ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ኖህን ዳንኤልን እዮብን ጌርካ ንየሆዋ ትፈልጦ ዲኻ፧

ከም ኖህን ዳንኤልን እዮብን ጌርካ ንየሆዋ ትፈልጦ ዲኻ፧

“እኩያት ሰባትሲ ፍትሒ ኺርድኡ ኣይክእሉን፣ ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ኵሉ ኺርድኡ ይኽእሉ።”—ምሳ. 28:5

መዝሙር፦ 126, 150

1-3. (ሀ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ፡ እኩያት “ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ” እዮም ዘለዉ። (መዝ. 92:7) ስለዚ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ ይብሃል ምሃላዉ ኣይገርመናን እዩ። እሞ ደኣ፡ ‘ንኽፍኣት ሕጻናት፡ ብኣእምሮ ግና ብሱላት’ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—1 ቈረ. 14:20

2 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብታ ቐንዲ ጥቕሲ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ትርከብ። እታ ጥቕሲ ድማ ብኸፊል፡ “ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ኵሉ ኺርድኡ ይኽእሉ” ትብል፣ እወ፡ ንሳቶም ንየሆዋ ዜሐጕሶ ዘበለ ዅሉ ይርድኡ እዮም። (ምሳ. 28:5) ኣብ ምሳሌ 2:7, 9 ዚርከብ ተመሳሳሊ ሓሳብ ድማ፡ የሆዋ ‘ንቕኑዓት ግብራዊ ጥበብ ከም ዚዓቝረሎም’ ይገልጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ቅኑዓት፡ ‘ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡ አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኺርድኡ’ ይኽእሉ እዮም።

3 ኖህን ዳንኤልን እዮብን ከምዚ ዓይነት ጥበብ ነይርዎም እዩ። (ህዝ. 14:14) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ኣለዎም። ንስኻ ብብሕትኻኸ፧ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ዘበለ “ዅሉ ትርዳእ” ዲኻ፧ ነዚ ምእንቲ ኽትርዳእ፡ ልክዕ ፍልጠት ክትቀስም የድልየካ። እምበኣር፡ (1) ኖህን ዳንኤልን እዮብን ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝፈለጥዎ፡ (2) እቲ ፍልጠት እቲ ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም፡ (3) ከም ናታቶም ዝዓይነታ እምነት ብኸመይ ከነጥሪ ኸም እንኽእል ንርአ።

ኖህ ኣብ እክይቲ ዓለም ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ

4. ኖህ ንየሆዋ ዝፈለጦ ብኸመይ እዩ፧ ልክዕ ፍልጠትከ እንታይ ኬጥሪ እዩ ሓጊዝዎ፧

4 ኖህ ንየሆዋ ዝፈለጦ ብኸመይ እዩ፧ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣትሒዙ፡ ሰብ እምነት ብዛዕባ የሆዋ ብቐንዱ ኻብ ሰለስተ ነገር፡ ማለት ካብ ዚርአ ፍጥረታትን ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ዝነበሮም ሰባትን ምስ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ብምምልላስ ካብ ዚርከብ ተመክሮን እዮም ተማሂሮም። (ኢሳ. 48:18) ኖህ ንፍጥረታት ኣምላኽ ብምዕዛብ፡ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ “ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን” ዚሕብር መርትዖታት ኪርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ሮሜ 1:20) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኖህ ብኣምላኽ ኣሚኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድልድልቲ እምነት እውን ኣጥርዩ እዩ።

