ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

ህዝባዊ መደረታት ነቲ ብስራት ኣብ ኣይርላንድ ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ

ህዝባዊ መደረታት ነቲ ብስራት ኣብ ኣይርላንድ ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ

እታ ጃልባ ንወሽመጥ በልፋስት ብሃፋ ኽትሽፍኖ ኸላ፡ እቶም ኣብ ባይታ እታ ጃልባ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገያሾ ነቲ ብርሃን ወጋሕታ ዝወደቖ ሓምላይ ጎቦታት ይርእይዎ ነበሩ። እዋኑ፡ ግንቦት 1910 እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ንሓምሻይ ሳዕ እዩ ናብ ኣይርላንድ ዚበጽሕ ነይሩ። ኣብ መንጽር ሓውና ራስል፡ ክልተ ዓበይቲ መራኽብ፡ ማለት እታ ጸኒሓ ሓደጋ ዘጋጠማ ታይታኒክን ብጸይታ ኦሊምፒክን ይስርሓ ነበራ። * ክንየው እቲ መዐሸጊ መርከብ ከኣ፡ ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምጻእ ሓውና ራስል ይጽበዩ ነበሩ።

ካብዚ ኣስታት 20 ዓመት ኣቐዲሙ፡ እቲ ነቲ ብስራት ናብ ብዘላ ዓለም ንምዝርጋሕ ዝሓሸ መገዲ ዜናዲ ዝነበረ ሓውና ራስል፡ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ተኸታታሊ ዑደት ኪገብር ወሰነ። ኣብ ሓምለ 1891 ከኣ ዑደቱ ብኣይርላንድ ፈለሞ። በታ ሲቲ ኦቭ ቺካጎ ዝስማ መርከብ ኪጐዓዝ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ገምገም ባሕሪ ኲንስታውን ዝነበረ ዕራርቦ ጸሓይ ይርእዮ ነበረ፣ ነቲ ወለዱ ብዛዕባ እታ ትውልዲ ዓዶም ዝገለጹሉ ነገር እውን ዘኪርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓውና ራስልን መጓይሽቱን በቲ ጽፉፍ ከተማታትን ውቍብ ገጠራትን ኪሓልፉ ኸለዉ፡ እቲ ቦታ እቲ “ኺዕጸድ ዚጽበ ዘሎ ድሉው” ግራት ከም ዝዀነ ተገንዘቡ።

ሓውና ራስል ንኣይርላንድ ብድምር ሸውዓተ ሳዕ እዩ በጺሕዋ። እቲ ናይ ፈለማ ጕዕዞኡ ተገዳስነት ስለ ዘለዓዓለ ድማ፡ ኣብቲ ጸኒሑ ዝገበሮ ምብጻሕ ብኣማእታት አረ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንመደረኡ ኺሰምዑ ኢሎም ይእከቡ ነበሩ። ኣብቲ ኣብ ግንቦት 1903 ዝገበሮ ኻልኣይ ምብጻሕ፡ እቲ ኣብ በልፋስትን ደብሊንን እተገብረ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣብ ጋዜጣ ተወዓዊዑ ነይሩ እዩ። ራስል፡ እቶም ተኣከብቲ ነቲ “ብማሕላ እተኣስረ መብጽዓ” ዘርእስቱ ብዛዕባ እምነት ኣብርሃምን ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ኣብ መጻኢ ዚረኽብዎ በረኸትን ዚገልጽ መደረ ብኣቓልቦ ይሰምዕዎ ኸም ዝነበሩ ገለጸ።

