ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

“ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም።”—ሮሜ 15:5

መዝሙር፦ 17, 13

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ብዛዕባ መንፈሳውነት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ብዛዕባ መንፈሳውነት እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ሓንቲ ኣብ ካናዳ እትነብር ሓብቲ፡ “መንፈሳዊት ሰብ ምዃነይ ሕጕስቲ ክኸውንን በብመዓልቱ ንዜጋጥመኒ ፈተናታት ክዋጽኣሉን ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ኣብ ብራዚል ዚነብር ሓው ድማ፡ “መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ኸነማዕብል ሳላ ዝጸዓርና፡ ን23 ዓመት ኣዝዩ ዜሐጕስ ሓዳር ኪህልወና ኽኢሉ እዩ” በለ። ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ሓደ ሓው ከኣ ከምዚ በለ፦ “መንፈሳዊ ሰብ ምዃነይ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪህልወንን እተፈላለየ ኣተዓባብያ ምስ ዘለዎም ኣሕዋት ንዘሎኒ ርክብ ከመሓይሾን ሓጊዙኒ እዩ።”

2 እዚ ርእይቶታት እዚ፡ መንፈሳውነት ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ዜረጋግጽ እዩ። ስለዚ፡ ‘ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ዕቤት ክገብር ዝኽእልን ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ረብሓታት ክረክብ ዝኽእልን ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ምላሽ ቅድሚ ምሃብና ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ወይ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እንታይ ከም ዚብል ብንጹር ክንርዳእ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት ምላሽ ክንረኽበለን ኢና፦ (1) መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (2) መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ዚሕግዘና ኣብነታት እንታይ እዩ፧ (3) “ሓሳብ ክርስቶስ” ኪህልወና እንገብሮ ጻዕሪ መንፈሳውያን ሰባት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ስጋውን መንፈሳውን ሰብ ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ይገልጾ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ መንጎ “መንፈሳዊ ሰብ”ን “ስጋዊ ሰብ”ን ዘሎ ፍልልይ ብምግላጽ፡ መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንርዳእ ሓጊዙና እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:14-16 ኣንብብ።) እቲ ፍልልይ እንታይ እዩ፧ “ስጋዊ ሰብ ነቲ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ዘበለ ኣይቅበሎን እዩ፣ እዝስ ንዕኡ ዕሽነት እዩ፣ . . . ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ።” በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ “መንፈሳዊ ሰብ ንዅሉ ይምርምር እዩ፡” “ሓሳብ ክርስቶስ” ከኣ ኣለዎ። ጳውሎስ፡ መንፈሳውያን ሰባት ክንከውን ኣተባቢዑና ኣሎ። ስጋውን መንፈሳውን ሰብ ዚፍለዩሉ ኻልእ መገድታትከ እንታይ እዩ፧

4, 5. ባህርያት ስጋዊ ሰብ እንታይ እዩ፧

4 ፈለማ፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ስጋዊ ሰብ እሞ ሕሰብ። ዓለም ብቐንዱ ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዋ። ጳውሎስ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ “ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌ. 2:2) እዚ መንፈስ እዚ፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ ልሙድ ኣተሓሳስባ ኪቕበሉ፡ ማለት ደድሕሪ ብዙሓት ኪስዕቡ ጽልዋ ገይሩሎም እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰሩ እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ መብዛሕትኦም ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮም እዮም ዚገብሩ፡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ እውን ኣይጽዕሩን እዮም። ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኺረኽቦ ዚኽእል ሃብትን ክብርን ብዙሕ እዩ ዚጭነቕ፣ መሰሉ ኬኽብር እውን ብዙሕ እዩ ዚጽዕር።

