወለዲ ኸኣ ብፍላይ ነቲ ውሉዳቶም ዜልዕልዎ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ፡ ንውሉዳቶም ጽኑዕ እምነት ኬማዕብሉ ብዙሕ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

7, 8. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ኣቦ ብዓቕሊ ንጓሉ ዚምህራ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዓቕሊ ኽትገብር ከም ዜድልየካ እተረድኣካ ብኸመይ እዩ፧

7 ቶማስ ዝስሙ 11 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ዘላቶ ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ጓለይ፡ ‘የሆዋ ብፍልቀት ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዚምዕብል ገይሩ ይኸውንዶ፧’ ወይ ከኣ ‘ኵነታት ሕብረተ ሰብ ምእንቲ ኸነመሓይሽ ኣብ ምርጫታትን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ስለምንታይ ዘይንካፈል፧’ ኢላ ትሓትተኒ እያ። እንታይ ጥራይ ክትኣምን ከም ዘለዋ ብምንጋር፡ ተሪር ምላሽ ከይህባ ድማ እጥንቀቕ እየ። ከመይሲ፡ ሓደ ዓብዪ ሓቂ ብምፍላጥካ ጥራይ ኣይኰነን እምነት ዚርከብ። እተፈላለየ ንኣሽቱ መርትዖታት ተኣኻኺቡ እዩ እምነት ከተጥሪ ዚሕግዘካ።”

8 ቶማስ ንጓሉ ብዓቕሊ ኺምህራ ኸም ዜድልዮ እውን ይፈልጥ እዩ። ኵሎም ክርስትያናት እውን ዓቕሊ ኼማዕብሉ የድልዮም እዩ። (ቈሎ. 3:12) ቶማስ፡ ጓሉ ናይ ገዛእ ርእሳ እምነት ክሳዕ እተጥሪ ግዜ ኺወስደላ ኸም ዚኽእል፡ ብዙሕ ኬመያይጣ ድማ ከም ዘለዎ ተረዲኡ እዩ። ጓሉ በቲ እትምሃሮ እምነት ምእንቲ ኸተሕድር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬረድኣ የድልዮ እዩ። ቶማስ ከምዚ በለ፦ “ብፍላይ ኣብ ኣገዳሲ ነገራት፡ ኣነን ሰበይተይን ንጓልና ነቲ እተማህረቶ እንተ ኣሚናትሉን ዚርድኣ እንተ ዀይኑን ንሓትታ ኢና። ሕቶ እንተ ኣልዩዋ፡ ደስ እዩ ዚብለና። ንሓደ ነገር ሕቶ ኸይሓተተትና ስቕ ኢላ እንተ ተቐቢላቶ እዩ ዜተሓሳስበና።”

9. ንደቅኻ ቓል ኣምላኽ ክትቀርጸሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

9 ውሉዳት ወለዶም ብዓቕሊ ምስ ዚምህርዎም፡ እምነት “ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን” ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ በብቝሩብ ኪርድኡ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 3:18) ምስ ዕድሚኦምን ክእለቶምን ዚመጣጠን ትምህርቲ ኽንምህሮም ኣሎና። ነቲ እተማህርዎ ምስ ኣመኑሉ ኸኣ፡ ብዛዕባ እምነቶም ንመማህርቶምን ንኻልኦት ሰባትን ምላሽ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 3:15) ንኣብነት፡ ውሉዳትካ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጹ ይኽእሉ ድዮም፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መብርሂ ይርድኦም ድዩ፧ * እወ፡ ንደቅኻ ቓል ኣምላኽ ክትቀርጸሎም እትገብሮ ጻዕሪ፡ ዓቕሊ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ዚኽሕስ እውን እዩ።—ዘዳ. 6:6, 7

10. ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ንደቅኻ እትምህሮም ትምህርቲ ኪኸውን ዘለዎ እንታይ እዩ፧

