ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! ፈጣሪና ኣብዛ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህበና ኣተስፍዩና ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ግና ነዚ ምእማን ይኸብዶም እዩ። ‘ኵሉ ሰብ ኪመውት ኣለዎ፣ እዚ ንቡር ዑደት ህይወትን ሞትን እዩ’ ይብሉ እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ‘ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ኢና፡ ኣብ ምድሪ ግና ኣይኰነን’ ይብሉ እዮም። ‘ሞይትና ናብ ሰማይ ምስ ከድና ጥራይ ኢና ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእል’ ኢሎም ድማ ይሓስቡ እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ መርምር፦ ተፈጥሮና ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኽንነብር ከም እተፈጠርና እዩ ዜርኢ፧ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ኣብ ፈለማ ዝነበሮ ዕላማ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሞት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧

ተፈጥሮ ሰብ

ካብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮ ፍጥረታት፡ ወዲ ሰብ ናይ ብሓቂ ፍሉይ እዩ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ጥራይ “ብመልክዕ”ን “ብምስል”ን ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26, 27) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ደቂ ሰብ ከም ፍቕርን ፍትሕን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ይኽእሉ ማለት እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ሰባት ናይ ምሕሳብን ናይ ምምዝዛንን ክእለት ተዋሂብዎም እዩ፣ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪሕልዉን ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪምስርቱን እውን ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ክእለት ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ዕቤት ዩኒቨርስን መስተንክር ፍጥረትን የስደምመና እዩ፡ ስነ ጥበብን ሙዚቃን ግጥምን ንፈቱ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ደቂ ሰብ ንፈጣሪኦም ናይ ምምላኽ ፍሉይ ክእለት ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ንሰባት ካብ ካልኦት ፍጥረታት ምድሪ ኣዝዮም እተፈልዩ ይገብሮም እዩ።

እሞ ደኣ፡ ኣምላኽ ንሰባት ንሒደት ዓመታት ኪነብሩ ኢሉ እንተ ዚፈጥሮም ነይሩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ባህርያትን ነዚ ባህርያት እዚ ንምምዕባል ዜኽእሎም ደረት ዘይብሉ ኽእለትን ምሃቦምዶ ነይሩ፧ ኣይምሃቦምን። እምበኣር፡ ኣምላኽ ንሰባት ነዚ ፍሉይ ባህርያትን ክእለትን ዝሃቦም ኣብዛ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ኢሉ እዩ።

ናይ ፈለማ ዕላማ ኣምላኽ

ገሊኦም ሰባት ግና ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ይመስሎም እዩ። ምድሪ፡ ሰባት ንግዜኡ ኺጸንሑላን ናብ ሰማይ ከይዶም ምስ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዚበቕዑ እንተ ዀይኖም ኪፍተኑላን ከም እተፈጥረት ይኣምኑ እዮም። እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ጠንቂ ዅሉ እዚ ንምድሪ መሊእዋ ዘሎ እከይን ክፍኣትን ምዀነ ነይሩ። ከምኡ ግና ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ እዚ ምስ ባህርያት ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይሰማማዕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ . . . ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ይብለና እዩ።—ዘዳግም 32:4

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ ፈለማ ዕላማ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰማያትሲ ናይ የሆዋ እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም” ይብል። (መዝሙር 115:16) እወ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ጽብቕቲ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እዩ ፈጢርዋ፣ ትርጉም ዘለዎን መወዳእታ ዘይብሉን ህይወት ንምንባር ዜድሊ ዘበለ እውን ኣማሊኡ እዩ ፈጢርዋ።—ዘፍጥረት 2:8, 9

“ሰማያትሲ ናይ የሆዋ እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም።”—መዝሙር 115:16

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ እውን ይገልጽ እዩ። ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብ ሓዳር፡ “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን፣ . . . ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ነታ ገነት ዝነበረት መንበሪኦም ኪከናኸንዋን ኣብ ብምልእታ ምድሪ ኼስፍሕዋን ዕዮ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። እወ፡ ኣዳምን ሄዋንን፡ ደሓር ድማ ውሉዳቶም ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ነይርዎም።

ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና እንመውት፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ፍጡራት ኣምላኽ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ግና ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ ፍጡር፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኤደን ዝነበሮ ምድላዋት ኬበላሹ ኸም ዝፈተነ ይገልጸልና እዩ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ኺገብር ፈቲኑ፧

ሰይጣን ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኻብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዓልዉ ጸልይዎም እዩ። ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን፡ ኣምላኽ ሓደ ጽቡቕ ነገር፡ ማለት ብርእሶም ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን መሰል ከም ዝሓብኣሎም ምስ ነገሮም፡ ንሳቶም ምስ ሰይጣን ሓቢሮምን ካብ ኣምላኽ ዓልዮምን እዮም። እዚኸ እንታይ ኣስዒቡ፧ ድሕሪ ግዜ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዘጠንቀቖም ሞይቶም እዮም። ኣብታ ገነት ዝነበረት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ድማ ስኢኖም እዮም።—ዘፍጥረት 2:17፣ 3:1-6፣ 5:5

ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን፡ ክሳዕ ግዜና ኣብ ሰባት ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ነዚ ብዚምልከት ቃል ኣምላኽ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ይብል። (ሮሜ 5:12) ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኽንርድኦ ዘይንኽእል ዓይነት መደብ ስለ ዝገበረልና ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኢና እንመውት።

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት፡ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዝነበሮ ዕላማ ኣይጐናደቦን። ኣምላኽ በታ ፍጽምቲ ፍቕሩን ብፍትሑን ተደሪኹ፡ ካብ ባርነት እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዚገብረና መገዲ ኣዳልዩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ መሰናድዎ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 6:23) ኣምላኽ “በቲ ሓደ ወዱ [የሱስ ክርስቶስ] ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።” (ዮሃንስ 3:16) የሱስ፡ መስዋእታዊ በጃ ብምዃን ንዅሉ እቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ተበጅይዎ እዩ። *

ኣብ ቀረባ እዋን፡ እቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጸም እዩ። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምዕዶ እንተ ስዒብካ፡ ንስኻ እውን ተኻፋሊ እዚ ዜደንቕ መጻኢ እዚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። የሱስ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።” (ማቴዎስ 7:13, 14) እወ፡ መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ እንታይ ኢኻ ኽትመርጽ፧

^ ብዛዕባ እቲ በጃ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 27 ርአ። ካብ www.pr418.com/ti እውን ብናጻ ኸተራግፋ ትኽእል ኢኻ።