ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ መጀመርታ ድኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሃብታም

ኣብ መጀመርታ ድኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሃብታም

ኣብ ሓንቲ ሊበርቲ እትብሃል ኣብ ኢንድያና፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ኣዝያ ንእሽቶ ኸተማ፡ ብኣጕናድ ኣብ እተሰርሐት ጎጆ እየ ተወሊደ። ወለደይ ቅድመይ ሓደ ወድን ክልተ ኣዋልድን ነይሮምዎም። ድሕረይ ከኣ፡ ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወሊዶም።

እታ እተወለድኩላ ብኣጕናድ እተሰርሐት ጎጆ

ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዙሕ ለውጢ ኣይነበረን። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ምሳኻ ዝነበሩ ተምሃሮ፡ ትምህርቲ ኽሳዕ እትውድእ ምሳኻ ይምሃሩ እዮም። ኣብታ ኸተማ ንዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ድማ ትፈልጦም፡ ንሳቶም እውን ይፈልጡኻ እዮም።

ሓደ ኻብ ሸውዓተ ውሉዳት እየ ነይረ፣ ዕዮ ሕርሻ ድማ ብንእስነተይ እየ ለሚደ

ከተማ ሊበርቲ ብንኣሽቱ ሕርሻታት እተኸብበት እያ ነይራ፣ ኣብቲ ኸባቢ ኸኣ ብብዝሒ ዕፉን እዩ ዚፈሪ። ኣነ ኣብ እተወለድኩሉ እዋን፡ ኣቦይ ብሓደ ሓረስታይ ተቘጺሩ ይዓዪ ነይሩ። ምስ ኰተትኩ፡ ምዝዋር ትራክተርን ካልእ መሰረታዊ ዕዮ ሕርሻን ለሚደ።

ንኣቦይ ዕድመ ምስ ደፍአ እየ ዝፈልጦ። ኣነ ኣብ እተወለድኩሉ እዋን፡ ኣቦይ ወዲ 56 ዓመት ኰይኑ ነይሩ፣ ኣደይ ከኣ ጓል 35 ዓመት ኰይና ነይራ። ኰይኑ ግና፡ ኣቦይ ቀጢንን ጥዑይን ድልዱልን እዩ ነይሩ፣ ስራሕ እውን ይፈቱ ነይሩ እዩ፣ ንዅላትና ደቁ ኸኣ ፍቕሪ ስራሕ ኣሕዲሩልና እዩ። ብዙሕ ገንዘብ ኣይነበሮን፣ ዜድልየና መንበርን ክዳንን ምግብን ግና ኣጕዲሉልና ኣይፈልጥን እዩ፣ ወትሩ እውን የተባብዓና ነይሩ እዩ። ኣብ 93 ዓመት ዕድሚኡ እዩ ሞይቱ። ኣደይ ድማ ኣብ 86 ዓመት ዕድሚኣ እያ ሞይታ። ክልቲኦም ንየሆዋ ዜገልግሉ ኣይነበሩን። ካብ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ግና፡ ካብቲ መሰናድዎ ኣካል ሽማግለታት ዝጀመረሉ ኣጋ መጀመርታ 1970 ኣትሒዙ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሓደ ሓው ኣሎኒ።

ግዜ ንእስነተይ

ኣደይ ኣዝያ ሃይማኖተኛ እያ ነይራ። ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተ ክርስትያን ባብቲስት ትወስደና ነይራ። ወዲ 12 ምስ ኰንኩ፡ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ስላሴ ፈሊጠ። ንምፍላጥ ካብ ዘሎኒ ህንጥዮት ተላዒለ፡ ንኣደይ፡ “የሱስ ከመይ ኢሉ ወድን ኣቦን ይኸውን፧” ኢለ ሓቲተያ። ምላሻ ኣይርስዖን እየ፣ “ዝወደይ፡ ምስጢር እዩ። ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና” እያ ኢላትኒ። ብሓቂ ምስጢር እዩ ዀይኑኒ። ግናኸ፡ ወዲ 14 ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ከባቢና ኣብ ዚርከብ ውሒዝ ብስም ስላሴ ሰለስተ ሳዕ ኣሊኾም ኣጥሚቖምኒ።

1952 ወዲ 17 ዓመት ከለኹ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰራዊት እተኸተብኩሉ እዋን