5 ስጋዊ ሰብ ዚልለየሉ ኻልእ መገዲኸ እንታይ እዩ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን “ግብሪ ስጋ” ዚካፈሉ ሰባት፡ ስጋውያን ሰባት እዮም። (ገላ. 5:19-21) ጳውሎስ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቲ፡ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ዚልለዩሉ ብዙሕ ካልእ ባህርያት ጠቒሱ ኣሎ። ስጋውያን ሰባት፡ ኣብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ዚፈጥሩ፡ ምስ ሰባት ዚውግኑ፡ ግርጭት ዚፈጥሩ፡ ምስ ሓዎም ዚፋረዱ፡ ንርእስነት ኣኽብሮት ዘየርእዩ፡ ኣብ ምብላዕን ምስታይን ኣመና ዜተኵሩ እዮም። ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ድማ፡ ቀልጢፎም እዮም ዚደኽሙን ኢዶም ዚህቡን። (ምሳ. 7:21, 22) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣዝዮም ስጋውያን ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ “ዘይመንፈሳውያን” ከም ዚዀኑ ገሊጹ ኣሎ።—ይሁ. 18, 19

6. መንፈሳዊ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚልለ፧

6 “መንፈሳዊ ሰብ” ኪብሃል ከሎ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ መንፈሳዊ ሰብ ከም ስጋዊ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኣዕሚቝ ዚሓስብ እዩ። መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ‘ንኣምላኽ ኪመስልዎ’ ይጽዕሩ እዮም። (ኤፌ. 5:1) ስለዚ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺፈልጡን ንኣረኣእያኡ ኪቐድሕዎን ይጽዕሩ እዮም። ኣምላኽ ንዓታቶም ብሓቂ ህያው እዩ። ከም ስጋውያን ሰባት ዘይኰኑስ፡ መገድታቶም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። (መዝ. 119:33፣ 143:10) ግብሪ ስጋ ኣይገብሩን፣ የግዳስ፡ “ፍረ መንፈስ” ኬፍርዩ እዮም ዚጽዕሩ። (ገላ. 5:22, 23) እወ፡ ሓደ ንመንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኣዕዚዙ ዚርኢ ሰብ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ይብሃል።

7. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እንታይ ይብል፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳውያን ሰባት ብጽቡቕ ይዛረበሎም እዩ። ማቴዎስ 5:3 ኸምዚ ትብል፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።” ሮሜ 8:6 ድማ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ዘለዎ ጥቕሚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ፣ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ” ትብል። እወ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምስ እነተኵር፡ ሕጂ ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእስናን ሰላም፡ ኣብ መጻኢ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

8. መንፈሳውነት ንምጥራይን ንምዕቃብን ጻዕሪ ዚሓትት ስለምንታይ እዩ፧

8 ይኹን እምበር፡ ሓደገኛ ኣብ ዝዀነት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስጋዊ ኣተሓሳስባ ብዘለዎም ሰባት ኣብ ዝመልአት ዓለም ስለ እንነብር ከኣ፡ መንፈሳውነት ንምምዕባልን ንምዕቃብን ከቢድ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ሓደ ሰብ መንፈሳውነቱ እንተ ኣጥፊኡ፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ባዶሽ ወይ ሃጓፍ ስለ ዚፈጥር፡ እተበከለ “ኣየር” እዛ ዓለም እዚኣ ኣብቲ ባዶሽ ኪኣቱ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥመና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓቢ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ትምህርቲ እንረኽበሉ ኣብነታት

9. (ሀ) ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንዓቢ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ ኣየኖት ጽቡቕ ኣብነት ዚዀኑና መንፈሳውያን ሰባት ኢና ኽንመያየጥ፧

9 ሓደ ውሉድ ንወለዱ እናረኣየ ነቲ ሰናይ ኣብነቶም ብምቕዳሕ ብሱል ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንዝዀኑ ሰባት ብምርኣይን ብምቕዳሕን መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። ብኣንጻሩ ግና፡ ስጋዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት መለበሚ ይዀኑና እዮም። (1 ቈረ. 3:1-4) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ክልቲኡ ዓይነት ኣብነታት ሒዙልና ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ሸቶና ኸም መንፈሳውያን ሰባት መጠን ዕቤት ምግባር ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ እቶም ክንመስሎም እንኽእል ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ሰባት ምምርማርና ጽቡቕ እዩ። እምበኣር፡ ያእቆብን ማርያምን የሱስን በዚ መዳይ እዚ ዝሓደግዎ ኣብነት ክንርኢ ኢና።