5. ኖህ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ዝፈለጠ ብኸመይ እዩ፧

5 “እምነት ካብ ምስማዕ እያ።” (ሮሜ 10:17) ኖህ ብዛዕባ የሆዋ ዝሰምዐ ብኸመይ እዩ፧ ካብ ኣዝማዱ እዩ ፈሊጡ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ ናይ እምነት ሰብ ዝነበረ ኣቦኡ ላሜክ፡ ንኣዳም ኣርኪቡሉ ነይሩ እዩ። (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) ብዘይካዚ፡ ኖህ ንኣቦሓጎኡ ማቱሳላ ኸምኡ እውን ነቲ ኻብ ወለዶኡ ዝነበረን ኖህ ምስ ተወልደ ን366 ዓመት ዝጸንሐን ያሬድ ይፈልጦም ነይሩ እዩ። * (ሉቃ. 3:36, 37) ካብዞም ሰባት እዚኦምን ምናልባት ካብ ኣንስቶምን ከኣ፡ ብዛዕባ ኣጀማምራ ህይወት ደቂ ሰብን ብዛዕባ ኣምላኽ ንምድሪ ብጻድቃን ኪመልኣ ዘለዎ ዕላማን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤደን ዘጋጠመ ዕልወትን ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሳዕቤን እቲ ኣብ ኤደን ዘጋጠመ ዕልወት ድማ ኪርእዮ ይኽእል ነበረ። (ዘፍ. 1:28፣ 3:16-19, 24) በዚ ዀነ በቲ፡ ኖህ በቲ እተማህሮ ልቡ ስለ እተተንከየ፡ ንኣምላኽ ኬገልግል ተደሪኹ እዩ።—ዘፍ. 6:9

6, 7. ተስፋ ንእምነት ኖህ ዘደልደለቶ ብኸመይ እያ፧

6 ተስፋ ንእምነት ተደልድላ እያ። ኖህ እቲ “ዕረፍቲ፣ ምጽንናዕ” ዝትርጕሙ ኪኸውን ዚኽእል ስሙ፡ ተስፋ ዝሓቘፈ ትርጉም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠ ኸመይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሕስብ እሞ ኣብሎ። (ዘፍ. 5:29፡ እ.ጽ.) ላሜክ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ ኖህ፡ ‘ኣብዛ የሆዋ ዝረገማ ምድሪ ኻብ ጻዕሪ ኢድና ኼጸናንዓና እዩ’ በለ። ኖህ ከኣ ብኣምላኽ ተስፋ ይገብር ነይሩ እዩ። ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቤልን ሄኖክን፡ በቲ ንርእሲ እቲ ተመን ዚጭፍልቕ “ዘርኢ” ይኣምን ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 3:15

7 ኖህ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተመዝገበ ትንቢት ሒዝዎ ንዘሎ ዓሚቝ ትርጉም ምሉእ ብምሉእ ዘይርድኦ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ትንቢት መልእኽቲ ተስፋ ኸም ዝሓዘ ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ኤደን እተዋህበ ተስፋ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እኩያት ጥፍኣት ከም ዚወርድ እተነበየ ሄኖክ ዝኣወጆ መልእኽቲ ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ። (ይሁ. 14, 15) እቲ ኣብ ኣርማጌዶን ናይ መወዳእታ ፍጻመኡ ዚረክብ መልእኽቲ ሄኖክ፡ ነቲ ኖህ ዝነበሮ እምነትን ተስፋን ከም ዘደልደሎ ርዱእ እዩ።

8. ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ ንኖህ ዘዕቈቦ ብኸመይ እዩ፧

8 ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ ንኖህ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧ ኖህ ልክዕ ፍልጠት ምርካቡ፡ እምነት ኬጥርን ንኣምላኽ ውፉይ ኪኸውንን ንኣምላኽ ዜጕሂ ነገር ከይገብርን ሓጊዝዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኖህ ‘ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ እተመላለሰ፡’ ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ኣይሓበረን። እምነት ዘይነበሮምን ዓያሹን እቶም ስጋ ዝለበሱ ኣጋንንቲ ብዚገብርዎ ልዕለ ሰብኣዊ ነገራት ይድመሙ፡ ምናልባት ከኣ ኬምልኽዎም ይደልዩ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኖህ ግና በቶም ኣጋንንቲ ኣይተዓሸወን። (ዘፍ. 6:1-4, 9) ብዘይካዚ፡ ኪፈርዩን ንምድሪ ኺመልእዋን እተነግሮም ንሰባት ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 1:27, 28) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣንስትን ስጋ ዝለበሱ መናፍስትን ዚግበር መውስቦ፡ ዘይባህርያውን ጌጋን ከም ዝዀነ ተረዲኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ መውስቦ እቲ እተወልዱ ውሉዳት ካብ ካልኦት እተፈልዩ ምስ ኰኑ ድማ፡ ኖህ ዝነበሮ ምርዳእ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣምላኽ ንኖህ፡ ኣብ ምድሪ ማይ ኣይሂ ኸም ዜምጽእ ነገሮ። ኖህ በቲ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ስለ ዝኣመነ ድማ፡ መርከብ ሰርሐ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ኣድሓኖም።—እብ. 11:7

