ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ኢና ‘ብዙሕ ፍረ እንፈሪ’፧

ስለምንታይ ኢና ‘ብዙሕ ፍረ እንፈሪ’፧

“ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሪኹም፡ ደቀ መዛሙርተይ እውን እንተ ዄንኩም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር።”—ዮሃ. 15:8

መዝሙር፦ 53, 60

1, 2. (ሀ) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ሓበሬታ እዩ ዝሃቦም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ስለምንታይ ከም እንሰብኽ ምዝካርና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ሐ) ሕጂ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንሃዋርያቱ ብዙሕ ተዛሪብዎም እዩ፣ ኣብቲ ዘረባኡ ኸኣ ንዓታቶም ብዙሕ ከም ዜፍቅሮም ኣረጋጊጹሎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናያ ምሳሌ ተኽሊ ወይኒ መሲሉሎም እዩ። በታ ምሳሌ እቲኣ ኣቢሉ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ብዙሕ ፍረ ኺፈርዩ፡’ ማለት ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብተጻዋርነት ኪቕጽሉ ኣተባቢዕዎም እዩ።—ዮሃ. 15:8

2 ይኹን እምበር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም እውን ነጊርዎም እዩ። ንምስባኽ ዚድርኾም ምኽንያታት ሓቢርዎም እዩ። ነዚ ምኽንያታት እዚ ምምርማርና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዜድልየሉ ምኽንያት እንዝክር እንተ ዄንና፡ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ብተጻዋርነት ክንሰብኽ ንድረኽ ኢና። (ማቴ. 24:13, 14) እምበኣር፡ ንስብከት ምኽንያት ዚዀነና ኣርባዕተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ንርአ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ብተጻዋርነት ፍረ ንምፍራይ ዚሕግዘና ኻብ የሆዋ እተዋህበና ኣርባዕተ ውህበታት ክንምርምር ኢና።

ንየሆዋ ነኽብሮ ኢና

3. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 15:8 ንስብከት እንታይ ምኽንያት ተዋሂብና ኣሎ፧ (ለ) እቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ዘሎ ፍረ ወይኒ ንምንታይ የመልክት፧ እዚ ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣብ ዕዮ ስብከት እንሳተፈሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ንየሆዋ ንምኽባርን ንስሙ ንምቕዳስን እዩ። (ዮሃንስ 15:1, 8 ኣንብብ።) የሱስ ንኣቦኡ የሆዋ ምስ ተኻሊ ወይኒ ወይ ምስ ሓላው ስፍራ ኣታኽልቲ ወይኒ እዩ ኣመሳሲልዎ። ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ምስ ተኽሊ ወይኒ ወይ ምስ ጕንዲ እዩ ኣመሳሲልዋ። ንሰዓብቱ ድማ ምስ ጨናፍር እዩ ኣመሳሲልዎም። (ዮሃ. 15:5) ስለዚ፡ እቲ ፍረ ወይኒ ነቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚፈርይዎ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሪኹም፡ . . . ኣቦይ በዚ ይኸብር” ኢልዎም እዩ። ከምቲ ጽቡቕ ፍረ ዝፈረየ ተኽሊ ወይኒ ንተኻሊኡ ዜኽብሮ፡ ንሕና እውን ብዓቕምና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና ንየሆዋ ነኽብሮ ኢና።—ማቴ. 25:20-23

4. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ንስም ኣምላኽ እንቕድሶ፧ (ለ) ንስም ኣምላኽ ናይ ምቕዳስ ፍሉይ መሰል ብምርካብካ ኸመይ ይስምዓካ፧