ኣብ ኣይርላንድ ብዙሕ ተገዳስነት ስለ እተራእየ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ራስል ናብ ኤውሮጳ ዝገበሮ ሳልሳይ ጕዕዞ እውን ተጠቓሊላ እያ። ሓውና ራስል ኣብ ሓደ ንግሆ ናይ ሚያዝያ 1908 ኣብ መዐሸጊ መርከብ በልፋስት ምስ በጽሐ፡ ሓሙሽተ ኣሕዋት ተቐበልዎ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ዝቐረበ፡ “ሃጸያዊ ግዝኣት ሰይጣን ኪጠፍእ እዩ” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ ኸኣ ኣስታት 300 ተኣከብቲ ነበሩ። ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ሓደ ሰብ ተቓውሞ ምስ ኣልዓለ፡ ሜላ ብዝመልኦ ኣጠቓቕማ ቕዱሳት ጽሑፋት መልሲ ተዋሂብዎ እዩ። ኣብ ደብሊን፡ ጸሓፊ ማሕበር ክርስትያን መንእሰያት ዝነበረ ኦክኖር፡ ነቶም ልዕሊ 1,000 ዚዀኑ ተኣከብቲ ኣንጻር እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኬለዓዕሎም ፈተነ። እንታይ እዩ ግና ኣጋጢሙ፧

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብቲ ፍጻመ እቲ እንታይ ኣጋጢሙ ኪኸውን ከም ዚኽእል እስከ ንሕሰብ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺፈልጥ ዚደሊ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ፡ ዘ ኣይሪሽ ታይምስ ኣብ እትብሃል ጋዜጣ ንእተወዓውዐ ህዝባዊ መደረ ኺሰምዕ ወሰነ። እቲ ኣዳራሽ ቅጽጽ ኢሉ ስለ ዝነበረ ግና ኮፍ መበሊ ኣይረኸበን። እቲ ሰብኣይ ነቲ ነዊሕን ጸሊምን ካቦት ተኸዲኑ ዝነበረ ሸያብ ዝጸጕሩን ዝጭሕሙን ተዛራባይ ብኣቓልቦ ተኸታተሎ። እቲ ተዛራባይ መደረኡ ኬቕርብ ከሎ፡ ኣብቲ መድረኽ እናተንቀሳቐሰ፡ ንሓደ ጥቕሲ ድማ ብኻልእ ጥቕሲ ብሜላ እናደገፈ ይዛረብ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርዳእ ጀመረ። ድምጺ እቲ ተዛራባይ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን መጕልሒ ድምጺ ናብ ኵሉ ዅርናዕ እቲ ኣዳራሽ ይበጽሕ ስለ ዝነበረ፡ ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ኣቓልቦ ተኣከብቲ ስሒቡ እዩ። ብድሕርዚ፡ ኣብቲ ብሕቶን መልስን ዚቐርብ ክፍሊ ብኦክኖርን ኣዕሩኹን እኳ ብድሆ እንተ ቐረበሉ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ነቲ መልእኽቲ ብውሕልነት ተጣበቐሉ። እቶም ተኣከብቲ ኸኣ ደገፎም ብጣቕዒት ገለጹ። እቲ ዅነታት ህድእ ምስ በለ፡ እቲ ተገዳስነት ዝነበሮ ሰብኣይ ዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጥ ናብቶም ኣሕዋት ቀረበ። እወ፡ ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኻር ዝሃብዎ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ሰባት በዚ መገዲ እዚ እዮም ሓቂ ተማሂሮም።

ሓውና ራስል ኣብ ግንቦት 1909 ራብዓይ ምብጻሕ ኪፍጽም በታ ማውሪታንያ ዝስማ መርከብ ካብ ኒው ዮርክ ኪነቅል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ባሕሪ ዜሕልፎ ግዜ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ንምስንዳው ኪጥቀመሉ ኢሉ ነቲ ንዝበሎ ነገር ዚጽሕፈሉ ዝነበረ ሓውና ሃንትሲንገር ምስኡ ተማሊእዎ ነበረ። እቲ ሓውና ራስል ኣብ በልፋስት ዝሃቦ ህዝባዊ መደረ፡ 450 ሰባት ሰሚዖምዎ እዮም፣ ካባታቶም እቶም 100 ዚዀኑ ኸኣ ብሰንኪ ጽበት እቲ ቦታ ደው ኢሎም ኪሰምዑ ተገዲዶም እዮም።