ያእቆብ ካብ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

 

10. ያእቆብ መንፈሳዊ ሰብ ከም ዝዀነ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ ያእቆብ ዝሓደጎ ኣብነት ንርአ። ከምቲ ንዅላትና ዜጋጥመና፡ ያእቆብ ኣሸጋሪ ህይወት እዩ ኣሕሊፉ። ሓዉ ኤሳው ስጋዊ ኣተሓሳስባ ነበሮ፡ ኪቐትሎ እውን ይደሊ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቲ መታለሊ ዝነበረ ሓሙኡ፡ ብተደጋጋሚ ኺብለጸሉ ፈቲኑ እዩ። ያእቆብ በዞም ከምዚኦም ዝኣመሰለኡ “ስጋውያን” ሰባት ተኸቢቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። በቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ቓል ይኣምን ነበረ። ነቶም ኣብ ዕላማ የሆዋ ፍሉይ ግደ ዝነበሮም ስድራ ቤቱ እውን ጽቡቕ ገይሩ ይኣልዮም ነበረ። (ዘፍ. 28:10-15) ቃላትን ተግባራትን ያእቆብ፡ ኵሉ ሳዕ ስርዓታትን ፍቓድን ኣምላኽ ኪፍጽም ይደሊ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኤሳው ከይቀትሎ ምስ ፈርሀ ናብ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣናግፈኒ። ‘ብርግጽ ጽቡቕ ክገብረልካ፡ ንዘርእኻ እውን ከምቲ ኻብ ብዝሑ እተላዕለ ዘይቍጸር ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ድማ ኢልካ ኢኻ።” (ዘፍ. 32:6-12) ብርግጽ እምበኣር፡ በቲ የሆዋ ንዕኡን ንኣቦታቱን ዘተስፈዎ ተስፋ ይኣምንን ምስ ፍቓድን ዕላማን የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ይደልን ነይሩ እዩ።

ማርያም ካብ ዝሓደገቶ ኣብነት እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

 

11. ማርያም መንፈሳዊት ሰብ ከም ዝነበረት ዜርኢ እንታይ እዩ፧

11 ሕጂ ድማ ማርያም ዝሓደገቶ ኣብነት ንርአ። የሆዋ ንማርያም፡ ኣደ የሱስ ክትከውን ዝሓረያ ስለምንታይ እዩ፧ መንፈሳዊት ሰብ ስለ ዝነበረት ከም ዝዀነ ርዱእ እዩ። ብኸመይ ንፈልጥ፧ ናብ ቤት እቶም ኣዝማዳ ዝነበሩ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ምስ ከደት እተዛረበቶ ባህ ዜብል ቃላት ውዳሰ፡ ክሳዕ ክንደይ መንፈሳዊት ሰብ ከም ዝነበረት ብንጹር ዜርኢ እዩ። (ሉቃስ 1:46-55 ኣንብብ።) እቲ ማርያም እተዛረበቶ ቓላት፡ ንቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዝነበራን ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣጸቢቓ ትፈልጦ ኸም ዝነበረትን ዜረጋግጽ እዩ። (ዘፍ. 30:13፣ 1 ሳሙ. 2:1-10፣ ሚል. 3:12) ንሳን ዮሴፍን ሓደስቲ ምርዑዋት እኳ እንተ ነበሩ፡ የሱስ ክሳዕ ዚውለድ ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ተዓቂቦም እዮም። እዚ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ብሕታዊ ድሌቶም ካብ ምዕጋብ ብዝያዳ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር የተሓሳስቦም ከም ዝነበረ ዜርኢ እዩ። (ማቴ. 1:25) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ማርያም ነቲ ኣብ ህይወት የሱስ ዜጋጥም ዝነበረ ነገራትን ነቲ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ጥበብን ተቕልበሉ ነበረት። ብዘይካዚ፡ “ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” (ሉቃ. 2:51) ብዛዕባ እቲ ምስ መሲሕ ዚተሓሓዝ ዕላማ ኣምላኽ ተገዳስነት ከም ዝነበራ ኸኣ ንጹር እዩ። ማርያም ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ንሕና እውን ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ኸም ዘሎና ዜዘኻኽረናዶ ኸይኰነ፧

