ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ብዛዕባ መጻኢ ይነግረና ድዩ፧

ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ብዛዕባ መጻኢ ይነግረና ድዩ፧

ቈጸራ ኸዋኽብትን

ቈጸራ ኸዋኽብቲ ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ከዋኽብትን ወርሕን ፕላነታትን ኣብ ህይወት እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ጌርካ ዚንገረሉ ዓይነት ጥንቈላ እዩ። ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዚውለደሉ እዋን እዞም ሰማያዊ ኣካላት ዚህልዎም ኣቃውማ፡ ንባህርያትን ንመጻእን እቲ ሰብ ከም ዚቐርጾ ይኣምኑ እዮም።

ቈጸራ ኸዋኽብቲ ኻብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝመበቈሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ብብዙሓት ይዝውተር እዩ። ብ2012 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሓደ ሲሶ እቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሰባት፡ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ብእተወሰነ ስነ ፍልጠታዊ ምዃኑ፡ 10 ሚእታዊት ከኣ ኣጸቢቑ ስነ ፍልጠታዊ ምዃኑ ገሊጾም እዮም። እሞኸ ኸምኡ ድዩ፧ ኣይኰነን። ስለምንታይ ከምኡ ኸም እንብል መርትዖታት እንሆ፦

  • ፕላነታትን ከዋኽብትን ከምቲ ቘጸርቲ ኸዋኽብቲ ዚብልዎ ገይረን ንደቂ ሰብ ኪጸሉ ዚኽእል ሓይሊ ኣየመንጭዋን እየን።

  • መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ትንቢት ኣመና ሓፈሻዊ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንዝዀነ ሰብ ኪዓዪ ይኽእል እዩ።

  • ሎሚ ዚግበር ቀመር ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ኣብቲ ፕላነታት ኣብ ዙርያ ምድሪ ኸም ዚዞራ ዚእመነሉ ዝነበረ ጥንታዊ እምነት እዩ ዚምርኰስ። ከም ሓቂ ግና፡ ፕላነታት ኣብ ዙርያ ጸሓይ እየን ዚዞራ።

  • እተፈላለዩ ቘጸርቲ ኸዋኽብቲ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ዚንበይዎ ትንቢት፡ ንሓድሕዱ ኣይሳነን እዩ።

  • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንሰባት ብመሰረት ዕለተ ልደቶም፡ ኣብ 12 ኽፋላት፡ መናዝል፡ ወይ ዞድያክ ይኸፍልዎም እዮም። ምስ ብዝሒ ዘመናት፡ ምድሪ ምስቲ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ዘለዋ ዝምድና በብቝሩብ ስለ እተቐየረ፡ እቲ ምስ ምልክትታት መናዝል ወይ ዞድያክ ዚተሓሓዝ ዕለት፡ ሕጂ ምስቲ ጸሓይ በቲ ብእኡ ዚጽዋዕ ጭፍራ ኸዋኽብቲ እትሓልፈሉ እዋን ኣይገጥምን እዩ ዘሎ።

ምልክታት መናዝል ወይ ዞድያክ ብዛዕባ ባህርያት ሰባት ኣመት ከም ዚህብ ጌርካ እዩ ዚንገረሉ። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብ ሕደ እዋን እተወልዱ ሰባት፡ ሕደ ባህርያት የብሎምን፣ ዕለተ ልደት ብዛዕባ ባህርይ ሰብ ዋላ ሓንቲ ኣይገልጽን እዩ። ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንሰባት ብእንታይነቶም ኣብ ክንዲ ዚመዝንዎም፡ ብግምታት እዮም ዚርእይዎም። እዝስ ዕሙት ፍርዲ ደይኰነን፧

ጥንቈላ

ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንጠንቈልቲ ይጥይቑ እዮም። ገሊኦም ፈለጥቲ፡ ኣምዑት እንስሳታትን ሰባትን ወይ ኣርሓ ደርሆ እኽሊ ዚተዅበሉ መገዲ ብምዕዛብ ይጥንቍሉ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ድማ በቲ ኣብ ቈጽሊ ሻሂ ወይ ኣብ ጥሑን ቡን ዚርእይዎ ገይሮም ይንበዩ ነይሮም እዮም። ሎሚ፡ መጻኢ ሰብ ንምንባይ፡ ካርታታትን ክሪስታላዊ ዅዕሶን ካልእ ሜላታትን ይጥቀሙ ኣለዉ። እሞ ደኣ ጥንቈላ ብዛዕባ መጻኢ ዜተኣማምን ሓበሬታ ኺህበና ይኽእል ድዩ፧ ኣይፋልን። ነዚ ጕዳይ እስከ ንመርምሮ።

ብስሩዕነት ጌርና እሞ ንለክዓዮ። በብዓይነቱ ሜላታት ዚጥቀሙ ጠንቈልቲ፡ ብዙሕ ግዜ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ትንቢት እዮም ዚንበዩ። ዋላ እውን ሕደ ሜላ ዚጥቀሙ ጠንቈልቲ፡ በበይኑ ትንቢት ይንበዩ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንኽልተ ጠንቈልቲ ብካርታ ገይሮም ሓደ ጕዳይ ኪጥንቍሉሉ ምስ ዚሓትቶም፡ ከም ግቡእ ሕደ መልሲ ኺረክብ ይግባእ። ብዙሕ ግዜ ግና፡ ሕደ መልሲ ኣይረክብን እዩ።

ጠንቈልቲ ዚጥቀሙሉ ሜላታት ወይ ውሽጣዊ ድራኸኦም ብዓይኒ ጥርጣረ ኺርአ ጸኒሑ እዩ። ብመሰረት ነቐፍቲ፡ ካርድታት ወይ ክሪስታላዊ ዅዕሶ ኸም ናውቲ ምርኢት ኰይኑ ጥራይ እዩ ዜገልግል። ጠንቈልቲ ኸኣ ነቲ ናውቲ ምርኢት ዘይኰነስ፡ ነቲ ሰባት ዚህብዎ ግብረ መልሲ እዮም ዜንብቡ። ንኣብነት፡ ሓደ ኽኢላ ጠንቋሊ ንሓደ ሰብ ሓፈሻዊ ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ናብቲ እቲ ሰብ ብቓል ወይ ብዘይ ቃል ዚእምተሉ ሓበሬታ የተኵር። ድሕሪኡ፡ እቲ ጠንቋሊ ነቲ እቲ ሰብ ብዘይፍላጥ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምፍላጡ፡ ከም ፈላጢ መሲሉ ይቐርብ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ጠንቋሊ በቲ ሰብ ሓንሳእ ምስ ተኣምነ፡ ብዙሕ ገንዘብ ኪረክብ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን መጻኢና ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ እዩ ዚሕብር። ብሓቂ ግና ከምኡ ድዩ፧ እንኣምነሉ ወይ እንደልዮ ነገር ክንሓሪ ኸም እንኽእል፡ ምርጫና ኸኣ ንመጻኢና ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።—እያሱ 24:15

ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜምልኹ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ዚርሕቁሉ ተወሳኺ ምኽንያት ነይርዎም እዩ። ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ጥንቈላ ይዅንኖ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ንረክብ ኢና፦ “ዚጥንቍል፡ ወይ ስሒር ዚገብር፡ ወይ ፋል ዚደሊ፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ * ፍንፉን እዩ።”—ዘዳግም 18:10-12

^ ስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል” ዝዀነ ኣምላኽ።—መዝሙር 83:18