10 ውሉዳትካ እምነቶም ምእንቲ ኺሃንጹ፡ ንስኻ ባዕልኻ እውን ኣብነት ክትኰኖም ኣሎካ። ኣደ ሰለስተ ኣዋልድ ዝዀነት ስቴፋኒ ኸምዚ በለት፦ “ደቀይ ገና ሕጻናት ከለዋ ኣትሒዘ፡ ‘የሆዋ ኸም ዘሎ፡ ከም ዜፍቅረና፡ መገድታቱ ድማ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ስለምንታይ ከም ዝኣምን ንደቀይ እነግረን ድየ፧ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዝፈትዎ ብግልጺ ይርእያ ድየን፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትታ እየ። ኣነ ዘይኣምነሉ ነገር፡ ደቀይ ኪኣምናሉ ትጽቢት ክገብር ኣይክእልን እየ።”

“ንድሕነት ዜለብመካ”

11, 12. ጥበብ እንታይ እያ፧ ብዕድመ ሰብ ዘይትዕቀንከ ስለምንታይ እያ፧

11 ከምቲ ኽንርእዮ ዝጸናሕና፡ ጢሞቴዎስ (1) ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ነይርዎ፡ (2) በቲ እተማህሮ ድማ ኣሚኑ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪዛረቦ ኸሎ፡ “ንድሕነት ዜለብመካ” ዝበሎ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧

12 ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ ጥራዝ 2፡ ልቢ ምጥራይ ወይ ጥበብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዜጠቓልል ኪገልጽ ከሎ፡ “ጸገማት ንምፍታሕ፡ ካብ ሓደጋ ንምርሓቕ ወይ ሓደጋ ንምውጋድ፡ ኣብ ዝደለኻዮ ሸቶ ንምብጻሕ፡ ወይ ከኣ ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ንምምካር፡ ንፍልጠትን ንምስትውዓልን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ናይ ምጥቃም ክእለት የጠቓልል። ኣንጻር ዕሽነት ከኣ እዩ” ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዕሽነት ኣብ ልቢ ቘልዓ ተኣሲሩ ኣሎ” ይብል። (ምሳ. 22:15) እምበኣር፡ እታ ኣንጻር ዕሽነት ዝዀነት ጥበብ፡ ምልክት ብስለት እያ። መንፈሳዊ ብስለት ዚዕቀን፡ ብዕድመ ዘይኰነስ፡ በቲ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ዘለዎ ጥዑይ ፍርሃትን ንትእዛዛቱ ኺሕልዎ ዘለዎ ድሉውነትን እዩ።—መዝሙር 111:10 ኣንብብ።

13. መንእሰያት ‘ንድሕነት ከም ዝለበሙ’ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ መንእሰያት፡ ብትምኒታቶም ወይ ካብ መሳቱኦም ብዚወርዶም ጸቕጢ ‘ኸም ብማዕበል ባሕሪ ዚድፍኡን ንየው ነጀው ዚኽብከቡን’ ኣይኰኑን። (ኤፌ. 4:14) እኳ ደኣስ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ” ኪዀኑ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። (እብ. 5:14) ወለዶም ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት እንተ ዘይረኣይዎም እውን፡ ጥበባዊ ውሳነታት ይገብሩ፡ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ናብ ብስለት ገጾም ይዓብዩ እዮም። (ፊል. 2:12) እዚ ዓይነት ጥበብ ከኣ እዩ ንድሕነት ዜድሊ። (ምሳሌ 24:14 ኣንብብ።) ውሉዳትካ ኸምዚ ዓይነት ጥበብ ምእንቲ ኼጥርዩ ወይ ምእንቲ ኺልብሙ ኽትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ልዕሊ ዅሉ፡ እቲ እትስዕቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ንገሮም። ብቓልካን በቲ እተርእዮም ኣብነትን፡ ንሳቶም እውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ኪስዕብዎ ኸም ዘለዎም ኪርድኡ ሓግዞም።—ሮሜ 2:21-23

ቀጻሊ ጻዕሪ ወላዲ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-18 ርአ)

14, 15. (ሀ) ሓደ ኺጥመቕ ዚሓስብ መንእሰይ፡ እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ ንርእሱ ኺሓትታ ዘለዎ፧ (ለ) ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ኣምላኽ ብምእዛዝ ዚርከብ በረኸት ኪሓስብ ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ይኹን እምበር፡ ንውሉድካ ቕኑዕን ጌጋን እንታይ ከም ዝዀነ ምንጋር ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ውሉዳትካ ንርእሶም ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪሓትትዋ ሓግዞም፦ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንስጋና ኺማርኽ ዚኽእል ነገራት ዚኽልክለና ስለምንታይ እዩ፧ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ንጥቕመይ ከም ዝዀነ ዘእመነኒ እንታይ እዩ፧’—ኢሳ. 48:17, 18

15 ሓደ ኺጥመቕ ዚሓስብ መንእሰይ፡ ነቲ ምስ ተጠምቀ ዚስከሞ ሓላፍነት ብርዝነት ኪሓስበሉ እውን ሓግዞ። ብዛዕባ እቲ ሓላፍነታት ከመይ እዩ ዚስምዖ፧ እንታይ ጥቕምታት እዩ ዚረኽበሉ፧ እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥሞ፧ ካብቲ ዜጋጥሞ ጸገማት ዚበልጽ ጥቕምታት ኪረክብ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (ማር. 10:29, 30) ድሕሪ ጥምቀት እዚ ሕቶታት እዚ ይልዓል እዩ። ስለዚ፡ ውሉዳት ነቲ ብርዝነት ኪርአ ዘለዎ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም ነዚ ሕቶታት እዚ ኣጸቢቖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። ሳላ ተኣዛዝነት ዚርከብ በረኸትን ዘይተኣዛዝነት ዜስዕቦ ሳዕቤንን ብዕምቈት ኪሓስቡሉ እንተ ተሓጊዞም፡ ናይ ባዕሎም እምነት ኬጥርዩ እዮም። እወ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ንጥቕሞም ከም ዝዀነ ኺኣምኑ እዮም።—ዘዳ. 30:19, 20

እተጠምቀ መንእሰይ እምነቱ ምስ እትዳኸም

16. ሓደ ውሉድ ድሕሪ ምጥማቑ ብዛዕባ እምነቱ ኺጠራጠር እንተ ጀሚሩ፡ ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

16 ውሉድካ ድሕሪ ምጥማቑ፡ ብዛዕባ እምነቱ ጥርጣረታት ኬሕድር እንተ ጀሚሩ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ንኣብነት፡ ሓደ እተጠምቀ በጽሒ በቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ነገራት ኪማረኽ፡ ወይ ከኣ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ኺጠራጠር ይኽእል እዩ። (መዝ. 73:1-3, 12, 13) ከም ወላዲ መጠን ነዚ ጕዳያት እዚ እትህቦ ምላሽ፡ ውሉድካ ንእምነትካ ኺስዕብ ኣብ ዚገብሮ ውሳነ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ውሉድካ ንእሽቶ ይኹን በጽሒ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ምስ ውሉድካ ኣይትብኣስ። የግዳስ፡ ከም እተፍቅሮን ክትሕግዞ ኸም እትደልን ኪፈልጥ ሓግዞ።

17, 18. ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ እምነቱ ኺጠራጠር እንተ ጀሚሩ፡ ወለዱ ኺሕግዝዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ሓደ እተጠምቀ ውሉድ፡ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፊ ኸሎ ኸቢድ ውሳነ እዩ ገይሩ። ወፈያኡ ኸኣ ንኣምላኽ ኬፍቅሮን ቅድሚ ዅሉ ፍቓድ የሆዋ ኺገብርን ከም እተመባጽዐ ዜርኢ እዩ። (ማርቆስ 12:30 ኣንብብ።) የሆዋ ነዚ መብጽዓ እዚ ኣቕሊሉ ኣይርእዮን እዩ። ነዚ መብጽዓ እዚ ዝኣተወ ዝዀነ ይኹን ሰብ እውን ኣቕሊሉ ኺርእዮ የብሉን። (መክ. 5:4, 5) ግቡእ ግዜ መሪጽካን ብሕያውነትን፡ ንውሉድካ ብዛዕባ እዚ ኣዘኻኽሮ። ከምኡ ቕድሚ ምግባርካ ግና፡ ነቲ ውድብ የሆዋ ንወለዲ ዘዳለወቶ ጽሑፋት ብዚግባእ ኣንብቦን ኣጽንዓዮን። እቲ እትገብሮ መጽናዕቲ፡ ህይወትካ ንየሆዋ ምውፋይን ጥምቀትን፡ ኣርዚንካ ኺርአ ኸም ዘለዎ፡ ብዙሕ በረኸት ድማ ከም ዜምጽእ ከተጕልሕ ኪሕግዘካ እዩ።

18 ንኣብነት፡ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ጠቓሚ ምኽሪ ይርከብ እዩ። ኣብቲ “ወለዲ ዚሓትትዎ ሕቶታት” ዘርእስቱ ኣብ ድሕሪት እታ መጽሓፍ ዚርከብ መመላእታ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዀተቴ ውሉድካ ንእምነትካ ኸም ዝነጸጎ ጌርካ ተሃዊኽካ ኣይትደምድም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካልእ መሰረታዊ ጸገም ኪህሉ ይኽእል እዩ።” ሓደ ኻብቲ ጸገም ከኣ፡ ጸቕጢ መዛኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ጽምዋ ስለ ዚስምዖ ወይ ካልኦት ክርስትያን መንእሰያት ካብኡ ዚሓይሽ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ ኸም ዘለዉ ስለ ዚሓስብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መመላእታ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ፡ እዚ ጸገማት እዚ ውሉድካ ምስ እምነትካ ኸም ዘይሰማማዕ ዜርኢ እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ውጽኢት እቲ ዜጋጥሞ ዘሎ ኻልእ ጸገማት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ መመላእታ ጽሑፍ፡ ሓደ ክርስትያን ወላዲ ብእምነቱ ንእተጠራጠረ ውሉድ ብኸመይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ዚሕብር ግብራዊ ሓሳባት ይህብ እዩ።

19. ውሉዳት ‘ንድሕነት ምእንቲ ኺልብሙ፡’ ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

19 ከም ወላዲ መጠን፡ ንውሉዳትካ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኸተዕብዮም ከቢድ ሓላፍነትን ፍሉይ መሰልን ኣሎካ። (ኤፌ. 6:4) ከምቲ ኽንርእዮ ዝጸናሕና፡ እዚ ሓላፍነት እዚ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ እተማህርዎ ጽኑዕ እምነት ኬሕድሩ ምሕጋዝ እውን የጠቓልል። እወ፡ ውሉዳትካ፡ ህይወቶም ንየሆዋ ኺውፍዩን ብምሉእ ልቦም ኬገልግልዎን እትድርኾም ድልድልቲ እምነት ተድልዮም እያ። እምበኣር፡ ቃል የሆዋን መንፈሱን እቲ ኸም ወላዲ መጠን እትገብሮ ጻዕርን፡ ንውሉዳትካ ‘ንድሕነት ኬለብሞም’ ንምነ።

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧” ዘርእስቱ ኣብ ወብ ሳይትና ብእንግሊዝኛ ዚርከብ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ዓምዲ፡ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎን ንኻልኦት ኪገልጹሎምን ኪሕግዝ ተባሂሉ እተዳለወ ጽቡቕ ዓምዲ እዩ። እዚ ዓምዲ እዚ፡ ኣብ jw.org እዩ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE STUDY TOOLS ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።