ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዒንትኻ ናብ መን እየን ዚጥምታ ዘለዋ፧

ኣዒንትኻ ናብ መን እየን ዚጥምታ ዘለዋ፧

“ኣታ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን እትቕመጥ፡ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።”—መዝ. 123:1

መዝሙር፦ 143, 124

1, 2. ናብ የሆዋ ምጥማት ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ “ጽንኩር ግዜ” እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) የሆዋ ነዚ ስርዓት እዚ ኣጥፊኡ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላም ከም ዚሰፍን ቅድሚ ምግባሩ ድማ፡ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ሽግራት ብዝያዳ ኺጽንክር እዩ። ስለዚ፡ ‘ሓገዝን መምርሕን ክረክብ ዝኽእል ካበይ እየ፧’ ኢልና ንርእስና ምሕታትና ኣገዳሲ እዩ። “ሓገዝ ክረክብ ዘሎኒ ኻብ የሆዋ እዩ” ኢልና ምላሽ ከም እንህብ ድማ ፍሉጥ እዩ።

2 እሞ ደኣ ናብ የሆዋ ምጥማት ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ህይወትና ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ኣዒንትና ናብኡ ኺጥምታ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧ ሓደ ዘማሪ ቕድሚ ነዊሕ ዘመናት፡ ሓገዝ ኬድልየና ኸሎ ኣዒንትና ኣልዒልና ናብ የሆዋ ምጥማትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (መዝሙር 123:1-4 ኣንብብ።) ነቲ ናብ የሆዋ እንጥምተሉ መገዲ ኸኣ፡ ምስቲ ሓደ ጊልያ ናብ ጐይታኡ ዚጥምተሉ መገዲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ኻብ ጐይታኡ ምግብን ዕቝባን ምእንቲ ኺረክብ ናብ ጐይታኡ ይጥምት እዩ። ብዘይካዚ፡ ድሌት ጐይታኡ ፈሊጡ ኸምቲ ንሱ ዚደልዮ ምእንቲ ኺገብረሉ ንጐይታኡ ብቐጻሊ ይጥምቶ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና መምርሒታቱ ምእንቲ ኽንስዕብ መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ክንምርምር ኣሎና። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና ጥራይ እዩ የሆዋ ሓገዙ ኼድልየና ኸሎ ኺሕግዘና ዚኽእል።—ኤፌ. 5:17

3. ናብ የሆዋ ኻብ ምትኳር ኬስግለና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧

3 ናብ የሆዋ ምጥማት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ግና እተፈላለየ ነገራት ኬስግለና ይኽእል እዩ። ነታ ናይ ቀረባ ፈታዊት የሱስ ዝነበረት ማርታ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ማርታ፡ “ብዙሕ ኣብ ምግልጋል ኣስጊላ ነበረት።” (ሉቃ. 10:40-42) እታ እምንቲ ዝነበረት ሰበይቲ ምስ የሱስ ከላ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ኣስገለት፡ ንዓና እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጠመና ኼገርመና የብሉን። ናብ የሆዋ ኻብ ምትኳር ኬስግለና ዚኽእል ነገራት ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካልኦት ዚገብርዎ ነገራት ብኸመይ ኬስግለና ኸም ዚኽእል ክንርኢ ኢና። ከየስገልና ናብ የሆዋ ኽንጥምት እንኽእል ብኸመይ ከም ዝዀነ እውን ክንምሃር ኢና።

ሓደ እሙን ሰብኣይ፡ ፍሉይ መሰል ሰኣነ

4. ሙሴ ናብ ምድሪ ተስፋ ናይ ምእታው ፍሉይ መሰል ምስኣኑ ኼገርመና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4 ሙሴ መምርሒ የሆዋ ኺረክብ ይጽዕር ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ፡ ‘ነቲ ዘይርአ ኸም ዚርእዮ ዀይኑ ድማ ጸኒዑ እዩ።’ (እብራውያን 11:24-27 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም ሙሴ ንየሆዋ ገጽ ንገጽ ዚፈልጦ ነብዪ ኣብ እስራኤል ዳግም ኣይተንስአን” ይብለና። (ዘዳ. 34:10) ይኹን እምበር፡ ሙሴ ምስ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቀረባ ርክብ እኳ እንተ ነበሮ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ናይ ምእታው ፍሉይ መሰል ግና ስኢኑ እዩ። (ዘሁ. 20:12) ስለምንታይ፧

