ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧

ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧

“ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።”—ምሳ. 18:13

መዝሙር፦ 126, 95

1, 2. (ሀ) ከነማዕብሎ ዘሎና ኣገዳሲ ኽእለት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን፡ ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ መርሚርና ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ናይ ምብጻሕ ክእለት ከነማዕብል ኣሎና። (ምሳ. 3:21-23፣ 8:4, 5) እዚ ኽእለት እዚ እንተ ዘየማዕቢልና፡ ሰይጣንን ዓለሙን ንኣተሓሳስባና ብቐሊሉ ኼበላሽውዎ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 5:6፣ ቈሎ. 2:8) ብርግጽ፡ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኽንበጽሕ እንኽእል፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ጥራይ እንተ ኣልዩና እዩ። ከምቲ ምሳሌ 18:13 እትብሎ ድማ፡ “ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ” እዩ።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ምርካብን ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምስ ምብጻሕን ዚተሓሓዝ ብድሆታት ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብትኽክል ናይ ምምርማር ክእለትና ኸነመሓይሽ ዚሕግዘና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ስርዓታትን ኣብነታትን ክንርኢ ኢና።

“ኵሉ ቓል” ኣይትእመን

3. ነቲ ኣብ ምሳሌ 14:15 ዚርከብ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ሎሚ፡ ሰባት ኣመና ብዙሕ ሓበሬታ ይረኽቡ እዮም። ወብ ሳይታት ኢንተርነትን ተለቪዥንን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል ሓሳባት ይዝርግሓ እየን። ብዙሓት ሰባት ከኣ ካብ ፈተውቶምን ዚፈልጥዎም ሰባትን ማእለያ ዘይብሉ ኢ-መይላትን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ወረን ይበጽሖም እዩ። ደይ መደይ ኢልካ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ንሓበሬታ ብቔናን መገዲ ምምሕልላፍን ልሙድ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ እንሰምዖ ዘበለ ተጠንቂቕና ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። እሞ ደኣ ኺሕግዘና ዚኽእል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ ምሳሌ 14:15 ዚርከብ፡ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ዚብል ስርዓት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

4. ፊልጲ 4:8, 9፡ እነንብቦ ነገራት ብጥንቃቐ ኽንመርጽ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ ቅኑዕ ሓበሬታ ኺህልወና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (“ ቅኑዕ ሓበሬታ ኽንረክብ ዚሕግዘና መሰናድዎታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

4 ቅኑዕ ውሳነታት ምእንቲ ኽንገብር፡ ዜተኣማምን ሓበሬታ ኽንረክብ ኣሎና። ስለዚ፡ ብልዑል ጥንቃቐ ዝመረጽናዮ ሓበሬታ ጥራይ ኢና ኸነንብብ ዘሎና። (ፊልጲ 4:8, 9 ኣንብብ።) ዜተሓታት ዜና ኣብ ኢንተርነት ብምርኣይ ወይ ከኣ ብኢ-መይል ዚዝርጋሕ ዘይተረጋገጸ ወረ ብምንባብ ግዜና ኸነጥፍእ የብልናን። ብፍላይ ከኣ ከሓድቲ ኻብ ዚጥቀሙሉ ወብ ሳይታት ክንርሕቕ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ንህዝቢ ኣምላኽ ምብትታንን ንሓቂ ምቕናንን ጥራይ እዩ። ዘየተኣማምን ሓበሬታ ኸኣ ናብ ዘይቅኑዕ ውሳነ እዩ ዚመርሕ። ስለዚ፡ ነቲ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ኬሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን።—1 ጢሞ. 6:20, 21

5. እስራኤላውያን እንታይ ክፉእ ወረ እዮም ሰሚዖም፧ እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሎም፧

5 ናይ ሓሶት ወረ ምእማን ጐዳኢ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብግዜ ሙሴ፡ ካብቶም ንምድሪ ተስፋ ኺስልይዋ እተላእኩ 12 ሰለይቲ እቶም 10 ኽፉእ ወረ ሒዞም ምስ ተመልሱ እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ዘክር። (ዘሁ. 13:25-33) እቲ እተጋነነን ክፉእን ወሪኦም ንህዝቢ የሆዋ ኣጃጅይዎም እዩ። (ዘሁ. 14:1-4) እቶም ህዝቢ ዝፈርሁ ስለምንታይ እዮም፧ ምናልባት ነቲ ኽፉእ ወረ ሒዞም ዝመጹ መብዛሕቶም እቶም ሰለይቲ ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ወሪኦም ሓቂ ኸም ዝዀነ ኣሚኖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ እቶም ትውክልቲ ዚግበሮም እያሱን ካሌብን ሒዞምዎ ንዝመጹ ጽቡቕ ወረ ኺሰምዑ ኣይደለዩን። (ዘሁ. 14:6-10) ቅኑዕ ሓበሬታ ኺረኽቡን ብየሆዋ ኺተኣማመኑን ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ፡ ነቲ ኽፉእ ወረ ኺሰምዑ መረጹ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ!