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ገንዘብ ንምርካብ ዚጓሰጥ ዓርኪ ነይሩኒ፣ ንሱ ድማ ጕስጢ ኽፍትን ኣእሚኑኒ። ስለዚ፡ ስልጠና ጀሚረ፣ ኣብ ሓደ ጎልደን ግላቭስ ዚብሃል ውድብ ጕስጢ እውን ተመዝጊበ። ንፉዕ ስለ ዘይነበርኩ ግና፡ ድሕሪ ሒደት ግጥም ሓዲገዮ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሰራዊት ሕ.መ.ኣ. ኸገልግል ምስ ተኸተብኩ፡ ናብ ጀርመን ተላኢኸ። ኣብኡ ኸገልግል ከለኹ፡ ኣሕሉቐይ ባህርያዊ ናይ ምምራሕ ክእለት ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ መኰንናት ናብ ዚስልጥኑሉ ቤት ትምህርቲ ሰዲዶምኒ። ውትህድርና ኸም ሞያይ ገይረ ኽሕዞ እዮም ደልዮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና ወተሃደር ኰይነ ኽነብር ኣይደልን እየ ነይረ፣ ስለዚ፡ እተን ኣገልግሎት ክህበለን ዚግባእ ክልተ ዓመት ምስ ተወድኣ፡ ብ1956 ብኽብሪ ተሰናቢተ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ምስ ካልእ ሰራዊት ተጸምቢረ።

1954-1956 ኣብ ሰራዊት ሕ.መ.ኣ.፡ ንኽልተ ዓመት ኣገልጊለ

ሓድሽ ህይወት ጀሚረ

ክሳዕ እቲ እዋን እቲ፡ ስብእነት ብሓይሊ ኸም ዚግለጽ እዩ ዚንገረኒ ነይሩ። ፊልምታትን ኣብ ከባብየይ ዝነበረ ማሕበረሰብን፡ ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ ነይሩ እዩ። ብናተይ ኣተሓሳስባ፡ ሰበኽቲ ምስ ሰብኡት ኪጽብጸቡ ዘይብሎም እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንህይወተይ ዝቐየሮ ነገር ክምሃር ጀሚረ። ሓደ መዓልቲ፡ ቀያሕ ማኪናይ እናዘወርኩ ኸለኹ፡ ክልተ ኣዋልድ ብኣእዳወን ምልክት ገይረን ደው ኣበላኒ። ንኣሽቱ ኣሓት ዘማይ ስለ ዝነበራ፡ እፈልጠን ነይረ እየ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እተን ኣዋልድ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን ነይረን። ቅድሚኡ ኻባታተን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ተቐቢለ እፈልጥ እየ፣ ግምቢ ዘብዐኛ እኳ ይኸብደኒ ነይሩ እዩ። ሽዑ ግና፡ ኣብ ቤተን መጽናዕትን ምይይጥን መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዚግበረሉ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክመጽእ እየን ዓዲመናኒ። ክሓስበሉ ምዃነይ ምስ ነገርክወን፡ ፍሽኽ እናበላ፡ “ቃልዶ ይኹንካ፧” ኢለናኒ። ኣነ እውን፡ “ቃል ይኹነኒ” ኢለየን።

ነቲ ቓል እቲ ብምእታወይ ቍሩብ ጣዕሳ ተሰሚዑኒ ነይሩ እዩ፣ ቃለይ ክዓጽፍ ግና ኣይደለኹን። ስለዚ፡ በታ ምሸት እቲኣ ኸይደ። ምናዳ በቶም ቈልዑ ብዙሕ እየ ተመሲጠ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ፍልጠት ብዙሕ ኣገሪሙኒ እዩ። ምስ ኣደይ ብዙሕ ሰናብቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ምኻደይ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ፍልጠት ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ስለዚ፡ ድሕሪኡ ኽምሃር ቈሪጸ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር እውን ተሰማሚዐ። ኣብኡ ኸኣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ብሕታዊ ስም እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ተማሂረ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ንኣደይ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓተትክዋ፡ “የሆዋ ዚብሃል ኣረጊት ሰብኣይ እዮም ዜምልኹ” ኢላትኒ ነይራ። መጽናዕቲ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ኣዒንተይ እተኸፍተለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ!

ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ቅልጡፍ ዕቤት እየ ገይረ። ካብቲ ናብታ ቐዳመይቲ ኣኼባ ዝኸድኩሉ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ፡ ማለት ኣብ መጋቢት 1957 ከኣ ተጠሚቐ። ሽዑ፡ ብዛዕባ ህይወት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ተቐዪሩ። ነቲ ብዛዕባ ስብእነት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ኽሓስበሉ ኸለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ስብእነት ዚህቦ ትምህርቲ ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ። የሱስ ፍጹም ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ንዝዀነ ይኹን ብዓንተሩ ዚተኣማመን ሰብኣይ ኬሰንፍ ዚኽእል ኣካላዊ ብርታዐን ሓይልን ነይርዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ “መከራ [ደኣ] ኺጸግብ ፈቒዱ” እምበር፡ ኣይተባእሰን። (ኢሳ. 53:2, 7) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ፡ “ንዅሉ ልኡም” ኪኸውን ከም ዚግባእ ተማሂረ።—2 ጢሞ. 2:24

ንዓመታኡ፡ ማለት ብ1958 ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀሚረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ንሓጺር እዋን ከቋርጽ ነይሩኒ። ስለምንታይ፧ ንግሎርያ ስለ እተመርዓኽዋ እየ ኣቋሪጸ። ንሳ ሓንቲ ኻብተን ናብ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝዓደማኒ ኽልተ ኣዋልድ እያ ነይራ። በቲ ውሳነይ ከቶ ኣይተጠዓስኩን። ግሎርያ ሽዑ ስልማተይ እያ ነይራ፡ ሕጂ እውን ስልማተይ እያ። ካብ ኣዝዩ ኽቡር ኣልማዝ ኣብሊጸ እየ ዝርእያ፣ ንዓኣ ብምምርዓወይ ከኣ ተዓዲለ እየ! ብዛዕባ ርእሳ እስከ ባዕላ ቝሩብ ትዛረብ፦

“ኣነ ሓንቲ ኻብ 17 ውሉዳት እየ ነይረ። ኣደይ እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ጓል 14 ዓመት ከለኹ ድማ እያ ሞይታ። ሽዑ ኸኣ ኣቦይ ኬጽንዕ ጀሚሩ። ኣደይ ምስ ሞተት፡ ኣቦይ ነቲ ርእሰ መምህራን ኣዛራሪብዎ። ምዕባየይ ሓብተይ ሽዑ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እያ ነይራ፣ ኣቦይ ድማ ኣነን ንሳን በብመዓልቲ እናተበራረና ኽንምሃር ነቲ ርእሰ መምህራን ሓቲትዎ። ሓዴና ኣብ ገዛ ዄንና ነቶም ዝነኣሱ ውሉዳት ምእንቲ ኽንከናኸንን ኣቦይ ካብ ስራሕ ኣብ ዚመጸሉ እዋን ድራር ኣዳሊና ምእንቲ ኽንጸንሕን፡ ክንበራረ ነይሩና። እቲ ርእሰ መምህራን ነዚ ስለ እተሰማምዓሉ፡ ሓብተይ ትምህርታ ኽሳዕ እትውድእ ከምኡ ንገብር ኔርና። ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ከኣ መጽናዕቲ ይመርሑልና ነይሮም፣ 11 ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና። ሓፋር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣገልግሎት ወፍሪ ግና እፈቱ ነይረ እየ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሳም ሓጊዙኒ እዩ።”

ኣነን ግሎርያን ኣብ ለካቲት 1959 ተመርዒና። ብሓባር ድማ ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ኔርና። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ሓምለ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከነገልግል ንህንጠ ስለ ዝነበርና፡ ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ኣመልኪትና። ሳይመን ክሬከር ዚብሃል ፍቑር ሓው እውን ቃለ መጠይቕ ገይሩልና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቤት-ኤል ንምርዑዋት ከም ዘይቅበል ድማ ነጊሩና። ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ዝነበረና ድሌት ጠሪሱ ኣይጠፍአን፣ ኰይኑ ግና፡ ናብ ቤት-ኤል ንምእታው ነዊሕ ዓመታት እዩ ወሲዱልና።