9, 10. ኣስኣሰር እምነት ኖህ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ከም ናይ ኖህ ዝዓይነታ እምነት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ንፉዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃን፡ ንእተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ እቲ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ኪቐርጸናን ኪመርሓናን ብምፍቃድ እዩ። (1 ጴጥ. 1:13-15) እምነትን ኣምላኻዊ ጥበብን ከኣ ካብ ውዲታት ሰይጣንን ካብቲ እኩይ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣን ኬዕቍበና እዩ። (2 ቈረ. 2:11) እዚ መንፈስ እዚ ንሰባት፡ ዓመጻን ርኽሰትን ኬፍቅሩ እዩ ዜተባብዕ። ኣብ ስጋዊ ባህግታቶም ኬተኵሩ እውን እዩ ዚድርኾም። (1 ዮሃ. 2:15, 16) ነቶም ብመንፈስ ዝደኸሙ ድማ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበት ንዜርኢ መርትዖ ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። የሱስ ንግዜና ምስ ግዜ ኖህ ኬነጻጽሮ ኸሎ፡ ኣብ ዓመጻ ወይ ርኽሰት ዘይኰነስ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ዚህሉ ዘይተገዳስነት ከም ዘተኰረ ኣስተብህል።ማቴዎስ 24:36-39 ኣንብብ።

10 ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣነባብራይ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዝፈልጦ ዜርኢ ድዩ፧ እምነተይ ምስ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዐ ኽነብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ስርዓታት እዚ ኽእውጅ ትድርኸኒ ድያ፧’ ነዘን ሕቶታት እዚአን እትህቦ ምላሽ፡ ‘ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም እትመላለስ’ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።

ዳንኤል ኣብታ ኣረማዊት ባቢሎን ኣምላኻዊ ጥበብ ኣርኣየ

11. (ሀ) ዳንኤል ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንኣምላኽ ውፉይ ምንባሩ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኡ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧ (ለ) ክትቀድሖ እትደሊ ባህርያት ዳንኤል እንታይ እዩ፧

11 ዳንኤል ንየሆዋ ዝፈለጦ ብኸመይ እዩ፧ ዳንኤል ንየሆዋን ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን ምእንቲ ኼፍቅር፡ ካብ ወለዱ ጽቡቕ ገይሩ ኸም እተማህረ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ እታ ፍቕሪ እቲኣ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ቐጺላ እያ። ከመይሲ፡ ብዕድመ ምስ ደፍአ እውን ከይተረፈ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት የጽንዕ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። (ዳን. 9:1, 2) ዳንኤል ብዛዕባ ኣምላኽ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ዓሚቝ ፍልጠት ከም ዝነበሮ፡ ካብቲ ኣብ ዳንኤል 9:3-19 ተመዝጊቡ ዚርከብ እቲ ነብዪ ኻብ ልቡ ተጸጺቱ ዘቕረቦ ጸሎት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ግዜ ወሲድካ ነዚ ጸሎት እዚ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን እሞ፡ ‘እዚ ጸሎት እዚ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧’ ኢልካ ሕሰብ።

12-14. (ሀ) ዳንኤል ኣምላኻዊ ጥበብ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዳንኤል ብትብዓት ንየሆዋ እሙን ብምዃኑ እተባረኸ ብኸመይ እዩ፧

