ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጸላኢኻ ፍለጦ

ንጸላኢኻ ፍለጦ

“​[ውዲት ሰይጣን] ኣይንስሕቶን ኢና።”—2 ቈረ. 2:11

መዝሙር፦ 150, 32

1. ኣብ ኤደን፡ የሆዋ ብዛዕባ ጸላኢና እንታይ እዩ ገሊጹ፧

ኣዳም፡ ኣትማን ኪዛረቡ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ መንፈሳዊ ፍጡር ብተመን ገይሩ ንሄዋን ከም እተዛረባ ገሚቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 3:1-6) ኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ እዚ መንፈስ እዚ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኣዳም ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኡ ዝባኑ ሂቡ ምስዚ ዘይፈልጦ ፍጡር ሓቢሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ኪጻረር ብፍላጥ ወሰነ። (1 ጢሞ. 2:14) ብኡብኡ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንኣዳምን ንሄዋንን ዘበላሸዎም ጸላኢ ሓበሬታ ኺህብ ጀመረ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ እኩይ ከም ዚጠፍእ ገለጸ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ብተመን ኣቢሉ እተዛረበ መንፈሳዊ ፍጡር ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኸም ዚጻረሮም እውን ኣጠንቂቑ እዩ።—ዘፍ. 3:15

2, 3. ቅድሚ ምምጻእ እቲ መሲሕ ብዛዕባ ሰይጣን ብዙሕ ዘይተገልጸሉ ምኽንያት ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

2 የሆዋ ብጥበቡ ተደሪኹ ብሕታዊ ስም እቲ ኻብኡ ዝዓለወ መልኣኽ ኣይነገረናን። * ገላጺ ስም እቲ ጸላኢ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ናይ ፈለማ ዕልወት 2,500 ዓመት ጸኒሑ እዩ ተሓቢሩ። (እዮ. 1:6) ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሰለስተ መጻሕፍቲ፡ ማለት 1 ዜና መዋእልን እዮብን ዘካርያስን ጥራይ እየን ነቲ “ተጻራሪ” ዝትርጉሙ ስም ሰይጣን ጠቒሰናኦ ዘለዋ። ቅድሚ ምምጻእ እቲ መሲሕ፡ ብዛዕባ እቲ ጸላኢ ብዙሕ ሓበሬታ ዘይተዋህበ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ሰይጣንን ንጥፈታቱን ብዙሕ ሓበሬታ ብምሃብ፡ ንሰይጣን ዘይግቡእ ተፈላጥነት ኪህቦ ኣይደለየን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ዘጽሓፈሉ ቐንዲ ዕላማ፡ ሰባት ንመሲሕ ምእንቲ ኼለልይዎን ንህዝቡ ምእንቲ ኺመርሖምን ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 24:44፣ ገላ. 3:24) እዚ ምስ ተፈጸመን መሲሕ ምስ መጸን ከኣ፡ የሆዋ በቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ገይሩ ብዛዕባ ሰይጣንን ብዛዕባ እቶም ምስኡ ዝሓበሩ መላእኽትን መብዛሕትኡ እቲ ሕጂ እንፈልጦ ነገር ገሊጹልና ኣሎ። * የሆዋ ብየሱስን በቶም ቅቡኣት መጋዝእቱን ገይሩ ንሰይጣንን ንሰዓብቱን ስለ ዚጭፍልቖም፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃቡ ግቡእ እዩ።—ሮሜ 16:20፣ ራእ. 17:14፣ 20:10

4. ብዛዕባ ድያብሎስ እምብዛ ኽንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

4 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰይጣን ድያብሎስ “ዚጓዝም ኣንበሳ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ዮሃንስ ከኣ “ተመን”ን “ገበል”ን ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:8፣ ራእ. 12:9) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ድያብሎስ እምብዛ ኽንጭነቕ የብልናን፣ ሓይሉ ድሩት እዩ። (ያእቆብ 4:7 ኣንብብ።) የሆዋን የሱስን እሙናት መላእኽትን እውን ይድግፉና እዮም። ብሓገዞም ድማ ንጸላኢና ኽንጻረሮ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ነዘን ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበለን ኣሎና፦ ጽልዋ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ፧ ከመይ ገይሩ እዩ ንውልቀ ሰባት ኪጸሉ ዚፍትን፧ እንታይከ እዩ ኺገብር ዘይክእል፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን ንመርምረን እሞ እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብ ንርአ።

