ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ ኢና

ናይ የሆዋ ኢና

“የሆዋ ዝኣምላኹ፡ ርስቱ ገይሩ ድማ ዝሓረዮ ህዝቢ ሕጉስ እዩ።”—መዝ. 33:12

መዝሙር፦ 40, 50

1. ኵሉ ነገራት ናይ የሆዋ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኵሉ ነገራት ናይ የሆዋ እዩ። “ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን” ናቱ እዩ። (ዘዳ. 10:14፣ ራእ. 4:11) ንዅሎም ሰባት ዝፈጠረ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ናቱ ኢና። (መዝ. 100:3) ይኹን እምበር፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከም እተራእየ፡ ኣምላኽ ብፍሉይ መገዲ ናቱ ዚዀኑ ጕጅለ ህዝቢ በብእዋኑ ሓርዩ እዩ።

2. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍሉይ መገዲ ህዝቢ የሆዋ ዝዀኑ መን እዮም፧

2 ንኣብነት፡ መዝሙር 135 ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ “ፍሉይ ጥሪት” ኢላ እያ እትጠቕሶም። (መዝ. 135:4) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ሆሴእ ገሊኦም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት፡ ህዝቢ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ብትንቢት ተገሊጹ ኣሎ። (ሆሴ. 2:23) የሆዋ እንተላይ ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት መጋዝእቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ምስ መረጾም ድማ፡ ትንቢት ሆሴእ ተፈጺሙ እዩ። (ግብ. 10:45፣ ሮሜ 9:23-26) እዚ “ቕዱስ ህዝቢ” እዚ ኣባላቱ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ እተቐብኡን ሰማያዊ ህይወት ኪረኽቡ ስለ እተሓርዩን፡ ብዜደንቕ መገዲ “ፍሉይ ጥሪት” የሆዋ ዀይኑ እዩ። (1 ጴጥ. 2:9, 10) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም መብዛሕትኦም እሙናት ክርስትያናትከ፧ የሆዋ ነዚኣቶም እውን “ህዝበይ” ከምኡ ድማ “ሕሩያተይ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ።—ኢሳ. 65:22

3. (ሀ) ሎሚ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ዘለዎም መን እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ሎሚ፡ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም “ሒደት መጓሰ”ን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን፡ የሆዋ ኸም ህዝቡ መጠን ኣኽቢሩ ዚርእዮም “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም ብሓንሳእ ይዓይዩ ኣለዉ። (ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 10:16) የሆዋ ምስኡ ፍሉይ ርክብ ክንምስርት ስለ ዝፈቐደልና፡ ንዕኡ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ኸነርእዮ ንደሊ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ክብሪ ስለ ዝሃበና ብኸመይ ሞሳና ኸነርእዮ ኸም እንኽእል ክንመያየጥ ኢና።

ህይወትና ንየሆዋ ንውፊ

4. የሆዋ ምስኡ ርክብ ክንምስርት ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልና ኸነመስግኖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሱስ ከምኡ ዝገበረኸ ብኸመይ እዩ፧

4 ርእስና ብምሉእ ልብና ንየሆዋ ብምውፋይ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ነርኢ ኢና። ብማይ ተጠሚቕና ድማ፡ ናይ የሆዋ ኸም ዝዀንናን ብፍታውና ንዕኡ ኽንግዝኦ ኸም እንደልን ብግህዶ ነረጋግጽ ኢና። (እብ. 12:9) የሱስ እውን ኪጥመቕ ከሎ ተመሳሳሊ ነገር ገይሩ እዩ። ኣባል እቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ እኳ እንተ ነበረ፡ ፍቓድ የሆዋ ኺገብር ርእሱ ወፍዩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ “ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ” ኢሉ ኺብሃል ይከኣል እዩ።—መዝ. 40:7, 8፡ እ.ጽ.።

5, 6. (ሀ) የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ የሆዋ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ (ለ) የሆዋ ወናኒ ዅሉ ነገራት ክነሱ፡ ርእስና ንዕኡ ኽንውፊ ኸለና ስለምንታይ ከም ዚሕጐስ ብምሳሌ ኣብርህ።

5 የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ የሆዋ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ፣ እንሆ፡ ሰማያት ተኸፍተ፣ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ኺዓርፍ ከሎ ረኣየ። እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ ‘ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ’ ዚብል ድምጺ መጸ” ይብለና። (ማቴ. 3:16, 17) የሱስ ቅድሚ ጥምቀቱ እውን እንተ ዀነ ናይ ኣቦኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ብፍታዉ ምሉእ ብምሉእ ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብር ብምድላዩ የሆዋ ተሓጒሱ እዩ። ንሕና እውን ብፍታውና ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ የሆዋ ይሕጐስን ይባርኸናን እዩ።—መዝ. 149:4

6 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ብዙሕ ባህ ዜብል ዕምባባታት ተኺሉ ንበል። ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ንእሽቶ ጓሉ ሓንቲ ኻብተን ዕምባባታት ቀንጢባ ንኣቦኣ ኸም ህያብ ትህቦ። እቲ ኣቦ ግና፡ ‘እቲ ዕምባባታት ናተይ እንድዩ። ስለምንታይ እያ እትህበኒ፧’ ኢሉ ኣይሓትትን እዩ። እኳ ደኣስ፡ እቲ ህያብ እቲ፡ ጓሉ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅሮ ዜርኢ ስለ ዝዀነ፡ ብሓጐስ እዩ ዚቕበሎ። ካብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዘሎ ኻልእ ዕምባባታት ብዝያዳ ድማ ነታ ጓሉ ዝሃበቶ ሓንቲ ዕምባባ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእያ። የሆዋ እውን ብፍታውና ርእስና ንዕኡ ኽንውፊ ኸለና ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ።—ዘጸ. 34:14

7. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብፍታው ዜገልግልዎ ኸመይ ከም ዚስምዖ ሚልክያስ ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧

7 ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ። ዛጊት ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ዘይተጠመቕካ እንተ ደኣ ዄንካ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ምውሳድ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ሕሰበሉ። ርግጽ እዩ፡ ካብ እትውለድ ኣትሒዝካ ኸም ኵሉ ሰብ ናይ የሆዋ ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢኻ ተቐቢልካ ርእስኻ ንዕኡ ምስ እትውፍን ፍቓዱ ምስ እትገብርን፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ምሳ. 23:15) የሆዋ ነቶም ብፍታዎም ዜገልግልዎ ሞገሱ ይህቦም፡ ንስማቶም ከኣ ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ይጽሕፎ እዩ።

8, 9. የሆዋ እቶም ስሞም ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” እተጻሕፈ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደሊ፧

8 ስምና ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ተጻሒፉ ኪቕመጥ እንተ ደኣ ደሊና፡ ክንገብሮ ዜድልየና ነገር ኣሎ። ሚልክያስ፡ ‘ንየሆዋ ኽንፈርሆን ንስሙ ኸነስተንትነሉን’ ከም ዘሎና ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ንዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ነምልኽ እንተ ደኣ ዄንና፡ ስምና ኻብ መጽሓፍ የሆዋ ኺድምሰስ እዩ።—ዘጸ. 32:33፣ መዝ. 69:28

9 ስለዚ፡ ፍቓድ የሆዋ ኽንገብር ቃል ኣቲና ምጥማቕና ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እዚ ሓንሳእ ጥራይ እንገብሮ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ግና ኣብ ምሉእ ህይወትና እንፍጽሞ እዩ። ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ንየሆዋ ኸም እንእዘዞ ወትሩ ብተግባርና ኸነርኢ ኣሎና።—1 ጴጥ. 4:1, 2

ዓለማዊ ትምኒት ነወግድ

10. ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉን ዘየገልግሉን ሰባት ኪህሉ ዘለዎ ንጹር ፍልልይ እንታይ እዩ፧

10 ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ ቃየልን ሰሎሞንን እስራኤላውያንን ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ርኢና ኔርና። ኵሎም ንየሆዋ ኸም ዜምልኹ ዚኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንዕኡ ግና እሙናት ኣይነበሩን። እቲ ኻባታቶም እንረኽቦ መለበሚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኸም እነምልኽ ምዝራብና ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ እዩ ዚምህረና። የግዳስ፡ እከይ ክንጸልእን ሰናይ ከነፍቅርን ኣሎና። (ሮሜ 12:9) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሚልክያስ ብዛዕባ “መጽሓፍ መዘከርታ” ምስ ጠቐሰ፡ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ “ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ” ተዛሪቡ ኣሎ።—ሚል. 3:18

