ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”

“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”

መብዛሕትና ግፍዒ ኺግበር ከሎ፡ ቅኑዓትን ንጹሃትን ሰባት ድማ ብእኩያት ኪጭቈኑ ኸለዉ ንርኢ ኢና። ግፍዕን እከይን ዘይህልወሉ እዋን ግና ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 37 ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚኸውን መልስን ንዓና ዚኸውን መምርሕን ንረክብ ኢና። እታ ምዕራፍ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም እትህብ ኣስተብህል።

  • ሰባት ምስ ዚገፍዑና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ፍቕዲ 1ን 2ን

  • እኩያት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ፍቕዲ 10

  • ቅኑዓት ኣብ መጻኢ እንታይ ኪረኽቡ እዮም፧ፍቕዲ 11ን 29ን

  • ሕጂ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ፍቕዲ 34

እዛ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት መዝሙር 37፡ እቶም ‘ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩን መገዱ ዚስዕቡን’ ብሩህ መጻኢ ኸም ዘለዎም ትገልጽ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕን ንዓኻ ዀነ ንስድራ ቤትካ ጽቡቕ መጻኢ ኽትመርጽን ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።