ጽልዋ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ፧

5, 6. ሰብኣውያን መንግስትታት ነቲ ንደቂ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም ለውጥታት ኬምጽኣ ዘይክእላ ስለምንታይ እየን፧

5 ሓያሎ መላእኽቲ ንሰይጣን ኣብ ዕልወቱ ተጸምቢሮምዎ እዮም። ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ሰይጣን ንገሊኣቶም ምስ ኣዋልድ ሰብ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ኣስዲዕዎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ እዚ ብምሳልያዊ መገዲ ኺገልጾ ኸሎ፡ እቲ ገበል ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ምስኡ ሒዙ ኸም ዝወደቐ ገይሩ ይሕብረና እዩ። (ዘፍ. 6:1-4፣ ይሁ. 6፣ ራእ. 12:3, 4) እቶም መላእኽቲ ንስድራ ቤት ኣምላኽ ሓዲጎም ምስ ወጹ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን እዮም ኰይኖም። እዞም ዓለወኛታት እዚኦም ግና ዘይተወደቡ መሸገርቲ ጭፍራ ጥራይ ኣይኰኑን። ሰይጣን ንርእሱ ንጉስ ብምግባር፡ ከም መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለት ውድብ ኣቚሙ እዩ። ኣብቲ ዘይርአ ዓለም፡ ሰይጣን ንኣጋንንቲ ኸም መንግስትታት ገይሩ ወዲብዎም፡ ስልጣን ሂብዎም፡ ገዛእቲ ዓለም እውን ገይርዎም እዩ።—ኤፌ. 6:12

6 ሰይጣን ብመንፈሳዊ ውድቡ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ጽልዋ ይገብር እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓቂ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለም” ምስ ኣርኣዮ፡ “እዚ ዅሉ ስልጣንን ክብረንን ንዓይ ስለ እተዋህበኒ፡ ኣነ ኸኣ ንዝደለኹ ስለ ዝህቦ፡ ንዓኻ ኽህበካ እየ” ኢልዎ እዩ። (ሉቃ. 4:5, 6) ሰይጣን ክፉእ ጽልዋ ዜሕድር እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት መንግስትታት ንዜጋታተን ብእተወሰነ ደረጃ ጽቡቕ ይገብራሎም እየን። ገዛእቲ እውን ጽቡቕ ይሕልኑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንደቂ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም ለውጥታት ኬምጽእ ዚኽእል ሰብኣዊ መንግስቲ ወይ ገዛኢ የልቦን።—መዝ. 146:3, 4፣ ራእ. 12:12

7. ሰይጣን ንመንግስትታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንንግዳዊ ስርዓትን ከመይ ገይሩ ይጥቀመሉ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብመንግስትታት ገይሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖትን ብንግዳዊ ስርዓትን ገይሮም እውን “ንብዘላ ዓለም” የስሕትዋ ኣለዉ። (ራእ. 12:9) ሰይጣን ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቢሉ ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ይነዝሕ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ብእተኻእሎ መጠን ብዙሓት ሰባት ንስም ኣምላኽ ከም ዚርስዕዎ ንምግባር ተላዒሉ ዘሎ እዩ ዚመስል። (ኤር. 23:26, 27) ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንኣምላኽ ዜምልኹ ዚመስሎም ቅኑዓት ሰባት፡ ንኣጋንንቲ እዮም ዜምልኹ ዘለዉ። (1 ቈረ. 10:20፣ 2 ቈረ. 11:13-15) ሰይጣን ብንግዳዊ ስርዓት ኣቢሉ እውን ሓሶት ይነዝሕ ኣሎ። ንኣብነት፡ እዚ ስርዓት እዚ ንሰባት፡ ሓጐስ ዚርከበሉ ብሉጽ መገዲ ደድሕሪ ገንዘብ ብምጕያይን ብዙሕ ጥሪት ብምድላብን ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚምህር። (ምሳ. 18:11) እቶም ነዚ ሓሶት እዚ ዚኣምኑ፡ ህይወቶም ንኣምላኽ ዘይኰነስ፡ “ንገንዘብ” ኣብ ምግልጋል እዮም ዜሕልፍዎ። (ማቴ. 6:24) ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ፡ እቲ ንስጋዊ ነገራት ዘለዎም ፍቕሪ ነቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ይሓንቆ።—ማቴ. 13:22፣ 1 ዮሃ. 2:15, 16

8, 9. (ሀ) ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን ዝገበርዎ ነገራት፡ እንታይ ክልተ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ (ለ) ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ምፍላጥና እንታይ ይጠቕመና፧