ድሕርዚ፡ ናብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ኽንልኣኽ ሓቲትና። ከም ምላሹ ድማ፡ ሓንቲ ምርጫ ጥራይ እያ ተዋሂባትና። ንሳ ኸኣ ኣብ ኣርካንሰስ እትርከብ ከተማ ፓይን ብላፍ እያ ነይራ። በቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ፓይን ብላፍ ክልተ ጉባኤ እየን ነይረን፡—ሓንቲ ናይ ጸዓዱ፡ ሓንቲ ድማ ናይ ጸለምቲ። ንሕና ኸኣ ናብታ 14 ኣስፋሕቲ ጥራይ ዝነበርዋ ናይ ጸለምቲ ጉባኤ ኢና ተላኢኽና።

ዓሌታዊ ፍልልይ ተጻዊርና

ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ዓሌታዊ ፍልልይ ከም ዝነበረ ዚሓስብ ሰብ ኣይሰኣንን እዩ። ግናኸ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ምርጫ ኣይነበረናን። እተፈላለዩ ዓሌት ከይተሓዋወሱ ዚኽልክል ሕጊ ነይሩ እዩ፣ እንተ ተሓዋዊስና እውን ኣደዳ መጥቃዕቲ ኢና እንኸውን ኔርና። ኣብ ሓያሎ ቦታታት፡ ካብ ክልቲኡ ዓሌት ዝዀኑ ኣሕዋት ንኣምልኾ ብሓደ እንተ ተኣኪቦም፡ ኣብቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይወርድ ነይሩ እዩ። ከምኡ ብሓቂ ኣጋጢሙ እዩ። ጸለምቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸዓዱ ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ኣብ በቤት እንተ ኣገልጊሎም፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይኣትዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ይቕጥቀጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምዕያይ፡ እቲ ዅነታት ኪመሓየሽ እናተመነና፡ ነቲ ሕግታት ንሕሉ ኔርና።

ኣብ ኣገልግሎትና ጸገማት የጓንፈና ነይሩ እዩ። ጸለምቲ ኣብ ዚርከብዎ ኽሊ ኸነገልግል ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ ብዘይፍላጥ ኣብ እንዳ ጸዓዱ ንዅሕኵሕ ኔርና። ሽዑ፡ ሓጺር ቅዱስ ጽሑፋዊ መእተዊ ንምዝራብ ወይ ከም እተጋገና ሓቢርና ናብ ካልእ ንምቕጻል ብቕልጡፍ ክንውስን ነይሩና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ እቲ ዅነታት ከምኡ እዩ ነይሩ።

ፈለምቲ ዄንና ኽንቅጽል ሰብኣዊ ስራሕ ክንሰርሕ ነይሩና። መብዛሕትኡ እንሰርሖ ዝነበርና ስራሕ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ዶላር ዚኽፈሎ እዩ ነይሩ። ግሎርያ ኣብ እተወሰነ ቦታታት ጽሬት ገዛ ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ሓደ ገዛ፡ ዕዮኣ ቐልጢፋ ምእንቲ ኽትውድእ፡ ክሕግዛ ፈቒዶምለይ ነይሮም። ወዲእና ቕድሚ ምኻድና ድማ፡ ክልቴና እንማቐሎ ሓደ ዕሹግ ምሳሕ ይህቡና ነይሮም። ኣብ ሰሰሙን ግሎርያ ንሓደ ስድራ ቤት ክዳውንቲ ተስታርረሎም ነይራ። ኣነ ድማ ኣብ ካንሸሎ እሰርሕ፡ መሳዅቲ አጸራሪ፡ ከምኡ እውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ስራሓት እሰርሕ ነይረ። ኣብ እንዳ ሓደ ጸዓዱ ስድራ ቤት፡ ግሎርያ ብውሽጢ ዀይና፡ ኣነ ኸኣ ብግዳም ዀይነ መሳዅቲ ነጽሪ ኔርና። ምሉእ መዓልቲ ዚወስድ ስለ ዝነበረ፡ የምስሑና ነይሮም። ግሎርያ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኻብቶም ስድራ ቤት ተፈልያ ትምሳሕ ነይራ፣ ኣነ ድማ ኣብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ጋራጅ እምሳሕ ነይረ። በዚ ቕር ኣይብለንን እዩ ነይሩ። እቲ ምሳሕ ጥዑም እዩ ነይሩ። እቶም ስድራ ቤት እውን ጥዑያት እዮም ነይሮም፣ በቲ ሽዑ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ተጸልዮም ስለ ዝነበሩ ጥራይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ደው ምስ በልና እሞ ንማኪናና ነዳዲ ምስ መላእናያ፡ ነቲ ሰራሕተኛ፡ ግሎርያ ሽቓቕ ክትጥቀም ትኽእል እንተ ዀይና ሓቲተዮ። ንሱ ድማ ዓይኑ ኣፍጢጡ፡ “ዕጹው እዩ” ኢሉኒ።

