ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ።”—መዝሙር 139:16

ኣምላኽ ይርድኣልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ይርድኣልካ ድዩ፧

ፍጥረት እንታይ ይምህረና፧

ኣብ መንጎ ሕደ ማንታ ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ ዘሎ ርክብ እሞ ሕሰብ፣ እዚ ሓደ ኻብቲ ደቂ ሰብ ኪህልዎም ዚኽእል ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና እዩ። ሕደ ማንታ ፍሉይ ምትእስሳር እዩ ዘለዎም። ንሳ ንባዕላ ፍላይ ማንታ ዝዀነት ናንሲ ሲጋል ዝስማ ሓላፊት ማእከል መጽናዕትታት ማንታ፡ ገሊኦም ማናቱ “ነቲ እተዛረብካዮ ኽትገልጾ ኸየድለየካ፡ እንታይ ማለትካ ምዃኑ ብልክዕ ይርድኦም እዩ” ትብል። ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ምስ ሕደ ማንታኣ ዘለዋ ርክብ ክትገልጾ ኸላ፡ “ብዛዕባ ሓድሕድና ዅሉ ነገር ኢና እንፈልጥ” ትብል።

እዚ ፍሉይ ናይ ምርድዳእ ክእለት እዚ ኻበይ ዝመንጨወ እዩ፧ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣከባብን ኣተዓባብያን ገለ ኻብቲ ረቛሒታት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ግና እቲ ሕደ ማንታ ዘለዎም ተመሳሳሊ ጂን እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ንዅሉ እዚ ዜደንቕ ጂንና ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንነፍሲ ወከፍና ብዕምቈት ከም ዚርድኣና ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ዘማሪ ዝነበረ ዳዊት፡ “ኣብ ማሕጸን ኣደይ ድማ ጋሪድካኒ። ብምስጢር ምስ ተገበርኩ፡ . . . ኣዕጽምተይ ካባኻ ኣይተሓብኣን። ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ ሓዲኡ እኳ ኸይሃለወ፡ ኵሉ እቲ ኣካላት . . . ኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 139:13, 15, 16) ኣምላኽ ንጂንና ይፈልጦን ምሉእ ብምሉእ ይርድኦን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ንዅሉ እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ንባህርያትና ዝቐረጸ ፍጻመታት ዚፈልጦ። እቲ ኣምላኽ ብዛዕባናን ብዛዕባ ጂንናን ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት፡ ብደቂቕ ዚርድኣና ምዃኑ ኸም እንተኣማመን ይገብረና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍልጠት ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

ዳዊት፡ “ኦ የሆዋ፡ ውሽጠይ ፈቲሽካንን ፈሊጥካንን። ንምቕማጠይን ንምትንሳአይን ትፈልጦ። ንሓሳባተይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ኦ የሆዋ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ ልሳነይ ከየላስ፡ እንሆ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጣ ኢኻ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (መዝሙር 139:1, 2, 4) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንውሽጣዊ ስምዒታትና ይፈልጦ፡ “ንዅሉ ዝንባለ ሓሳባት እውን የስተውዕሎ እዩ።” (1 ዜና መዋእል 28:9፣ 1 ሳሙኤል 16:6, 7) እዘን ጥቕስታት እዚአን ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይገልጻልና፧

ክንጽሊ ኸለና ንዅሉ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ብቓላት ኣይንገልጾን ንኸውን፣ ፈጣሪና ግና እንታይ ከም እንገብር ይዕዘብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እንገብር እውን ይርድኦ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ ሰኣን ዓቕምና ምግባሩ ዘይከኣልና ኽንገብሮ እንደሊ ሰናይ ነገር እውን ይርድኦ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ኣብ ልብና ፍቕሪ ዝተኸለ ኣምላኽ፡ ነቲ ፍቕራዊ ሓሳባትናን ድራኸታትናን ኪዕዘቦ ዀነ ኺርድኦ ይደልን ይህንጠን እዩ።—1 ዮሃንስ 4:7-10

ኣምላኽ ዘየስተብህለሉ ነገር የልቦን። ካልኦት ንመከራና ኣብ ዘይፈልጥዎ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይርድኡልና እዋን እኳ፡ ንሱ ግና ንመከራና ይፈልጦ እዩ

ዜጸናንዓና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • “ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን።”—1 ጴጥሮስ 3:12

  • ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ፦ “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ። ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።”—መዝሙር 32:8

ኣምላኽ ኣዝዩ ርሕሩሕ እዩ

ኣምላኽ ንዅነታትናን ንስምዒታትናን ከም ዚርድኣልና ምፍላጥናስ፡ ኣብ ጸገማትና ኺሕግዘና ይኽእል ድዩ፧ ኣብ ናይጀርያ እትነብር ኣና እንታይ ከም ዘጋጠማ ኸምዚ ኢላ ገሊጻ ኣላ፦ “ኵነታተይ ኣዝዩ ሕማቕ ስለ ዝነበረ፡ ብህይወት ምንባር ትርጉም ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣእትየዮ ነይረ። መበለት ኣብ ርእሲ ምዃነይ ነታ ብሃይድሮሰፋለስ (ምእካብ ብዙሕ ፈሳሲ ኣብ ሓንጐል) ተጠቒዓ ኣብ ሆስፒታል ዝነበረት ጓለይ እኣልያ ነይረ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣነ እውን መንሽሮ ጡብ ከም ዘሎኒ ስለ እተፈልጠ፡ ኬሞተራፒን ራድዮተራፒን መጥባሕትን ክገብር ኣድልዩኒ ነይሩ። ጓለይ ኣብኡ ኸላ ኣነ እውን ሆስፒታል ምእታወይ ኣመና ኸቢዱኒ ነይሩ።”

እንታይ ደኣ እዩ ንጸገማ ኽትክእሎ ሓጊዝዋ፧ እንታይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ አስተንትነሉ ነይረ፣ ሓንቲ ኻብቲ ጥቕስታት፡ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 እትርከብ ኰይና፡ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ኪሕልዎ እዩ’ ትብል። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዝዘከርክዋ መጠን፡ የሆዋ ኻብቲ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ዝርድኣ ንላዕሊ ኸም ዚርድኣኒ ስለ ዝፈልጥ፡ ናብኡ ኣዝየ ዝቐረብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ፈቃራት መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዙሕ ምትብባዕ ረኺበ እየ።

“ገና ምስ ጥዕናይ እቃለስ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ኵነታተይን ኵነታት ጓለይን ግና ተመሓይሹ እዩ። የሆዋ ኣብ ጐድንና ስለ ዝዀነ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸይንሕዝ ተማሂርና ኢና። ያእቆብ 5:11፡ ‘“እቶም እተጻወሩ ሕጉሳት እዮም” ንብል ኣለና። ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን [ወይ፡ “ኣዝዩ ርሕሩሕን፡” እግረ ጽሑፍ] መሓርን እዩ እሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ርኢኹም ኣለኹም’ ስለ እትብል፡ ተጸናንዓና እያ።” እወ፡ የሆዋ ንዅነታት እዮብ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኦ ነይሩ እዩ፣ ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ንሕና እነሕልፎ ዝዀነ ይኹን ጸገም እውን ከም ዚርድኦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።