5-7. እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢሙ፧ ሙሴኸ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ፈትሖ፧

5 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ኽልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ገና ኣብ ከረን ሲና ኸይበጽሑ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ከቢድ ጸገም ኣጋጠመ። እቶም ህዝቢ ብዛዕባ ሕጽረት ማይ ኣጕረምረሙ። ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኼጕረምርሙ ምስ ጀመሩ እቲ ዅነታት ኣዝዩ ስለ ዝጸንከረ ኸኣ፡ ሙሴ፡ “ነዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ቍሩብ ጸኒሖም ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ናብ የሆዋ ጠርዐ። (ዘጸ. 17:4) የሆዋ ድማ ንሙሴ ንጹር መምርሒ ሃቦ። ኣብ ሆሬብ ንዝነበረ ኸውሒ ብበትሩ ምስ ወቕዖ፡ ካብቲ ኸውሒ ማይ ከም ዚወጽእ ድማ ነገሮ። “ሙሴ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።” ሽዑ፡ እስራኤላውያን ካብቲ ማይ ሰተዩ፡ እቲ ጸገም ድማ ተፈትሐ።—ዘጸ. 17:5, 6

6 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እስራኤላውያን ስለ እተቛየቑን ‘የሆዋ ኣብ ማእከልና ኣሎዶ የሎን፧’ ኢሎም ንየሆዋ ስለ ዝፈተንዎን፡ [ሙሴ] ነታ ቦታ እቲኣ ማሳን መሪባን ኢሉ ሰመያ” ይብለና። (ዘጸ. 17:7) እዚ ስማት እዚ፡ “ፈተና፡” “ቈየቛ” ዚብል ትርጉም ስለ ዘለዎ፡ ግቡእ ስም እዩ ነይሩ።

7 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ መሪባ ዘጋጠመ ዅነታት ከመይ ተሰምዖ፧ እስራኤላውያን ንሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕኡን ነቲ ኸም ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ስልጣንን ከም እተጻረርዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ። (መዝሙር 95:8, 9 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ከም እተጋገዩ ንጹር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሙሴ ናብ የሆዋ ብምጥማቱን መምርሒታቱ ብጥንቃቐ ብምስዓቡን ቅኑዕ እዩ ገይሩ።

8. ኣብ ከባቢ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ን40 ዓመት ዝጸንሕሉ እዋን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

8 ኣብ ከባቢ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ በረኻ ኸርተት ዝበሉሉ እዋን እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጠመ። እስራኤላውያን፡ መሪባ ኣብ እትብሃል ቦታ በጽሑ። እዛ ቦታ እዚኣ ግና ኣብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ፡ ኣብ ጥቓ ቃዴስ እትርከብ ካልእ ቦታ እያ ነይራ። * ሽዑ እውን እስራኤላውያን ብዛዕባ ሕጽረት ማይ ኣጕረምረሙ። (ዘሁ. 20:1-5) ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ሙሴ ኸቢድ ጌጋ ፈጸመ።

9. ሙሴ እንታይ መምርሒ እዩ ተቐቢሉ፧ ንሱ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ሙሴ ነዚ ዕልወት እዚ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጠመተ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ነቲ ኸውሒ ኺወቕዖ ኣይኣዘዞን። የግዳስ፡ ሙሴ በትሩ ሒዙን ነቶም ህዝቢ ኣኪቡን ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ደው ኪብል፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ኸውሒ ኺዛረቦ እዩ ተኣዚዙ። (ዘሁ. 20:6-8) ሙሴ ግና ነቲ ኸውሒ ኣይተዛረቦን። የግዳስ፡ “ኣቱም ዓለውቲ ሕጂ ስምዑ! ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብምዝራብ ሕርቃኑ ኣውጽአ። ሽዑ፡ ነቲ ኸውሒ ወቕዖ፡ እሞ ኸኣ ክልተ ሳዕ።—ዘሁ. 20:10, 11

10. የሆዋ በቲ ሙሴ ዝገበሮ ነገራት ከመይ ተሰምዖ፧

10 የሆዋ ብሙሴ ኣዝዩ ተቘጥዐ። (ዘዳ. 1:37፣ 3:26) ስለምንታይ እዩ ግና ተቘጢዑ፧ ብዙሕ ምኽንያታት ኪህሉ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ኻብኡ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ሙሴ ነቲ እተዋህቦ ሓድሽ መምርሒ ስለ ዘይሰዓበ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

11. ሙሴ ነቲ ኸውሒ ምውቃዑ፡ እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝፈጸሞ ተኣምር ከም ዘየስተብህሉሉ ገይርዎም ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ካልእ ምኽንያት እውን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ኣብ ከባቢ መሪባ ዘሎ ዓይነት ከውሒ፡ ዓረ ዚብሃል ተሪር ዓይነት እምኒ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ እምኒ ዋላ እውን ኣበርቲዕካ እንተ ወቓዕካዮ፡ ፈጺሙ ማይ ኬውጽእ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ ኻልኣይ መሪባ ዝነበረ ኸውሒ ግና ፈኲስ እምኒ ኖራ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። እቲ እምኒ ኖራ ዝዀነ ኸውሒ ብቐሊሉ ማይ ኬሕልፍ ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ማይ ኪዓቍር ይኽእል እዩ። ሰባት ከኣ ነቲ ኸውሒ ብምዅዓት ማይ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ሙሴ ኸምቲ እተኣዘዞ ነቲ ኸውሒ ኣብ ክንዲ ዚዛረቦ ኽልተ ሳዕ ምውቃዑ፡ እስራኤላውያን እቲ ማይ ዝወጸ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ደኣ እምበር ብተኣምራዊ ሓይሊ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ሓሲቦም ደዀን ይዀኑ፧ * ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ሙሴ ዝዓለወ ብኸመይ እዩ፧

12. የሆዋ ንሙሴ ንኣሮንን እተቘጥዓሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

12 የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን እተቘጥዓሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” ከም ዝበሎም ኣስተብህል። እታ “ኸነውጽኣልኩም” እትብል ቃል፡ ንሙሴን ንኣሮንን እተመልክት ክትከውን ትኽእል እያ። ስለዚ፡ እቲ ሙሴ እተዛረቦ ቓላት፡ ነቲ ናይ ሓቂ ምንጪ እቲ ተኣምር ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘየኽበርዎ ዚሕብር እዩ። መዝሙር 106:32, 33 ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፣ ብሰሮም እውን ሙሴ ተጐድአ። ንመንፈሱ ኣመረርዎ፣ ብኸናፍሩ ድማ ብታህዋኽ ተዛረበ። * (ዘሁ. 27:14) ሙሴ በቲ ተግባሩ ንየሆዋ ኣየኽበሮን። ስለዚ፡ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ‘ካብ ትእዛዛተይ ዓሊኹም ኢኹም’ በሎም። (ዘሁ. 20:24) እዚ ድማ ከቢድ ሓጢኣት እዩ ነይሩ።

13. የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዝፈረዶ ፍርዲ ቕኑዕን ፍትሓውን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

13 ሙሴን ኣሮንን መራሕቲ ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃኖም መጠን፡ ዝለዓለ ተሓታትነት እዩ ነይርዎም። (ሉቃ. 12:48) ቅድሚ እቲ ዅነታት፡ ሓደ ወለዶ ምሉእ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝዓለወ፡ የሆዋ እቲ ወለዶ እቲ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከይኣቱ ኸልኪሉ ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 14:26-30, 34) ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ዕልወት ተግባር ዝፈጸመ ሙሴ ተመሳሳሊ ፍርዲ ምፍራዱ ቕኑዕን ፍትሓውን እዩ ነይሩ። ሙሴ ኸምቶም ካልኦት ዓለወኛታት ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይተፈቕደሉን።

ጠንቂ እቲ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ፧

14, 15. ሙሴ ኻብ የሆዋ ዝዓለወ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሙሴ ኻብ የሆዋ ዝዓለወ ስለምንታይ እዩ፧ መዝሙር 106:32, 33 እንታይ ከም እትብል እሞ ደጊምካ ኣስተብህለላ፦ “ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፣ ብሰሮም እውን ሙሴ ተጐድአ። ንመንፈሱ ኣመረርዎ፣ ብኸናፍሩ ድማ ብታህዋኽ ተዛረበ።” እስራኤላውያን ንየሆዋ እዮም ኣዀርዮምዎ ነይሮም። ብኣታቶም እተመረረ ግና ሙሴ እዩ ነይሩ። ርእሱ ስለ ዘይገትአ ኸኣ፡ እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ዘይሓሰበሉ ዘረባ ተዛረበ።

15 ሙሴ፡ እቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ነገራት ናብ የሆዋ ኻብ ምጥማት ኬስግሎ ፈቒዱ እዩ። ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ሕጽረት ማይ እተላዕለ ምጕርምራም፡ ቅኑዕ ስጕምቲ ወሲዱ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 7:6) ኣብቲ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዘጋጠመ ኻልኣይ ፍጻመ ግና፡ ተሓሊሉን ተበሳጭዩን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ሙሴ ብዛዕባ ስምዒቱ ደኣ እምበር ንየሆዋ ብዛዕባ ዜኽብረሉ መገዲ ኣይሓሰበን ደዀን ይኸውን፧

16. ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ነገራት ከነስተብህለሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 እቲ እሙን ነብዪ ዝነበረ ሙሴ እኳ ንየሆዋ ኻብ ምጥማት ካብ ኣስገለን ካብ ተዓንቀፈን፡ ንዓና እሞ ኸኣ ብቐሊሉ ኸምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ከምቲ ሙሴ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ቐሪቡ ዝነበረ፡ ንሕና እውን ናብታ የሆዋ ዘተስፈወና ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ቐሪብና ኢና። (2 ጴጥ. 3:13) እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኼምልጠና ድማ ኣይንደልን ኢና። እምበኣርከስ፡ ከየስገልና ናብ የሆዋ ንጠምት፡ ወትሩ ፍቓዱ ኽንገብር ድማ ንጽዓር። (1 ዮሃ. 2:17) ካብቲ ሙሴ ዝፈጸሞ ጌጋ ደኣ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧

ካልኦት ዚገብርዎ ነገራት ከየስግለካ ተጠንቀቕ

17. ከይንበሳጮ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

17 ኣይትበሳጮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ተመሳሳሊ ዝዀነ ጸገማት ብተደጋጋሚ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ “እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።” (ገላ. 6:9፣ 2 ተሰ. 3:13) ዜበሳጩ ወይ ከኣ ምስ ሰባት ዜጋጩ ዅነታት ብተደጋጋሚ ምስ ዜጋጥመና እውን፡ ንልሳንናን ንስምዒትናን ንቈጻጸሮ ዲና፧ (ምሳ. 10:19፣ 17:27፣ ማቴ. 5:22) ካልኦት ምስ ዜበሳጭዉና፡ ‘ነቲ ቝጥዓ ቦታ ኽንሓድገሉ’ ኣሎና። ንቝጥዓ መን፧ ንቝጥዓ የሆዋ። (ሮሜ 12:17-21 ኣንብብ።) ከየስገልና ናብ የሆዋ ንጥምት እንተ ደኣ ዄንና፡ የሆዋ ባዕሉ ተቘጢዑ ኣድላዪ ዚብሎ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። ባዕልና ሕነ ኽንፈዲ ንፍትን እንተ ደኣ ዄንና ግና፡ ንየሆዋ ኸም ዘይነኽብሮ እዩ ዜርኢ።