ዘይርሳዕ ሰናይ ተግባራት

ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቲ ምስ ኣሕዋት እነሕልፎ ዝነበረ ግዜ ጽቡቕ እዩ ነይሩ፣ ንኣገልግሎትና እውን ንፈትዎ ኔርና ኢና። ናብ ፓይን ብላፍ ምስ ገዓዝና፡ ፈለማ ኣብ እንዳ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ (በዚ ናይ ሕጂ፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት) ዝነበረ ሓው ኢና ኣቲና ኔርና። ብዓልቲ ቤቱ ኣማኒት ኣይነበረትን፣ ስለዚ፡ ግሎርያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓላ ጀሚራ። ኣነ ድማ ምስ ጓሎምን ምስ ሰብኣያን መጽናዕቲ ጀሚረ። ጸኒሐን፡ እታ ኣደን ጓላን ንየሆዋ ኼገልግላ ስለ ዝወሰና፡ ተጠሚቐን።

ኣብቲ ናይ ጸዓዱ ጉባኤ፡ እንፈትዎም ኣዕሩኽ ነይሮምና እዮም። ኣብ ቤቶም እውን ይዕድሙና ነይሮም እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ ምስ ጸልመተ ኢና እንኸዶም ኔርና። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ኩ ክሉክስ ክላን (ከይ.ከይ.ከይ.) ዚብሃል ዓሌትነትን ዓመጻን ዜስፋሕፍሕ ውድብ ኣዝዩ ንጡፍ እዩ ነይሩ። ሃሎዊን ኣብ ዚብዓለሉ ሓደ ምሸት፡ ሓደ ሰብኣይ ከምቲ ከይ.ከይ.ከይ. ዚኽደንዎ ዝነበሩ ቆብዕ ዘለዎ ጻዕዳ ልብሲ ተኸዲኑ፡ ብዘይ ገለ ስክፍታ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ተቐሚጡ ነይሩ። ኣሕዋትና ግና በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ተዳሂሎም ለውሃቶም ኣይዓጸዉልናን። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን፡ ናብ ኣኼባ ዞባ ንምኻድ ገንዘብ የድልየና ነይሩ፣ ስለዚ፡ ገንዘብ ምእንቲ ኽንረክብ ሓደ ሓው ነታ ናይ 1950 ሞዴል ዝዀነት ፎርድ ማኪናና ኺዕድጋ ወሲኑ። እዚ ኻብ ዚኸውን ድሕሪ ወርሒ፡ ሓደ መዓልቲ ብሃሩር ኣብ በቤት እናኸድና ድሕሪ ምስባኽናን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምምራሕናን ደኺምና ኔርና። ገዛ ምስ ተመለስና ግና ሓደ ዘይተጸበናዮ ነገር ጸኒሑና፣ ማኪናና ኣብ መንጽር ገዛና ደው ኢላ ነይራ። ኣብቲ ናይ ቅድሚት ቬትሮ ድማ፡ “ንማኪናኹም ከም ህያብ ገይረ እመልሰልኩም ኣለኹ። ሓውኩም” ዚብል እተጻሕፋ ወረቐት ጸኒሓትና።