8 ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን ዝገበርዎ ነገራት፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ ክልተ ወገን ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ሓዲኡ ድማ ክንመርጽ ኣሎና። ወይ ንየሆዋ እሙናት ንኸውን፡ ወይ ከኣ ብወገን ሰይጣን ንኸውን። (ማቴ. 7:13) ካልኣይ፡ እቶም ምስ ሰይጣን ዚውግኑ፡ ብዙሕ ረብሓ ኣይረኽቡን እዮም። ኣዳምን ሄዋንን ብርእሶም ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም፣ ኣጋንንቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውያን መንግስትታት እተወሰነ ጽልዋ ኣለዎም። (ዘፍ. 3:22) ይኹን እምበር፡ ኣብ ጐድኒ ሰይጣን ምዃን ዜኽፍሎ ዋጋ ወትሩ ኻብቲ ዜምጽኦ ጥቕሚ ይዛይድ እዩ።—እዮ. 21:7-17፣ ገላ. 6:7, 8

9 ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ምፍላጥና እንታይ ይጠቕመና፧ ብዛዕባ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ የኽእለና፡ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ክንነጥፍ እውን ይድርኸና። የሆዋ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ኸነኽብሮም ከም ዚደልየና ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥ. 2:17) ሕግታት ሰብኣውያን መንግስትታት ምስ ስርዓታቱ ኽሳዕ ዘይተጋጨወ ኸኣ፡ ነቲ ሕግታት እቲ ኽንሕልዎ ይጽበየና እዩ። (ሮሜ 13:1-4) ግናኸ፡ ወትሩ ገለልተኛታት ክንከውን ኣሎና፣ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ንሓደ ሰብኣዊ መራሒ ኽንድግፍ የብልናን። (ዮሃ. 17:15, 16፣ 18:36) ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ስም የሆዋ እንታይ ኬምጽእ ከም ዚደሊ ስለ እንግንዘብ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽንምህር ንለዓዓል ኢና። ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ኰነ ካብ ፍቕረ ንዋይ ኣዝዩ ዚበልጽ ዓስቢ ኸም ዜምጽእ ስለ እንፈልጥ፡ ብስም የሆዋ እንጽዋዕ ምዃንናን ንስሙ ምጥቃምናን የሐብነና እዩ።—ኢሳ. 43:10፣ 1 ጢሞ. 6:6-10

ሰይጣን ንውልቀ ሰባት ከመይ ገይሩ ኺጸሉ ይፍትን፧

10-12. (ሀ) ሰይጣን ንመላእኽቲ ንምስዳዕ እንታይ መህረሪ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ካብ ውድቀት ብዙሓት መላእኽቲ እንታይ ንምሃር፧

10 ሰይጣን ንውልቀ ሰባት ንምጽላው ውጽኢታዊ ሜላታት ይጥቀም እዩ። ንኣብነት፡ ንሱ ዝደለዮ ነገር ኪገብሩ ንምድራኽ መህረሪ ይጥቀም እዩ። ድሂሉ ኼምበርክኾም እውን ይፍትን እዩ።

11 ሰይጣን ንብዙሓት መላእኽቲ ብመህረሪ ገይሩ ኣስዲዕዎም እዩ። ናብ ወገኑ ኸም ዚመጹ ንምግባር፡ ንነዊሕ እዋን ኣጽኒዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። ገሊኦም መላእኽቲ በቲ መህረሪ ተሳሒቦም ምስ ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ምስ ገበሩ፡ ንደቂ ሰብ ዚመልክዎም ድቓላታት ተወሊዶም እዮም። (ዘፍ. 6:1-4) ምናልባት ሰይጣን ነቶም ዘይእሙናት መላእኽቲ፡ በቲ ርኹስ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኪህልዎም ዚኽእል ስልጣን ገይሩ እውን ፈቲንዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማኡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ‘ዘርኢ እታ ሰበይቲ’ ኸም ዘይመጽእ ምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 3:15) ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ብማይ ኣይሂ ገይሩ ንዅሉ እቲ ሰይጣንን እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን ኣብቲ እዋን እቲ ዝኣለምዎ ውዲት ኣፍሪስዎ እዩ።

ሰይጣን ብመህረሪ ገይሩ ኼስድዓና ይፍትን ምንዝርና ትዕቢት ጥንቈላ (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