12 ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ ንዳንኤል ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧ ንሓደ እሙን ኣይሁዳዊ ኣብታ ኣረማዊት ባቢሎን ምንባር ብዙሕ ብድሆታት ዜምጽኣሉ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣይሁድ፡ “ነታ ኣነ ናብኣ ተማሪኽኩም ከም እትውሰዱ ዝገበርኩኹም ከተማ . . . ሰላማ ድለዩ” ኢልዎም ነበረ። (ኤር. 29:7) ኰይኑ ግና፡ ንዕኡ ጥራይ ውፉያት ኪዀኑ እውን ይደልዮም ነበረ። (ዘጸ. 34:14) እሞ ደኣ ዳንኤል ነዚ ኽልተ ስርዓት እዚ ብሚዛናዊ መገዲ ኺፍጽሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኻዊ ጥበብ፡ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ዚግብኦም ክብሪ ጥራይ ኪውሃቦም ከም ዘለዎ ኺፈልጥ ሓጊዛቶ እያ። ዘመናት ጸኒሑ ድማ፡ የሱስ ነዚ ስርዓት እዚ ምሂሩ እዩ።—ሉቃ. 20:25

13 ን30 መዓልቲ ብዘይካ ንንጉስ፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ኰነ ሰብ ከይጽለ ብወግዒ ምስ ተኣወጀ፡ ዳንኤል እንታይ ከም ዝገበረ እሞ ዘክር። (ዳንኤል 6:7-10 ኣንብብ።) ዳንኤል፡ ‘ሰላሳ መዓልቲ እኳ ኽንድቲ ነዋሕቲ ኣይኰናን’ ኢሉ መመኽነይታ ኬቕርብ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንመንግስታዊ ትእዛዝ ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣብሊጹ ኣይረኣዮን። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ምእንቲ ኸይርእይዎ ብሕቡእ ኪጽሊ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መዓልታዊ ልማዱ ዅሉ ሰብ ከም ዚፈልጦ ይርዳእ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰባት ኣምልኾኡ ኸም ዝሓደጎ ምእንቲ ኸይስምዖም፡ ነቲ ናይ ጸሎት ልማዱ ቐጺልዎ እዩ።

14 የሆዋ ነቲ ዳንኤል ብትብዓትን ብተኣማንነትን ዝገበሮ ውሳነ ባሪኽዎ እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ዜስካሕክሕ ሞት ኣድሒንዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶን ፋርስን ዚነብሩ ሰባት እውን ከይተረፉ ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡ ኽኢሎም እዮም።—ዳን. 6:25-27

15. ከም ናይ ዳንኤል ዝዓይነታ እምነት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ከም ናይ ዳንኤል ዝዓይነታ እምነት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ድልድልቲ እምነት ከነጥሪ እንኽእለሉ ቐንዲ መገዲ፡ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዚብሎ ‘ብምስትውዓል’ እውን እዩ። (ማቴ. 13:23) ሓሳባት ኣምላኽ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና፣ እዚ ድማ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምጽዓር እውን የጠቓልል። ስለዚ፡ ነቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትነሉ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ኣዘውቲርና ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ኣሎና፣ ብፍላይ ከኣ፡ ፈተናታት ወይ ካልእ በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ኽንሓትት ኣሎና። የሆዋ ጥበብን ብርታዐን ኪህበና ምስ እንጽሊ፡ ነዚ ነገራት እዚ ብልግሲ ኺህበና እዩ።—ያእ. 1:5

እዮብ ኣብ ጽቡቕን ኣብ ሕማቕን ግዜ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ሓለወ

16, 17. እዮብ ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

16 እዮብ ንየሆዋ ዝፈለጦ ብኸመይ እዩ፧ እዮብ እስራኤላዊ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ናይ ርሑቕ ዘመድ ብዓል ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እዩ ነይሩ። የሆዋ ኸኣ ንዓታቶም ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ነጊርዎም ነይሩ እዩ። እዮብ ብዛዕባ እዚ ኽቡር ሓቅታት እዚ ብዘይተፈልጠ መገዲ ተማሂሩ እዩ። (እዮ. 23:12) “ኣእዛነይ ብዛዕባኻ ሰሚዐን ነይረን” ድማ በለ። (እዮ. 42:5) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ባዕሉ እውን እዮብ ብዛዕባኡ ሓቂ ኸም ዚዛረብ ገሊጹ እዩ።—እዮ. 42:7, 8

