ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክልተ ዘይተመርዓዉ ሰባት ብዘይ ገለ ግቡእ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም እንተ ሓዲሮም፡ ፍርዳዊ ስጕምቲ ኺውሰደሉ ዚግባእ ሓጢኣት ፈጺሞም ኪብሃል ይከኣል ድዩ፧

እወ፣ ብዘይ ገለ ግቡእ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም እንተ ሓዲሮም፡ ምንዝርና ኸም ዝፈጸሙ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ ጌርካ ኺውሰድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ካልእ ብቑዕ ምኽንያት እንተ ዘየልዩ፡ ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ኣለዎ።—1 ቈረ. 6:18

ኣካል ሽማግለታት፡ ነቲ ዅነታት በብሓደ ብጥንቃቐ መርሚሩ፡ ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኺውስን ኣለዎ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም ዝሓደሩ ወድን ጓልን ሓዳር ኪገብሩ ኢሎም ዚፋለጡ ዘለዉ ድዮም፧ ኣብ ንሓድሕዶም ብዛዕባ ዜርእይዎ ጠባይ ኣቐዲሙ ምኽሪ ተዋሂብዎም ነይሩ ድዩ፧ ብሓንሳእ ኪሓድሩ ዘገደዶም ኵነታት ኣሎዶ፧ ብሓንሳእ ኪሓድሩ መዲቦም ነይሮም ድዮም፧ ካልእ ኣማራጺ ኸለዎም ድዮም ብሓንሳእ ሓዲሮም ወይስ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ዝዀነ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ ምናልባት፡ ብሓንሳእ ኣብ ሓንቲ ቤት ኪሓድሩ ዘገደዶም ዘይሓሰብዎ ወይ ሃንደበታዊ ዅነታት ኣጋጢምዎም ደዀን ይኸውን፧ (መክ. 9:11) ኣበይከ እዮም ደቂሶም፧ እቲ ዜጋጥም ኵነታት ከከም ጕዳዩ ስለ ዚፈላለ፡ ሽማግለታት ኣብ ግምት ኬእትውዎ ዘለዎም ካልእ ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ረቛሒታት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ።

ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ዚውሰን፡ ኣካል ሽማግለታት ንዅሉ እቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምስ መርመረ እዩ።