12 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ምንዝርና ወይ ትዕቢት ኣዝዩ ውጽኢታዊ መህረሪ እዩ። እቶም ምስ ሰይጣን ዝወገኑ መላእኽቲ፡ ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ የገልግሉ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ጽቡቕ ሃዋህው እውን እንተ ዀነ፡ ክፉእ ትምኒት ሱር ኪሰድድን ኪዓብን ፈቒዶም እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ንሓያሎ ዓመታት ኣገልጊልና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹህ ሃዋህው እውን እንተ ዀነ፡ ርኹስ ትምኒታት ሱር ኪሰድድ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 10:12) እምበኣር፡ ብቐጻሊ ልብና ንመርምር፡ ርኹስ ሓሳባት ነርሕቕ፡ ትዕቢት ድማ ነወግድ።—ገላ. 5:26፣ ቈሎሴ 3:5 ኣንብብ።

13. ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኻልእ ውጽኢታዊ መህረሪ እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኻብኡ ኽንርሕቕ እንኽእል፧

13 ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኻልእ መህረሪ፡ ብዛዕባ ጥንቈላ ንምፍላጥ ዘሎና ህንጥዮት እዩ። ሎሚ፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኢንዱስትሪ መዘናግዒ ኣቢሉ እውን ሰባት ብዛዕባ ኣጋንንቲ ኸም ዚግደሱ ይገብር ኣሎ። ፊልምታትን ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታትን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ንመናፍስትነት ከም ማራኺ ገይሩ የቕርቦ ኣሎ። በዚ መጻወድያ እዚ ምእንቲ ኸይንተሓዝ ከመይ ጌርና ኽንጥንቀቕ ንኽእል፧ ውድብ ኣምላኽ ቅቡልን ዘይቅቡልን መዘናግዒ ኽትዝርዝረልና ኣይንጽበን ኢና። ነፍሲ ወከፍና ንሕልናና ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ጌርና ኸነሰልጥኖ ኣሎና። (እብ. 5:14) ይኹን እምበር፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን” ኢሉ ዝሃበና ምኽሪ እንተ ዓዪናሉ፡ ጥበባዊ ምርጫታት ክንገብር ኢና። (ሮሜ 12:9) ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ናይ መዘናግዒ ምርጫይ ግቡዝ ከም ዝዀንኩ ዜምስል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝገብረሎም ሰባት ነቲ ኣነ ዝመርጾ መዘናግዒ እንተ ርእዮም፡ ከምቲ ዝሰብኮ ኸም ዝገብር ድዮም ዚሓስቡ፧’ ዘረባናን ተግባርናን ብዝያዳ ብእተሰማምዐ መጠን፡ ብመፈንጠራ ሰይጣን ክንትሓዝ ዘሎና ኣጋጣሚ እናጸበበ እዩ ዚኸይድ።—1 ዮሃ. 3:18

ሰይጣን ኪድህለና ይፍትን መንግስታዊ እገዳ ጸቕጢ መማህርቲ ተቓውሞ ቤተ ሰብ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ሰይጣን ከመይ ገይሩ እዩ ኺድህለና ዚፍትን፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ነዚ ኽንጻወሮ እንኽእል፧

14 ሰይጣን ኣብ ርእሲ እቲ ብመህረሪ ገይሩ ዜምጽኣልና ፈተና፡ ድሂሉ ንየሆዋ ዘይእሙናት ከም እንኸውን ኪገብረና እውን ይጽዕር እዩ። ንኣብነት፡ ብመንግስትታት ገይሩ ዕዮ ስብከትና ኸም ዚእገድ ኪገብር ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ብስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመላለስ ብምድላይና፡ ኣደዳ ላግጺ መሳርሕትና ወይ መማህርትና ይገብረና ይኸውን። (1 ጴጥ. 4:4) ንዚሓልዩልና ቤተ ሰብና እውን ብምጽላው ኣብ ኣኼባታት ከይንእከብ ጸቕጢ ኸም ዚገብሩልና ኺገብር ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:36) እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ኽንጻወሮ እንኽእል፧ ፈለማ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኽንጽበ ኣሎና፣ ሰይጣን ምሳና ይዋጋእ እዩ ዘሎ። (ራእ. 2:10፣ 12:17) ድሕሪኡ፡ ነቲ ቐንዲ ጕዳይ ክንርስዖ የብልናን፣ ሰይጣን፡ ‘ምስ ጠዓሞም ጥራይ እዮም ንየሆዋ ዜገልግሉ’ ኢሉ እዩ ዚኸስሰና። ጸቕጢ እንተ ወሪዱና፡ ንኣምላኽ ዝባንና ኸም እንህቦ እዩ ዚማጐት። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4, 5) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቲ ጕዳይ ክንዋጽኣሉ ዜኽእል ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ኣሎና። ንሱ ኸቶ ኣይጥንጥነናን እዩ።—እብ. 13:5