ካብ ዚርአ ፍጥረታት ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ምስ እንምሃር፡ እምነትና ትድልድል እያ(ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17 እዮብ ካብ ዚርአ ፍጥረታት እውን ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ተማሂሩ እዩ። (እዮ. 12:7-9, 13) ጸኒሑ፡ ኤሊሁን የሆዋን ንእዮብ፡ ሰባት ምስ ዕቤት የሆዋ ኺነጻጸሩ ኸለዉ ኣብ ግምት ዚኣትዉ ኸም ዘይኰኑ ብፍጥረታት ኣቢሎም ኣዘኻኺሮምዎ እዮም። (እዮ. 37:14፣ 38:1-4) እዮብ ብቓላት የሆዋ ስለ እተተንከየ ድማ፡ ብትሕትና ንኣምላኽ ከምዚ በሎ፦ “ሕጂ፡ ኵሉ ኸም እትኽእል፡ ካብቲ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ድማ ዘይከኣለካ ኸም ዘየልቦ ፈሊጠ። ስለዚ እየ . . . ኣብ ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ ኸኣ ዝንሳሕ ዘለኹ።”—እዮ. 42:2, 6

18, 19. እዮብ ብሓቂ ንየሆዋ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

18 ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ ንእዮብ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧ እዮብ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ዜደንቕ ምስትውዓል ነይርዎ እዩ። ንየሆዋ ብሓቂ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ እዚ ፍልጠት እዚ ድማ፡ ብቕኑዕ መገዲ ኺመላለስ ሓጊዝዎ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እዮብ፡ ንብጻዩ ዘይርሕርሓሉ እንተ ዀይኑ፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ኺዛረብ ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እዮ. 6:14) ንርእሱ ኻብ ካልኦት ኣብሊጹ ኣይረኣያን፣ እኳ ደኣስ፡ ንሃብታም ኰነ ንድኻ ይሓሊ ነበረ። “እቲ ንዓይ ኣብ ማሕጸን ዝገበረስ ንዓታቶምዶ ኣይገበረን፧” ድማ በለ። (እዮ. 31:13-22) እወ፡ እዮብ እቲ ዝነበሮ ኽብርን ሃብትን ነቲ ንርእሱን ንኻልኦትን ዘለዎ ኣረኣእያ ኺጸልዎ ኣይፈቐደን። ኣረኣእያኡ ኻብ ኣረኣእያ እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሓያላትን ሃብታማትን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ!

19 እዮብ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ብልቡ እውን ከይተረፈ ይነጽጎ እዩ ነይሩ። ንናይ ሓሶት ኣምልኾ፡ እንተላይ ንስጋዊ ሃብቲ ውፉይ ምዃን፡ “ንናይ ሓቂ ኣምላኽ” ምኽሓድ ማለት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እዮብ 31:24-28 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ መውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ዚግበር ቅዱስ ጥምረት ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ንድንግል ዘይግቡእ ቈላሕታ ኸይገብረላ እውን ምስ ኣዒንቱ ኺዳን ተኣታትዩ ነይሩ እዩ። (እዮ. 31:1) ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝነበሮ፡ በቲ ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ዚጻወረሉ ዝነበረ ዘመን ከም ዝነበረ ድማ ዘክር። ስለዚ፡ እዮብ እንተ ዚደሊ፡ ካልአይቲ ሰበይቲ መእተወ ነይሩ። * ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኤደን ዝመስረቶ መውስቦ ኸም ኣብነት ገይሩ ንርእሱ ተጠቒሙሉ እዩ። (ዘፍ. 2:18, 24) ኣስታት 1,600 ዓመት ጸኒሑ ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ ንሰማዕቱ፡ ነዚ ንመውስቦን ጾታዊ ስነ ምግባርን ዚምልከት ጽድቃዊ ስርዓት እዚ ኺስዕቡ ምሂርዎም እዩ።—ማቴ. 5:28፣ 19:4, 5