12. (ሀ) የሱስ ንኣቦኡ ዝመሰሎ ብኣየናይ መገድታት እዩ፧ (ለ) የሱስ ንዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

12 ኰይኑ ግና፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ብሉጽ ኣብነት መንፈሳዊ ሰብ ዝዀነና መን እዩ፧ የሱስ እዩ። ኣብ መላእ ህይወቱን ኣገልግሎቱን ንኣቦኡ የሆዋ ኺመስሎ ኸም ዚደሊ ኣርእዩ እዩ። ብትምህርቱን ብስምዒቱን ብተግባራቱን ንየሆዋ እዩ ዚመስሎ ነይሩ። ምስ ፍቓድን ስርዓታትን ኣምላኽ ተሰማሚዑ ድማ እዩ ዚመላለስ ነይሩ። (ዮሃ. 8:29፣ 14:9፣ 15:10) ንኣብነት፡ ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ርሕራሐ የሆዋ ዚገልጾ ቓላት ምስቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝነበረ ማርቆስ ብዛዕባ ስምዒት የሱስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ እሞ ኣነጻጽሮ። (ኢሳይያስ 63:9፣ ማርቆስ 6:34 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኸም የሱስ፡ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ክንረክብ ከለና ንርሕርሓሎም ዲና፧ ብዘይካዚ፡ የሱስ ብስራት ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ርእሱ ወፍዩ ነበረ። (ሉቃ. 4:43) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታትን ተግባራትን ከኣ፡ መለለዪ ሓደ መንፈሳዊ ሰብ እዩ።

13, 14. (ሀ) ካብ ኣብነት እቶም ሎሚ ዘለዉ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ኣብነት ጥቐስ።

13 ሎሚ እውን፡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ንክርስቶስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብ ኣገልግሎት ቀናኣት፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ርሕሩሓት ከምኡ እውን ካልእ ሰናይ ባህርያት ዘለዎም ከም ዝዀኑ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ነዚ ሰናይ ባህርያት እዚ ኼማዕብሉን ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩን ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ኣብ ብራዚል እትነብር ሬቸል ከምዚ በለት፦ “ናይ ዓለም ፋሽን ምስዓብ እፈቱ ነይረ እየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ትሕትና ዜርኢ ግቡእ ክዳውንቲ ኣይክደንን እየ ነይረ። ሓቂ ምስ ፈለጥኩ ግና፡ መንፈሳዊት ሰብ ምእንቲ ክኸውን ኣገዳሲ ስጕምቲ ኽወስድ ተደሪኸ እየ። ለውጥታት ምግባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ሕጕስቲ ክኸውንን ናይ ሓቂ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ክነብርን ሓጊዙኒ እዩ።”

14 ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ረይሊን ከኣ እተፈልየ ብድሆ እዩ ነይርዋ። ብሉጽ ህይወት ምእንቲ ኽትነብር ዝለዓለ ትምህርቲ ኽትምሃርን ጽቡቕ ስራሕ ክትረክብን ሸቶ ኣውጺኣ ነበረት። ከምዚ ድማ በለት፦ “መንፈሳዊ ሸቶታተይ ኪጠፍእ ጀመረ። ኣብ ህይወተይ ካብ ስራሐይ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ይጠፍኣኒ ኸም ዘሎ ተገንዘብኩ። ስለዚ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ንየሆዋ ናብ ምግልጋል ኣተኰርኩ።” ረይሊን ካብ ሽዑ ኣትሒዛ፡ በቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33, 34 ዚርከብ ተስፋ ምእማን ክሳዕ ክንደይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣብ ህይወታ ርእያቶ እያ። “የሆዋ ኸም ዚከናኸነኒ ርግጸኛ እየ” ድማ በለት። ኣብ ጉባኤኻ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ትፈልጥ ትኸውን። እሞ ደኣ ነዞም ንክርስቶስ ዚስዕቡ እሙናት ኣሕዋት ክትመስሎም ኣይትድረኽንዶ፧—1 ቈረ. 11:1፣ 2 ተሰ. 3:7