ሰይጣን እንታይ እዩ ኺገብር ዘይክእል፧

15. ሰይጣን፡ ክንገብሮ ዘይንደሊ ነገር ብግዲ ኼግብረና ይኽእል ድዩ፧ ግለጽ።

15 ሰይጣን ንሰባት፡ ኪገብርዎ ዘይደልዩ ነገራት ብግዲ ኼግብሮም ኣይክእልን እዩ። (ያእ. 1:14) ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ድንቍርና ምስ ዕላማ ሰይጣን ዚሰማማዕ ነገር ይገብሩ እዮም። ሓቂ ምስ ፈለጡ ግና፡ ነፍሲ ወከፎም ንመን ከም ዜገልግሉ ብፍላጥ እዮም ዚውስኑ። (ግብ. 3:17፣ 17:30) ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር እንተ ቘሪጽና፡ ሰይጣን ንጽህናና ከም እነበላሹ ኺገብረና ኣይክእልን እዩ።—እዮ. 2:3፣ 27:5

16, 17. (ሀ) ካብቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ (ለ) ዓው ኢልና ናብ የሆዋ ኻብ ምጽላይ ክንፈርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪገብርዎ ዘይክእሉ ኻልእ ነገራት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣእምሮ ወይ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ኺፈልጡ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር ነገር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይንረክብን ኢና። የሆዋን የሱስን ጥራይ እዮም ከምዚ ዓይነት ክእለት ዘለዎም። (1 ሳሙ. 16:7፣ ማር. 2:8) እሞ ደኣ ዓው ኢልካ ምዝራብ ወይ ምጽላይ ኬፍርሃናዶ ይግባእ፧ ድያብሎስ ወይ ኣጋንንቱ ጸሎትና ሰሚዖም ዕንቅፋት ከይፈጥሩልና ኽንሰግእዶ ይግባእ፧ ኣይፋልናን። ስለምንታይ፧ ድያብሎስ ከይርእየና ኢልና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሰናይ ግብሪ ምግባር ኣይንፈርህን ኢና። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ድያብሎስ ከይሰምዓና ኢልና ዓው ኢልና ኻብ ምጽላይ ክንፈርህ ኣይግባእን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ዓው ኢሎም ዝጸለዩ ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተጠቒሶም ኣለዉ፣ ‘ድያብሎስ ከይሰምዓና’ ኢሎም ከም ዝፈርሁ ዚሕብር ነገር ግና የሎን። (1 ነገ. 8:22, 23፣ ዮሃ. 11:41, 42፣ ግብ. 4:23, 24) ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንምዝራብን ንምምልላስን ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ንድያብሎስ ኣብ ልዕሌና ነባሪ ጕድኣት ኬውርድ ከም ዘይፈቕደሉ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 34:7 ኣንብብ።

17 ንጸላኢና ኽንፈልጦ እኳ እንተ ኣሎና፡ ብእኡ ግና ክንርዕድ የብልናን። ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከይተረፉ ብደገፍ የሆዋ ንሰይጣን ኪስዕርዎ ይኽእሉ እዮም። (1 ዮሃ. 2:14) እንተ ተጻሪርናዮ፡ ንሱ ኻባና ኺሃድም እዩ። (ያእ. 4:7፣ 1 ጴጥ. 5:9) ግናኸ፡ ሰይጣን ምናዳ ንመንእሰያት እዩ ዕላማ መጥቃዕቱ ዚገብሮም። እሞ ደኣ ንድያብሎስ ምእንቲ ኺቃወምዎ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምርምራ እያ።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተ ወሓደ ገሊኦም መላእኽቲ ብሕታዊ ስማት ከም ዘለዎም ተገሊጹ ኣሎ። (መሳ. 13:18፣ ዳን. 8:16፣ ሉቃ. 1:19፣ ራእ. 12:7) የሆዋ ንዅሎም ኸዋኽብቲ ስም ካብ ኣውጽኣሎም (መዝ. 147:4)፡ ኵሎም መላእኽቲ፡ እንተላይ እቲ ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ እውን ከይተረፈ፡ ብሕታዊ ስማት ኣለዎም ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ሰይጣን 18 ሳዕ ጥራይ እዩ ብስሙ ተጠቒሱ ዚርከብ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ግና ልዕሊ 30 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ።