ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስን መጻኢኻን

መጽሓፍ ቅዱስን መጻኢኻን

ሓደ ምሸት ብጸልማት መገዲ ትኸይድ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ጸሓይ ካብ እትዓርብ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ኣብ ጸገም ዝኣተኻ ዀይኑ ግና ኣይስምዓካን እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ኢድካ ብርቱዕ ብርሃን ዘለዋ ላምባዲና ሒዝካ ኣለኻ። ናብ ታሕቲ ገጻ ምስ ኣብራህካያ፡ ኣብ ቅድሜኻ ንዘሎ ነገር ብንጹር ኢኻ እትርእዮ። ንቕድሚት ገጻ ምስ ኣብራህካያ ድማ፡ እቲ ብርቱዕ ብርሃና ንመገድኻ ኽሳዕ ርሑቕ የብርሆ።

ብእተወሰነ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ልክዕ ከምዛ ላምባዲና እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ቅድሜና ንዘሎ ነገራት፡ ማለት ነቲ ዅላትና ኣብዛ ዘይተተኣማምን ዓለም በብመዓልቱ ዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዚገብር። ነባሪ ሓጐስን ዕግበትን እንረኽበሉ መገዲ ኽንርእን ክንስዕብን ስለ ዜኽእለና፡ ንመጻኢ እውን የብርሃልና እዩ። (መዝሙር 119:105) ብኸመይ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተኣማምን ተስፋ ዚህበሉ ኽልተ መገዲ እስከ ንርአ፦ 1 ዕላማ ዘለዎ ህይወት ክንነብር ይሕግዘና፡ 2 ምስ ፈጣሪና ዘለኣለማዊ ዕርክነት ብኸመይ ከም እንምስርት ይምህረና።

ዕላማ ዘለዎ ህይወት

መጽሓፍ ቅዱስ ንጸገማትና ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ዜተኣማምን ምኽሪ ዚህበና እኳ እንተ ዀነ፡ ምኽሪ ዚህብ መጽሓፍ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ብሕታዊ ጕዳያትና ጥራይ ከነተኵር ኣብ ክንዲ ዜተባብዓና፡ ኣስፊሕና ኽንሓስብ ይምህረና እዩ። ሽዑ ድማ እዩ ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉም ኪህልዋ ዚኽእል።

ነዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኸም ኣብነት ውሰድ፦ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ንዋታዊ ሓገዝ ንዜድልዮ ሰብ ዝሓገዝካሉ እዋን ትዝዶ ይብለካ፧ ምናልባት እውን ሓደ ፈታዊኻ ውሽጣዊ ስምዒቱ ኺገልጸልካ ኸሎ ጽን ኢልካ ሰሚዕካዮ ትኸውን። ንኻልእ ሰብ ባህ ከም ዚብሎ ብምግባርካስ፡ ዕግበትዶ ኣይተሰምዓካን፧

ዓስቢ ኽንረክብ ከይተጸበና ኽንህብ ከለና ኢና ዝዓበየ ሓጐስ እንረክብ። ሓደ ደራሲ ኸም ዝገለጾ፡ ዓስቢ ኽትረክብ ከይተጸበኻ ትህብ እንተ ዄንካ፡ ናይ ግድን ካብቲ ዝሃብካዮ ንላዕሊ ኽትረክብ ኢኻ። ምናዳ ነቶም ኪፈድዩና ዘይክእሉ ሰባት ምስ እንህብ፡ ብርግጽ ዓስቢ ንረክብ ኢና። እወ፡ መዓይይቲ እቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ሕያውነት ንዕኡ ኸም ምልቃሕ ገይሩ ዚርእዮ ፈጣሪ ኢና እንኸውን። (ምሳሌ 19:17) ነቲ ንትሑታት እንገብረሎም ነገራት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ ከም ዚፈድየና ድማ ኣተስፍዩና ኣሎ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ንመጻኢ ተነቢሩልና ዘሎ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!—መዝሙር 37:29፣ ሉቃስ 14:12-14 *

ልዕሊ ዅሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምምላኽ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ ከም እንኽእል ይምህረና እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ዚግብኦ ውዳሰን ክብርን ተኣዛዝነትን ክንህቦ የተባብዓና እዩ። (መክብብ 12:13፣ ራእይ 4:11) ከምኡ ምስ እንገብር፡ ዜገርም ነገር ኢና እንፍጽም፣ እወ፡ ንፈጣሪና ኣዚና ኸነሐጕሶ ኢና። ስለዚ ድማ እዩ፡ “ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ” ብምባል ዚምሕጸነና። (ምሳሌ 27:11) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ተመርኲስና ጥበባዊ ውሳነታት ምስ እንገብር፡ ንልቢ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኢና እነሐጕስ። ስለምንታይ፧ ስለ ዚሓልየልናን ንመምርሒኡ ብምስዓብ ክንጥቀም ስለ ዚደልየናን። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዩኒቨርስ ካብ ምምላኽን ንልቡ ብዜሐጕስ መገዲ ኻብ ምንባርን ንላዕሊ ዚበልጽ እንታይ ዕላማ ዘለዎ ህይወት እዩ እሞ ኺህልወና ዚኽእል፧

ዕርክነት ምስ ፈጣሪና

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈጣሪና ዕርክነት ክንምስርት እውን ይምህረና እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 4:8) ሓድሓደ ግዜ፡ ዓርኪ እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ኽንከውን ብሓቂ ዚከኣል እንተ ዀይኑ የጠራጥረና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑን እንተ ደሊናዮ ኽንረኽቦ ኸም እንኽእልን የረጋግጸልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክንምስርት ዚህበና ምኽሪ ንመጻኢና እውን ዚጠቅም እዩ። በየናይ መገዲ፧

ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ብርእስና ኻብቲ ቐንዲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:26) ኣምላኽ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ከቶ ዘይመውት እዩ፣ ፈተውቱ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ዚደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ነቶም ዚደልይዎ እንታይ ኪረኽቡ ኸም ዚምነየሎም ኪገልጽ ከሎ፡ “ንስኻትኩም ንዘለኣለም ብህይወት ንበሩ” ዚብላ ሓጸርትን ባህ ዜብላን ቃላት እዩ ዚጥቀም።—መዝሙር 22:26

ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘለኣለማዊ ዕርክነት ክትምስርት እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ተምሃር። (ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምእንቲ ኺሕግዘካ ንየሆዋ ለምኖ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ጥበብ ኪህበና ብቕንዕና እንተ ለሚንናዮ ኸም ዚህበና የረጋግጸልና እዩ። * (ያእቆብ 1:5) ንእተምሃርካዮ ዘበለ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ብምጽዓር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ሕጂ ዀነ ንዘለኣለም፡ ‘ንእግርኻ መብራህቲ፡ ንመገድኻ ኸኣ ብርሃን’ ኪኸውን ፍቐደሉ።—መዝሙር 119:105

^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዝያዳ ኽትርድኦ ዚሕግዘካ ብዘይ ክፍሊት ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይህቡ እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ፡ ነታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።

ኣምላኽ ዘለኣለማዊ እዩ፣ ፈተውቱ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ዚደሊ