“ሓሳብ ክርስቶስ” ይሃሉኻ

15, 16. (ሀ) ከም ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) “ሓሳብ ክርስቶስ” ክንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ብብሕትና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 2:16፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ኪህልወና ኸም ዘለዎ ይመኽረና እዩ። ሮሜ 15:5 ኸኣ፡ “ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም” ትብል። ስለዚ፡ ከም ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣተሓሳስባኡ ኽንፈልጥን ባህርያቱ ኣጸቢቕና ኽንርዳእን ኣሎና። ድሕሪኡ ድማ፡ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ኣሎና። ኣተሓሳስባ የሱስ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ምጽዓርና፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ብዝያዳ ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ ከም የሱስ ክንሓስብ ከም እንኽእል ምፍላጥና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።

16 እሞ ደኣ ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ተኣምራት ኪፍጽም ከሎ ርእዮምዎ፡ ኪምህር ከሎ ሰሚዖምዎ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብኸመይ ይሕዞም ከም ዝነበረ ርእዮምዎ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ግብሪ የውዕል ከም ዝነበረ ድማ ተዓዚቦምዎ እዮም። “ብዛዕባ ዅሉ እቲ . . . ዝገበሮ፡ መሰኻኽር ኢና” ድማ በሉ። (ግብ. 10:39) ንሕና ግና ንየሱስ ብቐጥታ ኽንዕዘቦ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንባህርያት የሱስ ብንጹር ክንርድኦ ዚሕግዘና ጸብጻባት ወንጌል ኣዳልዩልና ኣሎ። ንወንጌል ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዮሃንስን ምስ እነንብቦን ምስ እነስተንትነሉን፡ ሓሳብ ክርስቶስ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ፡’ ‘ኣተሓሳስባኡ ድማ ክንዕጠቕ’ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 2:21፣ 4:1

17. ከም ክርስቶስ ምሕሳብና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

17 ከም ክርስቶስ ክንሓስብ ከም እንኽእል ምስ እንምሃር ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ ከምቲ ጽቡቕ ምግቢ ምስ እንምገብ ሰብነትና ዚድልድል፡ ንኣእምሮና ብኣተሓሳስባ ክርስቶስ ምስ እንምግቦ መንፈሳውነትና ይድልድል እዩ። በብቝሩብ ከኣ ነቲ ክርስቶስ ንዜጋጥሞ ዘበለ ዅነታት ዚሕዘሉ ዝነበረ መገዲ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ጽሩይ ሕልናን ሞገስ ኣምላኽን እንረኽበሉ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። እዚ ጥቕምታት እዚ ኸም እንረክብ ምፍላጥና፡ ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክንለብሶ’ ዜተባብዓናዶ ኸይኰነ፧—ሮሜ 13:14

18. ካብዛ መንፈሳዊ ሰብ ብዛዕባ ምዃን እትገልጽ ዓንቀጽ እንታይ ተማሂርካ፧

18 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንርዳእ ሓጊዛትና እያ። ሰናይ ኣብነት ካብ ዚዀኑና መንፈሳውያን ሰባት ብዙሕ ክንምሃር ከም እንኽእል እውን ርኢና ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ምሓዝና፡ መንፈሳውያን ሰባት ክንከውን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ተማሂርና ኢና። ይኹን እምበር፡ ክንምርምሮ ዚግብኣና ኻልእ ሓያሎ መዳያት መንፈሳውነት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ መንፈሳውነትና ኽሳዕ ክንደይ ድልዱል ከም ዝዀነ ብኸመይ ክንምርምር ንኽእል፧ ምእንቲ ኸነማዕብሎ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ክንገብር ንኽእል፧ መንፈሳውነትና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጽልዋ ዜሕድርከ ብኸመይ እዩ፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንርኢ ኢና።