11. ንየሆዋ ንበይኑ ውፉያት ከም ዝዀንና ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግሁድ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሆዋ ህዝቡ ኽንከውን ስለ ዝሓረየና ኸነመስግኖ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። መንፈሳዊ ዕቤትና ‘ንዅሉ ርኡይ ኪኸውን’ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 4:15፣ ማቴ. 5:16) እምበኣር፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እሙን ከም ዝዀንኩ ኻልኦት ይፈልጡ ድዮም፧ ብዝረኸብክዎ ኣጋጣሚታት ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንኩ አፍልጥ ድየ፧’ የሆዋ ህዝቡ ኽንከውን ሓርዩና ኽነሱ፡ ናቱ ኸም ዝዀንና ንኻልኦት ካብ ምዝራብ ሰጋእ መጋእ ንብል እንተ ደኣ ዄንና፡ የሆዋ ብኣና ኣዝዩ ኺሓዝን እዩ።—መዝ. 119:46፣ ማርቆስ 8:38 ኣንብብ።

ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካ ብኣነባብራኻ ትፍለጥ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

12, 13. ገሊኦም ነቲ ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ዘለዎም መንነት ዜጥፍኡ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

12 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ክርስትያናት ን“መንፈስ ዓለም” ስለ ዝቐድሕዎ፡ ካብቶም ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ብዙሕ እተፈልዩ ኣይኰኑን። (1 ቈረ. 2:12) “መንፈስ ዓለም” ኣብ “ትምኒት ስጋና” ኸም እነተኵር እዩ ዚገብረና። (ኤፌ. 2:3) ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ብዙሕ ምኽሪ እኳ እንተ ተዋህበ፡ ገሊኦም ግና ሕጂ እውን እንተ ዀነ ቕጥዒ ዘይብሉ ቕዲ ይመርጹ እዮም። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ከይተረፈ ምስ ሰብነቶም ኣመና ዚጠብቕን ንኣካላቶም ዚቐልዕን ክዳውንቲ ይኽደኑ እዮም። ወይ ከኣ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣቀማቕማን ኣመሻሽጣን ጸጕሪ ይሓርዩ እዮም። (1 ጢሞ. 2:9, 10) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ምስ ካልኦት ኪሕወሱ ኸለዉ ናይ የሆዋ ድዮም ወይስ “ዓርኪ ዓለም” ብቐሊሉ ኣይልለዩን እዮም።—ያእ. 4:4

13 ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብኻልእ መገድታት ካብ ዓለማዊ ኣካይዳ ምሉእ ብምሉእ ኣይረሓቑን። ንኣብነት፡ ኣብ ድግስ ዚስዕስዕዎ ሳዕስዒትን ዜርእይዎ ጠባይን ክርስትያናት ኪገብርዎ ዘይግባእ እዩ። ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዚልጥፍዎ ስእልታትን ዚህብዎ ሓሳባትን ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዜንጸባርቕ እዩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ዋላ እውን ከቢድ ሓጢኣት ጌርኩም ተባሂሎም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተግሳጽ እንተ ዘይተዋህቦም፡ ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘለዉ ሰናይ ኣካይዳ ኺህልዎም ዚጽዕሩ መሳቱኦም ሕማቕ ጽልዋ ኪዀንዎም ይኽእሉ እዮም።1 ጴጥሮስ 2:11, 12 ኣንብብ።

በቶም ኣብ ጐድኒ የሆዋ ጸኒዖም ዘይመላለሱ ኣይትጸሎ

14. ምስ የሆዋ ንዘሎና ፍሉይ ዕርክነት ክንሕልዎ እንተ ደሊና፡ እንታይ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

14 እዛ ዓለም እዚኣ፡ “ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባልን” እያ ኣመና እተስፋሕፍሕ ዘላ። (1 ዮሃ. 2:16) ንሕና ግና ናይ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ “ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር” መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። (ቲቶ. 2:12) ኣዘራርባና፡ ናይ ብልዕን መስተን ልማዳትና፡ ኣብ ስራሕ እነርእዮ ስነ ምግባር ኰታስ ኵሉ እንገብሮ ነገራት ንኣምላኽ ንበይኑ ጥራይ ውፉያት ከም ዝዀና ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።1 ቈረንቶስ 10:31, 32 ኣንብብ።

‘ኣብ ንሓድሕድና ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኣላትና’

15. ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ብፍቕርን ብለውሃትን ክንሕዞም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና እንሕዘሉ መገዲ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ፍሉይ ዕርክነት ሞሳ ኸም ዘሎና ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ንሳቶም እውን ናይ የሆዋ እዮም። እዚ እንተ ዘይረሲዕና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ወትሩ ብፍቕርን ብለውሃትን ክንሕዞም ኢና። (1 ተሰ. 5:15) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።—ዮሃ. 13:35

16. የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ ዘለዎ ስምዒት ዜብርህ ካብ ሕጊ ሙሴ እንረኽቦ ኣብነት እንታይ እዩ፧

16 ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኣሕዋትና ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና ንምብራህ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ኣስተብህለሉ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነበረ ኣቕሑ ንንጹህ ኣምልኾ ጥራይ እተወፈየ ወይ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ እዚ ኣቕሑ እዚ ብኸመይ ኪተሓዝ ከም ዘለዎ ዝርዝር ትእዛዝ ይህብ እዩ። ነዚ ትእዛዝ እዚ ዚጥሕሱ ዘበሉ ድማ ብሞት ይቕጽዑ ነበሩ። (ዘሁ. 1:50, 51) የሆዋ ነዚ ንኣምልኾኡ ዜገልግል ዝነበረ ህይወት ዘይብሉ ኣቕሑ ብቕንኣት ካብ ሓለዎ፡ ነቶም ህዝቡ ኪዀኑ ዝሓረዮም ርእሶም ዝወፈዩ እሙናት ኣገልገልቱ ደኣ እሞ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ዘይሕልዎም! የሆዋ ንህዝቡ፡ “ዚትንክየኩም ዘበለ፡ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” ኢልዎም ኣሎ።—ዘካ. 2:8

17. የሆዋ ‘ዜቕልበሉን ዚሰምዖን’ እንታይ እዩ፧

17 የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቡ ዘሎ ርክብ ‘ዜቕልበሉን ዚሰምዖን’ ምዃኑ ሚልክያስ ገሊጹ ኣሎ። (ሚል. 3:16) ብርግጽ፡ የሆዋ “ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ።” (2 ጢሞ. 2:19) ንዅሉ እቲ እንገብሮን እንዛረቦን ነገራት ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። (እብ. 4:13) ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ብሕያውነት ዘይንሕዞም እንተ ዄንና፡ የሆዋ ‘የቕልበሉን ይሰምዖን’ እዩ። ንኣሕዋትና ብግሽነት እንቕበልን ለጋሳትን ይቕረ በሃልትን ሕያዎትን እንተ ዄንና ድማ፡ የሆዋ ነዚ እውን ከም ዜቕልበሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብ. 13:16፣ 1 ጴጥ. 4:8, 9

“የሆዋ ንህዝቡ ኣይኪጥንጥኖን እዩ”

18. የሆዋ ህዝቡ ኽንከውን ስለ ዝሓረየና ሞሳና ኸነርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 የሆዋ ህዝቡ ኽንከውን ስለ ዝሓረየና ሞሳና ኸነርእዮ ሃንቀው ከም እንብል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብፍታውና ርእስና ንዕኡ ብምውፋይ ናቱ ኸም ዝዀንና ምርኣይና ጥበባዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ” ንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ‘መንቅብ ዘይብልናን ገርህታትን ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እነብርህን’ ምዃንና፡ ሰባት ኪፈልጡ ንደሊ ኢና። (ፊል. 2:15) ንእከይ ድማ ንፍንፍኖ ኢና። (ያእ. 4:7) ብዘይካዚ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እውን ናይ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ስለ እንፈልጥ፡ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ንሕዞም ኢና።—ሮሜ 12:10

19. የሆዋ ነቶም ናቱ ዝዀኑ ዓስቦም ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧

19 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንህዝቡ ኣይኪጥንጥኖን እዩ” ብምባል ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (መዝ. 94:14) እዚ ድማ ዜተኣማምን ቃል እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ የሆዋ ምሳና እዩ። ዋላ እውን እንተ ሞትና፡ የሆዋ ፈጺሙ ኣይርስዓናን እዩ። (ሮሜ 8:38, 39) “ብህይወት እንተ ነቢርና፡ ንየሆዋ ኢልና ኢና እንነብር፣ እንተ ሞይትና ኸኣ፡ ንየሆዋ ኢልና ኢና እንመውት። እምበኣር፡ ብህይወት እንተ ነቢርና ወይስ እንተ ሞይትና፡ ናይ የሆዋ ኢና።” (ሮሜ 14:8) ነታ የሆዋ ንዅሎም እሙናት ፈተውቱ ኻብ ምዉታት ዜተንስኣላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበያ። (ማቴ. 22:32) ሕጂ እውን ብዙሕ በረኸት ረኺብና ኢና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “የሆዋ ዝኣምላኹ፡ ርስቱ ገይሩ ድማ ዝሓረዮ ህዝቢ ሕጉስ እዩ።”—መዝ. 33:12