18. መምርሒታት ብዛዕባ ምስዓብ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

18 ኣብ ቀረባ እዋን ንዝወጸ መምርሒታት ተጠንቂቕካ ስዓብ። ነቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ናይ ቀረባ እዋን መምርሒታት ብተኣማንነት ንስዕቦ ዲና፧ ነዚ ንስዕብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንዅሉ ነገራት በቲ ቕድሚ ሕጂ እንዓይየሉ ዝነበርና መገዲ ጥራይ ክንገብሮ ኣይንጽዕርን ኢና። የግዳስ፡ ነቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዚህበና ሓድሽ መምርሒታት ሰጋእ መጋእ ከይበልና ንስዕቦ ኢና። (እብ. 13:17) ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይንኸይድ’ እውን ንጥንቀቕ ኢና። (1 ቈረ. 4:6) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከየስገልና ናብ የሆዋ ንጥምት ኢና።

ካብቲ ሙሴ ኻልኦት ንዝገበርዎ ጌጋታት ዝሃቦ ምላሽ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19. ካልኦት ዚገብርዎ ጌጋታት ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ምእንቲ ኸየበላሽዎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

19 ካልኦት ዚገብርዎ ጌጋታት ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኬባላሽዎ ኣየተፍቅድ። ከየስገልና ናብ የሆዋ ንጥምት እንተ ደኣ ዄንና፡ ካልኦት ዚገብርዎ ነገራት ኬመርረና ወይ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎ ኣይነፍቅድን ኢና። ብፍላይ ከኣ ከም ሙሴ ኣብ ውድብ ኣምላኽ እተወሰነ ሓላፍነት እንተ ኣልዩና፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ኽንስዕቦ ኣገዳሲ እዩ። ‘ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትና ኽንፍጽም’ ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብተሪርን ዘይተዓጻጸፍን ሕግታት ከም ዘይፈርደና ኽንርስዕ የብልናን። (ፊል. 2:12) ይኹን እምበር፡ ዝያዳ ሓላፍነት ምስ ዚህልወና፡ ዝያዳ ተሓታትነት እዩ ዘሎና። (ሉቃ. 12:48) ንየሆዋ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ ደኣ ዄንና ግና፡ ካብ ፍቕሩ ዚዕንቅፈና ወይ ዚፈልየና ሓንቲ እኳ ኣይኪህሉን እዩ።—መዝ. 119:165፣ ሮሜ 8:37-39

20. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

20 ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ወትሩ ናብቲ “ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ” ክንጥምት ኣሎና። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ፡ ካልኦት ብዚገብርዎ ሕማቕ ነገራት ኪጽሎ ፈጺምና ኽንፈቅድ የብልናን። ንሙሴ ዘጋጠሞ ነገር፡ እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና። ብዘይፍጽምና ኻልኦት ኣብ ክንዲ እንበሳጮ፡ ‘ሞገሱ ኽሳዕ ዜርእየና፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ንጠምት።’—መዝ. 123:1, 2

^ ሕ.ጽ. 8 እዛ መሪባ እትብሃል ቦታ እዚኣ፡ ካብታ ኣብ ጥቓ ረፊዲም ዝነበረት ማሳ እውን ተባሂላ እተጸውዐት ቦታ እተፈልየት እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ክልቲአን ቦታታት መሪባ ተባሂለን እተሰምያ፡ ኣብተን ቦታታት ቈየቛ ስለ እተላዕለ እዩ።—ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ለ3 ዚርከብ ካርታ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ፕሮፌሰር ጆን ቤክ ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቶም ዓለወኛታት፡ ‘ሙሴ እቲ ኸውሒ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ተኣምራዊ ሓይሉ ኼርኢ እንተ ደልዩ፡ ካብዚ ኻልእ ዓይነት ከውሒ እዚ ማይ የውጽኣልና’ ኸም ዝበሉ ያታ ኣይሁድ ይገልጽ እዩ” በለ። እዚ ግና ያታ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።