ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልክዕነት ትንቢት ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር

ንልክዕነት ትንቢት ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር

ኣብ ማእከል እታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ሮማ፡ ካብ ብዘላ ዓለም ንዝመጹ በጻሕቲ ዚስሕብ ንመዘከርታ ሓደ ዓወት ዝቘመ ሓወልቲ ኣሎ። እዚ ቐልደዳዊ ቕርጺ ዘለዎ ሓወልቲ፡ ንኽብሪ ሓደ ቲቶስ ዚብሃል ፍቱው ሃጸይ እዩ ቘይሙ።

ሓወልቲ ቲቶስ ንሓደ ፍሉጥ ታሪኻዊ ፍጻመ ዚገልጽ ክልተ ዓብዪ ቕሩጽ ምስሊ ኣለዎ። ብዙሓት ሰባት ግና ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ሓወልትን መጽሓፍ ቅዱስን ዘሎ ዜደንቕ ምትእስሳር ኣይፈልጥዎን እዮም። ሓወልቲ ቲቶስ ንልክዕነት ሓደ ዜደንቕ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር እዩ።

ሓንቲ ኸተማ ተፈሪዳ

ኣብ መጀመርታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ግዝኣት ሮሜ ኻብ ብሪጣንያን ጎልን (ሕጂ ፈረንሳ) ክሳብ ግብጺ ይዝርጋሕ ነይሩ፣ እቲ ግዝኣት ድማ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ርግኣትን ብልጽግናን ነይርዎ። ሓንቲ ቦታ ግና ንሮሜ ወትሩ ሕማም ርእሲ ትዀና ነይራ፣ እዚኣ ኸኣ እታ ህውከት ዝሰፈና ኣውራጃ ይሁዳ እያ ነይራ።

ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣንሽየንት ሮም ከምዚ ይብል፦ “ካብቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሮሜ ዝነበረ ግዝኣታት፡ ከም ይሁዳ ገይሩ ብኽልቲኦም ወገናት ብርቱዕ ጽልኢ ዝሰፈኖ ብዙሕ ኣይነበረን። ኣይሁድ በቶም ብዛዕባ ስርዓታቶም ግዲ ዘይነበሮም ጓኖት ጐይተት የማርሩ ነይሮም፣ ሮማውያን ከኣ ብንቕጽና ኣይሁድ ኣመኽንዮም ይጭቍንዎም ነይሮም።” ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ ፖለቲካ ዚኣቱ መሲሕ መጺኡ ንሮማውያን ከም ዚሰጕጎምን ነቲ ወርቃዊ መዋእል እስራኤል ከም ዚመልሶን ተስፋ ይግበሩ ነይሮም። ብ33 ድ.ክ. ግና፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ንየሩሳሌም ጥፍኣት ይመጻ ኸም ዘሎ ሓበረ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ዓሪዶም ዚኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ዜጽብቡልኪ መዓልትታት ኪመጻ እየን። እትምርመርሉ እዋን ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪድዕምኹኹም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸኣ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።”ሉቃስ 19:43, 44

እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ንደቀ መዛሙርቱ ደንጽይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኣቢሉ፡ ሓደ ኻባታቶም ናብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እናኣማዕደወ፡ “መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻን እሞ ርአ!” በሎ። እወ፡ ገሊኡ ኣእማን ቤተ መቕደስ ልዕሊ 11 ሜተር ዝንውሓቱን 5 ሜተር ዝግፍሑን 3 ሜተር ዝቝመቱን ከም ዝነበረ እዩ ዚንገረሉ! የሱስ ግና፡ “እዚ እትርእይዎ ዘለኹም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን” ኢሉ መለሰሎም።—ማርቆስ 13:1፣ ሉቃስ 21:6

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፣ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፣ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉ እውን ናብኣ ኣይእተዉ” በሎም። (ሉቃስ 21:20, 21) እሞኸ ቃላት የሱስ ተፈጺሙዶ፧

ሞት ሓንቲ ኸተማ

ካብዚ 33 ዓመት ምስ ሓለፈ እኳ፡ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሮሜ ዀይና ተማርር ነበረት። ብ66 ድ.ክ. ግና እቲ ኣብ ይሁዳ ወኪል ሮሜ ዀይኑ እተሸመ ገስየስ ፍሎርየስ ነቲ ኣብ ቅዱስ መዛግብቲ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ገንዘብ ምስ ወሰዶ፡ ኣይሁድ ነደሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ተዋጋእቲ ንየሩሳሌም ወሪሮም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ጭፍራ ሮሜ ቐተልዎም፣ ካብ ሮሜ ኸኣ ናጽነቶም ኣወጁ።