6. ብዛዕባ ህዝቢ የሆዋ ዜሰምብድ ወረ ኽንሰምዕ ከለና ኺገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

6 ብፍላይ ብዛዕባ ህዝቢ የሆዋ ዚገልጽ ወረ ኽንሰምዕ ከለና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ሰይጣን ከሳሲ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። (ራእ. 12:10) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ፡ ተጻረርትና ‘ኽፉእ ዘበለ ብሓሶት ከም ዚዛረቡልና’ ዘጠንቀቐ። (ማቴ. 5:11) ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣርዚንና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ህዝቢ የሆዋ ዜሰምብድ ወረ ኽንሰምዕ ከለና ኣይገርመናን እዩ።

7. ኢ-መይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ቅድሚ ምልኣኽና እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

7 ናብ ፈተውትኻን ናብ እተፈልጦም ሰባትን ኢ-መይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ምልኣኽ ባህ ይብለካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከምቲ ንዝረኸቦ ሓድሽ ዜና ቕድሚ ዅሉ ኼውሪ ዚህንጠ ጋዜጠኛ፡ ንስኻ እውን ንዝረኣኻዮ ሓድሽ ዜና ወይ ንዝሰማዕካዮ ተመክሮ ኽትዝርግሖ ትህንጠ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ኢ-መይል ቅድሚ ምልኣኽካ፡ ‘እዚ ኽዝርግሖ ሓሲበ ዘለኹ ሓበሬታ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ርግጸኛ ድየ፧ ብሓቂ እተማልአ ሓበሬታ ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትታ ኣሎካ። ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ከይሓሰብካዮ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ናይ ሓሶት ወረ ኽትዝርግሕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ልክዕነት እቲ ሓበሬታ እንተ ተጠራጢርካ፡ ኣብ ክንዲ እትልእኮ፡ ደምስሶ።

8. ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ተጻረርትና እንታይ እዮም ገይሮም፧ ከይሓሰብናዮ ምሳታቶም ክንተሓባበር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

8 ኢ-መይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ቀልጢፍካ ምልኣኽ ካልእ ሓደጋ እውን ኣለዎ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ዕዮና ቐይዲ ተገይሩሉ ወይ ከኣ ተኣጊዱ ኣሎ። ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዘለዉ ተጻረርትና ኸኣ ኣብ መንጎና ፍርህን ጥርጣረን ምእንቲ ኺዘርኡ ዀነ ኢሎም ናይ ሓሶት ወረ ይዝርግሑ እዮም። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዘጋጠመ ዅነታት ከም ኣብነት ንርአ። ከይ.ጂ.ቢ. ዚብሃል ናይ ምስጢር ፖሊስ፡ ብዙሓት ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ንህዝቢ የሆዋ ኸም ዝኸሓድዎም ዚገልጽ ናይ ሓሶት ወረ ነዝሐ። * ብዙሓት ከኣ ነዚ ናይ ሓሶት ወረ ስለ ዝኣመኑ፡ ካብ ውድብ የሆዋ ረሓቑ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ድሕሪ ግዜ መብዛሕትኦም እኳ እንተ ተመልሱ፡ ገሊኦም ግና ጠፊኦም ተሪፎም እዮም። እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ጠፊኣ እያ። (1 ጢሞ. 1:19) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ሳዕቤን ከተወግድ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣሉታዊ ወይ ዘይተረጋገጸ ወረ ኣይትዘርግሕ። ኣይትተዓሾ። ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ።