ካልእ እተገብረልና ሰናይ፡ ነባሪ ጦብላሕታ እዩ ኣሕዲሩለይ። ብ1962፡ ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳተፍ ዕድመ ቐረበለይ። ንሓለውቲ ጉባኤታትን ንሓለውቲ ወረዳታትን ንሓለውቲ ኣውራጃታትን እተዳለወ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና እዩ ነይሩ። እቲ ዕድመ ኣብ ዝቐረበለይ እዋን ግና ስራሕ ኣይነበረንን፡ ናይ ገንዘብ ጸገም ድማ ነይሩኒ። ሽዑ፡ ኣብ ፓይን ብላፍ ኣብ ዚርከብ ሓደ ኩባንያ ተሌፎን ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ገይረ ነይረ። እንተ ተቐቢሎምኒ፡ ናይ መጀመርታ ጸሊም ሰራሕተኛ እታ ኩባንያ ምዀንኩ ነይረ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ከም እተቐበሉኒ ነጊሮምኒ። ሽዑ ኣብ መዋጥር ኣትየ። ናብ ኒው ዮርክ ዝኸደሉ ገንዘብ ኣይነበረንን። ስለዚ፡ ነቲ ኽምሃር ዝቐረበለይ ዕድመ ሓዲገ፡ ኣብቲ ስራሕ ክቝጸር ሓሲበ። ነቲ ዕድመ ኸም ዘይተቐበልክዎ እትገልጽ ደብዳበ ኽጽሕፍ እናተቐራረብኩ ኸለኹ ድማ፡ ሓደ ፈጺመ ዘይርስዖ ነገር ኣጋጢሙኒ።

ሓንቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ኣብ ጉባኤና እትርከብ ሓብቲ፡ ብንግሆኡ ናብ ቤትና መጺኣ ጶስጣ ሂባትኒ። እታ ጶስጣ ድማ ብገንዘብ መሊኣ ነይራ። ንሳን ገለ ኻብቶም ንኣሽቱ ደቃን ንዓይ ናብ ኒው ዮርክ ዝኸደሉ ገንዘብ ምእንቲ ኽረክብ ኢሎም፡ ንግሆ ኣንጊሆም ናብ ሕርሻ ጡጥ ከይዶም ኪጽህይዩ እዮም ቀንዮም ነይሮም። ንሳ ድማ፡ “ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኼድካ ብእተኻእለካ መጠን ተምሃር እሞ መጺእካ ንዓና ምሃረና” ኢላትኒ። ጸኒሐ ነቲ ኩባንያ ተሌፎን፡ ካብቲ ዝበሉኒ ግዜ ሓሙሽተ ሰሙን ጸኒሐ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓቲተዮም። ንሳቶም ግና ኣትሪሮም ከም ዘይከኣል ነጊሮምኒ። እዚ ግና ብዙሕ ኣየጨነቐንን፣ ምኽንያቱ፡ ወሲነ እየ ነይረ። ነቲ ስራሕ እቲ ዘይምቕባለይ የሐጕሰኒ እዩ።

ግሎርያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፓይን ብላፍ ዘለዋ ተዘክሮ ድማ ባዕላ ትግለጽ፦ “ነቲ ኽሊ ብሓቂ እየ ፈትየዮ ነይረ። ካብ 15 ኽሳዕ 20 ዚዀኑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነይሮምኒ። ንግሆ ንግሆ ኣብ በቤት ንኸይድ፡ ድሕሪኡ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ኔርና፣ አረ ሓድሓደ እዋንሲ ኽሳዕ ምሸት ሰዓት 11 ነምሲ ኔርና ኢና! ኣገልግሎት ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዕዮ እቲ እንተ ዝጸንሕ ባህ ምበለኒ ነይሩ። ሓቂ ይሓይሽ ነዚ ምድብ እዚ ሓዲገ ዕዮ ወረዳ ኽንጅምር ኣይደለኹን ነይረ፣ የሆዋ ግና ዘዳለወልና ነገር ነይርዎ።” እወ፡ ዘዳለወልና ነይርዎ።

ህይወት ዕዮ መገሻ

ኣብ ፓይን ብላፍ ፈለምቲ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ፍሉያት ፈለምቲ ንምዃን ኣመልኪትና ኔርና ኢና። ሓላው ኣውራጃና ኣብ ቴክሳስ ንእትርከብ ሓንቲ ጉባኤ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኽንድግፍ ይደልየና ስለ ዝነበረ፡ ሕቶና ተቐባልነት ኸም ዚረክብ ብዙሕ ተስፋ ነይሩና። እቲ ሓሳብ ኣሀንጥዩና ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ማሕበር መልሲ ኽንረክብ ነዊሕ ተጸቢና፣ እታ ሳጹን ጶስጣ ግና ወትሩ ጥራያ ትጸንሓና ነይራ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸም እተመደብና እትገልጽ ደብዳበ በጺሓትና። እዚ ዚዀነ ድማ ኣብ ጥሪ 1965 እዩ ነይሩ። ሕጂ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ሓውና ሊዮን ዊቨር እውን ሽዑ እዩ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ተሸይሙ።