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ብሰስትየስ ጋለስ ዚምርሑ ልዕሊ 30,000 ወተሃደራት ሮሜ ነቲ ዕልወት ንምጭፍላቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። እቶም ሮማውያን ብቕልጡፍ ናብታ ኸተማ ኣተዉ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ደጋዊ መንደቕ ከኣ ኣፍረስዎ። ድሕሪኡ፡ ንጹር ብዘይኰነ ምኽንያት፡ ኣንሰሓቡ። እቶም ዓለውቲ ኣይሁድ በዚ ተሓጒሶም ንሮማውያን ኪሰጕግዎም ጀመሩ። ሽዑ፡ ክልቲኦም እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነታ ኸተማ ሓዲጎምዋ ስለ ዝኸዱ፡ ክርስትያናት ንመጠንቀቕታ የሱስ ብምስዓብ ካብ የሩሳሌም ወጺኦም ስግር ፈለግ ዮርዳኖስ ናብ ዝነበረ ኣኽራን ሃደሙ።—ማቴዎስ 24:15, 16

ኣብታ እትቕጽል ዓመት፡ ብጀነራል ቨስፓስያንን ብወዱ ቲቶስን ዚምራሕ ሰራዊት ሮሜ፡ ከም ብሓድሽ ንይሁዳ ኸበባ። ይኹን እምበር፡ ብ68 ድ.ክ. ኔሮ እቲ ሃጸይ ምስ ሞተ፡ ቨስፓስያን ንወዱ ቲቶስን ኣስታት 60,000 ንዚዀኑ ወተሃደራትን ሓዲጉ ኣብ ዝፋን ንምድያብ ናብ ሮሜ ተመልሰ።

ኣብ ሰነ 70 ድ.ክ.፡ ቲቶስ ንወተሃደራቱ ኣብ ገጠራት ይሁዳ ዝነበረ ኣግራብ ቈሪጾም፡ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም 7 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዕርዲ ኺዓርዱ ኣዘዞም። ኣብ ወርሒ መስከረም ከኣ፡ ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተነበዮ፡ ሮማውያን ነታ ኸተማን ንቤተ መቕደሳን ዘመትዋ፡ ብሓዊ ኸኣ ኣንደድዋ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይሓደጉ ድማ ኣፍረስዋ። (ሉቃስ 19:43, 44) ብመሰረት ሓደ እተዋህበ ዝተሓተ ግምት፡ “ካብ ርብዒ ኽሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገርን ጠፊኦም እዮም።”

ሃጸያዊ ዓወት

ብ71  ድ.ክ.፡ ቲቶስ ናብ ኢጣልያ ተመልሰ፣ ሮማውያን ድማ ብኣዝዩ ድሙቕ መገዲ ተቐበልዎ። ብምልእታ እታ ኸተማ፡ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ቅድሚኡ ተገይሩ ዘይፈልጥ ዓብዪ ዓጀባ ዓወት ክትገብር ወጸት።

እቲ ህዝቢ በቲ ሽዑ ኣብ ጐደናታት ሮሜ ንምርኢት ዝቐረበ ብዙሕ ሃብቲ ተገረሙ። እተማረኻ መራኽብ፡ ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ዅነታት ዚገልጽ ምርኢት፡ ካብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እተዘምተ ኣቕሑ ብምርኣዮም እውን ተሓጐሱ።

ብ79 ድ.ክ.፡ ቲቶስ ንኣቦኡ ቨስፓስያን ተኪኡ ሃጸይ ኰነ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ግና ብሃንደበት ሞተ። ሓዉ ዶሚሽያን ድማ ኣብ ዝፋን ደየበ፣ ንኽብሪ ቲቶስ ከኣ ቀልደዳዊ ዝቕርጹ ሓወልቲ ኣቘመ።

እቲ ሓወልቲ ሎሚ ዘለዎ ትርጉም

ሎሚ፡ ሓወልቲ ቲቶስ ኣብ ሮማ

ሎሚ፡ ዓመት ዓመት ንማእከል ሮማ ዚበጽሑ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንሓወልቲ ቲቶስ እውን ይርእይዎ እዮም። ገሊኦም ነዚ ሓወልቲ እዚ ኸም ዜደንቕ ስነ ጥበባዊ ዕዮ ገይሮም ይርእይዎ፣ ገሊኦም ድማ ንኽብሪ ሃጸያዊ ሓይሊ ሮሜ ዝቘመ ሓወልቲ ገይሮም ይርእይዎ፣ ገሊኦም ከኣ ንውድቀት የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ዜመልክት መዘከርታ ገይሮም ይርእይዎ።

ይኹን እምበር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብደቂቕ ዜንብቡ ሰባት፡ ሓወልቲ ቲቶስ ካልእ ዝዓበየ ትርጉም ከም ዘለዎ ይርድኦም እዩ። እወ፡ እቲ ሓወልቲ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕን እሙንን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተነግረን ምዃኑ ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:19-21