20. ብዛዕባ የሆዋን ስርዓታቱን ልክዕ ፍልጠት ምርካብና፡ ጥዑያት ኣዕሩኽን ጥዑይ መዘናግዕን ክንመርጽ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

20 ከም ናይ እዮብ ዝዓይነታ እምነት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምቲ ኣቐዲምና ብተደጋጋሚ ኽንጠቕሶ ዝጸናሕና፡ ልክዕ ፍልጠት የሆዋ ምርካብን እቲ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ንዅሉ መዳያት ህይወትና ኺመርሖ ምፍቃድን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ዘማሪ ዝነበረ ዳዊት፡ የሆዋ ‘ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸም ዚጸልኦ’ ገሊጹ እዩ፣ ምስ “ኣምሰሉታት” ክንሓብር ከም ዘይብልና እውን ኣጠንቂቑ እዩ። (መዝሙር 11:5፣ 26:4 ኣንብብ።) እዚ ጥቕስታት እዚ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽትፈልጥ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ፍልጠት እዚ፡ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ንእትህቦ ነገራት፡ ንኣጠቓቕማ ኢንተርነት፡ ከምኡ ድማ ኣዕሩኽን መዘናግዕን ንእትመርጸሉ መገዲ ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ እትህቦ ምላሽ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትፈልጦ ኸተስተውዕል ኪሕግዘካ እዩ። ኣብዛ ሕልኽላኽን እከይን ዝመልኣ ዓለም፡ መንቅብ ዘይብልና ምእንቲ ኽንከውን፡ ‘ንልቦናና’ ኸነሰልጥኖ ኣሎና። ከምኡ ምግባርና ኸኣ፡ ቅኑዕን ጌጋን ክንፈሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥበባውን ዘይጥበባውን ነገራት ከነለሊ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—እብ. 5:14፣ ኤፌ. 5:15

21. ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜሐጕሶ ዘበለ ‘ዅሉ ኽትርዳእ’ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

21 ኖህን ዳንኤልን እዮብን ብምሉእ ልቦም ንየሆዋ ስለ ዝደለይዎ፡ ንሱ ተረኺቡሎም እዩ። ንዕኡ ዜሐጕሶ ዘበለ “ዅሉ ኺርድኡ” እውን ሓጊዝዎም እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብነት ጽድቂ ዀይኖምን ናይ ብሓቂ ዕዉት ህይወት ኪነብሩ ኽኢሎምን እዮም። (መዝ. 1:1-3) ስለዚ፡ ‘ከም ኖህን ዳንኤልን እዮብን ገይረ ንየሆዋ እፈልጦ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ሳላ እቲ ዚውስኽ ዘሎ መንፈሳዊ ብርሃን፡ ካባታቶም ብዝያዳ ንየሆዋ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 4:18) እምበኣር፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣስተንትነሉ። ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክትረክብ ጸሊ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ። ኣብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ድማ ብምስትውዓልን ብጥበብን ክትመላለስ ኢኻ።—ምሳ. 2:4-7

^ ሕ.ጽ. 5 ኣቦ ኣቦሓጎኡ ንኖህ ዝዀነ ሄኖክ እውን ‘ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላሊሱ’ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኖህ ከይተወልደ ኸሎ፡ ቅድሚ 69 ዓመት ‘ኣምላኽ ወሰዶ።’—ዘፍ. 5:23, 24

^ ሕ.ጽ. 19 ኖህ እውን ከምኡ እዩ ገይሩ። ድርብ መውስቦ እተጀመረ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን ዘጋጠመ ዕልወት ነዊሕ ከይጸንሐ እኳ እንተ ዀነ፡ ኖህ ግና ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ እያ ነይራቶ።—ዘፍ. 4:19