ሓላው ወረዳ ምዃን ኣጨኒቑኒ ነይሩ እዩ። ቅድሚኡ ዓመት ይገብር፡ ሓላው ኣውራጃ ዝነበረ ጄምስ ቶምሰን ጁንየር ንብቕዓታተይ መርሚርዎ ነይሩ። ሽዑ፡ ሓደ ንፉዕ ሓላው ወረዳ ኼማዕብሎ ዚግባእ ክእለታት ብለውሃት ብምንጋር ኬመሓይሾ ዘሎኒ ነገራት ነጊሩኒ ነይሩ እዩ። ዕዮ ወረዳ ምስ ጀመርኩ እቲ ዝሃበኒ ምኽሪ ብሓቂ ዜድሊ ምንባሩ ተገንዚበ እየ። ሓላው ወረዳ ምስ ኰንኩ፡ ሓቢረ ኸገልግል እተመደብክዎ ናይ መጀመርያ ሓላው ኣውራጃ፡ ሓውና ቶምሰን እዩ ነይሩ። ካብቲ እሙን መንፈሳዊ ሓው እቲ ብዙሕ እየ ተማሂረ።

ነቲ ኻብቶም እሙናት መንፈሳውያን ኣሕዋት ዝረኸብክዎ ሓገዝ አመስግነሉ እየ

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንሓላው ወረዳ ብዙሕ ስልጠና ኣይውሃቦን እዩ ነይሩ። ነቲ ዕዮ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ሓደ ሓላው ወረዳ ንሓንቲ ጉባኤ ኺበጽሕ ከሎ ንሓንቲ ሰሙን ተዓዚበዮ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ድማ፡ ኣነ ንኻልእ ጉባኤ ኽበጽሕ ከለኹ ተዓዚቡኒ። ርእይቶታትን መምርሕን ከኣ ሂቡኒ። ድሕሪኡ ግና፡ ንበይንና ኢና ተሓዲግና። ሽዑ ንግሎርያ፡ “ካንዶ ኪኸይድ እዩ፧” ክብላ ይዝከረኒ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ተገንዚበ፣ ንኣሕዋት እንተ ፈቒድካሎም፡ ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ንፉዓት ኣሕዋት ኣለዉ። ነቲ ምኩራት ኣሕዋት፡ ንኣብነት፡ እቲ ገያሺ ሓላዊ ዝነበረ ሓውና ጄምስ ብራውንን እቲ ቤት-ኤላዊ ዝነበረ ሓውና ፍሬድ ራስክን ዝሃቡኒ ሓገዝ አመስግነሉ እየ።

በቲ ግዜ እቲ፡ ዓሌትነት ኣስፋሕፊሑ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ኣብ ተነሲ ምብጻሕ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን፡ ከይ.ከይ.ከይ. ኣብታ ኸተማ ይምርሹ ነይሮም። ካልእ ግዜ ኸኣ፡ ናብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምኻድና፡ ከነዕርፍ ኢልና ናብ ሓደ ቤት ምግቢ ኣቲና። ደሓር፡ ናብ ሽቓቕ ክኸይድ ምስ ተንሳእኩ፡ ሓደ ኸምቶም ደገፍቲ ልዑላውነት ጸዓዱ እተወቓቐጠ ኽፉእ ዝትርኢቱ ሰብኣይ ስዒቡኒ። ሽዑ፡ ካብ ክልቴና ኣመና ዚገዝፍ ሓደ ጻዕዳ ሓው ደድሕሬና መጸ እሞ፡ “ሓውና ሀርድ፡ ደሓን ዲኻ፧” ኢሉኒ። እቲ ሰብኣይ ድማ ሽቓቕ ከይተጠቕመ ብኡብኡ ኸይዱ። ብተመክሮ ኸም እተገንዘብክዎ፡ ጠንቂ ዓሌትነት ቈርበት፡ ዘይኰነስ ሓጢኣት፡ ማለት እቲ ንዅላትና ዚጸልወና ሓጢኣት ኣዳም እዩ። ሕብሪ ቘርበት ብዘየገድስ፡ ሓው ኵሉ ሳዕ ሓው ምዃኑ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ኸም ዚኸፍለልካ ተማሂረ እየ።

