ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧”

“ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧”

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንዕኡ ኣገልግሎ፡ ናብኡ ኸኣ ልገብ።”—ዘዳ. 10:20

መዝሙር፦ 28, 32

1, 2. (ሀ) ኣብ ጐድኒ የሆዋ ምዃንና ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

ናብ የሆዋ ምልጋብ ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ። ከመይሲ፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ሓያልን ጥበበኛን ፈቃርን ኣምላኽ ከቶ የልቦን። ካብ መንጎና እሞ ኣብ ጐድኑ ኪኸውን ዘይደሊ መን ኣሎ፧ (መዝ. 96:4-6) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ኼርእዩ ዚኽእሉሉ ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተሎም፡ ነዚ ወሳኒ ስጕምቲ እዚ ኣይወሰዱን።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ዚኣምኑ ኽነሶም ንዕኡ ዜጕሂ ነገራት ዝገበሩ መለበሚ ዚዀኑና ውልቀ ሰባት ክንርኢ ኢና። ካብቲ ብዛዕባኦም ዚገልጽ ጸብጻባት፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ክንከውን ዚሕግዘና ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና።

የሆዋ ንልቢ ይምርምሮ

3. የሆዋ ንቃየል ኪሕግዞ ዝፈተነ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይከ በሎ፧

3 ብዛዕባ ቃየል እሞ ሕሰብ። ንየሆዋ ደኣ እምበር ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይኰነን ዜምልኽ ነይሩ። ኣምልኾ ቃየል ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ኣብ ውሽጢ ልቡ፡ ዘርኢ እከይ ይበቍል ነበረ። (1 ዮሃ. 3:12) የሆዋ ድማ ንቃየል፡ “ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ትምለስሲ፡ ሞገስዶ ኣይምረኸብካን፧ ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ዘይተመሊስካ ግና፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፣ ሃረርታኣ ኸኣ ኪዕብልለካ ይብል ኣሎ። ግናኸ፡ ክትመልካ ዲኻ፧” በሎ። (ዘፍ. 4:6, 7) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ንቃየል፡ “ተነሲሕካ ኣብ ጐድነይ እንተ ዄንካ፡ ኣነ እውን ኣብ ጐድንኻ ክኸውን እየ” እዩ ዚብሎ ነይሩ።

4. ቃየል ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኪኸውን ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንሱ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧

4 ቃየል ኣተሓሳስባኡ እንተ ዜዐሪ፡ ሞገስ የሆዋ ምረኸበ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ቃየል ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ኣይተቐበሎን። እቲ ዝነበሮ ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባን ስስዐ ዝመልኦ ባህግን ድማ ናብ ዘይቅኑዕ ተግባራት መርሖ። (ያእ. 1:14, 15) ቃየል ብንእስነቱ፡ ንየሆዋ ኺጻረሮ ኣይሓስብን ነይሩ ይኸውን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ካብ ኣምላኽ ብምዕላዉን ንሓዉ ብምቕታሉን፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ነገር ገበረ።

5. ሞገስ የሆዋ ኼስእነና ዚኽእል እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ፧

5 ሎሚ እውን፡ ሓደ ክርስትያን ከም ቃየል ንየሆዋ ኸም ዜምልኽ ዚኣምን ክነሱ ዘይቅኑዕ መገዲ ኺስዕብ ይኽእል እዩ። (ይሁ. 11) ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ዚዓዪን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲሩ ዚካፈልን ክነሱ፡ ርኹስን ስስዐ ዝመልኦን ሓሳባት ዚሓስብ ወይ ከኣ ንክርስትያናት ብጾቱ ናይ ጽልኢ ስምዒት ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 2:15-17፣ 3:15) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኸኣ ናብ ሓጥእ ተግባራት ኪመርሖ ይኽእል እዩ። ሰባት ንሓሳባትናን ንኣካይዳናን ኣየስተብህልሉን ይዀኑ። የሆዋ ግና ንዅሉ ነገራት ይርኢ እዩ፣ ብምሉእ ልብና ኣብ ጐድኑ ምዃንናን ዘይምዃንናን እውን ይፈልጥ እዩ።ኤርምያስ 17:9, 10 ኣንብብ።

