ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜውጽእዎ ሕታማት ኣብ ውልቃዊ ወብ ሳይት ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምልጣፍ ዘይፍቀድ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማትና ብናጻ ስለ እንዕድል፡ ገሊኦም ሰባት ንሕታማትና ወሲዶም ኣብ ካልእ ወብ ሳይታት ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምልጣፍ ቅቡል ከም ዝዀነ ይስምዖም እዩ። ከምዚ ምግባር ግና፡ ንውዕል ኣጠቓቕማ * ወብ ሳይትና ዚጥሕስን ከቢድ ጸገማት ዜስዕብን እዩ። ኣብቲ ውዕል ኣጠቓቕማ፡ “ካብዚ ወብ ሳይት እዚ እተወስደ ምስልታት፡ ኤለክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ምልክታት ንግዲ፡ ሙዚቃ፡ ስእልታት፡ ቪድዮታት፡ ወይ ዓንቀጻት ኣብ ኢንተርነት (ኣብ ዝዀነ ይኹን ወብ ሳይት፡ ፋይል ዚልኣኸሉ ሳይት፡ ቪድዮ ዚልኣኸሉ ሳይት ወይ ማሕበራዊ መራኸቢ) ኣይትለጥፍ” ዚብል ሕጊ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ቐይዲ እዚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ እኳ ነቲ መሰል ዋናኡ እተሓለወ ሕታማትና ኣብ ካልእ ኢንተርነት ሳይታት ኪልጥፎ የብሉን

ኣብ ወብ ሳይትና ዚርከብ ኵሉ ነገራት መሰል ዋናኡ እተሓለወ እዩ። ከሓድትን ካልኦት ተጻረርትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንኻልኦትን ንምስሓብ ኣብ ወብ ሳይታቶም ንሕታማትና ኺጥቀምሉ ይፍትኑ እዮም። ኣብዚ ወብ ሳይታት ግና፡ ኣብ ኣእምሮ ኣንበብቲ ጥርጣረ ንምፍጣር ተባሂሉ እተዳለወ ጽሑፋት ኣሎ። (መዝ. 26:4፣ ምሳ. 22:5) ካልኦት ከኣ ንገለ ኻብቲ ኣብ ሕታማትና ዘሎ ነገራት ወይ ንምልክት jw.org ወሲዶም፡ ንመዋዓውዒ፡ ምህርቶም ንምሻጥ፡ ወይ እውን ኣብ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ይጥቀሙሉ። መሰል ዋንነት ምልክት ንግዲ ብሕጊ ኸም ዚሕሎ ምግባርና፡ ንዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኽንክልክል ሕጋዊ መሰረት ኣሎና። (ምሳ. 27:12) ይኹን እምበር፡ ንሰባት፡ እንተላይ ንኣሕዋትና፡ ንዲጂታዊ ሕታማትና ኣብ ካልእ ወብ ሳይት ኪልጥፍዎ ወይ ከኣ ንምልክት jw.org ንንግዲ ኺጥቀምሉ ዀነ ኢልና ንፈቕደሎም እንተ ዄንና፡ ነቲ ንተጻረርትን ንንግዳዊ ትካላትን ከምኡ ኸይገብሩ ንምዕጋት እንገብሮ ጻዕሪ ቤት ፍርዲ ኣይድግፎን እዩ።

ንሕታማትና ኻብ jw.org ዘይኰነስ፡ ካብ ካልእ ምርጋፍ ሓደገኛ እዩ። የሆዋ መንፈሳዊ ምግቢ ናይ ምድላው ፍሉይ መሰል ን“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ጥራይ እዩ ሂብዎ። (ማቴ. 24:45) እዚ “ባርያ” እዚ ድማ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንምቕራብ፡ www.pr418.comtv.pr418.com ከምኡ እውን wol.pr418.com ዚብሃል ወግዓዊ ወብ ሳይታት ጥራይ እዩ ዚጥቀም። ንሞባይል ዘዳለናዮ ወግዓዊ ኣፕሊኬሽናት ከኣ፡ JW Language®JW Library® ከምኡ እውን JW Library Sign Language® ጥራይ እዩ። እዚ መዋዓውዒ ዘይግበሮን ብናይ ሰይጣን ዓለም ዘይተበከለን ስለ ዝዀነ ኽንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። መንፈሳዊ ምግቢ ብኻልእ መትረብ ንረክብ እንተ ዄንና፡ እተቐየረ ወይ እተበከለ ምግቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝ. 18:26፣ 19:8

ብዘይካዚ፡ ንሕታማትና ኣብቲ ርእይቶ ንምሃብ ዚሕግዝ ወብ ሳይታት ምልጣፍ፡ ንከሓድትን ንኻልኦት ሓያስያንን ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ጥርጣረ ኺዘርኡ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ገሊኦም ኣሕዋት በቲ ብኢንተርነት ዚግበር ክትዕ ስለ እተሳሕቡ፡ ስም የሆዋ ኣጽሪፎም እዮም። በቲ ብኢንተርነት ዚግበር ክትዕ ኣቢልካ፡ ‘ነቶም ተጻረርቲ ብልእመት ክትምህሮም’ ምጽዓር ግቡእ ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 2:23-25፣ 1 ጢሞ. 6:3-5) ብዘይካዚ፡ ብስም ውድብ የሆዋን ብስም ኣመሓዳሪ ኣካልን ብስም ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን እተገብረ ናይ ሓሶት ኣካውንት ማሕበራዊ መራኸብን ወብ ሳይታትን ከም ዘሎ ተፈሊጡ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዋላ ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ውልቃዊ ወብ ፔጅ የብሉን፡ ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢ ኣይጥቀምን እዩ።

ንሰባት ናብ jw.org ምምራሕ፡ “ብስራት” ኪዝርጋሕ ይሕግዝ። (ማቴ. 24:14) እቲ ብብሕቲ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ እንጥቀመሉ ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ብቐጻሊ ይመሓየሽ እዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍና ድማ ካብዚ ኽንጥቀም ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ኣብቲ ውዕል ኣጠቓቕማ ኸም እተገለጸ፡ ንኻልኦት ብኢ-መይል ኤለክትሮኒካዊ ሕታም ክትልእኽ ከምኡ እውን ኣብ jw.org ናይ ዚርከብ ሕታማት ሊንክ ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ነቲ ወግዓዊ ወብ ሳይታትና ምስ እንሕብሮም፡ ምስቲ ናይ ሓቂ ምንጪ መንፈሳዊ ምግቢ ዝዀነ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢና እነላልዮም።

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ሊንክ ውዕል ኣጠቓቕማ፡ ኣብ ቀንዲ ገጽ jw.org ኣብ ታሕቲ ይርከብ፣ እቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ቐይድታት ከኣ ንዅሉ እቲ ኣብ ወብ ሳይታትና ዚወጽእ ነገራት ዚዓዪ እዩ።