ኣብ መወዳእታ ሃብቲመ

ኣብ ዕዮ መገሻ ን33 ዓመት ዓዪና ኢና፣ ካብዚ እተን ናይ መወዳእታ 21 ዓመታት ኣብ ዕዮ ኣውራጃ ኢና ኣሕሊፍናየን። ብዙሕ እተባረኽናለንን ዜተባብዕ ተመክሮታት ዝረኽብናለንን ባህ ዜብላ ዓመታት እየን ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ድሕሪኡ እውን ካልእ በረኸት ረኺብና ኢና። ኣብ ነሓሰ 1997፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕልምና ጋህዲ ዀይኑ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ተዓዲምና፣ እዚ ድማ ካብቲ ንፈለማ እዋን ዘመልከትናሉ 38 ዓመት ጸኒሑ እዩ ዀይኑ። ኣብታ እትቕጽል ወርሒ ኸኣ ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጀሚርና። እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዘለዉ ሓላፍነት ዘለዎ ኣሕዋት ንግዜኡ ጥራይ ክሕግዝ ዝጸውዑኒ መሲሉኒ ነይሩ፣ ደሓር ግና ከምኡ ኸም ዘይኰነ ፈሊጠ።

ግሎርያ ኽምርዓዋ ኸለኹ ስልማተይ እያ ነይራ፡ ሕጂ እውን ስልማተይ እያ

ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ክሰርሕ እየ ተመዲበ ነይረ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ እየ ተማሂረ። እቶም ኣብኡ ዚሰርሑ ኣሕዋት ኻብ ኣካል ሽማግለታትን ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ካብ ዘለዉ ሓለውቲ ወረዳታትን ዚመጽእ ብዙሕ ተኣፋፍን እተሓላለኸን ሕቶታት ኪምልሱ ኣለዎም። እቶም ኣሕዋት፡ ብትዕግስቲ ስለ ዝመሃሩንን ስለ ዝሓገዙንን ብዙሕ እየ ዘመስግኖም። ይኹን እምበር፡ እቲ ዕዮ ሕጂ እንደገና እንተ ዚውሃበኒ፡ ሎሚ እውን ተልመዴን ምዀንኩ።

ኣነን ግሎርያን ህይወት ቤት-ኤል ንፈትዎ ኢና። ካብ ቀደምና ኣንጊህና ናይ ምትንሳእ ልማድ ነይሩና እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቤት-ኤል ጠቒሙና እዩ። ድሕሪ ዓመት ዚኸውን ኣቢሉ፡ ሓጋዚ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ። ብ1999 ድማ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይነ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ብዙሕ ነገራት ተማሂረ እየ፣ እቲ ቐንዲ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ግና፡ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ የሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይምዃኑ እዩ።

ካብ 1999 ኣትሒዘ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይነ አገልግል ኣለኹ

ምልስ ኢለ ብዛዕባ ህይወተይ ክሓስብ ከለኹ፡ ከምቲ ንነብዪ ኣሞጽ እተሰምዖ ይስምዓኒ እዩ። የሆዋ ነቲ ጓሳን ቀርጣፊ እቲ ምግቢ ድኻታት ጌርካ ዚርአ ሳግላን ዝነበረ ኣሞጽ ኣስተብሂሉሉ እዩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንኣሞጽ ነብዪ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ፣ እዚ ድማ ዓብዪ መንፈሳዊ መዝነት እዩ ነይሩ። (ኣሞ. 7:14, 15፡ እ.ጽ.) ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዓይ ኣብ ሊበርቲ፡ ኢንድያና ወዲ ድኻታት ሓረስቶት ንዝነበርኩ ሰብ ኣስተብሂሉለይ እዩ፣ ብዙሕ ክጽብጽቦ ዘይክእል በረኸት ብምሃብ ድማ ኣሀብቲሙኒ እዩ። (ምሳ. 10:22) ኣብ መጀመርታ፡ ብስጋዊ መዳይ ድኻ እየ ነይረ፣ ኣብ መወዳእታ ግና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብቲ ኽግምቶ ዝኽእል ንላዕሊ ሃብቲመ እየ!