4 ከመይ ገይሩ እዩ ዕዮ ስብከትና ንስም ኣምላኽ ዚቕድሶ፧ ንስም ኣምላኽ ካብቲ ዘለዎ ብዝሓሸ ኽንቅድሶ ኣይንኽእልን ኢና። ስም ኣምላኽ ካብ ቀደሙ ምሉእ ብምሉእ ቅዱስ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—ንዕኡ ደኣ ቕዱስ ጌርኩም ርኣይዎ” ኸም ዝበለ ግና ነስተብህለሉ። (ኢሳ. 8:13) ሓደ ኻብቲ ንስም ኣምላኽ እንቕድሰሉ መገድታት፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ስማት ፍሉይ ጌርና ብምርኣይን ካልኦት ቅዱስ ገይሮም ኪርእይዎ ብምሕጋዝን እዩ። (ማቴ. 6:9) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዘይቅየር ዕላማኡን ሓቂ ብምእዋጅ፡ ንስም ኣምላኽ ንጣበቐሉ፡ ንናይ ሰይጣን ሓሶትን ጠቐነን ድማ ንጻረሮ ኢና። (ዘፍ. 3:1-5) ብዘይካዚ፡ ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት፡ የሆዋ “ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ” ምዃኑ ኸነረድኦም ክንጽዕር ከለና፡ ንስም ኣምላኽ ንቕድሶ ኢና። (ራእ. 4:11) ን16 ዓመት ፈላሚ ዀይኑ ዘገልገለ ሩነ፡ “ምስክር እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታት ንምዃን ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብኩ ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ። እዚ ድማ ብቐጻሊ ኽሰብኽ ድሌት የሕድረለይ እዩ” ይብል።

ንየሆዋን ንወዱን ነፍቅሮም ኢና

5. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 15:9, 10፡ ንስብከት ዚድርኽ እንታይ ምኽንያት ተጠቒሱ ኣሎ፧ (ለ) የሱስ ንኣገዳስነት ተጻዋርነት ብኸመይ ኣጕሊሕዎ ኣሎ፧

5 ዮሃንስ 15:9, 10 ኣንብብ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንሰብከሉ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ ንየሆዋን ንየሱስን ካብ ልቢ እነፍቅሮም ብምዃንና እዩ። (ማር. 12:30፣ ዮሃ. 14:15) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ፍቕሩ ኪዀኑ ማለት ኬፍቅርዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ” እዩ ኢልዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዓመት ንዓመት ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን ተጻዋርነት ይሓትት እዩ። የሱስ ኣብ ዮሃንስ 15:4-10 ንእተፈላለየ ረባሕታ እታ ‘ጸኒዕካ ምንባር’ ወይ ‘ምንባር’ እትብል ቃል ደጋጊሙ ብምጥቃም፡ ኣድላይነት ተጻዋርነት ኣጕሊሑ ኣሎ።

6. ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክንጸንዕ ከም እንደሊ ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

6 ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክንጸንዕን ስምረቱ ሒዝና ኽንቅጽልን ከም እንደሊ ኸመይ ጌርና ነርኢ፧ ትእዛዛት የሱስ ብምሕላው ኢና ነዚ እነርኢ። ብሓጺሩ፡ የሱስ፡ ‘ተኣዘዙኒ’ እዩ ዚብለና ዘሎ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣስዒቡ፡ “ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦ ዝሓለኹ እሞ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዐ ዘለኹ” ስለ ዝበለ፡ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ኽንገብር ጥራይ እዩ ዚሓትተና ዘሎ። እወ፡ የሱስ ኣርኣያ ሓዲጉልና እዩ።—ዮሃ. 13:15

7. ተኣዛዝነትን ፍቕርን ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

7 የሱስ ኣብ መንጎ ተኣዛዝነትን ፍቕርን ዘሎ ምትሕሓዝ ኪገልጽ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ንሃዋርያቱ፡ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:21) ብዘይካዚ ድማ፡ ትእዛዛት የሱስ ንሓሳባት ኣቦኡ ስለ ዜንጸባርቕ፡ ነቲ የሱስ ኬድና ኽንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ብምፍጻም፡ ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 17:5፣ ዮሃ. 8:28) የሆዋን የሱስን ከኣ ከም ምላሽ እቲ መግለጺ ፍቕርና፡ ብቐጻሊ ኼፍቅሩና እዮም።

ንሰባት ነጠንቅቖም ኢና

8, 9. (ሀ) ንስብከት ዚድርኸና እንታይ ተወሳኺ ምኽንያት ኣሎና፧ (ለ) ኣብ ህዝቅኤል 3:18, 19፣ 18:23 ዚርከብ ቃል የሆዋ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዚድርኸና ስለምንታይ እዩ፧

8 ብቐጻሊ እንሰብከሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎና። መጠንቀቕታ ንምሃብ ኢና እንሰብኽ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኖህ “ሰባኺ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 2:5 ኣንብብ።) ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣብ ዚሰብኮ ዝነበረ ስብከት፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት የጠንቅቕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይ ጌርና ኢና ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ክኢልና፧ የሱስ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ንርአ፦ “ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መዓልትታትሲ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴ. 24:38, 39) ሰባት ዘይግደሱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኖህ ነቲ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ብተኣማንነት ኣዊጁ እዩ።