ሓውና ራስል ኣብ መርከብ ሉዚታንያ

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ሓምሻይ ጕዕዞ እውን ተመሳሳሊ ኣገባብ እዩ ስዒቡ። ኣብ ደብሊን ህዝባዊ መደረ ምስ ተዋህበ፡ ኦክኖር ዘምጸኦ ፍሉጥ ዝዀነ ምሁር ስነ ሃይማኖት፡ ሕቶታት ኣቕረበ፣ ንተኣከብቲ ዘሐጐሰ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ድማ ተዋህቦ። ንጽብሒቱ፡ እቶም ተጐዓዝቲ ደብዳበ ብእተበጻጽሕ ቅልጥፍቲ ጃልባ ገይሮም ናብ ሊቨርፑል ከዱ፣ ካብኡ ኸኣ ሉዚታንያ ኣብ እትብሃል ውርይቲ መርከብ ተሰቒሎም ናብ ኒው ዮርክ ከዱ። *

ኣብ 20 ግንቦት 1910፡ ኣብ ዘ ኣይሪሽ ታይምስ እተወዓውዐ ህዝባዊ መደረ

ኣብቲ ሓውና ራስል ብ1911 ዝገበሮ ሻድሻይን ሻውዓይን ጕዕዞ እውን መወዓውዒ እተገብረሉ ህዝባዊ መደረ ቐሪቡ ነይሩ እዩ። ኣብ ጽድያ፡ 20 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ በልፋስት፡ “መጻኢ” ንዘርእስቱ መደረ ኺሰምዑ ዝመጹ 2,000 ተኣከብቲ ኣአንገድዎም። ኣብ ደብሊን፡ ኦክኖር መሊሱ ሓደ ኣገልጋሊ ሒዙ መጸ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣገልጋሊ ንዝሓተቶ ሕቶታት ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኺውሃቦ ኸሎ፡ እቶም ተኣከብቲ ኣጣቕዑ። ኣብ ቀውዒ እታ ዓመት እቲኣ፡ ብዙሓት ተኣከብቲ ዝነበረን ካልኦት ከተማታት እውን ተበጺሐን እየን። ኣብቲ ኣብ ደብሊን እተገብረ ኻልእ ኣኼባ፡ ኦክኖርን 100 ዝዀኑ መዕገርገርትን ነቲ ኣኼባ ኺዘርግዎ እኳ እንተ ፈተኑ፡ እቶም ተኣከብቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ነቲ ተዛራባይ ደገፍዎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሽሕ እኳ ሓውና ራስል ህዝባዊ መደረ ኣብ ምቕራብ መሪሕነት ይወስድ እንተ ነበረ፡ ‘እቲ ዕዮ፡ ናይ ሰብ ዘይኰነስ፡ ናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኪትካእ ዘይክእል ሰብ ከም ዘየልቦ’ ይግንዘብ ነይሩ እዩ። እቲ ንህዝባዊ ኣኼባታት መገዲ ዝጸረገ፡ መወዓውዒ ብምግባር ዚቐርብ ዝነበረ ህዝባዊ መደረታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ንምምሃር ብሉጽ ኣጋጣሚታት ፈጢሩ እዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ህዝባዊ መደረታት ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ሓገዘ፣ ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ኣይርላንድ ከኣ ጉባኤታት ተመስረታ።—ኣብ ብሪጣንያ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።

^ ሕ.ጽ. 3 ታይታኒክ ክልተ ዓመት ጸኒሓ ጠሓለት።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ ግንቦት 1915፡ ሉዚታንያ ኻብ ሳብማሪን ብእተወንጨፈ ሮኬት ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኣይርላንድ ጠሓለት።