6. ኣብ ጐድኒ የሆዋ ምስ እንኸውን፡ ንሓጥእ ዝንባለታትና ‘ኽንመልኮ’ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

6 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብኣና ቐልጢፉ ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። ናብ ጥፍኣት ዚወስደና መገዲ ኽንስዕብ ከለና እውን፡ “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (ሚል. 3:7) ብፍላይ ከኣ ምስ ድኽመታትና ኽንቃለስ ከለና፡ የሆዋ ንኽፉእ ዘበለ ኽንጻረሮ ይደልየና እዩ። (ኢሳ. 55:7) ከምኡ ምስ እንገብር ድማ፡ ንሓጥእ ዝንባለታትና ‘ኽንመልኮ’ ዜኽእለና መንፈሳውን ስምዒታውን ኣካላውን ብርታዐ ይህበና እዩ።—ዘፍ. 4:7

“ኣይትታለሉ”

7. ሰሎሞን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ጽቡቕ ርክብ ዘጥፍአ ብኸመይ እዩ፧

7 ካብ ንጉስ ሰሎሞን እውን ብዙሕ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሰሎሞን መንእሰይ ከሎ፡ መምርሒ የሆዋ ይደሊ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ዓብዪ ጥበብ ሃቦ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣዝያ እተደንቕ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ እውን ሕድሪ ሃቦ። ይኹን እምበር፡ ሰሎሞን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዕርክነት ኣጥፊኡ እዩ። (1 ነገ. 3:12፣ 11:1, 2) ኣብ ሕጊ ኣምላኽ፡ ዝዀነ ይኹን እብራዊ ንጉስ “ልቡ ኸየላግስ . . . ንዕኡ ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ዚብል ንጹር ትእዛዝ ተጻሒፉ ነበረ። (ዘዳ. 17:17) ሰሎሞን ግና ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣይሰዓበን፣ እኳ ደኣስ፡ 700 ኣንስቲ ኣእተወ። ካልኦት 300 ኣንስቲ ወሰን ከኣ ወሰኸ። (1 ነገ. 11:3) መብዛሕትአን፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ እስራኤላውያን ዘይኰነና ኣንስቲ እየን ነይረን። ስለዚ፡ ሰሎሞን ጓኖት ኣንስቲ ብምምርዓዉ ንሕጊ ኣምላኽ ኣይተኣዘዘን።—ዘዳ. 7:3, 4

8. ሰሎሞን ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣጕህይዎ፧

8 ሰሎሞን በብቝሩብ ካብ ስርዓታት የሆዋ ምርሓቑ፡ ድሕሪ ግዜ ኸቢድ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም መሪሕዎ እዩ። ኣሽቶረትን ከሞሽን ንዚብሃሉ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ መሰውኢ ሰርሓሎም። ምስተን ኣንስቱ ሓቢሩ ድማ ንጣኦታት ኬምልኽ ጀመረ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ነቲ መሰውኢታት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣብ መንጽር እታ ንየሆዋ ዝሃነጸሉ ቤተ መቕደስ እዩ ሃኒጽዎ። (1 ነገ. 11:5-8፣ 2 ነገ. 23:13) ምናልባት ሰሎሞን፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኽሳዕ ዘቕረበ፡ የሆዋ ነቲ ዘይተኣዛዝነቱ ዕሽሽ ከም ዚብሎ ብምሕሳብ ንርእሱ ኣታሊልዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

9. ሰሎሞን ንመጠንቀቕታታት ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባሉ እንታይ ኣጋጠመ፧

9 ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሓጢኣት ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓልፎን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፦ “የሆዋ ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ የሆዋ . . . ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ ማለት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ፡ ኣጠንቂቕዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰሎሞን ሞገስን ደገፍን ኣምላኽ ሰኣነ። ዘርኢ ሰሎሞን ከኣ ንብምልእታ መንግስቲ እስራኤል ኪገዝኡ ኣይከኣሉን፣ ንነዊሕ ዘመናት እውን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጠሞም።—1 ነገ. 11:9-13

10. ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ኬበላሽወልና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

10 ንስርዓታት የሆዋ ምስ ዘይርድኡ ወይ ምስ ዘየኽብሩ ሰባት ምሕዝነት ምፍጣር ንመንፈሳውነትና ኽሳዕ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ኸም ዜእቱ ኻብ ታሪኽ ሰሎሞን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ምስ ጉባኤ ዚሓብሩ ኽነሶም ብመንፈሳዊ መዳይ ግና ድኹማት ዝዀኑ ኣዕሩኽ ይህልዉና ይዀኑ። ወይ ከኣ ንየሆዋ ዘየምልኹ ኣዝማድ፡ ጐረባብቲ፡ መሳርሕቲ ወይ መማህርቲ ኺህልዉና ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ንስርዓታት የሆዋ ልዑል ኣኽብሮት ዘይብሎም እንተ ዀይኖም፡ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ኬበላሽዉልና ይኽእሉ እዮም።

ኣዕሩኽካ ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኪጸልውዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ብዛዕባ እቲ ኸተወግዶ ዘሎካ ዕርክነት ቅኑዕ ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

11 1 ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ። መብዛሕትኦም ሰባት ጽቡቕ ባህርያት ኣለዎም። ንየሆዋ ዘየምልኹ ብዙሓት ሰባት ድማ ኣመና ኽፉእ ዝዀነ ተግባራት ኣይገብሩን ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪዀኑኻ ይኽእሉ ድዮም፧ እቲ ምሳታቶም ዘሎካ ዕርክነት ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እንታይ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ሕሰብ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኬመሓይሹልካ ይኽእሉ ድዮም፧ ንዓታቶም ብሓቂ ዜገድሶም እንታይ እዩ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ፋሽን፡ ገንዘብ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት፡ መዘናግዒ ወይ ካልእ ስጋዊ ነገራት ምዝራብ ጥራይ ድዮም ዚፈትዉ፧ ንኻልኦት የቈናጽቡ ወይ ጽዩፍ ዋዛ ይዋዘዩ ድዮም፧ የሱስ፡ “ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴ. 12:34) ምስ ካልኦት ዘሎካ ዕርክነት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ኬበላሽዎ ዚኽእል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነቲ ዕርክነትካ ደረት ግበረሉ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ብተኮ።—ምሳ. 13:20

የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ይደሊ

12. (ሀ) የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ እዩ ብንጹር ገሊጹሎም፧ (ለ) ኣምላኽ ንበይኑ ተወፋይነት ከም ዚደሊ ምስ ተዛረበ፡ እስራኤላውያን እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

12 ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ ዘጋጠመ ነገራት፡ መለበሚ ዝዀነና ተወሳኺ ትምህርቲ እውን ንረክብ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ መንጽር ከረን ሲና ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብኡ ድማ የሆዋ፡ ህያው ብዝዀነ መገዲ መንነቱ ኣርኣየ። ብተኣምራዊ መገዲ ጸሊም ደበና ተራእየ። ነጐዳን በርቅን ትክን ብቐጻሊ ዚስማዕ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትን እውን ነበረ። (ዘጸ. 19:16-19) ሽዑ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ‘ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ’ ከም ዝዀነ ገለጸሎም። ነቶም ዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን እሙን ከም ዝዀነ ድማ ኣረጋገጸሎም። (ዘጸኣት 20:1-6 ኣንብብ።) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣብ ጐድነይ እንተ ዄንኩም፡ ኣነ እውን ኣብ ጐድንኹም ክኸውን እየ” እዩ ዚብሎም ነይሩ። ነዚ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ተኣማንነት እንተ ትሰምዕ እንታይ ምላሽ ምሃብካ፧ ከምቲ እስራኤላውያን ዝሃብዎ ምላሽ ከም እትህብ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሳቶም “ብሓደ ድምጺ፡ ‘ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ንገብር’ ኢሎም መለሱ።” (ዘጸ. 24:3) ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ንተኣማንነት እስራኤላውያን ዚፍትን ዘይተሓስበ ነገር ኣጋጠመ።

13. ንተኣማንነት እስራኤላውያን ዝፈተነ ዅነታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

13 እስራኤላውያን በቲ ኣምላኽ ዘርኣዮም ጸሊም ደበናን በርቅን ካልእ ትእምርትታትን ፈሪሆም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ ባዕላቶም ዘቕረብዎ ሕቶ፡ ሙሴ ኣብ ክንዳኦም ምስ የሆዋ ምእንቲ ኺዛረብ ናብ ከረን ሲና ደየበ። (ዘጸ. 20:18-21) ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ከኣ ነዊሕ መዓልትታት ጸንሐ። እስራኤላውያን እቲ ዚእመንዎ መራሒኦም ምሳታቶም ስለ ዘይነበረ፡ ኣብቲ በረኻ ንበይኖም እተራሕርሑ ዀይኑ ደዀን ተሰሚዕዎም ይኸውን፧ እቶም ህዝቢ ብዓይኒ ኣብ ዚርአ ሰብኣዊ መራሒ ኣመና ትውክልቲ ኣሕዲሮም ነበሩ። ሙሴ ብምድንጓዩ ስለ እተጨነቑ ድማ ንኣሮን፡ “እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና” በልዎ።—ዘጸ. 32:1, 2

14. እስራኤላውያን እንታይ ብምሕሳብ እዮም ንርእሶም ኣታሊሎምዋ፧ የሆዋኸ እንታይ ተሰምዖ፧

14 እቶም ህዝቢ፡ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ልዕሊ የሆዋ ዚፍጸም ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 20:3-5) ነዊሕ ከይጸንሑ ምራኽ ወርቂ ኼምልኹ ምጅማሮምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጕሂ ዀን እዩ! እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ተግባር ዘይተኣዛዝነት ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግና ካብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዘይረሓቑ ብምሕሳብ ንርእሶም ኣታሊሎምዋ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣሮን ኣምልኾ ምራኽ ኬምልኹ ኸለዉ፡ “ንየሆዋ በዓል እዩ” በለ። እሞ ደኣ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ ከም እተጠልመ እዩ ተሰሚዕዎ። ንሙሴ ድማ፡ “ህዝብኻ ተበላሽዩ ኣሎ . . . ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣልጊሶም እዮም” በሎ። ነቲ ሓድሽ ዝቘመ ህዝቢ ‘ብዚነድድ ቍጥዓኡ’ ምሉእ ብምሉእ ኬጽንቶ እውን ሓሲቡ ነበረ።—ዘጸ. 32:5-10

15, 16. ሙሴን ኣሮንን ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

15 ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከየጥፍኦም ወሰነ። ሳላ ምሕረቱ ኸኣ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኣብ ጐድኑ ምዃኖም ኬርእዩ ዚኽእሉሉ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። (ዘጸ. 32:14) ሙሴ እቶም ህዝቢ ብጫውጫውታን ብደርፍን ኣብ ቅድሚ ጣኦት ብምስዕሳዕን ስዲ ኸም ዝኸዱ ረኣየ፣ ሽዑ፡ ነቲ ምራኽ ወርቂ ኣድኪሙ ጠሓኖ። ብድሕሪኡ፡ “ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧ ናባይ ይምጻእ!” በለ። “ኵሎም ሌዋውያን ከኣ ናብኡ ተኣከቡ።”—ዘጸ. 32:17-20, 26

16 ኣሮን ኣብ ፈለማ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ምቛም ተሳቲፉ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተነሲሑን ምስ ካልኦት ሌዋውያን ሓቢሩ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዀይኑን እዩ። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዀይኖም ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ካብቶም ሓጥኣን ርእሶም ፈልዮም እውን እዮም። እዚ ድማ ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነቲ ጣኦት ዘምለኹ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም። እቶም ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝነበሩ ግና በረኸት ከም ዚረኽቡ ተስፋ ተዋሂብዎም እዩ።—ዘጸ. 32:27-29

17. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ምራኽ ወርቂ ኻብ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ምራኽ ወርቂ ብምጥቃስ መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ፦ “እዚ ኸኣ . . . መለበሚ ዀይኑና ኣሎ። . . . ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። . . . [እቲ መለበሚ] ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” (1 ቈረ. 10:6, 7, 11, 12) ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ኣብ ሓጥእ ተግባራት ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እቶም ብፈተና ዝወደቑ፡ ሕማቕ ተግባራት እናፈጸሙ ኽነሶም ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ኺሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ፈታዊ የሆዋ ኽትከውን ምድላይ ወይ ንየሆዋ እሙን ከም ዝዀንካ ምዝራብ ጥራይ ሞገሱ ኸም ዘሎካ ዜረጋግጽ ኣይኰነን።—1 ቈረ. 10:1-5

18. ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

18 ከምቲ እስራኤላውያን ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ብምድንጓዩ እተጨነቑ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን መዓልቲ ፍርዲ የሆዋን ሓዳስ ዓለምን ከም ዝደንጐየ ዀይኑ ኺስምዖምን ኪጭነቑን ይኽእሉ እዮም። ተስፋታት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ እዋን ገና ርሑቕ ከም ዝዀነ ወይ ከኣ ኪኸውን ዘይክእል ነገር ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ቐይዲ ዘይንገብረሉ እንተ ደኣ ዄንና፡ ፍቓድ የሆዋ ዘይኰነስ ስጋዊ ድሌት ናብ ምቕዳም ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ድማ፡ ካብ የሆዋ ኽንርሕቕን ጽቡቕ መንፈሳውነት እንተ ዚህልወና ዘይንገብሮ ነገራት ክንገብርን ንኽእል ኢና።

19. እንታይ መሰረታዊ ሓቂ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

19 የሆዋ ብምሉእ ልብና ኽንእዘዞን ንዕኡ ጥራይ ክንውፈን ከም ዚደሊ ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። (ዘጸ. 20:5) ካብ ኣምልኾ የሆዋ ምስ እንዅብልል፡ ፍቓድ ሰይጣን ኢና እንገብር፣ እዚ ድማ ናብ ጥፍኣት እዩ ዚመርሓና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ፡ “ጽዋእ የሆዋን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ ‘መኣዲ የሆዋ’ን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉ ዝመኸረና።—1 ቈረ. 10:21

ናብ የሆዋ ልገብ

20. ስሕተት ምስ ፈጸምና እውን የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

20 እቲ ብዛዕባ ቃየልን ሰሎሞንን እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ዝፈጸምዎ ነገርን ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዜመሳስሎ ነገር ኣሎ። ኵሎም ‘ተነሲሖም ኪምለሱ’ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። (ግብ. 3:19) የሆዋ በቶም ስሕተት ዚፍጽሙ ሰባት ቀልጢፉ ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣሮን ይቕረ ኢሉሉ እዩ። ሎሚ እውን የሆዋ ብጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋት ወይ ከኣ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ብዚህበና ጽቡቕ ምኽርን ኣቢሉ መጠንቀቕታ ኺህበና ይኽእል እዩ። ነቲ መጠንቀቕታታት ምስ እንሰምዖ ድማ፡ ምሕረት የሆዋ ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

21. ነቲ ንኣምላኽ ንበይኑ ዘሎና ተወፋይነት ኣብ ፈተና ዜእቱ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

21 ጸጋ ኣምላኽ፡ ዕላማ ኣለዎ። (2 ቈረ. 6:1) እወ፡ “ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን” ክንሓድግ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (ቲቶስ 2:11-14 ኣንብብ።) “ኣብዚ ስርዓት እዚ” ኽሳዕ ዘለና፡ ነቲ ንኣምላኽ ንበይኑ ዘሎና ተወፋይነት ኣብ ፈተና ዜእቱ ዅነታት ኬጋጥመና እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ንኹን! ‘ንየሆዋ ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ንዕኡ ነገልግሎ፡ ናብኡ ኸኣ ንልገብ።’—ዘዳ. 10:20