9 ሎሚ፡ ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንሰብከሉ ሓደ ምኽንያት፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቓድ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረኽቡ እዩ። ከም የሆዋ ኸኣ፡ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖም ‘ብህይወት ኪነብሩ’ ኢና ብሓቂ እንምነ። (ህዝ. 18:23) ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኣብ በቤትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ክንሰብኽ ከለና፡ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ነዛ እክይቲ ዓለም ከም እተጥፍኣ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ነጠንቅቕ ኢና።—ህዝ. 3:18, 19፣ ዳን. 2:44፣ ራእ. 14:6, 7

ንሰባት ነፍቅሮም ኢና

10. (ሀ) ኣብ ማቴዎስ 22:39፡ ንስብከት ዚድርኽ እንታይ ምኽንያት ተጠቒሱ ኣሎ፧ (ለ) ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ኣብ ፊልጲ ዝነበረ ሓላው እሱራት ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ኣዘንቱ።

10 ብቐጻሊ እንሰብከሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት እውን ኣሎና። ንሰባት ስለ እነፍቅሮም ኢና እንሰብኽ። (ማቴ. 22:39) ኵነታት ኪቕየር ከሎ ልቢ ሰባት ከም ዚቕየር ስለ እንፈልጥ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ብተጻዋርነት ነዚ ዕዮ እዚ ንዓዪ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስን ብጻዩ ሲላስን ዘሕለፍዎ እሞ ንርአ። ኣብ ከተማ ፊልጲ፡ ተጻረርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐንዎም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ግና፡ ብሃንደበት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነታ ቤት ማእሰርቲ ኣናወጻ፣ እቲ መዓጹ እውን ተኸፍተ። እቲ ሓላው እሱራት ከኣ፡ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፡ ርእሱ ኪቐትል ሓሰበ። ጳውሎስ ግና፡ “ርእስኻ ኣይትጕዳእ!” ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ጨኒቕዎ ዝነበረ ሓላው እሱራት፡ “ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።—ግብ. 16:25-34

ንየሆዋን ንየሱስን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ፡ ክንሰብኽ ይድርኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 10 ርአ)

11, 12. (ሀ) ዛንታ እቲ ሓላው እሱራት ምስ ዕዮ ስብከትና ብኸመይ ይዛመድ፧ (ለ) ብቐጻሊ ኽንሰብኽ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

11 ዛንታ እቲ ሓላው እሱራት ምስ ዕዮ ስብከትና ብኸመይ ይዛመድ፧ እቲ ሓላው እሱራት ልቡ እተቐየረን ሓገዝ ዝሓተተን፡ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምዃኑ ነስተብህል። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ከቢድ ጸገም ምስ ኣጓነፎም ልቦም ኪቕየርን ሓገዝ ኪደልዩን ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ብሃንደበት ንነዊሕ ግዜ ኻብ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ስራሕ ኪወጹን በዚ ኺስምብዱን ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ሓዳሮም ብምፍራሱ ኺጨንቆም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ከኣ ከቢድ ሕማም ከም ዘለዎም ምስ ፈለጡ፡ ዚገብርዎ ኺሕርብቶም፡ ወይ ድማ ብሞት ዚፈትውዎ ሰቦም ልቦም ኪስበር ይኽእል እዩ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ገሊኦም ዝጨነቖም ሰባት ብዛዕባ ትርጉም ህይወት ቅድሚኡ ዕሽሽ ኢሎምዎ ዝነበሩ ሕቶታት ኪሓትቱ ይጅምሩ እዮም። ምናልባት ከኣ፡ ‘ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ምሳታቶም ክንራኸብ ከለና፡ ኣብ ህይወቶም ንመጀመርታ ግዜ መልእኽቲ ተስፋና ኺሰምዑ ይደልዩ ይዀኑ።

12 ስለዚ፡ ብተኣማንነት ብቐጻሊ ብምስባኽ፡ ሰባት ኪቕበሉ ድሉዋት ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ከነጸናንዖም ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 61:1) ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ን38 ዓመት ዘገልገለት ሻርሎት፡ “ሎሚ ሰባት ሓርቢትዎም እዩ ዘሎ። ነቲ ብስራት ንምስማዕ ዕድል ኪውሃቦም ኣለዎ” ትብል። ን34 ዓመት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ኤቮር ከኣ፡ “ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሓት ሰባት ብስምዒታዊ መዳይ ተደቚሶም ኣለዉ። ክሕግዞም ድማ ብሓቂ እደሊ እየ። እዚ ኸኣ ክሰብኽ ይድርኸኒ እዩ” ትብል። ፍቕሪ ሰባትሲ ብቐጻሊ ንምስባኽ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ምኽንያት ኰን እዩ ዚዀነና!