ዘይተማልአ ሓበሬታ

9. ቅኑዕ ሓበሬታ ኸይትረክብ ዕንቅፋት ኪዀነካ ዚኽእል ካልእ ጸገም እንታይ እዩ፧

9 እተወሰነ ሓቅነት ጥራይ ዘለዎ ወይ ዘይተማልአ ሓበሬታ እውን ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኸይትበጽሕ ዕንቅፋት ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ዓሰርተ ሚእታዊት ጥራይ ሓቂ ዝዀነ ሓበሬታ፡ ሚእቲ ኻብ ሚእቲ ዜጋጊ እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። እሞ ደኣ እተወሰነ ሓቂ ጥራይ ዝሓዘ ዜታልል ሓበሬታ ኸነወግድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ኤፌ. 4:14

10. እስራኤላውያን ምስ ኣሕዋቶም ኪዋግኡ ቐሪቦም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ዘይተዋግኡኸ ስለምንታይ እዮም፧

10 ነቶም ብግዜ እያሱ ብምዕራባዊ ሸነኽ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚቕመጡ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ከም ዘጋጠሞም እሞ ሕሰብ። (እያ. 22:9-34) ነቶም እስራኤላውያን፡ ብምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋቶም (ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን)፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዓብዪ መሰውኢ ኸም ዝሰርሑ ዚገልጽ ወረ በጽሖም። እቲ ወረ እተወሰነ ሓቅነት ነይርዎ እዩ። እቶም ብምዕራባዊ ሸነኽ ዝነበሩ ኸኣ፡ ነዚ ዘይተማልአ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም እቶም ብምብራቓዊ ሸነኽ ዚነብሩ ኣሕዋቶም ካብ የሆዋ ኸም ዝዓለዉ ዀይኑ ተሰምዖም። ስለዚ፡ እቶም ብምዕራባዊ ሸነኽ ዚነብሩ ምስቶም ብምብራቓዊ ሸነኽ ዚነብሩ ንምውጋእ ኪኸዱ ተኣከቡ። (እያሱ 22:9-12 ኣንብብ።) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ቅድሚ ናብ ውግእ ምኻዶም፡ ነቲ ጕዳይ ዜጻርዩ እሙናት ሰባት ለኣኹ። እሞ ደኣ እቶም ሰብኡት እንታይ እዮም ኣረጋጊጾም፧ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን መሰውኢ ዝሰርሑ መስዋእቲ ኬቕርቡሉ ኢሎም ዘይኰነስ፡ መዘከርታ ኪዀኖም እዮም። ኣብ መጻኢ፡ ንሳቶም እውን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ ኢሎም እዮም። እቶም እስራኤላውያን በቲ ዝረኸብዎ ዘይተማልአ ሓበሬታ ኸይተገርሁ ነቲ ነገር ብምጽራዮም ንኣሕዋቶም ካብ ምጽናት ስለ ዝደሓኑ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ!

11. (ሀ) መፊቦሸት ግዳይ ዘይፍትሓዊ ተግባር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ነዚ ተግባር እዚ ኼወግዶ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

11 ብደረጃ ውልቀ ሰብ እውን፡ ብዛዕባና እተወሰነ ሓቅነት ጥራይ ዘለዎ ወይ ዘይተማልአ ሓበሬታ ኺዝርጋሕ ከሎ ኽንጕዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ መንጎ ንጉስ ዳዊትን መፊቦሸትን ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ሕሰብ። ዳዊት ንመፊቦሸት ብልግስን ብለውሃትን ተደሪኹ ንዅሉ እቲ ናይ ኣቦሓጎኡ ሳኦል ዝነበረ መሬት መሊሱሉ ነበረ። (2 ሳሙ. 9:6, 7) ጸኒሑ ግና፡ ንዳዊት ብዛዕባ መፊቦሸት ሕማቕ ወረ በጽሖ። ነቲ ነገር ከየጻረየ ኸኣ፡ ንዅሉ ንብረት መፊቦሸት ወሲዱ ንኻልእ ሰብ ሃቦ። (2 ሳሙ. 16:1-4) ደሓር ግና፡ ዳዊት ምስ መፊቦሸት ምስ ተዘራረበ፡ ከም እተጋገየ ፈለጠ፣ ፍርቂ ንብረቱ ኸኣ መለሰሉ። (2 ሳሙ. 19:24-29) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ኣብቲ ዝረኸቦ ዘይተማልአ ሓበሬታ ተመርኲሱ ስጕምቲ ኣብ ክንዲ ዚወስድ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ኺረክብ እንተ ዚጽዕር ነይሩ፡ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣይምገበረን።

12, 13. (ሀ) የሱስ ብዛዕባኡ ሕሜት ምስ ተነዝሐ እንታይ ገበረ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ብዛዕባና ናይ ሓሶት ወረ ምስ ዜውሪ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

