ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ብዛዕባ መከራኻ እንታይ ይስምዖ፧

ኣምላኽ ብዛዕባ መከራኻ እንታይ ይስምዖ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንመከራና ኸም ዘይርእዮን ብዛዕባኡ ኸም ዘይግደስን ይኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ፦

  • ኣምላኽ ይርእዮን ብዛዕባኡ ይግደስን እዩ

    “የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ . . . ረኣየ። . . . ልቡ እውን ጐሃየ።”—ዘፍጥረት 6:5, 6

  • ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ

    “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም። ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

  • ኣምላኽ እንታይ ክትረክብ ይደልየካ፧

    “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን። ክትጽውዑንን ናባይ መጺእኩም ክትጽልዩን ኢኹም፣ ኣነ እውን ክሰምዓኩም እየ።’”—ኤርምያስ 29:11, 12

    “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።”—ያእቆብ 4:8