ክንጻወር ዚሕግዘና ውህበታት

13, 14. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 15:11 እንታይ ውህበት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) ሓጐስ የሱስ ኣባና ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ሓጐስ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ይጸልወና፧

13 የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንሃዋርያቱ ብተጻዋርነት ፍረ ኺፈርዩ ዚሕግዞም ውህበታት ጠቒሱሎም እዩ። እዚ ውህበታት እዚ እንታይ እዩ፧ ካብኡኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

14 ውህበት ሓጐስ። ነቲ የሱስ ኽንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ምሕላውሲ ኸቢድ ድዩ፧ ኣይፋልን። የሱስ ምሳሌ እቲ ተኽሊ ወይኒ ምስ መሰለ፡ ክንሰብኽ ከለና ሓጐስ ከም እንረክብ ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 15:11 ኣንብብ።) እወ፡ ሓጐሱ ኣባና ኸም ዚኸውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ብኸመይ፧ ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ተኽሊ ወይኒ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ምስ ጨናፍር እዩ ኣመሳሲሉ። ተኽሊ ወይኒ ንጨናፍር ይስከሞ እዩ። እቲ ጨናፍር ካብቲ ተኽሊ ወይኒ ኽሳዕ ዘይተቘርጸ፡ በቲ ተኽሊ ወይኒ ኣቢሉ ዚውሕዝ ማይን ምግብን ይረክብ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ንክርስቶስ ኣስኣሰሩ ብምስዓብ ምስኡ ብሓድነት ክሳዕ ዝነበርና፡ እቲ ንሱ ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብር ከሎ ዝነበሮ ሓጐስ ይህልወና እዩ። (ዮሃ. 4:34፣ 17:13፣ 1 ጴጥ. 2:21) ንልዕሊ 40 ዓመት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ሄነ፡ “ናብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምኻደይ ኵሉ ሳዕ ዚስምዓኒ ሓጐስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ክቕጽል የለዓዕለኒ እዩ” ትብል። እወ፡ ዓሚቝ ሓጐስ ምስ ዚህልወና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኽልታት እውን ከይተረፈ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ብርታዐ ይህበና እዩ።—ማቴ. 5:10-12

15. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 14:27፡ እንታይ ውህበት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) ሰላም ብቐጻሊ ፍረ ኽንፈሪ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 ውህበት ሰላም። (ዮሃንስ 14:27 ኣንብብ።) የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንሃዋርያቱ፡ “ሰላመይ . . . እህበኩም ኣለኹ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ እቲ ውህበት እቲ፡ ማለት ሰላሙ፡ ፍረ ኽንፈሪ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ክንጻወር ከለና፡ ስምረት የሆዋን የሱስን ከም ዘሎና ብምፍላጥ ዚርከብ ነባሪ ሰላም ኣብ ልብና ይስምዓና እዩ። (መዝ. 149:4፣ ሮሜ 5:3, 4፣ ቈሎ. 3:15) ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ን45 ዓመት ዘገልገለ ኡልፍ፡ “ዕዮ ስብከት የድክመኒ እዩ፣ ኣብ ህይወተይ ግና ናይ ሓቂ ዕግበትን ናይ ሓቂ ትርጉምን ይህበኒ እዩ” ይብል። ነባሪ ውሽጣዊ ሰላም ምርካብናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ እዩ!

16. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 15:15 እንታይ ውህበት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) ሃዋርያት፡ ኣዕሩኽ የሱስ ኰይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ እንታይ ኪገብሩ ነይርዎም፧

16 ውህበት ዕርክነት። የሱስ እቲ ሃዋርያቱ ዚረኽብዎ ሓጐስ “ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን” ዘለዎ ድሌት ድሕሪ ምግላጹ፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዘለዎም ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 15:11-13) ቀጺሉ፡ “ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ” ኢልዎም እዩ። ምስ የሱስ ዚህሉ ዕርክነትሲ ኸመይ ዝበለ ኽቡር ውህበት ኰን እዩ! እሞ ደኣ እቶም ሃዋርያት ኣዕሩኹ ዀይኖም ንምቕጻል እንታይ ኪገብሩ ነይርዎም፧ ‘ኪኸዱን ፍረ ኺፈርዩን’ ነይርዎም። (ዮሃንስ 15:14-16 ኣንብብ።) የሱስ ክልተ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ ንሃዋርያቱ፡ “ክትከዱ ኸለኹም፡ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:7) ስለዚ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ነቲ ዝጀመርዎ ዕዮ ብተጻዋርነት ኪቕጽልዎ እዩ ኣተባቢዖም። (ማቴ. 24:13፣ ማር. 3:14) ትእዛዝ የሱስ ምፍጻም ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግና ተዓዊቶም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሓዋሩ ኣዕሩኹ ዀይኖም እዮም። ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ኺገብሩ ኽኢሎም፧ ከምኡ ንምግባር ካልእ ውህበት ሓጊዝዎም እዩ።

17, 18. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 15:16 እንታይ ውህበት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) እዚ ውህበት እዚ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ኣየናይ ውህበት እዩ ሎሚ ዜበርትዓና፧

17 ውህበት እተመለሰ ጸሎት። የሱስ፡ “ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ . . . ኺህበኩም [እዩ]” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:16) እዝስ ንሃዋርያት ከመይ ዝበለ መተባብዒ ዀን እዩ ነይሩ። * ከመይሲ፡ መራሒኦም ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኺመውት ምዃኑ ኣይተረድኦምን ነይሩ፣ እዚ ማለት ግና ብዘይ ሓጋዚ ይተርፉ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ፡ ኣብ ስብከት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዮም ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ንምርካብ ዜቕርብዎ ጸሎት ኪምልሰሎም ድልዊ እዩ ነይሩ። እወ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ የሆዋ ነቲ ሓገዝ ንምርካብ ዘቕረብዎ ጸሎት ብኸመይ ከም ዝመለሰሎም ርእዮም እዮም።—ግብ. 4:29, 31

የሆዋ ነቲ ሓገዝ ንምርካብ እነቕርቦ ጸሎት ከም ዚምልሶ ርግጸኛታት ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18 ሎሚ እውን እቲ ዅነታት ተመሳሳሊ እዩ። ብተጻዋርነት ፍረ ንፈሪ እንተ ዄንና፡ ምስ የሱስ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ንዜጋጥመና ዕንቅፋታት ንምስጋር እነቕርቦ ጸሎት ከም ዚምልሰልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ፊል. 4:13) ምስ የሱስ ዕርክነት ክንምስርት ስለ እንኽእልን ጸሎትና መልሲ ስለ ዚረክብን፡ ብዙሕ ንሕጐስ ኢና። እዚ የሆዋ ዝሃበና ውህበታት እዚ ፍረ ኽንፈሪ የበርትዓና እዩ።—ያእ. 1:17

19. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ኣብ ዕዮ ስብከት እንሳተፍ፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽም እንታይ ይሕግዘና፧

19 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት እንሳተፈሉ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ንምኽባርን ንስሙ ንምቕዳስን፡ ንየሆዋን ንየሱስን ዘሎና ፍቕሪ ንምርኣይ፡ እኹል መጠንቀቕታ ንምሃብ፡ ከምኡ እውን ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ ንምርኣይ እዩ። ውህበት ሓጐስ፡ ውህበት ሰላም፡ ውህበት ዕርክነት፡ ውህበት እተመለሰ ጸሎት ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽም የበርትዓና እዩ። የሆዋ ነቲ ‘ብዙሕ ፍረ ኽንፈሪ’ ብምሉእ ነፍስና እንገብሮ ጻዕርታት ኪርኢ ኸሎ ብዙሕ እዩ ባህ ዚብሎ።

^ ሕ.ጽ. 17 የሱስ ንሃዋርያቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ ጸሎቶም ከም ዚምለስ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጹሎም እዩ።—ዮሃ. 14:13፣ 15:7, 16፣ 16:23