12 ሓደ ሰብ ብዛዕባኻ ሕሜት እንተ ነዚሑኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ የሱስን ዮሃንስ መጥምቕን ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኣጋጢምዎም እዩ። (ማቴዎስ 11:18, 19 ኣንብብ።) እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ንርእሱ ኺጣበቐላ ኢሉ ግዜኡን ጕልበቱን ኣየጥፍአን። የግዳስ፡ ንሰባት ነቲ ዚገብሮን ዚምህሮን ዝነበረ ነገር ከም ጭቡጥ መርትዖ ገይሮም ኪወስድዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። “ጥበብ ብግብራ እዩ ቕንዕቲ ምዃና ዚረጋገጽ” እውን በለ።—ማቴ. 11:19፣ እ.ጽ.።

13 ካብ የሱስ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንምሃር። ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ብዛዕባና ዘይፍትሓዊ ወይ ኣሉታዊ ነገር ኪዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ፍትሒ ኽንረክብን ስምና ኸነሐድስን እውን ንጽዕር ንኸውን። ሓደ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር ግና ኣሎ። ሓደ ሰብ ብዛዕባና ሓሶት እንተ ኣውርዩ፡ እቲ እተወርየ ወረ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ብኣካይዳና ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ካብ ኣብነት የሱስ ከም እንምሃሮ፡ ቅኑዕ ክርስትያናዊ ናብራ ምስ እንነብር፡ እቲ ብዛዕባና እተወርየ እተወሰነ ሓቅነት ጥራይ ዘለዎ ወይ ናይ ሓሶት ወረ ቕኑዕ ከም ዘይኰነ ኺረጋገጽ ይኽእል እዩ።

ንርእስኻ እምብዛ ትኣምና ዲኻ፧

14, 15. ንርእስና እምብዛ ምእማን መፈንጠራ ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ዜተኣማምን ሓበሬታ ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርኢና ኢና። ብዘይካዚ፡ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናና ኻልእ ብድሆ ኺፈጥረልና ይኽእል እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊልናዮ፡ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛንን ናይ ምስትውዓልን ክእለት ከኣ ኣማዕቢልና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ስለ ዘሎና ኸኣ ሰባት የኽብሩና ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ እዚ እውን መፈንጠራ ኪዀነና ይኽእል ድዩ፧

15 እወ፡ ንርእስና እምብዛ ንኣምና እንተ ዄንና፡ መፈንጠራ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ስምዒታትናን ውልቃዊ ኣረኣእያናን ንኣተሓሳስባና ኺዕብልሎ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሓደ ዅነታት ቅኑዕ ሓበሬታ ዘይብልና ኽነስና፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እተረድኣና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ዀን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንጽጋዕ ከም ዘይብልና ብንጹር የጠንቅቐና እዩ።—ምሳ. 3:5, 6፣ 28:26

16. ቶማስ ኣብ ቤት ምግቢ እንታይ እዩ ርእዩ፧ ብሃወኽ ዝበጽሖ መደምደምታኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

16 ነዚ ዚስዕብ ሓሳባዊ ፍጻመ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ቶማስ ዝስሙ ምኩር ሽማግለ፡ ሓደ ምሸት ኣብ ቤት ምግቢ ኺምገብ ከሎ፡ ሓደ መገላግልቱ ዝዀነ ዮሃንስ ዝስሙ ሽማግለ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ዘይኰነት ሰበይቲ ኾፍ ኢሉ ረኣዮ። ቶማስ፡ ዮሃንስ ነታ ሰበይቲ ኺሓቝፋን ምስኣ ኺስሕቕን ኪጻወትን እውን ረኣየ። በዚ ድማ ብዙሕ ተረበሸ። ‘ኪፋታሕ ደዀን ይኸውን፧ ብዓልቲ ቤቱ እንታይ ክትከውን እያ፧ ደቁኸ ኸመይ ኪዀኑ እዮም፧’ ኢሉ ድማ ሓሰበ። ቶማስ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ ርእዩ እዩ። ንስኻኸ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ትርኢ ኔርካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧

17. ቶማስ ጸኒሑ ዝፈለጦ ነገር እንታይ እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

17 ይኹን እምበር፡ ቶማስ፡ ዮሃንስ ንብዓልቲ ቤቱ ኸም ዝጠለማ እኳ እንተ ሓሰበ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ግና ኣለዎ ድዩ፧ ቶማስ ኣማስዩ ኻብቲ ቤት ምግቢ ምስ ተመልሰ፡ ናብ ዮሃንስ ደወለ። እታ ሰበይቲ ንዮሃንስ ብስጋ ሓብቱ ኸም ዝዀነትን ካብ ካልእ ከተማ ኽትበጽሖ ኸም ዝመጸትን ድማ ፈለጠ። ክልቲኦም ኣሕዋት ካብ ዘይረኣኣዩ ነዊሕ ዓመታት ገይሮም ነበሩ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ ካልእ ከተማ ስለ እትኸይድ ከኣ፡ ዮሃንስ ኣብ ቤት ምግቢ ጥራይ እዩ ኪረኽባ ኽኢሉ። ብዓልቲ ቤቱ ግና ክትመጽእ ኣይከኣለትን። ቶማስ ነዚ ዅሉ ሓበሬታ እዚ ምስ ረኸበ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ቀሲኑ ይኸውን። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ቶማስ ነቲ ግጉይ መደምደምታኡ ንኻልኦት ብምንጋር ኣይነዝሖን። ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧ ንየሆዋ ነነዊሕ ዓመታት ብምግልጋል ዘጥረናዮ ተመክሮ ብዘየገድስ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ኸይረኸብና ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኽንበጽሕ ተመክሮ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን።

18. ነቲ ብዛዕባ ኣሕዋትና ዚንገር ሕማቕ ወረ ኸም እንኣምኖ ኺገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

18 ምስ ሓደ ኣብ ጉባኤና ዘሎ ሓው ብሕታዊ ዘይምስምማዕ እንተ ኣልዩና፡ ንዕኡ ዚምልከት ሓበሬታ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ምምርማር ኬጸግመና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘሎና ዘይምስምማዕ ብቐጻሊ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ንሓውና ኽንጥርጥሮ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ሓውና ሕማቕ ወረ እንተ ሰሚዕና፡ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ ቅኑዕ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይብልና፡ ነቲ ወረ ኽንኣምኖ ንህንጠ ንኸውን። ካብዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ንኣሕዋትና ቒም ንሕዘሎም እንተ ዄንና፡ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ዘይተመስረተ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 6:4, 5) ስለዚ፡ ቅንኢ ኣብ ልብና ሱር ኪሰድድ ከነፍቅደሉ የብልናን። ሕማቕ ስምዒት ንልብና ኺዕብልሎ ኣብ ክንዲ እንፈቅድ፡ ንኣሕዋትና ኸነፍቅር ሓላፍነት ከም ዘሎና ብምግንዛብ ካብ ልብና ብናጻ ይቕረ ኽንብለሎም ኣሎና።ቈሎሴ 3:12-14 ኣንብብ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕልወካ እዩ

19, 20. (ሀ) ነቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኽንምርምሮ ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 ሎሚ ዘተኣማምን ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ ሓበሬታ ዘይተማልአ ወይ እተወሰነ ሓቅነት ጥራይ ዘለዎ እዩ። ዘይፍጽምናና እውን ጽልዋ ይገብረልና እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ኸይሰማዕካ ምላሽ ምሃብ ዕሽነትን ውርደትን ከም ዝዀነ ይገልጽ። (ምሳ. 18:13) ካልእ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ከይመርመርና ንዅሉ ቓል ክንኣምን ከም ዘይብልና የዘኻኽረና። (ምሳ. 14:15) ንየሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ብምግልጋል ዘጥረናዮ ተመክሮ ብዘየገድስ፡ ንርእስና እምብዛ ኸይንኣምና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ምሳ. 3:5, 6) ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኽንበጽሕን ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኽንገብርን ካብ ዜተኣማምን ምንጪ ዝረኸብናዮ ቕኑዕ ሓበሬታ ንጥቀም እንተ ደኣ ዄንና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕልወና እዩ።

20 ይኹን እምበር፡ ካልእ ጸገም እውን ኣሎ። እዚ ጸገም እዚ፡ ብደጋዊ ትርኢት ተመስሪትካ ቐልጢፍካ ናይ ምፍራድ ዝንባለ እዩ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እዚ ጌጋ እዚ ኽንፍጽመሉ እንኽእል መዳያትን ነዚ ብኸመይ ከም እነወግዶን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2004 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 111-112 ከምኡ እውን መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 133-135 ርአ።